www.blina.org

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዕለት 8.2.2013 ይኣክል ፋሺስታዊ ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 06 February 2013 22:53


ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዕለት 8.2.2013
ይኣክል ፋሺስታዊ ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ
ዕሰልየ ሆ ዕሰልየ ዕሰል ዝናርካ ዕጠቕ ነ’ቦኻ ምሰል!!!!  እናበልና
ነዚ ዓንዲ ሕቖኡ ዝተሰብረ፣ ኣስናኑ ነቕነቕ  ዝበለ፣ ዓይኑ ዝሓውለለ፣ ስርዓት ኣልቦ ፋሺስታዊ ዲክታቶራዊ ምሕደራ ኢሳያስ ይኣክል!! ይኣክል!! ሃገርና ብቑጠባን ባህልን ተዓኑ‘ላ፣ ህዝብና ይብተን ኣሎ፣ ይኣክል ናይ ውልቐ ሰብ እምነት፣ ሕጊ ይምረሓና፣ ፍትሒ ይንገሰልና፣ ክንብል ነቲ ተዓፊኑ ብዘይፍትሒ ዝእሰርን ዝቅተልን ዘሎ ህዝብና መቓሕ ክንኮኖ፣ ኣብ ህንጸት ሃገር ዘይኮነ ኣብ ባርነት “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ንዝበሊ መንእሰይና ሓራ ክወጽእ፣ ሽማግሌታት ሸቕሎን ሓረስቶትን ብረት እሰኪሙ ዘንከራትቶም ዘሎ ኣብ ሞዶሻን ማሕረስን ክምለሱ፣ ካብ’ዚ ባርባራዊ ግፍዒ ከምልጡ ኣብ ዶብን ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝጠፍኡ ከይኣክል ከም ገንሸል ፋሲካ ተሸይጦም ኮላሊቶም ብደዎም ብዘይመደንዘዚ ብበደዊን ዝምንጠሉ፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ደቅናን ክድሕኑ፣
1.    ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱር ብዘይቅድመ ኵነት ሕጂ ይፈታሑ፣
2.    ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ቁዋም ሕጂ ይተግበር፣
3.    ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ሕጂ ደው በል፣
ክንብል ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ስለ ዘሎና ኩልኹም/ኽን ደልይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን፣ ኣዕሩኹናን፣ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ዓለም፣ ንዓርቢ ዕለት 08.2013ዓ.ም ካብ ሰዓት 12:00 ቆጸራና  ይኹን። ብደሓን ምጹ/ጻ።
ውድቐት ንፋሺሽቲ ኢሳያስ!!! 
ሰማእታትና ክዝከሩን ክኸብሩ’ዮም!!!
ዓወት ንመላእ ህዝብና!!!
ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ሃገረ ስዊስ

Last Updated on Monday, 15 July 2013 23:16
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 382 guests online