www.blina.org

ደምዳሚ መግለጺ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 02 January 2013 23:20

ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ብደግሓሳኤ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ብደግሓሳኤ ካብ 28-31 ታሕሳስ 2012 ዘካየዶ 6 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ብደግሓሳኤ ኣብ ኣኼብኡ፤ ጎዕዞ ክልተ ዓመታታት፡ ህልው ውድባዊ ኩነታትን ኣፈጻጽማ ኣብ ሓምሻይ ስሩዕ ኣኼባ // ዝተመሓላለፉ ውሳኔታትን ዝተሓንጸጹ መደባትን ዘካተተ ገምጋማዊ ምይይጥ ኣካይዱ፡፡ ብተወሳኺ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ ኩነታት ጸላኢ ድማ ብፍላይ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዘካየዶ ምይይጥ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምሕላፍ 6 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ናይ ክልተ ዓመት ጎዕዞ ውድብና ብሓፈሻ፡ ኣፈጻጽማ

ኣብ ሓምሻይ ስሩዕ ኣኼባ // ዘተወጠኑ መደባት ድማ ብፍላይ ኣመልኪቱ፡-

ድሕሪ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ብደግሓሳኤ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘውሓሰ፡ ዘተኣማምን ደሞክራስያውን ትካላውን ኣሰራርሓ ዘማዕበለን ጽሬየት መስመሩ ዝሓለወ ውድብ ተሃንጹ ምህላዉ ማእከላይ መሪሕነት ገምጊሙ፡፡ ሰላ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዉጹዕ ህዝብናን ጀጋኑ ተጋደልቲ ብደግሓሳኤን፤ ውድብና ብደግሓሳኤ ኣብ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባዊ፡ ዜናውን መዳያት ዝነኣድ ዓወታት ከምዝመዝገበን ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ድማ፡ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ደሞክራስያዊ ለውጢ ከም እንርከብን ዘመልክትን፡ ንግዚያዊ ዓወታት ከይተዛነና ብዝተዓጻጸፈ መልክዕ ብጽንዓት ከንቃለስ ዘተባብዕ ምዃኑ // ኣስሚሩሉ፡፡

ብተወሳኺ፡ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብደግሓሳኤ፡ ኣብ ግዚኡ ብዓወት ንምስልሳል ጽፉፍ ቅድመ ምድላው ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ክሳብ 7 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ወተሃደራዊ፡ ዜናውን ቁጠባውን ከምኡ እውን ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዝያዳ ቱኽረት ተዋሂቡዎም ክስረሓሎም ዘለዎም መዳያት ምዃኖም // ኣብ 6 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሚቱ፡፡

// ኣብ 6 ስሩዕ ኣኼብኡ ነዊሕ ግዜ ሂቡ ካብ ዝተመያየጠሎም ጉዳያት ሓደ፤ ብዛዕባ ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ) ኢዩ፡፡ ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ግዜ ርክባትን ሃነጽቲ ዘተታት ድሕሪ ምክያድ ዝተበጽሐ፡ ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ናይ ምምስራት ስምምዕ፡ ሓበራዊ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምምራጽ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2012 ታሪኻዊ ግንባራዊ ስሚናርን ዕዉት መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ብዓወት ድሕሪ ምስልሳሉ፡ ብማእከላይ ባይቶ ግንባር ኤግደለ ዝተመሓላለፉ ውሳኔታትን ዝተሓንጸጹ መደባትን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክልቲኡ ውድባት ብዝግባእ ይዕመም ምህላዉ ገምጊሙ፡፡ ብፍላይ ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤግደለ ዘተወደበ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ኣብ ምክትታል ዘርእይዎ ዘለዉ ተገዳስነትን፡ ኣብ ዞባታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳን ኢስራኤልን ዝርከቡ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ቀዳምነት ንግንባራዊ ዕማማት ብምሃብ፡ ዞባዊ ግንባራዊ ሽማግለታት ንምቛም ዘካይድዎ ዘለው ዘይሕለል ቃልሲ // ኣሞጊሱ፡፡ ከምኡ እውን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ግንባርና ኤግደለ፡ ካብ ተመክሮታት ሰውራና ዘድሊ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ካብ ቃልሲ ቦኺሩ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ሃገራዊ ጸጋታት ብሓፈሻ፡ ጸጋታት መንእስያት፡ ደቀ ኣንስትዮ፡ ሙሁራትን ጸለውቲ ሃገራውያን ባእታታትን ድማ ብፍላይ ብዝግባእ ብምግንዛብ፡ ብግቡእ ክጥቀመሉ ከምዝግባእ // ኣስሚሩሉ፡፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእስያት ንድሕነት ሃገር ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ መንእስያት ግቡእ ተረኦም ንክጻወቱ ዘካየድዎ ዘለው ጻዕሪ ብምንኣድ ብደግሓሳኤ/ኤግደለ ኣብ ጎድኖም ከም ዝስለፍ ማእከላይ መሪሕነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ፡-

ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ዕድሜ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብታት ብምግሃስ፡ ዜጋታት ኣደዳ ስደትን ከርፋሕ መነባብሮን ካብ ዝሳጠሑ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ሓለፈ፡ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላዘዓይነቱ፡ ህዝብን ሃገርን ዝብትን ሓደገኛ ፖሊሲኡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኣንጸላልዩና ከምዘሎ ማእከላይ መሪሕነት ገምጊሙ፡፡ ናይዚ እቲ ዝዓበየ መግለጺ፡ ልዕሊ ዕድሜን ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ብሕታውን ትካላት ዝሰርሓ ደቀ ኣንስትዮ ዝሓወሰ ኣልማማ ምዕጣቕ ብረትን፡ ብሽም ዝኾብለሉን ዘይ ዓጠቑን ብዘይ ምቁራጽ ቀጻሊ ዘካይዶ ዘሎ ጉዱድ ዕስክርና በቲ ሓደ ሸነኽ፤ ኣብ ሞንጎ ካቢነ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ተፈጢሩ ብዘሎ ዘይምርድዳእን ቀጻሊ ምግርጫዋትን፡ ብዙሓት ስበ ስልጣናት ዘኣረገ ሰርዓቶም ራሕሪሖም ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ከለው፡ ብርክት ዝበሉ ሚኒስተራት ዝረኽቡዎም ብዙሓት ሰበ ስልጣናት ድማ ካብ ስርሖም ይድስክሉ ምህላዎም ናይ ኣደባባይ ሚስጥር ኮይኑ ብምህላዉ፡ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ውሽጣዊ ውድባዊ ሂወቱ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ዝመላኽት ምዃኑ በቲ ካልእ፤ ከም ህዝብን ሃገርን ምቕጻልናን ዘይ ምቕጻልናን ኣብ ቀረና መንገዲ ከም ንርከብ ብምርግጋጽ፡ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓደ ቅልጽም ፈጢሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክቃለሱ ማእከላይ መሪሕነት ጸዊዑ፡፡

ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ኣብ ከቢድ ተስፋ ሙቕራጽ ተሸሚሙ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ወላ ንውሱን እዋን ይጠቕመኒ ኢሉ ህዝቢ ንምትላልዋዕላ ንቁጠባዊ ወፍሪዝብል ውሕስነት ኣልቦ ዝኾነ ብንግሁኡ ዝፈሸለ ጽረ ህዝቢ ፕሮፖጋንዳ ከቃልሕ ቀኒዩ ኣሎ፡፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ቅድሚ ሕደት ኣዋርሕቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤየት ነመዝግብ ኣለና፡፡ ኩነታትን መነባብሮን ሓይልታት ምክልኻል ክመሓየሽ ኢዩ፡፡ክብል ከምዘይ ጸነሐ፡ ኣቦ እቲ ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ባዕሉ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2013 ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕትት ንሓይልታ ምክልኻል፡ ወሰኽ ደሞውዝ ይኹን ካልእ ዝኾነ ዓይነት ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ መደብ ከምዘየለ ምግላጹ፡ እቲ ናይ ወትሩ ናይ ጥልመትን ምትላልን ባህሪኡ ምዃኑ ብምንጻር፡ እዚ ቁጠባዊ ወፍሪ ተባሂሉ ዝዝመረሉ ዘሎ ሓድሽ ናይ ምትላል ድራማ ካብዚ ዝፍለ ትርጉም ከምዘይብሉን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን እውን ዕድሜ ስልጣኑ ንምንዋሕ ይጠቕመኒ ኢዩ ዝብሎ ካልእ ውሕስነት ኣልቦ ጽገናታትን ክፍትን ከምዝኽእል ብምግንዛብ፡ ውሕስነት ዘይብሉን ንዘይ ጭበጥ መብጸዓታት፡ ተስፋታትን ጸገናታትን ዝደናገር ዜጋ ክህልው ከምዘይ ግባእ ማእከላይ መሪሕነት ኣዘኻኺሩ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ መወዳእታ፡ ክሳብ 7 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ከዕመሙ ዝግበኦም መደባት ብምሕንጻጽ፡ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምሕላፍን ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡፡ ሓድሽ ዓመት 2013 ንኩሎም ህዝብታት ኤርትራ ዓመተ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሰላምን ክትኮነሎም ሰናይ ትምኒቱ ብምግላጽ፡ 6 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ብውሁድን ዕቱብን ቃልስና መሰልን ማዕርነትን ብሄርና ከነረጋግጾ ኢና፡፡

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ)

01 ጥሪ 201

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 105 guests online