ዕዱም ጋሻና ብመጀመሪያ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘለካ ርእይቶ ንከተካፍለና ንዘቕረብናልካ ዕድማ ብኣወንታ ተቐቢልካ ብምምጻእካ ብስም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ክቡራት ሰማዕትናን ኣመስገናካ። ብምቕጻ፡-
ሕቶ፡ ምሉእ ስማካ ሓጺር ናይ ቃልሲ ድሕረ-ባይታኻን ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኻን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?
መልሲ፡- ብቐዳምነት ንኣሰናዳእቲ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ነዚ ዕድል’ዚ ስለ ዝሃብኩሙኒ የመስግን። ስመይ መኮነን ተኽለ ይበሃል። ናይ ቃልሲ ድሕረ ባይታይ ብዝምልከት፡ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮንኩ ኣብ’ቲ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተወዲበ ይሰርሕ ነይረ። ካብ ሱዳን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተሰዲደ፡ ስደትን ሃገራዊ ግቡእን ኣጠዓዒመ ድማ ሓደ ዜጋ ክገብሮ ዘለዎ ግቡኣት እንዳማላእኩ ኣብ ዝተፈላለያ ሕብረ- ብሄራውያን ውድባት ተወዲበ ቃልሰይ ቀጺለ። እቲ ካብ ወዲ 17 ዓመት ኮይነ ዝኣተኽዎ ሃገራዊ ቃልሲ መግዛእቲ ኣልጊሱ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ተመሊሱ ኢለ ደው ኣይበልኩን። እቶም ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣንጊሁ ዝወፈረሎም መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ በዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ብስመ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ ኣንፈቱ ጠምዚዙ ብዘይ ሕጋውን ተሳትፎ ህዝብን ንዕኡ ብዝጥዕሞ መንገዲ ክወስዶ ምስ ጀመረ፡ ከም ኩሎም’ቶም እዚ ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ ዝምረሓሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት ኣገላሊ ድሌት ሓደ ሰልፋዊ ልዕልነት ዘረጋግጽ፡ ንሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ዝጉዕጽጽ ከቢድ ሓደጋ ዝሓቖፈ ምዃኑ ብኣጋ ተገንዚቦም ዝቃለሱ ዝነበሩን ዘለው ክነጥፍ ጸኒሐ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ድማ ኣባል ኣመራርሓ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን ኮይነ ይቃለስ ኣለኹ። ከምኡ’ውን ንውድበይ ብምውካል ካብ ዓመተ 2011 ጀሚረ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይነ ይዋሳእ ኣለኹ።
ሕቶ፡- ሕራይ ዝኸበርካ ብ/መኮነን ተኽለ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ከመይ ከም ዝርከብዶ መብራህካልና?
መልሲ፡- እወ ብቐንዱ ክረአ ዘለዎ ጠላባት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ እንታይ ነይሩ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ህዝብታት ኤርትራ ኣስታት ንሓደ ክፈለ ዘመን ዝኸውን ግዜ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይነብር ስለዘነበረ፡ ስርዓት ደርግ ፈሪሱ ሃገራዊ ነጻነት ክውን ምስ ኮነ ብቐጥታ ሕቶ ሰላም፣ ሕቶ ደሞክራሲ፣ ሕቶ ፍትሒ፣ ሕቶ ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምሕደራ፣ ሕቶ ልምዓት፡ ብግቡእ ተመሊስሉ ርጉእ ሂወት እንዳመርሐ ብመንገዲ ምዕባለ ንቕድሚት ክምርሽ፡ ብኲናት ዝዓነወት ሃገሩ ተደጋጊፉ ክሃንጽ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን’ውን ኣብ ግሉጽ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ፡ ሓበራዊ ናይ ሰላም ደሞክራስን ልምዓትን ስምምዓት ገይሩ ተኸባቢሩ ክዓቢ’ዩ ነይሩ። መንግስቲ ህግደፍ ብተግባር ሒዝሉ ዝመጸ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖለቲካ ማለት ናይ ምጽሓፍ፣ ኣብ ዝመሰሎ ከይውደብ፣ ብኣኼባ ድዩ ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ደገፉን ተቓውሞኡን ዘስመዓሉ ክፉትን ሕጋውን ዕድላት ክይህሉ ዝግብር ኣግላሊ ምሕደራ ኣተኣታትዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ መዳይ ቁጠባ እንተመጺእና’ውን እዚ ዓማጺ ጉጅለ ኢደ-ወነናዊ ስልጣን ካብ ዝተቖጻጸረሉ ክሳብ ሎሚ ንህዝባዊ ረብሓታት ማእከል ዝገበረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ቀሪጹ ኣይፈልጥን። ኩሉ’ቲ ብዛዕባ ዳግመ ህንጻ ሃገር፣ መደብ ነብስኻ ምኽኣል፣ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፣ ቁጠባዊ ዋዕላን ካልእን ምስምስ ብምግባር ብስመ ህዝብን ሃገርን ተኸዊሉ ኣውጺአዮ ዝብሎ መደባትን ኣብ ባይታ ዘየለ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዘንበድብዶ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳትን ካብ ክሳብ ማእከሉ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሕኡን ቀጻልነት ጉጅላዊ ስልጣኑን ቀዳምነት ዝሰርዐ’ዩ።
ኣብ ህዝብና ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሓደ ልሙድ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ከቢድ መስዋእቲ ከፊልካ ግዳማዊ ጸላኢ ኣባሪርካ ምዩቕ ዘይትብለላ ናይ ብሓቂ ሓዳስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ተሃኒጻ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ነይርዎ። ህግደፍ ግን በቲ ንሱ ዝደልዮ ቀይስዎ። ህግደፋውያን ብሃብቲ ጉልበትን ሂወትን ህዝቢ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ገዛኢ ደርቢ’ዮም ተሰጋጊሮም። ህዝቢ ሓሪሱን ነጊዱን ርእሱ ክኽእል፡ ካልኦት ኣውፈርቲ ኣብ’ታ ሃገር ኣትዮም ውሕስነት ረኺቦም ርእሰማሎም ከፍስሱ ዕድል ዝኸፍትን ባይታ ኣይፈጠረን። ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባኒያታት ንግዲ ኣጣይሱ፡ መጋበሪያታት ዝኾኑ ውሑዳት ኣኻኺቡን ነዚኦቶም ብዝገልግል መልክዑ ቀይሱ’ዩ ዝሰርሓሉ ዘሎ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ንውሽጣዊ ኩነታትና ዘገናዘበ ንዓቕሚ ድሌትን ረብሓን ህዝብና ብዝጠቕም ምስ ጎረባብትን ዓለም ተሳንዩ ዝኸይድ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ቀሪጹ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ካብ’ቲ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ዝነቅል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ጨፍላቕን ገባትን ኣካይዳ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትና ከንጸባርቖ ጀሚሩ። ኣብ ልዕሊ ከም በዓል ሓድነት ኣፍሪቃ ( ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ውድባት ዝተኸተሎ ኣገባብ፡ ንኣካይድኡ ምኽንያት ብምግባር ይትረፍዶ ሓደ ንሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ፡ ኣብ እዳሻሂ ኮይኖም ካብ ዘዕልሉ ተራ ሰባት’ውን ክወጽእ ዘይትጽበዮ ጽዩፍ መግለጺታት፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዝነበሮ ዕርቃኑ ዝወጸ ድኽነት ዝግለጸሉ’ዩ። ህግደፍ ከም መንግስቲ ረብሓ ህዝቢ ማእከል ገይሩ ህዝቢ ብዝፈልጦ ግሉጽ ሓባራዊ ስምምዓት መሰረት ዝገበረ ስጡም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝገበረላ ሃገር ወይ መንግስቲ ዛጊት ኣይተራእየልን። ንውልቃዊ ረብሕኡ ክብል እንሓንሳእ ብስውር በለጽ፡ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ብጎነጽን ምትህልላኽን ዝፍለጥ ዝምድናታት ደኣምበር ካብ ህዝባዊ ረብሓ ተበጊሱ ህዝባዊ ጠቕሚ ዘረጋገጸ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክገብር ብርግጽ ኣይተራእየን። ክሳብ ኣብ መቓብር ዝኣቱ ከኣ ብኽምዚ ዘለዎ’ዩ ክቕጽሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ኣብ ጸጥታዊ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት’ከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?
መልሲ፡- ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል’ዩ ግን በዚ ሓጺር ናይ ረድዮ መደብ ኣቢልካ ብሰፊሑ ንምግላጽ ዝከኣል ኣይመስለንን። ገለ ነገራት ግን ክንተናኽፍ። ናይ ጸጥታ መሓውራቱ ዝበሃሉ ዝተፈላለየ ኣስማትን ኣቋውማን ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ንህዝቢ ኣእሚኑ ዘይኮነ ሰጥ-ለበጥ ኣቢሉ ኣምበርኪኹ ናይ ምግዛእ ሕልሙ ተግባራዊ ንምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝጸፈዮም ንኸብዶም ዝሓደሩ ትካላት ጸጥታን ስለያን’ዮም እቶም ንሱ ከም መድሕን ስልጣኑ ዝተኣማመነሎም። ንሳቶም ህዝቢ ክሳብ ኣብ መኣዲ ስድራ ቤት እንታይ ይበሃል ኣሎ ብምጽንጻን ክሳብ’ውን ብጥርጠራ ኣብ ክትወጽኣሉ ዘይትኽእል፡ ቤተሰብካ ብሂወት ኣለኻ የለኻን ከረጋግጽሉ ዝኽእሉ ዕድል ዘይህብ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስቅያታዊ መግረፍቲ ዝፍጽም ጨካን ብተግባራቱ ዘይሕተት መሓውራት ኣተኣታትዩ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዋፊሮም ዘካይድዎ ዘለው’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታቱ እንታይ ይመስል ንዝብል፡ ብመጀመሪያ ጥዑይ ተሓታትነት ዘለዎ፡ ንቕድሚት ሓደ ድልዱል ተካኢ ወለዶ ንምህናጽ ዓሊሙ ዝተቕርጸ ስርዓተ ትምህርትን ናይ ምምሃር ዕድላትን የለን። ናይ ሃይማኖት ነጻነት የለን። ንተራ ዓበይቲ ወይ ወለዲ ኣብ ምእላይ ጥዑይ ስድራ ቤት ዝነበረ ዝብሕጉግ ደኣምበር ዘተባብዕ ኣይኮነን።
ብገለ ኣጋጣሚታት ናይ ምምሃር ዕድል ዘጋጦሞም ዜጋታት’ውን ተገዲዶም ኣብ ወተሃደራዊ መሳርዕ ክኸዱን ኣገልገልቱን ክኾኑ ደኣምበር፡ ብነጻነት ዝመስሎም ዝገልጽሉን ዝሰርሕሉን ዕድላት ስለ ዘይብሎም ባህላውን ማሕበራውን ኩነታትና ይብረዝ’ዩ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ባህላውን ማሕበራውን ሓደ ህዝቢ ብናይ ምትኽኻእ መስርሕ ኣቢሉ’ዩ ካብ’ቲ ናብ’ቲ ሓደ ዝሰጋገርን ህልውንኡ ክዕቅብ ዝኽእልን። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኣለው ድማ ካባና ሓሊፉ ዓለም ብዓለሙ ዝሪኦ ዘሎ ዘሰንብድ ኣተሃላልዋ’ዮም ዘለው። ቀሲኖም ኣይመሃሩን። ብክእለቶምን ፍልጠቶምን ኣይሰርሑን። ውሑስነት ዘለዎ ሓዳር ክገብሩ ኣይክእሉን። እንተገይሮም ድማ ከም ንቡር ክኣልይዎ ከመሓድርዎ ዘኽእል ዕድል የብሎምን። ካብ’ቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ንምምላጥ ብዝተረኽበ ቀዳድ፡ ብዝረኸበ ይርከበኒ ንስደት ጥራሕ ዝውሕዝሉ ዘለው ወቕቲ’ዩ። ሎሚ ኤርትራ ካብ’ተን ብብዝሒ ዜጋታተን ዝስደዱለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቀዳማይ ቦት ተሰሪዓ ትርከብ። ስለዚ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ ነቲ ንሱ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ እንዳበለ ዝጭርሓሉ፡ ብዝገልግል መንገዲ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንናይ ህዝቢ ሓንጎል ብዘደንቁር ዝተኣታቶ ዘሎ ጓና ብሃሊ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ዝነበረ ንቡርን ክቡርን ያታና ዝዕቅብ ባህልን ርጉእ ማሕበራዊ ሂወትን የለን። ከም ጭቡጥ መግለጺ ናይ’ቲ ንሱ ስሩት ኣወንታዊ ባህልናን ንምብራዝን፡ ማሕበራዊ ክብሪታትና ንምህዳድን ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፋዊ ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ ጽዑቕ መግለጺ፡ ነቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክሰግር ዝመጣጠር “ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መንእሰያት ህግደፍን፡ ዝብላ ምጥቃስ ኣኻሊ’ዩ። ነዚ ንምልጋስ ድማ’ዩ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ።
ሕቶ፡- ብርግጽ ኩነታት ኤርትራ ብኩሉ መዕቀኒታት ኣብ ሓደጋ’ዩ ዝርከብ፡ ናይ’ዚ ጠንቂ ወይ ተሓታቲ መን’ዩ ትብል?
መልሲ፡- ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ከም’ቲ ልዕል ክንብል ዝገለጽናዮ ካብ ሜዳ ሒዝዎ ዝመጸ ባህርን ተግባርን ንድሌትን ባህግን ህዝብታት ኤርትራ ዘርዊ ኣይኮነን። ንናቱ ውልቃውን ጉጅላውን ስሱዕ ድሌታት ንምርዋይ ዝሰርሕ ፖሊሲ ኣተኣትዩ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ህዝብና ናይ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ከተኣታቱ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት’ዩ ተሓታቲ፡ ካልእ ቅድሚኡ ዝስራዕ ወይ ዝሕተት የለን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዝበጽሕ ዘሎ ወጽዓታት ምስ ጎረባብትና ክካይድ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽል ዘሎን ኣዕናዊ ኲናት ይኹን ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ተነጽሎ ካብ ፈታዊ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ካልእ ንነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራ ንምጽባእን ንምጉባጥን ዝተበገሰ ግዳማዊ ሓይሊ ዝፈጠሮ ዘይኮነስ፡ ንሱ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ብመደብ ዝገብሮ ዘሎ ስለ ዝኾነ ተሓታቲ ንሱን ንሱን ጥራሕ’ዩ።
ሕቶ፡- እሞ ህዝቢ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ህግደፍ ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚቡ ኣሎዶ ክንብል ንኽእል?
መልሲ፡- ኣብ’ዚ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ንጸረ-ህዝቢ ሕልምታቱ ንምዕዋት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ህዝብና ንምጉዳም ዝከኣሎ ኩሉ እናገበረ’ዩ መጺኡ። ካብ’ዚ ህግደፍ ዝዘርኦ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦታት ሓደ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ሰባት ኢሳያስ መሳርሕቱ ደኣ እንዳዓንቀፍዎ’ምበር ንሱ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ብቑዕ፣ ማዕረቲ ድኻ ህዝቢ ዝነብር መራሒ’ዩ እንዳበሉ ዝገልጽዎ’ዩ። ብርግጽ ሎሚ ሎሚ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣምላኺ ኣተሓሳስባ እንዳቀነሰ ኢሳያስ ቀንዲ ጸያቒቶ ምዃኑ እንዳተገንዘብ ይመጽእ ኣሎ’ዩ። ስለዚ ንኹሉ’ቲ ኢሳያስ ዝዘርኦ ድሑር ፖለቲካዊ ኣገንዝቦታት ብዓሚቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሰጊርዎ’ዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ መዓልታዊ ተመክሮኡን እቲ ጭፍራ ዘብጸሓሉ ዘሎ በደላት ተበጊሱ ግን ሎሚ ካብ ፈታዊ ጸላኢ ህግደፍ ብተዓጻጻፊ ከም ዝበዝሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ንቕሓተ ሕልና ናይ ህዝቢ ኣብ ምጉልባት ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ኣንፈት ብቐጻሊ ኣስተምህሮ እንተሂበምሉ ድማ ብዝያዳ ይሕገዝን ድልዱል ፖለቲካዊ ዕጥቂ ክጭብጥ ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብኩለንትንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’ዩ ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ መደባት ልምዓት የካይድ ኣሎ ኢሎም ክከራኸሩ ይስምዑ’ዮም እዚ ክውንነታዊ ድዩ?
መልሲ፡- ህግደፍ ሓሓሊፉ ገይረዮም ዝብሎም ናይ ልምዓት መደባት የቃልሕ’ዩ። ገለ ትካላት’ውን ኣለው’ዮም። ኣብ’ዚ ክንርደኦ ዘለና ግን መንግዛእቲ ጣሊያን ጽርጊያታት ሰሪሑ፡ ዘመናዊ ሕርሻታት ኣተኣታትዩ፡ ዝተፈላለያ ፋብሪካታት ኣጣይሱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። መግዛእቲ ጣሊያን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምግልጋል ኢሉ ዘይኮነ ክገዝእ ዝመጸ ሓይሊ’ዩ። ስለዚ እቲ ንሱ ዝገብሮ ንጥፈታት ኩሉ ነቲ ብመደብ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነስ ንባዕሉ ክብል’ዩ ሰሪሕዎ። እዚ ጭቡጥ ኣብነት ይመስለኒ። መንግስቲ ህግደፍ ድማ ንህህዝቢ ከርብሕ ኢሉ ዝቐርጾ ናይ ልምዓት ፖሊሲ የብሉን። ኩሉ ምስ ነብሱን ቀጻልነት ፖለቲካዊ ስልጣኑን እንዳለከዐ’ዩ ዝሰርሕ። ብርግጽ ከም’ቲ መግዛእቲ ጣሊያን ንባዕሉ ክብል ዝስርሖ ጽርጊያታት፡ ፋብሪካታት፡ ሕርሻታት ንጥቀመሉ ዘለና፡ እቲ ህግደፍ ንባዕሉ ክብል ዘጣይሶ ትካላት’ውን ፈጺሙ ንህዝቢ ኣይጠቅምን ማለት ኣይኮነን። ብውሕዱ ጽርጊያ እንተሰሪሑ ህዝቢ ክኸይደሉ ናይ ግድን’ዩ። ዓበይቲ ኩባኒያታት እንተተኺሉ ብጉልበትን ብፍልጠት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዜጋታት ክህልው ናይ ግድን’ዩ። ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ግን እቲ ፖሊሲ ክቕረጽ እንከሎ ንህዝቢ ከርብሕ ኢሉ ኣይቕረጽን፡ ክንደይ ኣታዊ ገይሩ ወይ ከሲሩ፡ እቲ ዝርካቡ ኣታዊ ኣበይ ይኣቱ ህዝቢ ናይ ምቁጽጻር መሰል ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ። ስለዚ እቲ ህግደፍ ቅኑዕ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ቀሪጹ ኣብ ባይታ ድማ ህዝቢ ኣሳቲፉ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ብቐንዱ እቲ ጭፍራ ባዕሉ ብመራኸቢታቱ ዝነዝሖ’ዩ። ነዚ ተቐቢሎም ዘራብሕዎ ድማ ቀጥታ ምስኡ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎም ወገናት’ዮም። ኩሉ ብመራኸቢታት ዝበሃልን ዝረአን ሓቂ ዝመስሎም ግን ከኣኣ ዝኾነ ረብሓ ዘይብሎም ናይ ፖለቲካ የወሃት’ውን ኣይዛረብሉን ማለተይ ኣይኮነን። ነቲ ጉዳይ ብልክዕ ከይተገንዘቡ ሰናይ ክኾነሎም ስለ ዝደልዩ ሰሰናዩ ዝዛረቡ ኣለው’ዮም። እዚ ግን ምስ ባህሪ ናይ ህግደፍን ኣብ ባይታ ኣንጊስዎ ዘሎ ናብ ኲናት ወረ ኲናት ዘቕነዐ ሕሙስ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ዘረጋግጾ’ዩ። ንኣብነት ብዙሕ ግዜ ዝዝረበሉ እዚ ናይ ምግፋፍ ዓሳ፣ ቱሪዝም ዕደና ወርቂ እንተወሲድና ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል ዘይኮነስ፡ እቶም ናብ ምሉእ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሮም ዘለው ዕስለ ከመይ ገይሮም ምስ ናይ ቀረባ መሻርኽቶም ይጥቀምሉ ደኣምበር፡ ንኤርትራዊ ሓርስታይ፣ ሸቃላይ፣ ብክብሪ መነባብሮ ዛንዛን ዝብል ዘሎ ነባሪ ከተማታት ህዝብናን ዝጠቅም ኣይኮነን። ኣነ ከም ሰብ ኮነ ውድብና ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ክሳብ ሎሚ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽ ይኽእል’ዩ ኢሉ ዝሓንጸጾ መደባት ልምዓት ኣይረኣናን።
ሕቶ፡- ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን፡ ከም ብሄራዊ ውብ ንክምስረት ዘገደድዎ ረቛሒታት እንታዮም መዓስከ ተመስሪቱ?
መልሲ፡- እዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ፡ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ብልዕልና ሕጊ ትመሓደር ጥጡሕ ናይ ልምዓትን ዕቤትን ፖሊሲ ተነዲፉላ ብናይ ምዕባለ ጎደና ትምርሽ ሃገር ክትህልዎም’ዩ ነይሩ ትጽቢቶም። ህግደፍ ግን ነዚ ናይ ህዝብታትና ሰናይ ባህግታት ክውን ንምግባር ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ ብኣንጻሩ ብምጉዕጻጹን ንምህዳዱን ክጓየ’ዩ ተራእዩ። ንኣብነት ብ191 ኣብ መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ ምኽንያት ብምግባር ኣፈኛ ናይ’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሎሚ ንደሓር ብስመ ውድባት ዝግበር ሓሸውየ ኣይፍቀድን’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ደኣምበር ብሄራት የለዋን በዚ ገይርካ ጎስጓስ ምግባር ድማ ገበን ስለዝኾነ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሉ’ዩ ክብል ኲናት ኣውጁ። ህግደፍ ነዚ ናይ ኲናት መግለጺ ጥራሕ ኣስሚዑ ደው ኣይበለን። ነቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ናይ ህዝብታት ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ዝጸንሐ ኣውራጃዊ ምምሕደራት ብ6 ዞባታት ቀይርዎ። እዚ እንታይ ማለት’ዩ ነተን ናይ ቋንቋ ጉጅለታታት ዝበለን ንኤርትራ ከም ሃገር ኣቚመናኣ ዘለዋ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ብጎነጽ ሓዋዊሱ ሕድሕድ ብሄራትና ከይተኣማመና፡ ነቲ ሓደ ከም ሓለፋ ሃገራውነት ዘለዎ ብፍሉይነት ብምቕራብ ነቲ ካልእ ድማ ከም ዘይእመን ጥርጡር እንዳበለ ብታሕቲ ታሕቲ ብዝነዝሖ መርዛም ፈላላዪ ውዲታት ብምንዛሕ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዓሊሙ ብተግባር ክሰርሓሉ ተራእዩ።
ስለዚ ህግደፍ ከም ብሄር ወይ ከም ህዝቢ ክብራና ዝደፈረ ምስ ብሄራት ታሪኻን ባህለን ቋንቋአን ዓቚበን ንኸይህልዋ ከባቢአን ባዕላ ብባዕለን ከየመሓደራ ዝእግድ መግለጺ ምስ ኣውጸአ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ። ኣብ ከባቢ ዓመተ 1995-1996 ነቲ ብዛይካ መሳርሒ ናይ ገለ ርእሰ ሓያላን ብምዃኑ ቀጻልነት ስልጣኑ ቁጠባዊ ረብሓን ንምቕራም ኢሉ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ካልእ ዝኾነ ክእመን ዝከኣል መበገሲ ዘይነበሮ፡ ሱዳን ጀሃድ ኣሰልጢና ብምልኣኽ ንነጻነትናን ሰላምናን ንምዝራግ ትሰርሕ ኣላ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና የካይዶ ንዝነበረ ጃምላዊ ጭውያን ጭፍጨፋን ህዝቢ ንምርዓድ ብመደብ፡ ዕጡቓት ጭሕሞም ዘንውሑ ዕሱባት ኣብ ህዝቢ ኣዚዞም ክበልዑን ክሰትይን ብምግባር፡ ተገልቢጡ ኣባላት ጀሃድ ተቐቢልኩም ኣብ ሊዕኩም ኣስቲኹም ሓቢእኩም ሓበሬታ ሂብኩም …ወዘተ ብዝብል ዝፈጸሞ ሽበራዊ ተግባራት ንህዝቢ ሓልሓልን ከባቢእን ከመይ ነይሩ ኢልካ እንተሓቲትካ ስቕሕክሕ እንዳበሉን እንዳነብዑን’ዮም ነቲ ፍጻሜ ዘዘንትውልካ። ሽዑ ዝተወስዱ ንጹሃት መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ኣለው ኣይፍለጥን። ስለዚ ካብ’ዚ ዝብገስ እቲ ናይ መንነት ናይ መሰልን ብሄራዊ ውደባን ሕቶ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ዘይኸይድ ስርዓት ጸረ-ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር እንዳተጋህደ ስለዝመጸ፡ ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጨና ናይ ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ጉጅለ ብከም’ዚ ዘለናዮ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ዝብል ኣተሓሳስባ እንዳማዕበለ መጺኡ፡ ናይ ሎሚ ብሄራዊ ውደባና ድማ ካብኡ ዝብገስ’ዩ።
ሕቶ፡ ብሄራዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ከም ብሄራዊ ውድብ ዘግልጾ ንጹር ደሞክራስያዊ ዕላማታት ኣለዎ’ዶ፡ መልስኻ እወ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሕቶ መሬት፣ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲን ዘለዎ እምነት ኣስፍሕ ኣቢልካ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?
መልሲ፡- መልሰይ ልክዕ እወ’ዩ። ከም ውድብ ንምቛም ቅድመ ምድላዋት ኣብ ንገብረሉ ዝነበርና ግዜ፡ ተመክሮ ናይ’ቶም ቅድሜና ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለው ብሄራውያን ኮኑ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት እንታይ ይመስል ኣብ’ዚ ነጥቢ’ዚ ዘለዎም መርገጻት ንምርዳእ ፈተነታት ገይርና ኢና። ስፍሕ ዝበለ ክተዓት’ውን ኣካይድና ኢና። ብቐንዱ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ሕቶ ህዝቢ ይኾኑኒ’ዮም ኢሉ ዝሪኦም ሰባት ኣብ ስልጣን ከደይበሉ ዝኽእል ሕጋዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና፡ ናይ ምጽሓፍ፣ ምውዳብ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢደወነናዊ ገደብ ዘኽብር ህዝባዊ መንግስቲ ክህሉ ዝብል መሰረታዊ እምነት’ዩ መለለይና። እዚ ድማ ብቐጻሊ ኣብ ባይታ ብነሰላስሎም ተግባራዊ ስራሓት ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ንደሞክራስያዊ መሰሉ ንምጥባቕ ክስለፍ፡ ይኾኒኑ ዝበሎም ኣብ ስልጣን ከደይብ እምነት ኣብ ዘጉድልሉ ድማ ባዕሉ ክስሕቦም ወይ ከውርዶም ዝኽእለሉ መትካላውን ትካላትን ኣሰራርሓታት ክህሉ’ዩ እምነትና።
ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ድማ፡ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ከም ኩሉም ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ኣስታት ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ተበራራይቲ ገዛእቲ ስርዓት ዝጸንሐ ህዝቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ንሱ ዝነበረሉ ከባቢ እዚ ዝበሃል ትርጉም ዘለዎ ዘመናዊ ቁጠባዊ ትካላት ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን። ናውቲ ማእቶቱ ተልመደናዊ ወይ ያታዊ ኮይኑ፡ ካብ ሰማይ ዝርከብ ዝናብ እንዳተጸበየ ሕርሻ ዘካይድ፡ ስለዚ ከኣ ምዝባዕ ኣየር ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ብቀጻሊ ንሓደጋ ጥሜት ዝቃላዕ ዝተረሰዐ ህዝቢ’ዩ። ብንጹር ንምቕማጥ ልዕሊ 85% ካብ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ብድሑር ያታዊ መሰርሒታት ዝዕመም ሕርሻን መጎሰን መነባብሮኡ ዝደፍእ ህዝቢ ስለዝኾነ ብምንጽጻር ምስ’ቲ ካልእ ክምዘን እንከሎ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ሂወት ስለዝርከብ፡ ነቶም ከም’ዚ ክኸውን ዝገበርዎ ሰብ ዘምጸኦም ጸገማት ኣሊና፡ ባዕሉ ሓሲቩ ውጥን ኣውጺኡ የርበሓኒ’ዩ ኣብ ዝብሎ ዓውደ ስራሓት ተዋፊሩ መነባብሮኡ ዝልውጠሉ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣር’ዩ። ብቐጻሊ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብዓቕሚ ህዝቢ ክዕመም ዘይከኣል ገዚፍ ጽላታት ብዓቕሚ ህዝባዊ መንግስትን ኣውፈርትን ክማላእ እንዳገበርካ ረብሓ ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ዘረጋገጽ ልምዓታዊ ፖሊሲ ክህሉ ኣለዎ ኢልና ንርኢ።
ሕቶ መሬት ብዝምልከት፡ ካብ ግዜ ጣሊያን ጀሚርካ እቶም ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ገዛእቲ’ውን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ፡ ነቶም ደቀባት ኣልጊስካ ንእሙናት ኣገልገልትና ዝብልዎም ሰባት ብምዕዳል ወይ ድማ ብዶሚናለ ዝፍለጥ ዋንነት መሬት ስለ ዝነበረ ህዝቢ ካብ መሬቱ ተጠቃሚ ኣይነበረን። ሃገር ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸአት’ውን ህዝቢ ናይ መሬቱ ነጻ ተጠቃማይ ዝኾነሉ ፖለቲካዊ ኮነ ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን። ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ ዝብል ከውሊ ገይሩ፡ ግቡኡ ዝገበረን ዘይገበረን ብካልእ ኣዘራርባ ንጸረ-ህዝቢ ገባቲ ፖሊሲታቱ ዝድግፍን ዘይድግፍን ብማለት ምስ ውሑዳት መሻርኽቱ’ዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለና። ዋንነት መሬት ናይ ህዝቢ ኮይኑ፡ ካብ ህዝቢ ብሓይሊ ዝተመንዘዐ መሬት ብሕጋዊ ናብ ዋናታቱ ክምለስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ወነንትን ተጠቀምትን መሬት ዝገብር ቁጠባዊ ፖሊሲ ኢና ንኽተል።
ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት፡ እዚ’ውን ከም’ቶም ካልኦት ዓውድታት ንረብሓ ህዝብታትና ብዘርብሕ ኣገባብ ዝተቐየሰ ክኸውን ከም ዘለዎ ንኣምን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ዘርብሕ ፖሊሲ ተኸቲልካ ትኸይድ እንተደኣ ኮይንካ፡ እቲ ውሽጣዊ ኩነታትካ ንግዳም ከንጸባርቕ ግድን ስለዝኾነ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ኤርትራ ሃገርና ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ናይ ሓባር ሰላም፣ ቁጠባዊ ረብሓታት፣ ማሕበራውን ባህላውን ምድግጋፋት፣ ዞባዊ ጸጥታ ኣብ ምሕላውን ናይ መጎዓዝያን ካልኦት ከም ሓይሊ ኤሌትሪክን ካልእን ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ተደጋጊፍና ክንዓቢ ዕድል ዝፈጥር ፖሊሲ ክህልወና ኣለዎ ዝብል’ዩ እምነትና። እቶም ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ናይ ስልጣነ መድረኽ ዝርከቡ ህዝብታት ውሽጣዊ ሰላም ኣውሒሶም፡ ንልምዓት ዘተባብዕ ንጹር ፖሊሲ ቀሪጾም፡ ምስ ጎረባብቶምን ዓለምን ተደጋጊፎም ብስምራሕ ዝሓለፍዎ ተመክሮ ነቲ ኣውንታዊ ምስ ክውንነትና ዝሰማማዕ ብምሳድ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘኽእል ናይ ወጻኢ ፖሊሲ’ዩ ዘለና። ጎረባብትና ኮነ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ህዝብታት ዝተዓወትሉ ዓውድታት ከም ኣብነት እንዳተወከስና ብቐንዱ ግን ካብ ኤርትራዊ ራእን ዓቕሚን እንዳተበገሰ ዝስጉም ፖሊሲ ክህልወና ኣለዎ ዝብል’ዩ እምነትና።
ሕቶ፡- እምነትኩም ኣብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ህዝቢ ብሄረ-ብሌን ድማ ብፍላይ ኣፍልጦን ተቐባልነት ክረክብ እንታይ ዝገበርኩሞ ጻዕሪ ኣሎ፡ ዝረኸብኩሞ ውጽኢት’ከ?
መልሲ፡ ልክዕ’ዩ ኣብ’ቲ ናይ ምምስራት እዋን ኣብ ዝነበርናሉ ነዚ ኣረኣእያ’ዚ ክሕግዙና ይኽእሉ’ዮም ንብሎም ምሁራትን ናይ ቃልሲ ተመክሮን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከበርክትዎ ዝኽእሉ ሓገዛት ክገብሩልና ኩሉ ዝከኣለና ገይርና ኢና። ገሊኦም ነቲ ጉዳይ ብመትከል ቅቡል እንዳገበሩ፡ እቲ ስርዓት ዓማጽን ኣድላውን’ዩ ባህልና ዝብርዝ ደቅና ዘጥፍእ ዘሎ’ዩ ኢሎም እንዳኣመኑ ግን ከኣ፡ ድሕሪ እኹል ኩለ-መዳያዊ መጽናዕቲ ክግበር ኣለዎ፡ እንተደኣ ነዚ ከይገበርካ ተጀሚሩ ነቲ ህዝቢ ዝጎድእ’ዩ ዝኸውን ዝብል ዕግበታት ዝነበሮም ነይሮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ክሳብ ሕጂ ከምኡ ዘይምግባርና ደንጒና ኢና፡ ሕጂ ምብጋስ ድማ ብጣዕሚ ጽቡቕ’ዩ ኢሎም ዘተባብዑና ሰባት ነይሮም። ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ፡ ናይ’ቶም ካብ ዝሓለፈ ኣደራዓትን ደረጃ ንቕሓት ናይ’ቲ ሕብረተሰብን ተበጊሶም ክግበር ኣለዎ ግን ሓንሳእ ክንጸንሕ ኣለና ክንህወኽ የብልናን ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም ኮነ እቲ ደንጒና ከማን ክንቅጽል ኣለና ዝብል ርእይቶ ኩሉ ዘተባብዕ’ዩ። ብርግጽ ኣብ ኩሉ ወፊርና ኢና፡ ዝወፍርናሉ ድማ ኩሉ ድማ ዕውት’ዩ ክንብል ኣይንኽእል። እቲ ዝረኽብናዮ በቲ ዝጀመርናዮ ንቕድሚት ክንቅጽል ዘተባብዕ ብምዃኑ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ክንበጽሕ ክኢልና ኣለና ማለት’ዩ።
ሕቶ፡- ህዝቢ ብሄረ ብሌን ተቓላሳይ ህዝቢ’ዩ ኣብ ምምጻእ ነጻነት ድማ ልሉይ ተራ ነይርዎ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ድማ፡ ደቂ-ብሄረ ብሌን ኣብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገስ ማሕበራት ተሰሊፎም ይዋስኡ ከም ዘለው ዝፍለጥ’ዩ፡ እቶም ኣብ ካልኦት ውድባት ዘለው ደቂ ብሄረ ብሌን ነዚ ናትኩም ብሄራዊ ውደባ ከመይ ይሪእዎ ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ?
መልሲ፡- ነቲ ናይ ቃልሲ ባህሪያትን መድረኻትን ፈላሊኻ ናይዘይምርኣይ ጸገማት ኣሎ’ዩ። ንኣብነት ኣንጻር ደርጊ ዝተኻየደ ቃልሲ ግዳማዊ መግዛእታዊ ስርዓት ንምእላይ ዝተገብረ ቃልሲ ምዃኑ፡ እዚ ሕጂ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ንምርግጋጽ ኣብ ልዑላዊት ሃገር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከም ብሄር ከም ህዝቢ የለኻን ኢሉ ህልውና ምስ ዝኸሓደ ውሽጣዊ ገዛኢ ዝግበር ዘሎ ጥምጥም ከም ዝኾነ፡ ብልክዕ ኣብ ምንባቡ ጸገማት ኣሎ’ዩ። ከም’ቲ ዝበልካዮ ብዙሓት ደቂ-ብሄረ ብሌን ኣብ ዝተፈላለያ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ይቃለሱ ኣለው’ዮም ኣብ’ዚ ንጥቢ’ዚ ዘለዎም ኣገንዝቦ ግን ንኹሎም ዝውክል’ኳ እንተዘይኮነ ብዙሕ ከም ዝተርፎም ንርዳእ፡ ግን ከኣ መሰሎም ነኽብረሎም ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ኮይኖም ክቃለሱ መሰሎም’ዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ዝበጽሕ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ወጽዓታት ብምቕንጣጥ እቲ ህዝቢ ከባቢኡ ባዕሉን ባዕሉን ጥራሕ ከመሓድረሉ ዝኽእል ባይታ ኣብ ምፍጣር ብብሄራዊ መልክዕ ተቓሊስና፡ ምስ ኩሎም ጸረ ምልኪ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ዝረባረቡ ዘለዎ ደሞክራስያውያን ሃገራውያን ውድባትን መሻርኽቲ ኣካላትን በቲ ዘራኽበና ተመሓዚና ኣብ ስምምዕና ጸኒዕና ካብ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ኣብ ሃገርና ናይ ውሑዳት ምልኪ ነጊሱ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብሄራዊ ኣድልዎ ኣሎ። ነዚ ንምቕያር ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ምቕላስ መድረኹ’ዩ ኢልና ኢና ንርኢ። ስለዚ ውጹዕ ብሄረ-ብሌን ብብሂራዊ መልክዕ ተወዲቡ ንጨፍላቒ ገዛኢ ደርቢ ብቃልሱ ኣልጊሱ፡ ንደሞክራስያዊ መሰላቱ ከውሕስ ካብ ማን ፍቓድ ዘድልዮ ወይ ካልኦት ሎሚ ክትቃለስ ኣለካ ኣይፋል ጽባሕ ኢኻ ክትቃለስ ዘለካ ኢሎም መቃለሲ ልቸንሳ ዝብዎ ኣይኮነን።
ሕቶ፡- ምስ ብሄራውያን ውድባት ኤርትራ ዝምድና ኣለኩም’ዶ እንተለኩም ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ’ዩ?
መልሲ፡- ከም’ቲ ቅድም ኢልና ዝገለጽናዮ ብዙሓት ብሄራውያን ውድባት ኣለዋ፡ እዚ ንጭቡጥ ክውንነትና ዘንጸባርቕ’ዩ፡ ካብ ግዳም ዝመጸ ኣይኮነን። እዚ ሎሚ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ፡ እከለ ናይ ደገ ልኡኽ’ዩ፡ ናይ እከለ ርእይቶ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት’ዩ በታኒ’ዩ እንዳበለ ዝነዝሖ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ጸለመን ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ሕሉፋት ተጣበቕቲ ሓድነት መሲሎም ዝቃባበልሉን ዘይኮነስ፡ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ 9 ብሄራት እንዳበለ ዝምህረሉ ዝነበረ ጥረ ሓቂ’ዩ። ዝምድናና ምስ ብሄራውያን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ኣብ ዘራኽቡኻ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን መሰረት ዝገበረ’ዩ። ኣብ’ቶም ዝፍጠሩ ዘለው ናይ ሓባር ዓበይቲ ግንባራት ከመይ ንስራሕ እንታይ ናይ ሓባር ዕግበታት ኣለና ኣብ ዝብል ንመያየጥን ሓበሬታ ንለዋወጥን ኢና። ብቐንዱ ውጹዓት ኢና ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣለና ስለዚ ንገብሮ ዝምድና ካብ ወጽዓናን ናይ ሓባር ጸላኢናን ዝነቅል’ዩ።
ሕቶ፡ ዕላማኹም ክሳብ ምውዳቕ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ድዩ ወይስ ክንዮኡ ዝቕጽል’ዩ። ክንዮኡ ዝቕጽል እንተደኣ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ስትራተጂካዊ እምነትኩም እንታይ’ዩ? ናይ ዕላማ መሓዝትኩም’ከ እንታይ ዘማልኡ’ዮም።
መልሲ፡- ቃልስና ክሳብ ምውደቕ ህግደፍ ጥራሕ ዝኸይድ እንትደኣ ኮይኑ እቲ ቃልሲ ጎደሎ ክኸውን’ዩ ምሉእ ኣይኸውንን ዝብል ዕግበት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ሎሚን ትማልን ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ናይ ነጻነት ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ ንነዊሕ ዘስርሕ ኣብ ህዝባዊ ንቕሓት ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ባይታ ከይፈጠረ፡ ጥራሕ ንደርጊ ነውድቆ፡ ብድሕሪኡ ሃገርና ናብ ገነት ክትቅየር’ያ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክንተክል ኢና፡ ዝብል መብጸዓ ኣብ ርእሲ መብጸዓ እንዳጸፍጸፈ’ዩ መጺኡ። በትረ ስልጣን ምስ ጨበጠ ግን ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ኩሉ ደርቢዩ ነቲ ሓቢእዎ ዝነበረ ሓቀኛ ባህሪኡ ከርእየና ጀሚሩ። ስለዚ ንሕና ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ዝተሓጽረ ዘይኮነ ክንይኡ ዝኸይድ’ዩ። እዚ እንታይ ማለት’ዩ እቲ ቃልሲ ናይ ህዝባዊ ልዑላውነት ዝኣምን፡ ህዝብታት ከባቢኦም ነብሶም ከመሓድርሉ ዝኽእሉ ደሞክራስያዊ ትካላት ክህሉ፡ ብቅዋም እትመሓደር ሃገር ክትህሉ፡ ህዝቢ ድማ ነቶም ንኣምነሎም ደሞክራስያዊ መትከላት ንትግብረሎም መሳርሒታት ህዝቢ ክፈልጦም ኣለዎን ዝብል መሰረት ዝገበረ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ህዝቢ እዚኦም ይኾኑኒ’ዮም ኢሉ ስልጣን ዝሃቦም ሰባት ኣገልገልቱ ክኾኑ፡ እምነት ኣብ ዘጉድልሉ ከኣ ከውርዶም ዝኽእለሉ ባይታ ምስ ዝረጋገጽዩ እቲ ቀንዲ እምነትና። ዕላማና ስትራተጂካዊ’ዩ ምኽንያቱ ልዑላውነት ህዝቢ ከነረጋግጽ ኢና ክንብል እንከለና ህግደፍ ምስ ወደቐ ብኡ ንብኡ ንጥፈታትና ደው ነብል ማለት ዘይኮነስ፡ ህዝባዊ ዋና ህዝባዊ ስልጣኑ ክሳብ ዝኸውን ዝቕጽል’ዩ።
ሕቶ፡- ነዚ ዝገለጽካዮ መሰረታዊ እምነታት ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ትጥቀምሉ መሳለጥያታት’ዶ ምገለጽካለይ?
መልሲ፡- ዊብ-ሳት ኣለና ጽሑፋት ንዝርግሕ ኢና፡ ምስ ህዝቢ ንራኸበሉ ናይ ምይይጥ መድረኻት ንኸፍት ኢና፡ ከምኡ’ውን በዚ ናይ ኤሌትሮኒክ መሳርሒታት ማለት መድረኻት ፓልቶኽ ተጠቒምና ነቶም ርእይቶታትና ኣብ ኩሉ ኤርትራውን ፈተወቲ ቃልስናን ክበጽሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።
ሕቶ፡- ሕራይ ብ/መኮነን ህግደፍ ናይ ግደን ክውገድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ብዙሓት’ዩ። ብከመይ ኣገባብ ኣብ ዝብል ግን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉን ብኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ዝብሉን ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣለው ናትኩም ርእይቶ ኣበይንኡ’ዩ?
መልሲ፡- ንሕና ከም ውድብ፡ ብዙሕነት ከም ዘሎ ኣብ ኤርትራ ንኣምንን ንቕበልን። ብዙሕነት እንተሎ ድማ ናይ ኣረኣእያ ብዙሕነት ክህሉ ውሁብ’ዩ ዝኸውን። ገለ ወገናት ኣለው ብሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉ ነዚ እምነት’ዚ እምነቶም ስለ ዝኾነ ነኽብሮ ኢና። ግን ንሕና እዚ ዓማጺ መንግስቲ’ዚ ብሄራት የለዋን ተቓወምቲ ውድባት የለውን እንተልዮም ድማ መሳርሒ ናይ ካልኦት ሓይልታት’ዮም እንዳበለ ንዘይህላውነት ናይ ህልዋት ውድባት ዝሰርሕ፡ ዶባ ሰጊሩ’ውን ንተቓለስቲ ዝቕንጽል ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ ተቓሊካ ክእለዩ ዝብል ዕግበት የብልናን። ብኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ክንጥቀም’ዩ እቲ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣየና። ናይ’ቶም ሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉ ርእይቶ ነኽብር ኢና። በቲ ዘራኽበና ምስኦም ክንሰርሕ ‘ውን ጸገም የብልናን። ግን ከም ውድብ፡ ንባህርን ተግባርን ጸላኢና መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ግምት ብምእታው ኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ምኽታል’ዩ እቲ ቅኑዕ ኢልና ኢና ንኣምን።
ሕቶ፡ ናብ ካልእ ከስግረካ መኮነን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝተመስረተሉ 2011 ተሳታፋይ ነይርካ፡ ሕጂ ድማ ከም ኣባል ባይቶ መጠን ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ’ቲ ባይቶ ተሳታፋይ ብምንባርካ ነዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር’ዚ ከመይ ትገልጾ?
መልሲ፡- እዚ ነዊሕ መስርሕ ዝኸደ ግንባር ወይ ድማ ባይቶ እዩ። ቅድሚ ምምስራቱ ሓደ ክረአ ዘለዎ ነገር እንተሃለወ፡ ሓደ ኮይንኩም ዘይትሰርሑ ዝብል ናይ ህዝብና ጠለባት ብምንባሩ: ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዚ ጠለብ’ዚ ማእከል ዝገበረ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ውድባት ክንዲ ዝዓበየ ይዕበየ ክንዲ ዝበዝሓ ይብዝሓ ነንበይነን ኮይነን ንጠለባት ናይ ህዝብና ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክምልሳ ከም ዘይኽእላ ህዝቢ እንዳተረደአ ስለዝመጸ፡ ኩሉ ግዜ ሓደ እንተድኣ ኮይንኩም ኢኹም ነዚ ስርዓት እዚ ንምእላይ ኣድማዕቲ ትኾኑ ዝብል ኣወንታዊ ትጽዕኖ ክገብር ጸኒሑ’ዩ። ቅድሚ ባይቶ ንብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ዝበሃል ጽላል ነይሩ፡ ብዓቐኑ ካብኡ ስፍሕ ናብ ዝበለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተሰጋጊሩ እዚ ብፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ዝውሳኣሉ ግንባር’ዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ባይቶ ክምስረት ዝገበረ ‘ምበኣር ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን’ዩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለው ተቓለስቲ ሓይልታት፡ ስቪክ ማሕበራት፡ ኣብ ምምጻእ እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ነናቶም ኣወንታዊ ድርኺት ነይርዎም’ዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርገስ ማሕበራት፣ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሚዲያ ትካላትን ካልኦት ጸረ-ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደው ዝበሉ መሻርኽቲ ወገናትን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ዓቕምና ጸንቂቕና ክንሰርሕ ኣለና ካብ ዝብል ዕግበት ብምብጋስ፡ ንነዊሕ እዋናት በብከባቢኡ ከካይድዎ ካብ ዝጸንሑ ምንቅስቓሳት እዩ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክምስረት ዝተኻእለ።
እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ክውንነት ኣብ ግምት ዘእተወን ብተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ዝመጸን ስለዝኾነ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን ኣፍልጦ ዘለዎ ብምዃኑ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ትካል እዩ። እዚ ባይቶ’ዚ ካብ ዝምስረት ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብረኣእያ፡ መልክዕ ውደባ፡ ኣቀማምጣ፡ ተመክሮ፡ ዝተፈላለየ ዝንባለታት ዘለዎም ተቓለስቲ ዝተኣኻኽብሉ ሰፊሕ ግንባር፡ ዓመት ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሎም እቶም ክግበሩ ዝግበኦም ማለት ነዚ ትካል እዚ ከንቀሳቕሱ ዝግበኦም ነገራት ክጻፈፉ ብዙሕ ግዜን ውሁድ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን ዝሓትት’ዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሰፊሕ ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከምቲ ድልየት ወይ ትጽቢት ናይ ህዝብና እኳ እንተዘይኮነ ንዘለውዎ ውሽጣዊ ሕጽረታት እናኣለየ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ብዙሕ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣሰላሲሉ ኣሎ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ኣብ ጎረባብትናን ዞባናን ዝርከባ ሃገራት ዑደት ብምፍጻም ዕላማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣላልዩ ንቃልስና ግድግፉ ጸዊዑ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ በደላት ትኹረት ንክገብርን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ተግባራዊ ክኸውን፡ ኣለዎ ብምባል ዘይነዓቕ ስርሓት የሰላስል ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣካይዳ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዋላ ዘገምታዊ ይምሰል እምበር፡ ኣገደስቲ ዕዮታት የሰላስል ኣሎ እዩ። እዚ ሕጂ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ግዝያት ዝነበሩ ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያት ዝገምገመን ንቐጻሊ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ዝረኣየን እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ህዝብና ነዚ ጽላል እዚ ከምቲ ዝግባእ ወይ ድማ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰርሐን ኢሉ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፉ ከበርክተሉ ኣለዎ ይብል።
ሕቶ፡- ብንጹር ንምቕማጥ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕድሚኡ እንታይ ኣወንታዊ ስርሓት ኣሰላሲሉ እንታይ ድኽመታት ኣርእዩ፡ እንታይ ብድሆታት ‘ከ ኣጋጢምዎ?
መልሲ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክስርሑ ዝግበኦም ብዙሓት ስርሓት ነይሮም እዮም። ግን ድማ ከም’ቲ ልዕል ኢለ ዝተናኸፍክዎ፡ ናይ ኣረኣእያ፡ ዓቕሚ፣ ተመክሮ ስጡም ውህደት፣ ናይ መሳለጥያን ጸገማት ሒዙ ዝተመሰረት ሓድሽ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ኣመራርሕኡ ይኹኑ ኣባላቱ’ውን ከምኡ ምሉእ ግዚኦም ንዕኡ ዘይህቡ ብምዃኖም፡ ናይ ህዝብና ድሌታት ኣብ ምትግባር ዝተርፎ ብዙሕ ኣሎ። እዚ እቲ ብኣሉታ ዝግለጸሉ ሸነኽ ኮይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መደያት ድማ ብዙሓት ብኣወንታ ክግለጹ ዝኽእሉ ስርሓት ሰሪሑ እዩ። ብቐንዱ ግን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ምስ ዝኽእል እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ኩሉ ነገር ንኣባላት ኣመራርሓ ንገድፎ እንተ ድኣ ኮይና፡ እቲ ጽላል ከምቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኩሉ ኣብ ህላወ ጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍ ረብሓ ዘይብሉ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝደሊ ዜጋ፡ ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞራስያዊ ለውጢ በብዓቕሙ ብትእዛዝ ዘይኮነ ብሓላፍነታዊ ስምዒት እንተደኣ ተረባሪቡ እዚ ጽላል እዚ ውጽኢታዊ ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣይህሉን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ‘ውን እንተርኢናዮ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዝዓሰሉ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ዝተዓመ ዕማማት ዝነዓቕ ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ በዚ ደገፍ እዚ ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ ክንድዚ ርሕቐት ክጓዓዝ ክኢሉ ኣሎ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ከኣ ብኽንድ’ቲ ተደላይነቱ ካብ ህዝቢ ኩለ-መዳያዊ ደገፍ እንተረኺቡ ብዘይጥርጥር ዝተበገሰሉ ሸቶ ክሃርም’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ዘለውዎ ድኽመታት ኣላሊኻን ኣሊኻን ሓይሉ ክቕጽል’ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ?
መልሲ፡- ኣቐዲመ ክገልጾ ጸኒሐ እኳ እንተኾንኩ፡ ግን ከኣ ከይተንከፍክዎም ክሓልፍ ዘይደሊ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣለው። ቁጠባዊ ሓደ ነቲ ባይቶ ውጽኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ዘድልይዎ ነገራት ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ስራሕ ዝመደብካዮም ውልቀ-ሰባት እኹል ባጀት ረኺቦም ክንቀሳቐሱ እንተዘይ ክኢሎም፡ እቲ መደባት ከምቲ ዝድለ ዕውት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ኩሉ ኣባል ባይቶን መላእ ህዝብናን ነዚ ናይ ቁጠባ ማሕንቖታት ኣብ ምፍታሕን፡ ባይቶ ነብሱ ክኢሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገንዘባዊ ጸገም ስራሓቱ ንከሰላስል መታን ክበቅዕ፡ መላእ ተቓላሳይ ህዝብና ኣበርክትኡ ክገብር ይጽውዕ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ዝነብሩ ተቓለስቲ ኣካላት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንክፋለጥን ኣወንታዊ ርክባት ንከካይድን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጢ ንኽገብሩን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ይግበኦም። ንሕና ኣብቲ ንነብረሉ ዘለና ከባቢ ከምዚ ዓይነት ስርሓት ነካይድ ኣለና፡ ግን ድማ ብናይ ኣባላት ባይቶን ፈተውትን ጥራሕ ዝካየድ እኩል ስለዘይከውን፡ ህዝቢ ነዚ ተግባራት’ዚ ውራየይ ኢሉ ክተሓሓዞ ይግባእ እብል። ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኣብታ ዝደኸመት ጫፍ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ብቐንዱ ኣብታ ሓንቲ እግሩ ተተኺላትላ ዘላ ናይ ጸጥታ ትካል ዝነበሩ ኣባላቱ ገገዲፎሞ ኣብ ዝኸድሉ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝተነጸለሉ፡ ካብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝረኽቦ ዝነበረ ቁጠባዊ ደገፋት ኣብ ዝሰኣነሉ ደረጃ ስለዘሎ፡ ነዚ ዝመሽመሸ ስርዓት ንምውጋድ ንባይቶ ዝግበር ሞራላውን ነዋታን ደገፍ ትርጉም ብዘለዎ ክሕይል ይግባእ።
ካልእ ብዙሕ ክብደትን መሰረትን ዘይብሉ፡ እንተስ ካብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ረብሓታት ዝብገሱ ወይ ባህሪ ከም’ዚ ዝበለ ግንባር ካብ ዘይምርዳእ እዚ ባይቶ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወላ ሓንቲ ኣይገበረን ኣይሰርሕን ‘ዩ ኣብቂዑ እዩ ክቕጽል የብሉን ወዘተ ዝብል ወረታት ዝነዝሑ፡ ውልቀ ሰባት ወይ ድማ ሓይልታት ኣለው እዮም። እዚ ርእይትኦም ኮይኑ ግን ከኣ እዚ ባይቶ’ዚ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ዋጋን ዝተኸፍለሉ፡ ኣገዳሲ መቃለሲ ግንባር ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፡፡ ሽግራት ክኽሰቱ ባህሪያዊ’ዩ። ይዕበዩ ይንኣሱ እቶም ዝኽሰቱ ሽግራትና ብሓባር ኮይና ንፈትሓሉን ድኽመታትና ኣብ መድረኽ ኣውጺእና ንፍትሸሉ ብሱል ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ኣለና። እንተደኣ ብሓቂ ንለውጢ ተበጊስና፡ እቲ ወጽዓን ወጻዕን ናይ ሓባር ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ድማ ናይ ኩልና ተሳትፎ ዝጠለብ ምዃኑ፡ ከሳስን ተኸሳስን ምዃን ብቃልሲ ንዝተፈጥሩ ግንባራት ገለ ጉድለት ስለዘርኣዩ ክፈርሱ ኣለዎም ምባል ግን ንኹሉ ዘይጠቅም ጥረ ኣተሓሳስባ ከም ዝኾነ ዝተረደኣ ቃልሲ ከነካይድ ኣለና። እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ‘ውን እንተኾነ እዞም ኣብ ቃልሲ ዘለው ሓይልታት በብመንገዶም ተበታቲኖም ንኸይኣትው ኣብ ሓደ ጠሚሩን ሓቚፉን ናብ ሓደ ኣንፈት ከም ዝርእዩ ዝገብር ትካል ስለዝኾነ፡ ኣብ ሓደ እዋን ናተይ ኣጀንዳ ከተግብር ወይ ከኣ ከዐውት ስለዘይከኣለ ካብ ዝብል ጸቢብ ሕሳባት ክፈርስ ኣለዎ እንዳበልካ ምጉስጓስ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ኮይኑ ኣይስመዓንን። እቶም ከምኡ ዝብሉ ካበየናይ ኩርናዕ ይብገሱ ኣለው ንዓይ ርዱእ ኣይኮነን፡፡ እዚ ሓደ ካብቲ ክእለ ዘለዎ ሕጽረታት ኮይኑ ዝረኣየኒ።
ሕቶ፡- ሕራይ ብጻይ መኮነን፡ ሓደ ንብዙሓት ውድባትን ርእይቶታት ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ክምስረት ኮነ፡ ቀጻልነቱ ከረጋገጽ ብቐዳምነት ክዋስእሉ ዘለዎም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ዘለዎም ሓይልታት ምዃኖም ርእሰ ግሉጽ ሓቂዩ’ሞ፡ ብስትራተጂካዊ መስመር ዝራኸቡ ብሄራውያን ይኹኑ ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት ከመይ ክተኣሳሰሩ ኣለዎም ኢልካ ትርኢ?
መልሲ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ሃገርና ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ዝግበር ልፍንትታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ገሊኡ ብሃገራዊ ግንባር ደረጃ ክኸይድ ይኽእል ገሊኡ ድማ ካብኡ ልዕል ብዝበለ ዲሞክራስያዊ ግንባራት ክፈጥር ይኽእል። እዚ ግን ዲሞክራስያዊ ግንባር ክትምስርት እንተድኣ ኮይንካ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለው። ሕቶ ፖለቲካ፡ ሕቶ ቁጠባ፡ ሕቶ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሕቶ ባህሊ ዝብሉ ነገራት ብግቡእ እንተድኣ ኣቐሚጥካ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ እቶም ዕማማትካ ክቐሉልካን ነቲ ክትከዶ ትደሊ ርሕቀት ወይ ከኣ ህዝቢ ዘሳትፍ ኣሰራርሓ ክትክተል ዝሕግዝ እዩ። ስለዚ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ከተዐውት እንተድኣ ኮይንካ፡ ምስ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ብሄራውያንን ሕብረ-ብሄራውያንን ደሞክራስያውያን ውድባት ግንባር ብምፍጣር ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።
ሕቶ፡- ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፡ ግን ከኣ ለውጢ ዝጠልብ ርሱን ስምዒታት ምህላው ዝፍለጥ’ዩ ነዚ ስምዒታዊ ኣካይዳታት ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ንምግራሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?
መልሲ፡- ሓደ ኣወንታዊ ዝኾነ ተርእዮ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ህዝብና ብቁጠዐ ተላዒሉ እዚ ስርዓት’ዚ ለኪሙና ክጠፍእ እዩ ክለግስ ኣለዎ ዝብል ተረድኦ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣወንታውን ዝድገፍን ኮይኑ፡ ግን ከኣ ብቑዕ መሪሕነትን ስጡም ውደባን ከይሓዘ፡ ብስምዒታውን ፍንውን መንገዲ እንተድኣ ቀጺሉ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ምኽንያቱ ብቁዕ መሪሕ ውድብን ስጡም ውደባን ዘይሓዘ ህዝቢ ወይ ተቓላሳይ ኣብ መጨረሽትኡ እቲ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ቃልሱ ካልኦት ብጎኒ ዝመጹ ተበለጽቲ ኣካላት ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ብምጭዋይ፡ ነቲ ኣደራዕን ጭኮናን ብካልእ መልክዕ ከቐጽልዎ ስለዝኽእሉ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብጥንቃቐ ክረአን ቅልጡፍ ምስትኽኻል ክግበረሉ ኣለዎን ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣነ እዚ ክብል ዝደረኸኒ ምኽንያት ገለ ገለ ኣብ መርበባት ኢንተርኔት ዝጻሓፉን ኣብ ፓልቶክን ዝዝረቡን ነገራት ኣዝዩ ስለዘሰክፈኒ’ዩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ምእላይ ተራ ናይ ውድባት፡ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ድማ ነቲ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ብህዝባዊ ስምዒታውነቱ ጥራሕ ክኸይድ ዘይኮነስ፡ ብመልክዕ ረብሓ ‘ውን ክቃነ ክኽእል ኣለዎ።
ሕቶ፡- ሕራይ ብጻይ መኮነን ዘዳለኹዎም ሕቶታት ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ፡ ምናልባት ግን ክለዓሉ ዝነበሮም ግን ከኣ ዘይተላዕሉ ትብሎም ሕቶታት ርእይቶታትን ለበዋታትን እንተድኣ ሃልይኳ ዕድል ክህበካ?
መልሲ፡- እወ! ከይተናኸፍናዮም ዝሓለፍና ክበሃሉ ኣለዎም ኢለ ዝሪኦም ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለው። መንእሰያትና መግዛእቲ ናይ ህግደፍ መሪርዎም ስደት ከም መማረጺ ወሲዶም፡ ናብ እስራኤል ይኹን ናብ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ክሰግሩ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ይትረፍ’ዶ ንኤርትራዊ ዜጋ ንዝኾነ ካልእ ፍጡር ‘ውን ዘስካሕክሕ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብን፡ እተን እዚ ተግባራት እዚ ዝፍጸመለን ሃገራትን ካልኦት ፈተውቲ መንግስታትን፡ ነዚ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝበጽሕ ዘሎ በደል ደው ንክብል ኣወንታዊ ተረአን ከበርክታ እጽውዕ። ብቐንዱ ድማ እቶም መንእሰያት እዚ ንርእዮ ዘለና ሓደጋታት ኣብ ነብሶም ከይበጽሕ ዝግባእ ጥንቃቐታት ክገብሩ ይግበኦም ይብል።
ካልእ መንእሰያትና ኣብ ቃልሲ ዘርእይዎ ዘለው ተሳትፎ ብጣዕሚ ዘኹርዕ እዩ። እቶም ንስደት ከም መማረጺ ብምርኣይ ጥራሕ ነብስና ነድሕን ኢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኸዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምስ በጽሑ ሽግሮምን ሽግር ህዝቦምን ክፍታሕ እንተድኣ ኮይኑ ህግደፍ ክእለ ኣለዎ ኢሎም ብምርኣይ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማእከል ኢሎም ዝረኣይዎ ከባቢታት ክምለሱ ክትርኢ እንከለኻ፡ ምስቲ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝረአ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምንዕዓብ ዝመሳሰል ተበግሶ ክገብሩ ክትርኢ ከለኻ ዘሐጉስ እዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ተሰማዕነት ዝሓደገ ሰለማዊ ሰልፍታት መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ዘዐጀብዎን እዩ ነይሩ። እዚ ከምቲ ዘለዎ ናህሩ ከይቀነሰ ክኸይድ ዘለዎ ኮይኑ፡ ግን ድማ ብፍንው ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ጉዳይ ፖለቲካ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብህዝቢ ዝሕተት መንግስቲ ናይ ምትካል መስርሕ ስለዝኾነ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብኣገባብ ክኽየድ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ግብጺ ብመንእሰያት ዝተኻየደ ዓመጽ ከም ኣብነት እንተድኣ ወሲድና፡ እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ብስምዒታዊ ኣገባብ ማለት ብዘይ ስጡም ውደባን ብቑዕ መሪሕነትን ስለዘካየድዎ፡ ፡ እቲ ብሑስኒ ሙባረክ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን እኳ እንተተወገደ፡ እቲ ንሳቶም ዘካየድዎ ቃልሲ ብካልኦት ስለዝተመንዘዐ፡ ህዝቢ ግብጺ ወይ ድማ መንእሰያት ግብጺ ክሳብ ሕጂ ሽግሮም ኣይተፈትሐን ኣሎ። ስለዚ መንእሰያትና ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ዝተባባዕ ኮይኑ፡ ግን ድማ እቶም ናይ በለጽ ሓይልታት ብማዕጾ ወጺኦም ብፍኒስትራ ተመሊሶም ንከይኣትው፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ቃልሲ ክጥቀሙ ኣለዎም።
ናብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ መግዛእቲ ዝርከብ ውጹዕ ዕጡቕ ክፍልታት ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኣለኒ፡ ዓማጺ መንግስቲ ብስም ሓይልታት ምክልኻል እንዳበለ ዝጽወዓኩም ኣባላት ሰራዊት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቅኹም፡ የሕዋትኩምን ወለድኹምን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ብቐንዱ ድማ ገዛእ ርእስኹም ብዘይ ደሞዝ ብዘይ መሰል መጻኢ ዕድልኩም ጸልሚቱ ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ኮይንኩም ክትቅጽሉ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ጽባሕ ‘ውን ብታሪኽ ዘሕትት ስለዝኾነ ነዚ ስርዓት ዓጀብቱ ካብ ምዃን ተኣሊኹም፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ኣብ ጎኒ ረብሓኹምን ጠጠው ክትብሉ ይህልወኩም። ምኽንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ምስ ፈረሰ ቀዳሞት ተጠቀምቲ ንስኻትኩም ስለዝኾንኩም። ብናትኩም ምርጫን ድሌትን ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ከም ዘይኮንኩም ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ግን ድማ ተራና እንታይ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣካል ናይቲ ሽግር ዲና ክንከውን ዘለና’ ወይ’ስ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ዝብል ነጥቢ ብሓላፍነት ክትርእይዎ ኣለኩም።
ከምኡ ‘ውን እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡን 2% ንስርዓይ ህግደፍ ዝኸፍሉን ዘለው ኤርትራውያን ሓንቲ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ይደሊ። ንሱ ድማ ማዕረ እተን ንስኹም ትህብዎ ገንዘብ እዩ ደም ህዝብና ዘፍስስ ዘሎ። እዚ 2% ንህግደፍ ምኽፋል ብሕጊ ዘቕጽዕ ምዃኑ እናፈለጥኩም፡ ወላ ሃገርና የዕርብ ደቅና ይቕተል እናበልኩም ትህቡ ዘለኹም፡ ተግባራትኩም ጽባሕ ብታሪኽ ዘሕትተኩም ምዃኑ ፈሊጥኩም ንተግባራትኩም ዳግመ ርእይቶ ክትገብርሉ ኣለኩም እብል። ካልእ ደገፍትን ፈተውትን ቃልስና ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ክበጽሕን ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ክሓጽርን ዝገብርዎ ዘለው ኣስተዋጽኦ ዝነኣድን ክቕጽልሉ ዘለዎምን ኮይኑ፡ ዝምድናታትና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ዘለኒ እምነት ልዑል እዩ። ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ንክራኸብ ዝፈጠርኩምለይ ዕድል ደጊመ የመስግን። የቐንየለይ!
ሕራይ ብጻይ መኮነን ንስለቲ ዝሃብካኒ ሃናጺ ሕሳባት ብስመይን ብስም ሰማዕትን ከመስግነካ ይፈቱ። የቐንየለይ! ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Email
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
,
|