www.blina.org

ቃለ-መጠይቕ፡- ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ብ/መኮነን ተኽለ Monday, 31 December 2012 16:47 PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Saturday, 05 January 2013 00:53

ዕዱም ጋሻና ብመጀመሪያ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘለካ ርእይቶ ንከተካፍለና ንዘቕረብናልካ ዕድማ ብኣወንታ ተቐቢልካ ብምምጻእካ ብስም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ክቡራት ሰማዕትናን ኣመስገናካ። ብምቕጻ፡-

 

ሕቶ፡ ምሉእ ስማካ ሓጺር ናይ ቃልሲ ድሕረ-ባይታኻን ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኻን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

መልሲ፡- ብቐዳምነት ንኣሰናዳእቲ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ነዚ ዕድልዚ ስለ ዝሃብኩሙኒ የመስግን። ስመይ መኮነን ተኽለ ይበሃል። ናይ ቃልሲ ድሕረ ባይታይ ብዝምልከት፡ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮንኩ ኣብቲ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተወዲበ ይሰርሕ ነይረ። ካብ ሱዳን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተሰዲደ፡ ስደትን ሃገራዊ ግቡእን ኣጠዓዒመ ድማ ሓደ ዜጋ ክገብሮ ዘለዎ ግቡኣት እንዳማላእኩ ኣብ ዝተፈላለያ ሕብረ- ብሄራውያን ውድባት ተወዲበ ቃልሰይ ቀጺለ። እቲ ካብ ወዲ 17 ዓመት ኮይነ ዝኣተኽዎ ሃገራዊ ቃልሲ መግዛእቲ ኣልጊሱ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ተመሊሱ ኢለ ደው ኣይበልኩን። እቶም ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣንጊሁ ዝወፈረሎም መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ በዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ብስመ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ ኣንፈቱ ጠምዚዙ ብዘይ ሕጋውን ተሳትፎ ህዝብን ንዕኡ ብዝጥዕሞ መንገዲ ክወስዶ ምስ ጀመረ፡ ከም ኩሎምቶም እዚ ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ ዝምረሓሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት ኣገላሊ ድሌት ሓደ ሰልፋዊ ልዕልነት ዘረጋግጽ፡ ንሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ዝጉዕጽጽ ከቢድ ሓደጋ ዝሓቖፈ ምዃኑ ብኣጋ ተገንዚቦም ዝቃለሱ ዝነበሩን ዘለው ክነጥፍ ጸኒሐ። ኣብዚ መድረኽዚ ድማ ኣባል ኣመራርሓ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን ኮይነ ይቃለስ ኣለኹ። ከምኡውን ንውድበይ ብምውካል ካብ ዓመተ 2011 ጀሚረ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይነ ይዋሳእ ኣለኹ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ዝኸበርካ ብ/መኮነን ተኽለ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ኤርትራ ኣብዚ መድረኽዚ ኣብ ከመይ ከም ዝርከብዶ መብራህካልና?

 

መልሲ፡- እወ ብቐንዱ ክረአ ዘለዎ ጠላባት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ እንታይ ነይሩ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ህዝብታት ኤርትራ ኣስታት ንሓደ ክፈለ ዘመን ዝኸውን ግዜ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይነብር ስለዘነበረ፡ ስርዓት ደርግ ፈሪሱ ሃገራዊ ነጻነት ክውን ምስ ኮነ ብቐጥታ ሕቶ ሰላም፣ ሕቶ ደሞክራሲ፣ ሕቶ ፍትሒ፣ ሕቶ ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምሕደራ፣ ሕቶ ልምዓት፡ ብግቡእ ተመሊስሉ ርጉእ ሂወት እንዳመርሐ ብመንገዲ ምዕባለ ንቕድሚት ክምርሽ፡ ብኲናት ዝዓነወት ሃገሩ ተደጋጊፉ ክሃንጽ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትንውን ኣብ ግሉጽ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ፡ ሓበራዊ ናይ ሰላም ደሞክራስን ልምዓትን ስምምዓት ገይሩ ተኸባቢሩ ክዓቢዩ ነይሩ። መንግስቲ ህግደፍ ብተግባር ሒዝሉ ዝመጸ ግን ብኣንጻሩዩ። ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖለቲካ ማለት ናይ ምጽሓፍ፣ ኣብ ዝመሰሎ ከይውደብ፣ ብኣኼባ ድዩ ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ደገፉን ተቓውሞኡን ዘስመዓሉ ክፉትን ሕጋውን ዕድላት ክይህሉ ዝግብር ኣግላሊ ምሕደራ ኣተኣታትዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ መዳይ ቁጠባ እንተመጺእናውን እዚ ዓማጺ ጉጅለ ኢደ-ወነናዊ ስልጣን ካብ ዝተቖጻጸረሉ ክሳብ ሎሚ ንህዝባዊ ረብሓታት ማእከል ዝገበረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ቀሪጹ ኣይፈልጥን። ኩሉቲ ብዛዕባ ዳግመ ህንጻ ሃገር፣ መደብ ነብስኻ ምኽኣል፣ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፣ ቁጠባዊ ዋዕላን ካልእን ምስምስ ብምግባር ብስመ ህዝብን ሃገርን ተኸዊሉ ኣውጺአዮ ዝብሎ መደባትን ኣብ ባይታ ዘየለ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዘንበድብዶ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳትን ካብ ክሳብ ማእከሉ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሕኡን ቀጻልነት ጉጅላዊ ስልጣኑን ቀዳምነት ዝሰርዐዩ።

 

ኣብ ህዝብና ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሓደ ልሙድ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ከቢድ መስዋእቲ ከፊልካ ግዳማዊ ጸላኢ ኣባሪርካ ምዩቕ ዘይትብለላ ናይ ብሓቂ ሓዳስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ተሃኒጻ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ነይርዎ። ህግደፍ ግን በቲ ንሱ ዝደልዮ ቀይስዎ። ህግደፋውያን ብሃብቲ ጉልበትን ሂወትን ህዝቢ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ገዛኢ ደርቢዮም ተሰጋጊሮም። ህዝቢ ሓሪሱን ነጊዱን ርእሱ ክኽእል፡ ካልኦት ኣውፈርቲ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ውሕስነት ረኺቦም ርእሰማሎም ከፍስሱ ዕድል ዝኸፍትን ባይታ ኣይፈጠረን። ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባኒያታት ንግዲ ኣጣይሱ፡ መጋበሪያታት ዝኾኑ ውሑዳት ኣኻኺቡን ነዚኦቶም ብዝገልግል መልክዑ ቀይሱዩ ዝሰርሓሉ ዘሎ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ንውሽጣዊ ኩነታትና ዘገናዘበ ንዓቕሚ ድሌትን ረብሓን ህዝብና ብዝጠቕም ምስ ጎረባብትን ዓለም ተሳንዩ ዝኸይድ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ቀሪጹ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ካብቲ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ዝነቅል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ጨፍላቕን ገባትን ኣካይዳ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትና ከንጸባርቖ ጀሚሩ። ኣብ ልዕሊ ከም በዓል ሓድነት ኣፍሪቃ ( ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ውድባት ዝተኸተሎ ኣገባብ፡ ንኣካይድኡ ምኽንያት ብምግባር ይትረፍዶ ሓደ ንሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ፡ ኣብ እዳሻሂ ኮይኖም ካብ ዘዕልሉ ተራ ሰባትውን ክወጽእ ዘይትጽበዮ ጽዩፍ መግለጺታት፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዝነበሮ ዕርቃኑ ዝወጸ ድኽነት ዝግለጸሉዩ። ህግደፍ ከም መንግስቲ ረብሓ ህዝቢ ማእከል ገይሩ ህዝቢ ብዝፈልጦ ግሉጽ ሓባራዊ ስምምዓት መሰረት ዝገበረ ስጡም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝገበረላ ሃገር ወይ መንግስቲ ዛጊት ኣይተራእየልን። ንውልቃዊ ረብሕኡ ክብል እንሓንሳእ ብስውር በለጽ፡ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ብጎነጽን ምትህልላኽን ዝፍለጥ ዝምድናታት ደኣምበር ካብ ህዝባዊ ረብሓ ተበጊሱ ህዝባዊ ጠቕሚ ዘረጋገጸ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክገብር ብርግጽ ኣይተራእየን። ክሳብ ኣብ መቓብር ዝኣቱ ከኣ ብኽምዚ ዘለዎዩ ክቕጽሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ሕቶ፡- ኣብ ጸጥታዊ ማሕበራውን ባህላውን መዳያትከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

 

መልሲ፡- ኣብዚ መዳያትዚ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ክበሃል ይከኣልዩ ግን በዚ ሓጺር ናይ ረድዮ መደብ ኣቢልካ ብሰፊሑ ንምግላጽ ዝከኣል ኣይመስለንን። ገለ ነገራት ግን ክንተናኽፍ። ናይ ጸጥታ መሓውራቱ ዝበሃሉ ዝተፈላለየ ኣስማትን ኣቋውማን ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓትዮም። ንህዝቢ ኣእሚኑ ዘይኮነ ሰጥ-ለበጥ ኣቢሉ ኣምበርኪኹ ናይ ምግዛእ ሕልሙ ተግባራዊ ንምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝጸፈዮም ንኸብዶም ዝሓደሩ ትካላት ጸጥታን ስለያንዮም እቶም ንሱ ከም መድሕን ስልጣኑ ዝተኣማመነሎም። ንሳቶም ህዝቢ ክሳብ ኣብ መኣዲ ስድራ ቤት እንታይ ይበሃል ኣሎ ብምጽንጻን ክሳብውን ብጥርጠራ ኣብ ክትወጽኣሉ ዘይትኽእል፡ ቤተሰብካ ብሂወት ኣለኻ የለኻን ከረጋግጽሉ ዝኽእሉ ዕድል ዘይህብ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስቅያታዊ መግረፍቲ ዝፍጽም ጨካን ብተግባራቱ ዘይሕተት መሓውራት ኣተኣታትዩ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዋፊሮም ዘካይድዎ ዘለውዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ መድረኽዚ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታቱ እንታይ ይመስል ንዝብል፡ ብመጀመሪያ ጥዑይ ተሓታትነት ዘለዎ፡ ንቕድሚት ሓደ ድልዱል ተካኢ ወለዶ ንምህናጽ ዓሊሙ ዝተቕርጸ ስርዓተ ትምህርትን ናይ ምምሃር ዕድላትን የለን። ናይ ሃይማኖት ነጻነት የለን። ንተራ ዓበይቲ ወይ ወለዲ ኣብ ምእላይ ጥዑይ ስድራ ቤት ዝነበረ ዝብሕጉግ ደኣምበር ዘተባብዕ ኣይኮነን።

 

ብገለ ኣጋጣሚታት ናይ ምምሃር ዕድል ዘጋጦሞም ዜጋታትውን ተገዲዶም ኣብ ወተሃደራዊ መሳርዕ ክኸዱን ኣገልገልቱን ክኾኑ ደኣምበር፡ ብነጻነት ዝመስሎም ዝገልጽሉን ዝሰርሕሉን ዕድላት ስለ ዘይብሎም ባህላውን ማሕበራውን ኩነታትና ይብረዝዩ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ባህላውን ማሕበራውን ሓደ ህዝቢ ብናይ ምትኽኻእ መስርሕ ኣቢሉዩ ካብቲ ናብቲ ሓደ ዝሰጋገርን ህልውንኡ ክዕቅብ ዝኽእልን። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኣለው ድማ ካባና ሓሊፉ ዓለም ብዓለሙ ዝሪኦ ዘሎ ዘሰንብድ ኣተሃላልዋዮም ዘለው። ቀሲኖም ኣይመሃሩን። ብክእለቶምን ፍልጠቶምን ኣይሰርሑን። ውሑስነት ዘለዎ ሓዳር ክገብሩ ኣይክእሉን። እንተገይሮም ድማ ከም ንቡር ክኣልይዎ ከመሓድርዎ ዘኽእል ዕድል የብሎምን። ካብቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ንምምላጥ ብዝተረኽበ ቀዳድ፡ ብዝረኸበ ይርከበኒ ንስደት ጥራሕ ዝውሕዝሉ ዘለው ወቕቲዩ። ሎሚ ኤርትራ ካብተን ብብዝሒ ዜጋታተን ዝስደዱለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቀዳማይ ቦት ተሰሪዓ ትርከብ። ስለዚ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ ነቲ ንሱ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ እንዳበለ ዝጭርሓሉ፡ ብዝገልግል መንገዲዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንናይ ህዝቢ ሓንጎል ብዘደንቁር ዝተኣታቶ ዘሎ ጓና ብሃሊ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ዝነበረ ንቡርን ክቡርን ያታና ዝዕቅብ ባህልን ርጉእ ማሕበራዊ ሂወትን የለን። ከም ጭቡጥ መግለጺ ናይቲ ንሱ ስሩት ኣወንታዊ ባህልናን ንምብራዝን፡ ማሕበራዊ ክብሪታትና ንምህዳድን ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፋዊ ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ ጽዑቕ መግለጺ፡ ነቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክሰግር ዝመጣጠር ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መንእሰያት ህግደፍን፡ ዝብላ ምጥቃስ ኣኻሊዩ። ነዚ ንምልጋስ ድማዩ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ።

 

ሕቶ፡- ብርግጽ ኩነታት ኤርትራ ብኩሉ መዕቀኒታት ኣብ ሓደጋዩ ዝርከብ፡ ናይዚ ጠንቂ ወይ ተሓታቲ መንዩ ትብል?

 

መልሲ፡- ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍዩ። ከምቲ ልዕል ክንብል ዝገለጽናዮ ካብ ሜዳ ሒዝዎ ዝመጸ ባህርን ተግባርን ንድሌትን ባህግን ህዝብታት ኤርትራ ዘርዊ ኣይኮነን። ንናቱ ውልቃውን ጉጅላውን ስሱዕ ድሌታት ንምርዋይ ዝሰርሕ ፖሊሲ ኣተኣትዩዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ህዝብና ናይ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ከተኣታቱ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓትዩ ተሓታቲ፡ ካልእ ቅድሚኡ ዝስራዕ ወይ ዝሕተት የለን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዝበጽሕ ዘሎ ወጽዓታት ምስ ጎረባብትና ክካይድ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽል ዘሎን ኣዕናዊ ኲናት ይኹን ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ተነጽሎ ካብ ፈታዊ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ካልእ ንነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራ ንምጽባእን ንምጉባጥን ዝተበገሰ ግዳማዊ ሓይሊ ዝፈጠሮ ዘይኮነስ፡ ንሱ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ብመደብ ዝገብሮ ዘሎ ስለ ዝኾነ ተሓታቲ ንሱን ንሱን ጥራሕዩ።

 

ሕቶ፡- እሞ ህዝቢ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ህግደፍ ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚቡ ኣሎዶ ክንብል ንኽእል?

 

መልሲ፡- ኣብዚ ብዙሕ ክበሃል ይከኣልዩ። ስርዓት ህግደፍ ንጸረ-ህዝቢ ሕልምታቱ ንምዕዋት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ህዝብና ንምጉዳም ዝከኣሎ ኩሉ እናገበረዩ መጺኡ። ካብዚ ህግደፍ ዝዘርኦ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦታት ሓደ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ሰባት ኢሳያስ መሳርሕቱ ደኣ እንዳዓንቀፍዎምበር ንሱ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ብቑዕ፣ ማዕረቲ ድኻ ህዝቢ ዝነብር መራሒዩ እንዳበሉ ዝገልጽዎዩ። ብርግጽ ሎሚ ሎሚ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣምላኺ ኣተሓሳስባ እንዳቀነሰ ኢሳያስ ቀንዲ ጸያቒቶ ምዃኑ እንዳተገንዘብ ይመጽእ ኣሎዩ። ስለዚ ንኹሉቲ ኢሳያስ ዝዘርኦ ድሑር ፖለቲካዊ ኣገንዝቦታት ብዓሚቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሰጊርዎዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ መዓልታዊ ተመክሮኡን እቲ ጭፍራ ዘብጸሓሉ ዘሎ በደላት ተበጊሱ ግን ሎሚ ካብ ፈታዊ ጸላኢ ህግደፍ ብተዓጻጻፊ ከም ዝበዝሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብዚ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ንቕሓተ ሕልና ናይ ህዝቢ ኣብ ምጉልባት ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ኣንፈት ብቐጻሊ ኣስተምህሮ እንተሂበምሉ ድማ ብዝያዳ ይሕገዝን ድልዱል ፖለቲካዊ ዕጥቂ ክጭብጥ ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ሕቶ፡- ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብኩለንትንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታትዩ ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ መደባት ልምዓት የካይድ ኣሎ ኢሎም ክከራኸሩ ይስምዑዮም እዚ ክውንነታዊ ድዩ?

 

መልሲ፡- ህግደፍ ሓሓሊፉ ገይረዮም ዝብሎም ናይ ልምዓት መደባት የቃልሕዩ። ገለ ትካላትውን ኣለውዮም። ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና ግን መንግዛእቲ ጣሊያን ጽርጊያታት ሰሪሑ፡ ዘመናዊ ሕርሻታት ኣተኣታትዩ፡ ዝተፈላለያ ፋብሪካታት ኣጣይሱ ምንባሩ ዝዝከርዩ። መግዛእቲ ጣሊያን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምግልጋል ኢሉ ዘይኮነ ክገዝእ ዝመጸ ሓይሊዩ። ስለዚ እቲ ንሱ ዝገብሮ ንጥፈታት ኩሉ ነቲ ብመደብ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነስ ንባዕሉ ክብልዩ ሰሪሕዎ። እዚ ጭቡጥ ኣብነት ይመስለኒ። መንግስቲ ህግደፍ ድማ ንህህዝቢ ከርብሕ ኢሉ ዝቐርጾ ናይ ልምዓት ፖሊሲ የብሉን። ኩሉ ምስ ነብሱን ቀጻልነት ፖለቲካዊ ስልጣኑን እንዳለከዐዩ ዝሰርሕ። ብርግጽ ከምቲ መግዛእቲ ጣሊያን ንባዕሉ ክብል ዝስርሖ ጽርጊያታት፡ ፋብሪካታት፡ ሕርሻታት ንጥቀመሉ ዘለና፡ እቲ ህግደፍ ንባዕሉ ክብል ዘጣይሶ ትካላትውን ፈጺሙ ንህዝቢ ኣይጠቅምን ማለት ኣይኮነን። ብውሕዱ ጽርጊያ እንተሰሪሑ ህዝቢ ክኸይደሉ ናይ ግድንዩ። ዓበይቲ ኩባኒያታት እንተተኺሉ ብጉልበትን ብፍልጠት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዜጋታት ክህልው ናይ ግድንዩ። ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ግን እቲ ፖሊሲ ክቕረጽ እንከሎ ንህዝቢ ከርብሕ ኢሉ ኣይቕረጽን፡ ክንደይ ኣታዊ ገይሩ ወይ ከሲሩ፡ እቲ ዝርካቡ ኣታዊ ኣበይ ይኣቱ ህዝቢ ናይ ምቁጽጻር መሰል ዘይብሉ ምዃኑዩ። ስለዚ እቲ ህግደፍ ቅኑዕ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ቀሪጹ ኣብ ባይታ ድማ ህዝቢ ኣሳቲፉ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ብቐንዱ እቲ ጭፍራ ባዕሉ ብመራኸቢታቱ ዝነዝሖዩ። ነዚ ተቐቢሎም ዘራብሕዎ ድማ ቀጥታ ምስኡ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎም ወገናትዮም። ኩሉ ብመራኸቢታት ዝበሃልን ዝረአን ሓቂ ዝመስሎም ግን ከኣኣ ዝኾነ ረብሓ ዘይብሎም ናይ ፖለቲካ የወሃትውን ኣይዛረብሉን ማለተይ ኣይኮነን። ነቲ ጉዳይ ብልክዕ ከይተገንዘቡ ሰናይ ክኾነሎም ስለ ዝደልዩ ሰሰናዩ ዝዛረቡ ኣለውዮም። እዚ ግን ምስ ባህሪ ናይ ህግደፍን ኣብ ባይታ ኣንጊስዎ ዘሎ ናብ ኲናት ወረ ኲናት ዘቕነዐ ሕሙስ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ዘረጋግጾዩ። ንኣብነት ብዙሕ ግዜ ዝዝረበሉ እዚ ናይ ምግፋፍ ዓሳ፣ ቱሪዝም ዕደና ወርቂ እንተወሲድና ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል ዘይኮነስ፡ እቶም ናብ ምሉእ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሮም ዘለው ዕስለ ከመይ ገይሮም ምስ ናይ ቀረባ መሻርኽቶም ይጥቀምሉ ደኣምበር፡ ንኤርትራዊ ሓርስታይ፣ ሸቃላይ፣ ብክብሪ መነባብሮ ዛንዛን ዝብል ዘሎ ነባሪ ከተማታት ህዝብናን ዝጠቅም ኣይኮነን። ኣነ ከም ሰብ ኮነ ውድብና ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ክሳብ ሎሚ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽ ይኽእልዩ ኢሉ ዝሓንጸጾ መደባት ልምዓት ኣይረኣናን።

 

ሕቶ፡- ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን፡ ከም ብሄራዊ ውብ ንክምስረት ዘገደድዎ ረቛሒታት እንታዮም መዓስከ ተመስሪቱ?

 

መልሲ፡- እዚ ኣገዳሲ ሕቶዩ፡ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ብልዕልና ሕጊ ትመሓደር ጥጡሕ ናይ ልምዓትን ዕቤትን ፖሊሲ ተነዲፉላ ብናይ ምዕባለ ጎደና ትምርሽ ሃገር ክትህልዎምዩ ነይሩ ትጽቢቶም። ህግደፍ ግን ነዚ ናይ ህዝብታትና ሰናይ ባህግታት ክውን ንምግባር ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ ብኣንጻሩ ብምጉዕጻጹን ንምህዳዱን ክጓየዩ ተራእዩ። ንኣብነት ብ191 ኣብ መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ ምኽንያት ብምግባር ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሎሚ ንደሓር ብስመ ውድባት ዝግበር ሓሸውየ ኣይፍቀድንዩ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ደኣምበር ብሄራት የለዋን በዚ ገይርካ ጎስጓስ ምግባር ድማ ገበን ስለዝኾነ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሉዩ ክብል ኲናት ኣውጁ። ህግደፍ ነዚ ናይ ኲናት መግለጺ ጥራሕ ኣስሚዑ ደው ኣይበለን። ነቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ናይ ህዝብታት ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ዝጸንሐ ኣውራጃዊ ምምሕደራት ብ6 ዞባታት ቀይርዎ። እዚ እንታይ ማለትዩ ነተን ናይ ቋንቋ ጉጅለታታት ዝበለን ንኤርትራ ከም ሃገር ኣቚመናኣ ዘለዋ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ብጎነጽ ሓዋዊሱ ሕድሕድ ብሄራትና ከይተኣማመና፡ ነቲ ሓደ ከም ሓለፋ ሃገራውነት ዘለዎ ብፍሉይነት ብምቕራብ ነቲ ካልእ ድማ ከም ዘይእመን ጥርጡር እንዳበለ ብታሕቲ ታሕቲ ብዝነዝሖ መርዛም ፈላላዪ ውዲታት ብምንዛሕ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዓሊሙ ብተግባር ክሰርሓሉ ተራእዩ።

 

ስለዚ ህግደፍ ከም ብሄር ወይ ከም ህዝቢ ክብራና ዝደፈረ ምስ ብሄራት ታሪኻን ባህለን ቋንቋአን ዓቚበን ንኸይህልዋ ከባቢአን ባዕላ ብባዕለን ከየመሓደራ ዝእግድ መግለጺ ምስ ኣውጸአ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ። ኣብ ከባቢ ዓመተ 1995-1996 ነቲ ብዛይካ መሳርሒ ናይ ገለ ርእሰ ሓያላን ብምዃኑ ቀጻልነት ስልጣኑ ቁጠባዊ ረብሓን ንምቕራም ኢሉ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ካልእ ዝኾነ ክእመን ዝከኣል መበገሲ ዘይነበሮ፡ ሱዳን ጀሃድ ኣሰልጢና ብምልኣኽ ንነጻነትናን ሰላምናን ንምዝራግ ትሰርሕ ኣላ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና የካይዶ ንዝነበረ ጃምላዊ ጭውያን ጭፍጨፋን ህዝቢ ንምርዓድ ብመደብ፡ ዕጡቓት ጭሕሞም ዘንውሑ ዕሱባት ኣብ ህዝቢ ኣዚዞም ክበልዑን ክሰትይን ብምግባር፡ ተገልቢጡ ኣባላት ጀሃድ ተቐቢልኩም ኣብ ሊዕኩም ኣስቲኹም ሓቢእኩም ሓበሬታ ሂብኩም ወዘተ ብዝብል ዝፈጸሞ ሽበራዊ ተግባራት ንህዝቢ ሓልሓልን ከባቢእን ከመይ ነይሩ ኢልካ እንተሓቲትካ ስቕሕክሕ እንዳበሉን እንዳነብዑንዮም ነቲ ፍጻሜ ዘዘንትውልካ። ሽዑ ዝተወስዱ ንጹሃት መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ኣለው ኣይፍለጥን። ስለዚ ካብዚ ዝብገስ እቲ ናይ መንነት ናይ መሰልን ብሄራዊ ውደባን ሕቶ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ዘይኸይድ ስርዓት ጸረ-ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር እንዳተጋህደ ስለዝመጸ፡ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጨና ናይ ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ጉጅለ ብከምዚ ዘለናዮ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ዝብል ኣተሓሳስባ እንዳማዕበለ መጺኡ፡ ናይ ሎሚ ብሄራዊ ውደባና ድማ ካብኡ ዝብገስዩ።

 

ሕቶ፡ ብሄራዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ከም ብሄራዊ ውድብ ዘግልጾ ንጹር ደሞክራስያዊ ዕላማታት ኣለዎዶ፡ መልስኻ እወ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሕቶ መሬት፣ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲን ዘለዎ እምነት ኣስፍሕ ኣቢልካ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

 

መልሲ፡- መልሰይ ልክዕ እወዩ። ከም ውድብ ንምቛም ቅድመ ምድላዋት ኣብ ንገብረሉ ዝነበርና ግዜ፡ ተመክሮ ናይቶም ቅድሜና ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለው ብሄራውያን ኮኑ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት እንታይ ይመስል ኣብዚ ነጥቢዚ ዘለዎም መርገጻት ንምርዳእ ፈተነታት ገይርና ኢና። ስፍሕ ዝበለ ክተዓትውን ኣካይድና ኢና። ብቐንዱ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ሕቶ ህዝቢ ይኾኑኒዮም ኢሉ ዝሪኦም ሰባት ኣብ ስልጣን ከደይበሉ ዝኽእል ሕጋዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና፡ ናይ ምጽሓፍ፣ ምውዳብ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢደወነናዊ ገደብ ዘኽብር ህዝባዊ መንግስቲ ክህሉ ዝብል መሰረታዊ እምነትዩ መለለይና። እዚ ድማ ብቐጻሊ ኣብ ባይታ ብነሰላስሎም ተግባራዊ ስራሓት ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ንደሞክራስያዊ መሰሉ ንምጥባቕ ክስለፍ፡ ይኾኒኑ ዝበሎም ኣብ ስልጣን ከደይብ እምነት ኣብ ዘጉድልሉ ድማ ባዕሉ ክስሕቦም ወይ ከውርዶም ዝኽእለሉ መትካላውን ትካላትን ኣሰራርሓታት ክህሉዩ እምነትና።

 

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ድማ፡ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ከም ኩሉም ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ኣስታት ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ተበራራይቲ ገዛእቲ ስርዓት ዝጸንሐ ህዝቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ንሱ ዝነበረሉ ከባቢ እዚ ዝበሃል ትርጉም ዘለዎ ዘመናዊ ቁጠባዊ ትካላት ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን። ናውቲ ማእቶቱ ተልመደናዊ ወይ ያታዊ ኮይኑ፡ ካብ ሰማይ ዝርከብ ዝናብ እንዳተጸበየ ሕርሻ ዘካይድ፡ ስለዚ ከኣ ምዝባዕ ኣየር ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ብቀጻሊ ንሓደጋ ጥሜት ዝቃላዕ ዝተረሰዐ ህዝቢዩ። ብንጹር ንምቕማጥ ልዕሊ 85% ካብ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ብድሑር ያታዊ መሰርሒታት ዝዕመም ሕርሻን መጎሰን መነባብሮኡ ዝደፍእ ህዝቢ ስለዝኾነ ብምንጽጻር ምስቲ ካልእ ክምዘን እንከሎ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ሂወት ስለዝርከብ፡ ነቶም ከምዚ ክኸውን ዝገበርዎ ሰብ ዘምጸኦም ጸገማት ኣሊና፡ ባዕሉ ሓሲቩ ውጥን ኣውጺኡ የርበሓኒዩ ኣብ ዝብሎ ዓውደ ስራሓት ተዋፊሩ መነባብሮኡ ዝልውጠሉ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣርዩ። ብቐጻሊ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብዓቕሚ ህዝቢ ክዕመም ዘይከኣል ገዚፍ ጽላታት ብዓቕሚ ህዝባዊ መንግስትን ኣውፈርትን ክማላእ እንዳገበርካ ረብሓ ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ዘረጋገጽ ልምዓታዊ ፖሊሲ ክህሉ ኣለዎ ኢልና ንርኢ።

 

ሕቶ መሬት ብዝምልከት፡ ካብ ግዜ ጣሊያን ጀሚርካ እቶም ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ገዛእቲውን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ፡ ነቶም ደቀባት ኣልጊስካ ንእሙናት ኣገልገልትና ዝብልዎም ሰባት ብምዕዳል ወይ ድማ ብዶሚናለ ዝፍለጥ ዋንነት መሬት ስለ ዝነበረ ህዝቢ ካብ መሬቱ ተጠቃሚ ኣይነበረን። ሃገር ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸአትውን ህዝቢ ናይ መሬቱ ነጻ ተጠቃማይ ዝኾነሉ ፖለቲካዊ ኮነ ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን። ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲዩ ዝብል ከውሊ ገይሩ፡ ግቡኡ ዝገበረን ዘይገበረን ብካልእ ኣዘራርባ ንጸረ-ህዝቢ ገባቲ ፖሊሲታቱ ዝድግፍን ዘይድግፍን ብማለት ምስ ውሑዳት መሻርኽቱዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለና። ዋንነት መሬት ናይ ህዝቢ ኮይኑ፡ ካብ ህዝቢ ብሓይሊ ዝተመንዘዐ መሬት ብሕጋዊ ናብ ዋናታቱ ክምለስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ወነንትን ተጠቀምትን መሬት ዝገብር ቁጠባዊ ፖሊሲ ኢና ንኽተል።

 

ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት፡ እዚውን ከምቶም ካልኦት ዓውድታት ንረብሓ ህዝብታትና ብዘርብሕ ኣገባብ ዝተቐየሰ ክኸውን ከም ዘለዎ ንኣምን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ዘርብሕ ፖሊሲ ተኸቲልካ ትኸይድ እንተደኣ ኮይንካ፡ እቲ ውሽጣዊ ኩነታትካ ንግዳም ከንጸባርቕ ግድን ስለዝኾነ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ኤርትራ ሃገርና ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ናይ ሓባር ሰላም፣ ቁጠባዊ ረብሓታት፣ ማሕበራውን ባህላውን ምድግጋፋት፣ ዞባዊ ጸጥታ ኣብ ምሕላውን ናይ መጎዓዝያን ካልኦት ከም ሓይሊ ኤሌትሪክን ካልእን ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ተደጋጊፍና ክንዓቢ ዕድል ዝፈጥር ፖሊሲ ክህልወና ኣለዎ ዝብልዩ እምነትና። እቶም ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ናይ ስልጣነ መድረኽ ዝርከቡ ህዝብታት ውሽጣዊ ሰላም ኣውሒሶም፡ ንልምዓት ዘተባብዕ ንጹር ፖሊሲ ቀሪጾም፡ ምስ ጎረባብቶምን ዓለምን ተደጋጊፎም ብስምራሕ ዝሓለፍዎ ተመክሮ ነቲ ኣውንታዊ ምስ ክውንነትና ዝሰማማዕ ብምሳድ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘኽእል ናይ ወጻኢ ፖሊሲዩ ዘለና። ጎረባብትና ኮነ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ህዝብታት ዝተዓወትሉ ዓውድታት ከም ኣብነት እንዳተወከስና ብቐንዱ ግን ካብ ኤርትራዊ ራእን ዓቕሚን እንዳተበገሰ ዝስጉም ፖሊሲ ክህልወና ኣለዎ ዝብልዩ እምነትና።

 

ሕቶ፡- እምነትኩም ኣብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ህዝቢ ብሄረ-ብሌን ድማ ብፍላይ ኣፍልጦን ተቐባልነት ክረክብ እንታይ ዝገበርኩሞ ጻዕሪ ኣሎ፡ ዝረኸብኩሞ ውጽኢት?

 

መልሲ፡ ልክዕዩ ኣብቲ ናይ ምምስራት እዋን ኣብ ዝነበርናሉ ነዚ ኣረኣእያዚ ክሕግዙና ይኽእሉዮም ንብሎም ምሁራትን ናይ ቃልሲ ተመክሮን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከበርክትዎ ዝኽእሉ ሓገዛት ክገብሩልና ኩሉ ዝከኣለና ገይርና ኢና። ገሊኦም ነቲ ጉዳይ ብመትከል ቅቡል እንዳገበሩ፡ እቲ ስርዓት ዓማጽን ኣድላውንዩ ባህልና ዝብርዝ ደቅና ዘጥፍእ ዘሎዩ ኢሎም እንዳኣመኑ ግን ከኣ፡ ድሕሪ እኹል ኩለ-መዳያዊ መጽናዕቲ ክግበር ኣለዎ፡ እንተደኣ ነዚ ከይገበርካ ተጀሚሩ ነቲ ህዝቢ ዝጎድእዩ ዝኸውን ዝብል ዕግበታት ዝነበሮም ነይሮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ክሳብ ሕጂ ከምኡ ዘይምግባርና ደንጒና ኢና፡ ሕጂ ምብጋስ ድማ ብጣዕሚ ጽቡቕዩ ኢሎም ዘተባብዑና ሰባት ነይሮም። ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ፡ ናይቶም ካብ ዝሓለፈ ኣደራዓትን ደረጃ ንቕሓት ናይቲ ሕብረተሰብን ተበጊሶም ክግበር ኣለዎ ግን ሓንሳእ ክንጸንሕ ኣለና ክንህወኽ የብልናን ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም ኮነ እቲ ደንጒና ከማን ክንቅጽል ኣለና ዝብል ርእይቶ ኩሉ ዘተባብዕዩ። ብርግጽ ኣብ ኩሉ ወፊርና ኢና፡ ዝወፍርናሉ ድማ ኩሉ ድማ ዕውትዩ ክንብል ኣይንኽእል። እቲ ዝረኽብናዮ በቲ ዝጀመርናዮ ንቕድሚት ክንቅጽል ዘተባብዕ ብምዃኑ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ክንበጽሕ ክኢልና ኣለና ማለትዩ።

 

ሕቶ፡- ህዝቢ ብሄረ ብሌን ተቓላሳይ ህዝቢዩ ኣብ ምምጻእ ነጻነት ድማ ልሉይ ተራ ነይርዎ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ድማ፡ ደቂ-ብሄረ ብሌን ኣብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገስ ማሕበራት ተሰሊፎም ይዋስኡ ከም ዘለው ዝፍለጥዩ፡ እቶም ኣብ ካልኦት ውድባት ዘለው ደቂ ብሄረ ብሌን ነዚ ናትኩም ብሄራዊ ውደባ ከመይ ይሪእዎ ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ?

 

መልሲ፡- ነቲ ናይ ቃልሲ ባህሪያትን መድረኻትን ፈላሊኻ ናይዘይምርኣይ ጸገማት ኣሎዩ። ንኣብነት ኣንጻር ደርጊ ዝተኻየደ ቃልሲ ግዳማዊ መግዛእታዊ ስርዓት ንምእላይ ዝተገብረ ቃልሲ ምዃኑ፡ እዚ ሕጂ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ንምርግጋጽ ኣብ ልዑላዊት ሃገር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከም ብሄር ከም ህዝቢ የለኻን ኢሉ ህልውና ምስ ዝኸሓደ ውሽጣዊ ገዛኢ ዝግበር ዘሎ ጥምጥም ከም ዝኾነ፡ ብልክዕ ኣብ ምንባቡ ጸገማት ኣሎዩ። ከምቲ ዝበልካዮ ብዙሓት ደቂ-ብሄረ ብሌን ኣብ ዝተፈላለያ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ይቃለሱ ኣለውዮም ኣብዚ ንጥቢዚ ዘለዎም ኣገንዝቦ ግን ንኹሎም ዝውክልኳ እንተዘይኮነ ብዙሕ ከም ዝተርፎም ንርዳእ፡ ግን ከኣ መሰሎም ነኽብረሎም ማለትዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ኮይኖም ክቃለሱ መሰሎምዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ዝበጽሕ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ወጽዓታት ብምቕንጣጥ እቲ ህዝቢ ከባቢኡ ባዕሉን ባዕሉን ጥራሕ ከመሓድረሉ ዝኽእል ባይታ ኣብ ምፍጣር ብብሄራዊ መልክዕ ተቓሊስና፡ ምስ ኩሎም ጸረ ምልኪ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ዝረባረቡ ዘለዎ ደሞክራስያውያን ሃገራውያን ውድባትን መሻርኽቲ ኣካላትን በቲ ዘራኽበና ተመሓዚና ኣብ ስምምዕና ጸኒዕና ካብ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ኣብ ሃገርና ናይ ውሑዳት ምልኪ ነጊሱ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብሄራዊ ኣድልዎ ኣሎ። ነዚ ንምቕያር ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ምቕላስ መድረኹዩ ኢልና ኢና ንርኢ። ስለዚ ውጹዕ ብሄረ-ብሌን ብብሂራዊ መልክዕ ተወዲቡ ንጨፍላቒ ገዛኢ ደርቢ ብቃልሱ ኣልጊሱ፡ ንደሞክራስያዊ መሰላቱ ከውሕስ ካብ ማን ፍቓድ ዘድልዮ ወይ ካልኦት ሎሚ ክትቃለስ ኣለካ ኣይፋል ጽባሕ ኢኻ ክትቃለስ ዘለካ ኢሎም መቃለሲ ልቸንሳ ዝብዎ ኣይኮነን።

 

ሕቶ፡- ምስ ብሄራውያን ውድባት ኤርትራ ዝምድና ኣለኩምዶ እንተለኩም ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ?

 

መልሲ፡- ከምቲ ቅድም ኢልና ዝገለጽናዮ ብዙሓት ብሄራውያን ውድባት ኣለዋ፡ እዚ ንጭቡጥ ክውንነትና ዘንጸባርቕዩ፡ ካብ ግዳም ዝመጸ ኣይኮነን። እዚ ሎሚ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ፡ እከለ ናይ ደገ ልኡኽዩ፡ ናይ እከለ ርእይቶ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታትዩ በታኒዩ እንዳበለ ዝነዝሖ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ጸለመን ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ሕሉፋት ተጣበቕቲ ሓድነት መሲሎም ዝቃባበልሉን ዘይኮነስ፡ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ 9 ብሄራት እንዳበለ ዝምህረሉ ዝነበረ ጥረ ሓቂዩ። ዝምድናና ምስ ብሄራውያን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ኣብ ዘራኽቡኻ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን መሰረት ዝገበረዩ። ኣብቶም ዝፍጠሩ ዘለው ናይ ሓባር ዓበይቲ ግንባራት ከመይ ንስራሕ እንታይ ናይ ሓባር ዕግበታት ኣለና ኣብ ዝብል ንመያየጥን ሓበሬታ ንለዋወጥን ኢና። ብቐንዱ ውጹዓት ኢና ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣለና ስለዚ ንገብሮ ዝምድና ካብ ወጽዓናን ናይ ሓባር ጸላኢናን ዝነቅልዩ።

 

ሕቶ፡ ዕላማኹም ክሳብ ምውዳቕ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ድዩ ወይስ ክንዮኡ ዝቕጽልዩ። ክንዮኡ ዝቕጽል እንተደኣ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ስትራተጂካዊ እምነትኩም እንታይ? ናይ ዕላማ መሓዝትኩምከ እንታይ ዘማልኡዮም።

 

መልሲ፡- ቃልስና ክሳብ ምውደቕ ህግደፍ ጥራሕ ዝኸይድ እንትደኣ ኮይኑ እቲ ቃልሲ ጎደሎ ክኸውንዩ ምሉእ ኣይኸውንን ዝብል ዕግበት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ሎሚን ትማልን ጭቡጥ ኣብነትዩ። ናይ ነጻነት ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ ንነዊሕ ዘስርሕ ኣብ ህዝባዊ ንቕሓት ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ባይታ ከይፈጠረ፡ ጥራሕ ንደርጊ ነውድቆ፡ ብድሕሪኡ ሃገርና ናብ ገነት ክትቅየርያ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክንተክል ኢና፡ ዝብል መብጸዓ ኣብ ርእሲ መብጸዓ እንዳጸፍጸፈዩ መጺኡ። በትረ ስልጣን ምስ ጨበጠ ግን ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ኩሉ ደርቢዩ ነቲ ሓቢእዎ ዝነበረ ሓቀኛ ባህሪኡ ከርእየና ጀሚሩ። ስለዚ ንሕና ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ዝተሓጽረ ዘይኮነ ክንይኡ ዝኸይድዩ። እዚ እንታይ ማለትዩ እቲ ቃልሲ ናይ ህዝባዊ ልዑላውነት ዝኣምን፡ ህዝብታት ከባቢኦም ነብሶም ከመሓድርሉ ዝኽእሉ ደሞክራስያዊ ትካላት ክህሉ፡ ብቅዋም እትመሓደር ሃገር ክትህሉ፡ ህዝቢ ድማ ነቶም ንኣምነሎም ደሞክራስያዊ መትከላት ንትግብረሎም መሳርሒታት ህዝቢ ክፈልጦም ኣለዎን ዝብል መሰረት ዝገበረዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ህዝቢ እዚኦም ይኾኑኒዮም ኢሉ ስልጣን ዝሃቦም ሰባት ኣገልገልቱ ክኾኑ፡ እምነት ኣብ ዘጉድልሉ ከኣ ከውርዶም ዝኽእለሉ ባይታ ምስ ዝረጋገጽዩ እቲ ቀንዲ እምነትና። ዕላማና ስትራተጂካዊዩ ምኽንያቱ ልዑላውነት ህዝቢ ከነረጋግጽ ኢና ክንብል እንከለና ህግደፍ ምስ ወደቐ ብኡ ንብኡ ንጥፈታትና ደው ነብል ማለት ዘይኮነስ፡ ህዝባዊ ዋና ህዝባዊ ስልጣኑ ክሳብ ዝኸውን ዝቕጽልዩ።

 

ሕቶ፡- ነዚ ዝገለጽካዮ መሰረታዊ እምነታት ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ትጥቀምሉ መሳለጥያታትዶ ምገለጽካለይ?

 

መልሲ፡- ዊብ-ሳት ኣለና ጽሑፋት ንዝርግሕ ኢና፡ ምስ ህዝቢ ንራኸበሉ ናይ ምይይጥ መድረኻት ንኸፍት ኢና፡ ከምኡውን በዚ ናይ ኤሌትሮኒክ መሳርሒታት ማለት መድረኻት ፓልቶኽ ተጠቒምና ነቶም ርእይቶታትና ኣብ ኩሉ ኤርትራውን ፈተወቲ ቃልስናን ክበጽሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/መኮነን ህግደፍ ናይ ግደን ክውገድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ብዙሓትዩ። ብከመይ ኣገባብ ኣብ ዝብል ግን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉን ብኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ዝብሉን ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣለው ናትኩም ርእይቶ ኣበይንኡ?

 

መልሲ፡- ንሕና ከም ውድብ፡ ብዙሕነት ከም ዘሎ ኣብ ኤርትራ ንኣምንን ንቕበልን። ብዙሕነት እንተሎ ድማ ናይ ኣረኣእያ ብዙሕነት ክህሉ ውሁብዩ ዝኸውን። ገለ ወገናት ኣለው ብሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉ ነዚ እምነትዚ እምነቶም ስለ ዝኾነ ነኽብሮ ኢና። ግን ንሕና እዚ ዓማጺ መንግስቲዚ ብሄራት የለዋን ተቓወምቲ ውድባት የለውን እንተልዮም ድማ መሳርሒ ናይ ካልኦት ሓይልታትዮም እንዳበለ ንዘይህላውነት ናይ ህልዋት ውድባት ዝሰርሕ፡ ዶባ ሰጊሩውን ንተቓለስቲ ዝቕንጽል ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ ተቓሊካ ክእለዩ ዝብል ዕግበት የብልናን። ብኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ክንጥቀምዩ እቲ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣየና። ናይቶም ሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉ ርእይቶ ነኽብር ኢና። በቲ ዘራኽበና ምስኦም ክንሰርሕ ውን ጸገም የብልናን። ግን ከም ውድብ፡ ንባህርን ተግባርን ጸላኢና መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ግምት ብምእታው ኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ምኽታልዩ እቲ ቅኑዕ ኢልና ኢና ንኣምን።

 

ሕቶ፡ ናብ ካልእ ከስግረካ መኮነን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝተመስረተሉ 2011 ተሳታፋይ ነይርካ፡ ሕጂ ድማ ከም ኣባል ባይቶ መጠን ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ተሳታፋይ ብምንባርካ ነዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርዚ ከመይ ትገልጾ?

 

መልሲ፡- እዚ ነዊሕ መስርሕ ዝኸደ ግንባር ወይ ድማ ባይቶ እዩ። ቅድሚ ምምስራቱ ሓደ ክረአ ዘለዎ ነገር እንተሃለወ፡ ሓደ ኮይንኩም ዘይትሰርሑ ዝብል ናይ ህዝብና ጠለባት ብምንባሩ: ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዚ ጠለብዚ ማእከል ዝገበረ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ውድባት ክንዲ ዝዓበየ ይዕበየ ክንዲ ዝበዝሓ ይብዝሓ ነንበይነን ኮይነን ንጠለባት ናይ ህዝብና ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክምልሳ ከም ዘይኽእላ ህዝቢ እንዳተረደአ ስለዝመጸ፡ ኩሉ ግዜ ሓደ እንተድኣ ኮይንኩም ኢኹም ነዚ ስርዓት እዚ ንምእላይ ኣድማዕቲ ትኾኑ ዝብል ኣወንታዊ ትጽዕኖ ክገብር ጸኒሑዩ። ቅድሚ ባይቶ ንብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ዝበሃል ጽላል ነይሩ፡ ብዓቐኑ ካብኡ ስፍሕ ናብ ዝበለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተሰጋጊሩ እዚ ብፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ዝውሳኣሉ ግንባርዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ባይቶ ክምስረት ዝገበረ ምበኣር ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንዩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለው ተቓለስቲ ሓይልታት፡ ስቪክ ማሕበራት፡ ኣብ ምምጻእ እዚ ሰፊሕ ግንባርዚ ነናቶም ኣወንታዊ ድርኺት ነይርዎምዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርገስ ማሕበራት፣ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሚዲያ ትካላትን ካልኦት ጸረ-ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደው ዝበሉ መሻርኽቲ ወገናትን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ዓቕምና ጸንቂቕና ክንሰርሕ ኣለና ካብ ዝብል ዕግበት ብምብጋስ፡ ንነዊሕ እዋናት በብከባቢኡ ከካይድዎ ካብ ዝጸንሑ ምንቅስቓሳት እዩ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክምስረት ዝተኻእለ።

 

እዚ ሰፊሕ ግንባርዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ክውንነት ኣብ ግምት ዘእተወን ብተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ዝመጸን ስለዝኾነ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን ኣፍልጦ ዘለዎ ብምዃኑ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ትካል እዩ። እዚ ባይቶዚ ካብ ዝምስረት ናይ ሓደ ዓመት ዕድመዩ ዘለዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብረኣእያ፡ መልክዕ ውደባ፡ ኣቀማምጣ፡ ተመክሮ፡ ዝተፈላለየ ዝንባለታት ዘለዎም ተቓለስቲ ዝተኣኻኽብሉ ሰፊሕ ግንባር፡ ዓመት ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሎም እቶም ክግበሩ ዝግበኦም ማለት ነዚ ትካል እዚ ከንቀሳቕሱ ዝግበኦም ነገራት ክጻፈፉ ብዙሕ ግዜን ውሁድ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን ዝሓትትዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሰፊሕ ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከምቲ ድልየት ወይ ትጽቢት ናይ ህዝብና እኳ እንተዘይኮነ ንዘለውዎ ውሽጣዊ ሕጽረታት እናኣለየ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። ኣብ ውሽጢዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ብዙሕ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣሰላሲሉ ኣሎ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ኣብ ጎረባብትናን ዞባናን ዝርከባ ሃገራት ዑደት ብምፍጻም ዕላማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣላልዩ ንቃልስና ግድግፉ ጸዊዑ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ በደላት ትኹረት ንክገብርን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ተግባራዊ ክኸውን፡ ኣለዎ ብምባል ዘይነዓቕ ስርሓት የሰላስል ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣካይዳ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዋላ ዘገምታዊ ይምሰል እምበር፡ ኣገደስቲ ዕዮታት የሰላስል ኣሎ እዩ። እዚ ሕጂ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ግዝያት ዝነበሩ ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያት ዝገምገመን ንቐጻሊ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ዝረኣየን እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ህዝብና ነዚ ጽላል እዚ ከምቲ ዝግባእ ወይ ድማ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰርሐን ኢሉ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፉ ከበርክተሉ ኣለዎ ይብል።

 

ሕቶ፡- ብንጹር ንምቕማጥ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕድሚኡ እንታይ ኣወንታዊ ስርሓት ኣሰላሲሉ እንታይ ድኽመታት ኣርእዩ፡ እንታይ ብድሆታት ከ ኣጋጢምዎ?

 

መልሲ፡- እዚ ሕቶዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክስርሑ ዝግበኦም ብዙሓት ስርሓት ነይሮም እዮም። ግን ድማ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝተናኸፍክዎ፡ ናይ ኣረኣእያ፡ ዓቕሚ፣ ተመክሮ ስጡም ውህደት፣ ናይ መሳለጥያን ጸገማት ሒዙ ዝተመሰረት ሓድሽ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ኣመራርሕኡ ይኹኑ ኣባላቱውን ከምኡ ምሉእ ግዚኦም ንዕኡ ዘይህቡ ብምዃኖም፡ ናይ ህዝብና ድሌታት ኣብ ምትግባር ዝተርፎ ብዙሕ ኣሎ። እዚ እቲ ብኣሉታ ዝግለጸሉ ሸነኽ ኮይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መደያት ድማ ብዙሓት ብኣወንታ ክግለጹ ዝኽእሉ ስርሓት ሰሪሑ እዩ። ብቐንዱ ግን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ምስ ዝኽእል እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ኩሉ ነገር ንኣባላት ኣመራርሓ ንገድፎ እንተ ድኣ ኮይና፡ እቲ ጽላል ከምቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኩሉ ኣብ ህላወ ጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍ ረብሓ ዘይብሉ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝደሊ ዜጋ፡ ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞራስያዊ ለውጢ በብዓቕሙ ብትእዛዝ ዘይኮነ ብሓላፍነታዊ ስምዒት እንተደኣ ተረባሪቡ እዚ ጽላል እዚ ውጽኢታዊ ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣይህሉን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ውን እንተርኢናዮ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዝዓሰሉ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ዝተዓመ ዕማማት ዝነዓቕ ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ በዚ ደገፍ እዚ ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ ክንድዚ ርሕቐት ክጓዓዝ ክኢሉ ኣሎ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ከኣ ብኽንድቲ ተደላይነቱ ካብ ህዝቢ ኩለ-መዳያዊ ደገፍ እንተረኺቡ ብዘይጥርጥር ዝተበገሰሉ ሸቶ ክሃርምዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ሕቶ፡- ዘለውዎ ድኽመታት ኣላሊኻን ኣሊኻን ሓይሉ ክቕጽልከ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

 

መልሲ፡- ኣቐዲመ ክገልጾ ጸኒሐ እኳ እንተኾንኩ፡ ግን ከኣ ከይተንከፍክዎም ክሓልፍ ዘይደሊ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣለው። ቁጠባዊ ሓደ ነቲ ባይቶ ውጽኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ዘድልይዎ ነገራት ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ስራሕ ዝመደብካዮም ውልቀ-ሰባት እኹል ባጀት ረኺቦም ክንቀሳቐሱ እንተዘይ ክኢሎም፡ እቲ መደባት ከምቲ ዝድለ ዕውት ክኸውን ኣይክእልንዩ። ስለዚ ኩሉ ኣባል ባይቶን መላእ ህዝብናን ነዚ ናይ ቁጠባ ማሕንቖታት ኣብ ምፍታሕን፡ ባይቶ ነብሱ ክኢሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገንዘባዊ ጸገም ስራሓቱ ንከሰላስል መታን ክበቅዕ፡ መላእ ተቓላሳይ ህዝብና ኣበርክትኡ ክገብር ይጽውዕ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ዝነብሩ ተቓለስቲ ኣካላት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንክፋለጥን ኣወንታዊ ርክባት ንከካይድን፡ ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጢ ንኽገብሩን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ይግበኦም። ንሕና ኣብቲ ንነብረሉ ዘለና ከባቢ ከምዚ ዓይነት ስርሓት ነካይድ ኣለና፡ ግን ድማ ብናይ ኣባላት ባይቶን ፈተውትን ጥራሕ ዝካየድ እኩል ስለዘይከውን፡ ህዝቢ ነዚ ተግባራትዚ ውራየይ ኢሉ ክተሓሓዞ ይግባእ እብል። ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኣብታ ዝደኸመት ጫፍ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ብቐንዱ ኣብታ ሓንቲ እግሩ ተተኺላትላ ዘላ ናይ ጸጥታ ትካል ዝነበሩ ኣባላቱ ገገዲፎሞ ኣብ ዝኸድሉ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝተነጸለሉ፡ ካብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝረኽቦ ዝነበረ ቁጠባዊ ደገፋት ኣብ ዝሰኣነሉ ደረጃ ስለዘሎ፡ ነዚ ዝመሽመሸ ስርዓት ንምውጋድ ንባይቶ ዝግበር ሞራላውን ነዋታን ደገፍ ትርጉም ብዘለዎ ክሕይል ይግባእ።

 

ካልእ ብዙሕ ክብደትን መሰረትን ዘይብሉ፡ እንተስ ካብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ረብሓታት ዝብገሱ ወይ ባህሪ ከምዚ ዝበለ ግንባር ካብ ዘይምርዳእ እዚ ባይቶዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወላ ሓንቲ ኣይገበረን ኣይሰርሕን ዩ ኣብቂዑ እዩ ክቕጽል የብሉን ወዘተ ዝብል ወረታት ዝነዝሑ፡ ውልቀ ሰባት ወይ ድማ ሓይልታት ኣለው እዮም። እዚ ርእይትኦም ኮይኑ ግን ከኣ እዚ ባይቶዚ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ዋጋን ዝተኸፍለሉ፡ ኣገዳሲ መቃለሲ ግንባር ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፡፡ ሽግራት ክኽሰቱ ባህሪያዊዩ። ይዕበዩ ይንኣሱ እቶም ዝኽሰቱ ሽግራትና ብሓባር ኮይና ንፈትሓሉን ድኽመታትና ኣብ መድረኽ ኣውጺእና ንፍትሸሉ ብሱል ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ኣለና። እንተደኣ ብሓቂ ንለውጢ ተበጊስና፡ እቲ ወጽዓን ወጻዕን ናይ ሓባር ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ድማ ናይ ኩልና ተሳትፎ ዝጠለብ ምዃኑ፡ ከሳስን ተኸሳስን ምዃን ብቃልሲ ንዝተፈጥሩ ግንባራት ገለ ጉድለት ስለዘርኣዩ ክፈርሱ ኣለዎም ምባል ግን ንኹሉ ዘይጠቅም ጥረ ኣተሓሳስባ ከም ዝኾነ ዝተረደኣ ቃልሲ ከነካይድ ኣለና። እዚ ሰፊሕ ግንባርዚ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ውን እንተኾነ እዞም ኣብ ቃልሲ ዘለው ሓይልታት በብመንገዶም ተበታቲኖም ንኸይኣትው ኣብ ሓደ ጠሚሩን ሓቚፉን ናብ ሓደ ኣንፈት ከም ዝርእዩ ዝገብር ትካል ስለዝኾነ፡ ኣብ ሓደ እዋን ናተይ ኣጀንዳ ከተግብር ወይ ከኣ ከዐውት ስለዘይከኣለ ካብ ዝብል ጸቢብ ሕሳባት ክፈርስ ኣለዎ እንዳበልካ ምጉስጓስ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ኮይኑ ኣይስመዓንን። እቶም ከምኡ ዝብሉ ካበየናይ ኩርናዕ ይብገሱ ኣለው ንዓይ ርዱእ ኣይኮነን፡፡ እዚ ሓደ ካብቲ ክእለ ዘለዎ ሕጽረታት ኮይኑ ዝረኣየኒ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ብጻይ መኮነን፡ ሓደ ንብዙሓት ውድባትን ርእይቶታት ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ክምስረት ኮነ፡ ቀጻልነቱ ከረጋገጽ ብቐዳምነት ክዋስእሉ ዘለዎም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ዘለዎም ሓይልታት ምዃኖም ርእሰ ግሉጽ ሓቂዩሞ፡ ብስትራተጂካዊ መስመር ዝራኸቡ ብሄራውያን ይኹኑ ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት ከመይ ክተኣሳሰሩ ኣለዎም ኢልካ ትርኢ?

 

መልሲ፡- እዚ ሕቶዚ ኣብ ሃገርና ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ዝግበር ልፍንትታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ገሊኡ ብሃገራዊ ግንባር ደረጃ ክኸይድ ይኽእል ገሊኡ ድማ ካብኡ ልዕል ብዝበለ ዲሞክራስያዊ ግንባራት ክፈጥር ይኽእል። እዚ ግን ዲሞክራስያዊ ግንባር ክትምስርት እንተድኣ ኮይንካ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለው። ሕቶ ፖለቲካ፡ ሕቶ ቁጠባ፡ ሕቶ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሕቶ ባህሊ ዝብሉ ነገራት ብግቡእ እንተድኣ ኣቐሚጥካ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ እቶም ዕማማትካ ክቐሉልካን ነቲ ክትከዶ ትደሊ ርሕቀት ወይ ከኣ ህዝቢ ዘሳትፍ ኣሰራርሓ ክትክተል ዝሕግዝ እዩ። ስለዚ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ከተዐውት እንተድኣ ኮይንካ፡ ምስ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ብሄራውያንን ሕብረ-ብሄራውያንን ደሞክራስያውያን ውድባት ግንባር ብምፍጣር ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።

 

ሕቶ፡- ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፡ ግን ከኣ ለውጢ ዝጠልብ ርሱን ስምዒታት ምህላው ዝፍለጥዩ ነዚ ስምዒታዊ ኣካይዳታት ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ንምግራሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?

 

መልሲ፡- ሓደ ኣወንታዊ ዝኾነ ተርእዮ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ህዝብና ብቁጠዐ ተላዒሉ እዚ ስርዓትዚ ለኪሙና ክጠፍእ እዩ ክለግስ ኣለዎ ዝብል ተረድኦ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣወንታውን ዝድገፍን ኮይኑ፡ ግን ከኣ ብቑዕ መሪሕነትን ስጡም ውደባን ከይሓዘ፡ ብስምዒታውን ፍንውን መንገዲ እንተድኣ ቀጺሉ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ምኽንያቱ ብቁዕ መሪሕ ውድብን ስጡም ውደባን ዘይሓዘ ህዝቢ ወይ ተቓላሳይ ኣብ መጨረሽትኡ እቲ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ቃልሱ ካልኦት ብጎኒ ዝመጹ ተበለጽቲ ኣካላት ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ብምጭዋይ፡ ነቲ ኣደራዕን ጭኮናን ብካልእ መልክዕ ከቐጽልዎ ስለዝኽእሉ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብጥንቃቐ ክረአን ቅልጡፍ ምስትኽኻል ክግበረሉ ኣለዎን ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣነ እዚ ክብል ዝደረኸኒ ምኽንያት ገለ ገለ ኣብ መርበባት ኢንተርኔት ዝጻሓፉን ኣብ ፓልቶክን ዝዝረቡን ነገራት ኣዝዩ ስለዘሰክፈኒዩ። ነዚ ጉዳይዚ ናይ ምእላይ ተራ ናይ ውድባት፡ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ድማ ነቲ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ብህዝባዊ ስምዒታውነቱ ጥራሕ ክኸይድ ዘይኮነስ፡ ብመልክዕ ረብሓ ውን ክቃነ ክኽእል ኣለዎ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ብጻይ መኮነን ዘዳለኹዎም ሕቶታት ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ፡ ምናልባት ግን ክለዓሉ ዝነበሮም ግን ከኣ ዘይተላዕሉ ትብሎም ሕቶታት ርእይቶታትን ለበዋታትን እንተድኣ ሃልይኳ ዕድል ክህበካ?

 

መልሲ፡- እወ! ከይተናኸፍናዮም ዝሓለፍና ክበሃሉ ኣለዎም ኢለ ዝሪኦም ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለው። መንእሰያትና መግዛእቲ ናይ ህግደፍ መሪርዎም ስደት ከም መማረጺ ወሲዶም፡ ናብ እስራኤል ይኹን ናብ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ክሰግሩ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ይትረፍዶ ንኤርትራዊ ዜጋ ንዝኾነ ካልእ ፍጡር ውን ዘስካሕክሕ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብን፡ እተን እዚ ተግባራት እዚ ዝፍጸመለን ሃገራትን ካልኦት ፈተውቲ መንግስታትን፡ ነዚ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝበጽሕ ዘሎ በደል ደው ንክብል ኣወንታዊ ተረአን ከበርክታ እጽውዕ። ብቐንዱ ድማ እቶም መንእሰያት እዚ ንርእዮ ዘለና ሓደጋታት ኣብ ነብሶም ከይበጽሕ ዝግባእ ጥንቃቐታት ክገብሩ ይግበኦም ይብል።

 

ካልእ መንእሰያትና ኣብ ቃልሲ ዘርእይዎ ዘለው ተሳትፎ ብጣዕሚ ዘኹርዕ እዩ። እቶም ንስደት ከም መማረጺ ብምርኣይ ጥራሕ ነብስና ነድሕን ኢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኸዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ ግዜዚ ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምስ በጽሑ ሽግሮምን ሽግር ህዝቦምን ክፍታሕ እንተድኣ ኮይኑ ህግደፍ ክእለ ኣለዎ ኢሎም ብምርኣይ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማእከል ኢሎም ዝረኣይዎ ከባቢታት ክምለሱ ክትርኢ እንከለኻ፡ ምስቲ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝረአ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምንዕዓብ ዝመሳሰል ተበግሶ ክገብሩ ክትርኢ ከለኻ ዘሐጉስ እዩ። ከምኡ ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ተሰማዕነት ዝሓደገ ሰለማዊ ሰልፍታት መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ዘዐጀብዎን እዩ ነይሩ። እዚ ከምቲ ዘለዎ ናህሩ ከይቀነሰ ክኸይድ ዘለዎ ኮይኑ፡ ግን ድማ ብፍንው ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ጉዳይ ፖለቲካ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብህዝቢ ዝሕተት መንግስቲ ናይ ምትካል መስርሕ ስለዝኾነ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብኣገባብ ክኽየድ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ግብጺ ብመንእሰያት ዝተኻየደ ዓመጽ ከም ኣብነት እንተድኣ ወሲድና፡ እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ብስምዒታዊ ኣገባብ ማለት ብዘይ ስጡም ውደባን ብቑዕ መሪሕነትን ስለዘካየድዎ፡ ፡ እቲ ብሑስኒ ሙባረክ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን እኳ እንተተወገደ፡ እቲ ንሳቶም ዘካየድዎ ቃልሲ ብካልኦት ስለዝተመንዘዐ፡ ህዝቢ ግብጺ ወይ ድማ መንእሰያት ግብጺ ክሳብ ሕጂ ሽግሮም ኣይተፈትሐን ኣሎ። ስለዚ መንእሰያትና ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ዝተባባዕ ኮይኑ፡ ግን ድማ እቶም ናይ በለጽ ሓይልታት ብማዕጾ ወጺኦም ብፍኒስትራ ተመሊሶም ንከይኣትው፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ቃልሲ ክጥቀሙ ኣለዎም።

 

ናብቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ መግዛእቲ ዝርከብ ውጹዕ ዕጡቕ ክፍልታት ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኣለኒ፡ ዓማጺ መንግስቲ ብስም ሓይልታት ምክልኻል እንዳበለ ዝጽወዓኩም ኣባላት ሰራዊት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቅኹም፡ የሕዋትኩምን ወለድኹምን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ብቐንዱ ድማ ገዛእ ርእስኹም ብዘይ ደሞዝ ብዘይ መሰል መጻኢ ዕድልኩም ጸልሚቱ ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ኮይንኩም ክትቅጽሉ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ጽባሕ ውን ብታሪኽ ዘሕትት ስለዝኾነ ነዚ ስርዓት ዓጀብቱ ካብ ምዃን ተኣሊኹም፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ኣብ ጎኒ ረብሓኹምን ጠጠው ክትብሉ ይህልወኩም። ምኽንያቱ እዚ ስርዓትዚ ምስ ፈረሰ ቀዳሞት ተጠቀምቲ ንስኻትኩም ስለዝኾንኩም። ብናትኩም ምርጫን ድሌትን ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ከም ዘይኮንኩም ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ግን ድማ ተራና እንታይ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣካል ናይቲ ሽግር ዲና ክንከውን ዘለናወይስ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ዝብል ነጥቢ ብሓላፍነት ክትርእይዎ ኣለኩም።

ከምኡ ውን እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡን 2% ንስርዓይ ህግደፍ ዝኸፍሉን ዘለው ኤርትራውያን ሓንቲ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ይደሊ። ንሱ ድማ ማዕረ እተን ንስኹም ትህብዎ ገንዘብ እዩ ደም ህዝብና ዘፍስስ ዘሎ። እዚ 2% ንህግደፍ ምኽፋል ብሕጊ ዘቕጽዕ ምዃኑ እናፈለጥኩም፡ ወላ ሃገርና የዕርብ ደቅና ይቕተል እናበልኩም ትህቡ ዘለኹም፡ ተግባራትኩም ጽባሕ ብታሪኽ ዘሕትተኩም ምዃኑ ፈሊጥኩም ንተግባራትኩም ዳግመ ርእይቶ ክትገብርሉ ኣለኩም እብል። ካልእ ደገፍትን ፈተውትን ቃልስና ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ክበጽሕን ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ክሓጽርን ዝገብርዎ ዘለው ኣስተዋጽኦ ዝነኣድን ክቕጽልሉ ዘለዎምን ኮይኑ፡ ዝምድናታትና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ዘለኒ እምነት ልዑል እዩ። ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ንክራኸብ ዝፈጠርኩምለይ ዕድል ደጊመ የመስግን። የቐንየለይ!

 

ሕራይ ብጻይ መኮነን ንስለቲ ዝሃብካኒ ሃናጺ ሕሳባት ብስመይን ብስም ሰማዕትን ከመስግነካ ይፈቱ። የቐንየለይ! ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

Email This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ,

Last Updated on Saturday, 05 January 2013 01:00
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 374 guests online