www.blina.org

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ 24 ግንቦት 2013 PDF Print E-mail
Thursday, 23 May 2013 09:06

ወርሓዊ መጽሔት شهرية شهارية مجلة This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ምልክነት ወጊድና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና الديمقراطية سنسقط الدكتاتورية ونبني ارتريا ግንቦት 2013 ሕታም ቁጽሪ (2) مايو 2013 عدد رقم (2)

መግለጺ ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት

 

ኤርትራ 2013 ወርሒ ግንቦት ብፍላይ ከኣ 24 ግንቦት 1991 ኣብ መንፈስን ስምዒትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ፍስሃን ተዘክሮታትን ዘለዋ ክብርቲ ዕለት’ያ። ምክንያቱ ድማ ብድሕሪ’ቲ ዝተሓላለኸ 30 ዓመት ዝወሰደ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ተጋድሎን ረዚን መስዋእትነት ዝሓተተ ብድሆታቱን ካብ መላእ ሃገርና ህላወ’ቲ መሪር ባዕዳዊ መግዛእትን ኣደራዕን ኣብቒዑ፡ ህዝብና መባእታዊ ዝፋን ልዕላውነቱን ነጻነቱን ዝጨበጠላ ታሪኻዊትን ክብርትን ዕለት ስለ ዝኾነት’ዩ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንክቡር ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት 2013 ኣመልኪቱ ንመላእ ህዝብና፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ዕዙዝ መልእኽቲ ዮሃና የመሓላልፍ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2014 ህዝብና ካብቲ ሕሱም መንጋጋ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ኩሉ መዳያዊ ጨካን ግፍዕታቱን ተናጊፉ፡ ክቡር ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ትሕቲ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብፍቅሪ፡ ሰላምን ራህዋን ከብዕላ ድማ ይምነየሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብዚ ዕለት’ዚ ንበዓል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከለና፡ እቲ ፍሉይ ስምዒታት ሓጎስን ፍስሃን ዝፈጠረልና መዳዩ ጥራይ ኣይኮነን ንዝኽር። በቲ ካልእ መዳይ’ውን እዚ ስርዓት’ዚ ንኩሉ እንተናዊ ቃልስታትን ረዚን ሕድሪ ሰማእታትን ብምክዳዕ፡ ንልዕላውነት ህዝቢ ብዓመጽ መንዚዑ፡ ከምቲ <<ዝሓሸ ነይመጸ ደጊም መመሊሱ መጸጸ>> ዝበሃል ያታዊ ምስላታት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝሓሰመን ጨቋኒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝደኾነላ ማንታ ዕለት ብምዃና ብካልእ ገጽ ክንዝኽራ’ውን ንግደድ። ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1991 ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ንኩሎም ዜጋታታ ዓቢ ፍስሃን ሓጎስን ዝፈጥር ረዚን ታሪኻዊ ተረኽቦ’ኳ እንተኾነ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና፡ ብቅዋምን ልዕልነት-ሕግን ፍትሕን ትመሓደር፡ ንደቓ ብማዕረ ተሳትፍ ደሞክራስያዊት ወይ ብልጽግቲ ሃገር ክትኸውን ኣይበቕዐትን። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝባ ብውጽኢቱ ደረት ዘይብሉ ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ባህላውን ጭቆናታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ደጊስዎ፡ ኩሉ-ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ይኹን ውልቓውን ሓፈሻውን ሓርነታቱ ተነፊጉን ተሓሪሙን ካብ ዝነብር፡ እንሆ ዕስራን ክልተን ዓመት ደፊኑ። እዚ ንጸቢብ ጉጅለ ዝውክልን ረብሓታቱ ዝሕሉን ስርዓት’ዚ ካብ ዘለዎ ገባቲ ኣተሓሳስባን ዕርበተ-ሕልናን ተበጊሱ፡ ንኩሉ ፖሎቲካዊ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ጸጋታትን ዓቕምታትን ሃገር፡ ንምግባት ብዙሕ ጻዕርታት ምክያዱ ብግብሪ ኣረጋጊጹ’ዩ። ነቲ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ዝተጻረሩ ንጹሃት ዜጋታት ቀደም ብዘመነ መስፍነ-ስርዓት ሃ/ስላሴን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግን ፋሽኑ ዝኣረገ ሃሱሳትን ከደዓትን ዝብል ስያመ እናለጠፈ ክጨዊ፡ ክኣስርን ክቅንጽልን ጸኒሑ’ዩ። መንግስታዊ ርእሰ-ማል ንምዕባይ፡ ቆፎ ህግደፍ ንምምላእ፡ ካብኡ ዘሊሉ’ውን ጅባ ዕሱባቱ ንምክዕባት፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ጻማኩም ጽባሕ’ዩ ዝኽፈለኩም ብዝብል ኣዝዩ ብዘይጭበጥ ተደጋጋሚ ኣጉል መብጽዓታት ብስም ወፍሪ ዋርሳይ ይኸኣሎ ጉልበቶም ብነጻ ክምዝምዝ ጸኒሑ’ዩ። ንደቂ-ኣንስትዮ ማዕርነታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ጉልባብ፡ ከደምቲ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መዘናግዕን መርወዪን ግዝያዊ ስምዒታቶም ክኾና ክገብር ምጽንሑ የረጋግጽ። ንነጻነትን ሓርነታትን እቲ ጭዋ ሃይማኖታት ህዝብና ክግህስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ምትእትታው ክገብር፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ሕድሕዱ ግርጭታት ከባልሕ፡ ብዊንትኡ ንመራሕቲ እምነታት ክቕይር፡ ክኣስር፡ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኮታ ኣብዚ እዋን’ዚ በዚ ጨቋኒ ስርዓት’ዚ ዘይተጋህሰ ዘይተገፍዐ ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ወይ ዘይነብዓት ስድራ ቤት ኣላ ክንብል ኣይንደፍር ኢና። እቲ ብጀካ ጸቢብ ፖሎቲካዊ ስልጣኑን ቁጠባዊ ረብሓታቱን ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ፍቅሪ ይኹን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መላእ ዓለም ንዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ሓዋላ ገንዘብ፡ ኮንትሮባንድ ወፍርታት፡ ምዝውዋር ኣጽዋር፡ ክወፍር ወይ ከዋፍር ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንመንእሰያት ብፍላይ ቀንዲ ምንጪ ፖሎቲካዊ ዓፈና፡ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ዳግማይ ስደት፡ ህልቂት ምድረ-በዳታት ባሕርታት ምዃኑ ፍጹም ከዕግቦ ኣይኸኣለን። ስለ ዝኾነ’ውን ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ዕለተ-ዕርበቱን ሞቱን ብዝተፈላለዩ ኣካላቱ ኣቢሉ ዘይተኣደነ ዶላራት ንምእካብ ምስ ገለ መርበብ ደላሎ ረሻይዳን በደዊንን ተሓባቢሩ፡ ንዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ-ሰባት፡ ምሸጣ ውሽጣዊ ኣካላቶም፡ ተዋፊሩ ማእለያ ዘይብሉ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትን ግህሰታትን ይፍጽም ምህላው ብዙሓት ምንጭታት የረጋግጹ። እዚ ተርእዮ’ዚ ንህዝብና ብጀካ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዕለታዊ ግፍዕታትን ግህሰታትን፡ ህግደፍ ተወሳኺ ሻቕሎትን ውጽዓታትን ኮይንዎ ድማ ይርከብ። ብርግጽ’ውን እታ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሰናይ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ስትራተጂካዊ ልምዓትን ዝተሓረመት ኤርትራ ከኣ፡ ንዜጋታታ፡ ጎረባብታ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንማ/ሰብ ዓለም ሰላም፡ ቅሳነትን ምርግጋእን ፍጹም ክትህብ ኣይኸኣለትን። ብ1998 ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ዘባርዖ ኣዕ ናዊ ኲናት፡ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ብውጽኢት’ቲ ሓይሊ እንተዘይኮይኑ ዘተን ልዝብን ዘይቕበል ገታርን ደረቕን ፖሊስታቱ መዕለቢ ስኢኑ፡ ክልቲኡ ኣሕዋት ኣህዛብ ስትራተጂካዊ ዝምድንኡ ይኹን ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ረብሓታቱ ካብ ዝበጣጠስ፡ እንሆ ልክዕ 15 ዓመት መሊኡ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ምስ ጅቡቲ ዝተበገሰ ኣዕናዊ ኲናት ንምፍታሕ ብሃገረ ቀጠር ዝተወሰደ ሰናይ ምክርን ሓልዮትን ህግደፍ ብተደጋጋሚ ተሓሲምዎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራትን ኣህዛብን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድናታትን ረብሓታትን ካብ ዝብተኽ ሓምሻይ ዓመቱ ይሕዝ ምህላዉ ስውር ኣይኮነን፡፡ ምስዚ ተወሳኺ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብሓፈሻ ኣብ ሶማል ከኣ ብፍላይ ከካይዶ ዝጸንሐ ምትእትታው፡ ንግብረ ሽበራዊ ተግባራትን ሽፍትነት ባሕርን ዝገብሮ ኩሉ-መዳያዊ ምድግጋፍ፡ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብጭቡጥ ተረጋጊጹ ካብ ማ/ሰብ ዓለም ፍጹም ተነጺሉ፡ ኣህጉራዊ ማዕቐብ ካብ ዝብየነሉ 4ይ ዓመቱ ይመልእ ኣሎ። ብድምር ናይዚ መሪር ህሞት’ዚ ከኣ፡ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ተሸሚሙ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣሪጉን መሽሚሹን ይርከብ። እዚ ስርዓት’ዚ ካብ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ መተካእትኡ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ድማ፡ ኩሉ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ተማሊኡ ምቹእ ውድዕነት ተፈጢሩ ምህላው’ዩ ዝእምት። ኩሉ መሰላቱን ኣድማሳዊ ሓርነታቱን ብባዕዳዊ ወይ ብገዛእቲ ደቂ-ሃገር ዝተገፈፈ ህዝቢ ዋላ’ውን ኩነታት ክንዲ ዝኸበደ ይኽበድ መዋእሉ ጭቆናን ኣደራዕን ክቕበል ኣይኽእልን’ዩ። ስለዝኾነ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰይ ድማ ብፍላይ ኩነታት ብክንዲ እቲ ዘፍቅዶ ተቓውሞታቱ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክገልጽ ምጽንሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ከኣ እቲ ተቓውሞ ካብኡ ንላዕሊ ክብ ምባሉ ዘረጋግጽ፡ እቲ ብገለ መራሕቲ ሰራዊትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ብ21 ጥሪ 2013 ዝተላዕለ ተበግሶን ምንቅስቓስን ዝለዓለ ኣብነት’ዩ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ከምቲ ገባቲ ኢሳይያስ ንምቁንጻቡ ዝፈተነ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ወይ’ውን ፍጹም ንጹር ዕላማን ሽቶን ዘይብሉ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣዝዩ መሪር ክውንነትን ከቢድ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላውን ዝብገስ ሕቶታት ህዝብን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ብምዝራግ ዝልለ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ስልጣን ተወጊዱ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምርግጋጽ ሕቶ ህዝብና፡ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን። ብርቱዕ ዞባውን ኣህጉራውን ባህግታት ኮይኑ፡ ምምጽኡ ውሑድ ግዜ ዘይምግባሩ የረድእ። ካብዚ ምቹእ ኩነታት’ዚ ዝሓሸ ዕድል ክርኸብ ስለ ዘይኽእል ከኣ፡ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብቲ ዓዲ ዘየእቱ ካልኣዊ ፍልልይን ዘገምታዊ ዝኾነ ጉዕዝኡን ክገላገል ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ከኣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ውድቀት ናይቲ መሽሚሹ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ንምርግጋጽን ነዚ ምቹእ ኩነታት’ዚ ኣብ ረብሕኡን ረብሓ ህዝቡን ንምውዓሉ ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብርን ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስከምን ይህልዎ። ኣብ ደገ ንዘለዉ ዜጋታት ብዝለዓለ ኣበራቢሩ ከለዓዕልን ክውድብን ርኽባቱ ምስ ውሽጢ ዘሎ ህዝብን ምንቅስቓስን ድማ ንምድልዳል ብዘይተጉላባነት ክዓዪ ይግባእ። ብውሽጢ ዝርከብ ምንቅስቕስ ከኣ እቲ ብደገ ዘሎ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ጸረ ህዝብን ገባትን ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ንኣዕናዊ ፖሊስታቱን ኩሉ መዳያዊ ጨካን ግፍዕታቱን ብምቕዋም ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ ክቓለስ ዝጸንሐ ኣካሉን ኣምሳሉን ምዃኑ ክግንዘብ ኣገዳሲ’ዩ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ብምድሓን ንሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት፡ ጸረ’ዚ ጨቋኒ ስርዓት’ዚ ብሓባር ምቅላስ መድረኽ ዝሓቶ ረዚን ጾር ምዃኑ ክሳብ ዘይተረፈ ምስ ደገ ዘሎ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣሳሰር፡ ክተሓባበር ክጽዕት ግድነት ይኸውን። ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት’ውን ነዚ ዕማም’ዚ ኣብ ተግባር ንምውዓል ሓላፍነት ክስምዖን ታሪኻዊ እጃሙ ክስከምን ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ነዚ ኣገዳስን መድረኻውን ሃገራዊ ዕማም’ዚ ንምስላጥ፡ መኣዝን ቃልስና ዝጥምዝዝ፡ ካልኣውን ታሪኻውን ጉዳያት ከይጠመተ፡ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ብምዕዛዝ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ህግደፍ ንምድሓን፡ ውድቀት ናይዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምቅልጣፍ፡ ኩሉ ካብኡ ዝጥለብ ሓላፍነትን ጾርን ክስከም ድልው ምህላዉ የረጋግጽ። ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!! ሞት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዕሱባቱን!! ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ንሰማእታትና!! ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ 24 ግንቦት 2013

 

بيان بمناسبة إحياء الذكرى السنوية لإستقلال إرتريا 2013م لشهر مايو وبصفة خاصة يوم ال24 من مايو 1991م، مكانة خاضة وذكرى عظيمة لدى كافة أبناء الشعب الإرتري. لأنه يوم تاريخي تمكن فيه الشعب الإرتري التخلص من براثن الإستعمار الأجنبي، وتحقيق إستقلاله، وسيادته الوطنية عبر خوضه نضال مرير إمتد لثلاثة عقود، دفع خلاله تضحيات جسام. وبمناسبة إحياء ذكرى الإستقلال هذا العام 2013م، تتوجه الوحدة الإرترية للتغيير الديمقراطي بالتهنئة الحارة إلى كل الشعب الإرتري، والقوى الحادبة على التغيير، وقوى الدفاع الإرتري. كما تتنمى إن يأتي إحياء هذه الذكرى في العام القادم 2014م، وقد تخلص شعبنا من قبضة الهقدف البقيضة، وممارساته القعمية اللامحدودة، ومن ثم إقامة نظام ديمقراطي حقيقي، يكفل له العيش في تأخي وسلام ورخاء. إننا عندما نحي هذه الذكرى في كل عام، فإننا لن نقف على ذكرى الفرحة العارمة التي غمرنتا حينها، وإنما نقف على مدى تنكر هذا النظام لكل نضالات الشعب الإرتري، ووصايا الشهداء، وإحتكاره لسيادة وقرار الشعب بالقوة، ومما يعني أن الوضع لم يتبدل فيه شئ جديد سواء قدوم ما هو أسواء. لهذا فإننا نحيها للوقوف على رحيل الإستعمار الأجنبي، ولإدانة إستحواذ نظام الهقدف الشمولي للسلطة بالقوة في إرتريا. وإن كان تحقيق الإستقلال الوطني في ال24 من مايو 1991م، يعتبر إنجاز تاريخي كبير، أدخل الفرحة والسرور في نفوس كل الإرتريين، إلا أن الوطن الإرتري لم يشأ له أن يكون وطن ديمقراطي يعمه السلام والرخاء، ويحكمه دستور في ظل سيادة القانون والعدالة الإجتماعية، وطن يحتضن أبنائه، ويسمح لهم بالمشاركة المتساوية في كافة المجالات. كانت المحصلة تعرض الشعب الإرتري مرة أخرى في ظل النظام الشمولي للهقدف لمحنلف أشكال الإضطهاد السياسي، والإقتصادي، والإجتماعي والثقافي حيت أن حالة الإنتهاكات الصارخة لحقوق الإنسان، والحقوق الديمقراطية، والحريات العامة والخاصة دخلت عامها الثاني والعشرين. إن هذا النظام الذي يمثل ويخدم مصالح ذمرة بعينها، إنطلاقا من توجهه الشمولي، وغياب سطوة الضمير، ظل يسعى جاهدا لإحتكار كل الحقوق السياسية، والحريات، والقدرات الإقتصادية الوطنية. وكما ظل يعمد على إختطاف، وأسر، وإغتيال الأبرياء الذي يتصدون لسياساته الهدامة واصفا إياهم بالخونة بذات التهم التي عفى عليها الزمن، والتي كان يروجها لها كل من نظام هيلى سلاسى الإقطاعي، ونظام الدرق الفاشي في الماضي. أضف إلى ذلك أنه ولزيادة رأسمال نظامه، وملء خزينة حزبه، وجيوب أزلامه يقوم النظام بإستغلال جهد الشباب الإرتري بلا مقابل بإسم نفرة (وارساي يكألو)، مقدما وعود كاذبة لا نهاية لها، مفادها انه سيتم دفع اجورهم في المستقبل. كما يقوم بتجنيد المرأة تحت مزاعم أن الخدمة العسكرية تعني الجميع بلا إستثناء، وبالتالي يتم إستخدامهن ليس كخدم للمسئوليين فحسب، وإنما للترفيه وإشباع الرغبات الجنسية. كما هو معلوم أيضا أن النظام ظل يعمد على إنتهاك الحرمات الدينية، والتدخل في شئونها الداخلية، وتأجيج الصراعات البينية، وعزل وتنصيب الزعامات الدينية كيفما يشأ، والزج بها في ظلمات السجون حينما يريد. بإيجاز اليوم لا يوجد إي من القطاعات المجتمعية أو الأسر إلا وقد تعرضت للضرر، وزرفت دمعا غزيرا بسبب الممارسات الوحشية لنظام الهقدف الديكتاتوري. إن هذا النظام الجائر الذي لا يعرف الرحمة ولا يعنيه مصلحة الشعب والوطن الإرتري، يهتم دائما بالركض وراء المحافظة على سلطته، ومصالحه الإقتصادية، وذلك عبر إنخراطه في أعمال التجارة والحوالة الغير المشروعة، وتهريب البضائع، ومختلف الأسلحة. لم يكتف هذا النظام بأنه مصدر القمع السياسي، والإبتزاز الإقتصادي، وحالات اللجوء والتشرد، والموت في الصحارى والبحار بحق الشعب الإرتري عموما، والشباب على وجه الخصوص. وفي هذا السياق توكد مصادر عديدة بأن هذا النظام المتهالك، يقوم عبر مختلف أجهزته لجمع أموال طائلة من الدولارات، بالتعاون مع بعض شبكات الإتجار بالبشر التي تضم عناصر من الرشيادة والبدو، والمتورطة في عمليات الهجرة الغير شرعية، وبيع الأعضاء البشرية، وذلك بممارسة أبشع الإنتهاكات الوحشية. بالإضافة إلى الممارسات التي يقوم بها نظام الهقدف إتجاه الشعب الإرتري بصورة يومية، إصبحت ظاهرة الإتجار بالبشر قضية مقلقة للغاية بالنسبة له. بكل تأكيد فإنه في ظل وجود نظام الهقدف الشمولي، وغياب تأسيس حكم رشيد، وبرنامج لتنمية المستدامة، لم يكن بمقدور إرتريا ترسيخ الامن والسلم الداخلي، والإستقرار الأقليمي والدولي. كما أن هذا النظام الذي أشعل فتيل الحرب الحدودية مع الجارة أثيوبيا في عام 1998م، أنه وحتى اليوم، مازال متعنتا في ذات موقفه الذي يؤمن بالقوة ولا يرضى بالحوار، الامر الذي قطع الطريق للوصول إلى حل نهائي. وبالتالي إدى ذلك إلى حدوث قطيعة في العلاقة الإستراتيجية بين الشعبين الشقيقين، والإضرار بمصالحهما السياسية، والإقتصادية، والإجتماعية، والثقافية طوال خمسة عشر عاما الماضية. وكذلك الحال في نزاعه مع جيبوني الذي سعت دولة قطر بمبادرة لحله، وذلك لعدم وجود رغبة حقيقية لدى النظام للوصول إلى حل نهائي، الامر الذي أدى إلى الإضرار بالعلاقات، والمضالح المتبادلة بين الشعبين ظوال الخمس سنوات الماضية. أضف إلى ذلك عزلته الدولية، وإكتمال أربع سنوات على فرض العقوبات الأممية عليه بسبب تدخلاته السافرة في شئون الدول الاخرى بصفة عامة، والصومال بصفة خاصة، ودعمه اللامحدود للإعمال الإرهابية والقرصنة البحرية، وتهريب الأسلحة. محصلة هذا الوضع السياسي المرير حعل الشعب والوطن الإرتري يقع في معاناة تسير من سيئ إلى أسواء بينما النظام بات متهالكا من ناحية. يشير هذا الوضع إلى نضوج الظروف الموضوعية والذاتية لإسقاط النظام الديكتاتوري، وإقامة نظام ديمقراطي تعددي في إرتريا من ناحية أخرى. ومهما يكن حجم المعاناة، فإنه لا يوجد شعب يرضى بالذل والهوان، وإنتهاك حقوقه وحرياته سواء من قبل الأجانب او أبناء جلدته. وعليه ظل الشعب الإرتري بصفة عامة، والشباب بصفة خاصة، يبدون مقاومتهم لممارسات النظام القمعية بمختلف الوسائل، حسب ما تسمح به الظروف. وأقرب الامثلة في الوقت الراهن على مدى تعاظم المقاومة الشعبية للنظام، قيام بعض قادة وأفراد قوات الدفاع الإرتري في 21 يناير 2013م بحركة إحتجاجية مناوئة للنظام. هذه الحركة لم تنشأ من فراغ ، وإنما لها أهداف، وغايات محددة بعكس إدعاءات الطاغية/ أسياس الرامية إلى تقليل من شأنها. فالوضع الإرتري المرير، والتدهور المريع في كافة المجالات، والقضايا المثارة من قبل الشعب وأفراد الدفاع الإرتري كلها كانت السبب الرئيسي وراء قيام هذه الحركة. وفي الوقت الراهن أصبح تغيير النظام الديكتاتوري للهقدف المعروف بعدائه للشعب الإرتري، والساعي إلى زعزعة الأمن في المنطقة ليس مطلبا لأبناء الشعب الإرتري، والقوى السياسية الإرترية المعارضة، وقوات الدفاع الإرتري فحسب، وإنما بات مطلبا أقليميا ودوليا ملحا. بما أنه لا يمكن التوقع بإيجاد ظروف ملائمة أكثر مما عليه الأن، يجب على كل قوى التغيير الديمقراطي الدفع بالمسيرة البطيئة، والتخلص من الخلافات الثانوية التي تحول دون تحقيق النصر. وفي هذا السياق يتطلب من كافة قوى التغيير بذل جهود كبيرة أكثر من أي وقت مضى، وتحمل المسئولية التاريخية لتغيير الوضع الحالي لصالحها، وصالح الشعب الإرتري المقهور، وذلك بتعزيز وحدتها الداخلية من أجل تعجيل إسقاط النظام المتهالك للهقدف، وتخقيق التغيير المنشود في إرتريا. وكذلك العمل الدؤوب على تعبئة وتأطير الجماهير الإرترية بالخارج، والتواصل مع الشعب الإرتري، والمقاومة الموجودة بالداخل. وعلى المقاومة الداخلية إدراك أن المقاومة الموجودة خارج الوطن، ما هي إلا إمتداد لها في التصدي لممارسات نظام الهقدف القمعية منذ إستحواذه على السلطة في إرتريا. وإنطلاقا من هذه الحقيقة يجب على المقاومة الداخلية بذل الجهود للنضال المشترك ضد هذا النظام إلى جانب قوى التغيير الاخرى، بما يؤدي إلى إنقاذ إرتريا شعبا وأرضا من خطر التفكك والإنهيار، وتحقيق الأهداف المشتركة، بإعتبارها مطلبا مرحليا آنيا. وفي هذا السياق يجب على المقاومة الداخلية أيضا تحمل المسئولية، ولعب دورها التاريخي في هذا الإطار بدون أي شروط مسبقة. وبهذه المناسبة تؤكد الوحدة الإرترية للتغيير الديمقراطي جاهزيتها التامة دون الإلتفات إلى الخلافات الثانوية والتاريخية لتقديم ما بوسعها لتعزيز وحدة معسكر المعارضة الإرترية، وتنفيذ المهام المرحلية الهامة لإنقاذ إرتريا أرضا وشعبا من خطر التفكك والإنهيار، بما يؤدي إلى تعجيل إسقاط النظام الديكتاتوري . النصر لنضال الديمقراطي للشعب الإرتري!! السقوط والعار لنظام الديكتاتوري وعملائه!! المجد والخلود لشهدائنا الأبرار!! الهيئة التنفيذية الوحدة الإرترية للتغيير الديمقراطي 24 مايو 2013

ገና እቶም ዘምልኽዎ መራሒ ዘይምዃኑ ንክፈልጡ!!

ኩሉ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክድይብ ምቹእ ዕድል ወይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝረኸበ፡ መራሒ ከብልዎ ዝኽእሉ ረቋሒታት ከማልእ ምስ ዘይኽእል መራሒ’ዩ ክትብሎ፡ ከተኽብሮ፡ ዝኸኣል ክኸውን ኣይኽእልን‘ዩ። ሓደ መራሒ ቅድምን ልዕሊ ኩሉን ብርቱዕ ፍቅሪ፡ ሓልዮት፡ ክብሪ፡ ህዝቡን ሃገሩን ክህልዎ ይግባእ። ብቁዕ፡ ለባም፡ ትሑት፡ ምቕሉል፡ ልዙብ፡ ኣርሒቑ ዝጥምት፡ ንህዝቡን ሃገሩን ድማ ናብ ቅኑዕ ኣቅጣጫ ዝመርሕን ብዘይተጉላባነት ብቅንዕና ዘገልግልን ክኸውን ይህልዎ። ንባዕሉ ከቢሩ ንህዝቡ፡ ንጉረባብቱ፡ ንማ/ሰብ ዓለም፡ ዘኽብር ምስ ዝኸውን ብርግጽ ብሉጽ መራሒ እናተባህለ ብሕ/ሰቡን ካልኦትን ኣብ ታሪኽ ዓለም ንዘለኣለም እናተዘኸረ ተኸቢሩ ይነብር። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ1991 ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ከሎ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ብብርቱዕ ጭብጨባ፡ ዕልልታን ኣኽብሮትን ከም ዝተቐበሎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ንገዛእ ነብሱ ከቢሩ ህዝቡ ከኽብርን ታሪኹ ከጸብቕን ብዘይምዕዳሉ፡ ብዘይምቁራጽ ድማ ንምስሊ ኤርትራዊ መንነትን ጭዋነትን ዝዕይንን ዘዋርድን እከይ ተግባራት ክሰርሕ ብሰንኪ ምጽንሑ፡ ሎሚ እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ኣኽብሮት ኣበናይ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ ንባዕሉ’ውን ኣይስሕቶን’ዩ። ገሊኦም ግን ባዕሎም ብዝፈልጥዎ ምክንያታት ወይ’ውን ዝኣተውዎ ማሕላታት ገና ዘምልኽዎ ስለዘይተሳእኑ፡ ንህዝቡ፡ ንጎረባብቱን ማ/ሰብ ዓለምን ዘየኽብር፡ ዘይልዙብን ረቋሒታት መራሒ ዘየማልእን ምዃኑ ካብቲ ዝሞተ ዕርበተ ሕልና እንተተበራበሩ፡ ከምቲ ካብ ባህሪ ብጭልፋ ዝበሃል ገለ ካብቲ መታለሊ መልስታቱ፡ ዘይሓላፍነታዊ ባጫታቱን ዘለፋታቱን ክነዘኻኽሮም ግቡእና ይኸውን። • ኣብ ኤርትራ ናይ ቋንቋታት ጉጅለታት እንተዘይኮይኑ፡ ብሄራት ዝበሃል የለን፡ ዝብል መጀመርያ ጸረ ህዝብን ገባትን ፖሎቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ ንብሄራት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ባጫ። • እዚ ብመንግስቲ ኣሜርካ ዝተሃንደሰ ሃይማኖታትን እምነታትን’ዩ። ብምባል ንእምነታት ጅሆባን ጴንጠን ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። • እዚኣቶም ከዳዓት፡ 5ይ መስርዕ፡ ነጻ ፖሎቲካዊ ውሳኔ ዘይውንኑ፡ መሳርሒ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ባዶ ዝተደመሮ ባዶ ………..ወዘተ’ዮም፡ ብምባል ንፖሎቲካዊ ውድባት ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ሕቶታት ክምልስ ከሎ ኣብ ዝተፈላላየ ኣጋጣሚታት ዝሃቦ ባጫታት። • ሰንበት ሰንበት በጊዕ ዘይሓረድናሎም ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዝኦም በርሚል ላንባ ዘየብጻሕናሎም ድዮም ደልዮም፡ እናበለ ህዝቢ ኣስመራ ንክብሪ መነባብሮ ኣመልኪቱ ሕቶታት ምስ ኣቕረበ ዝሃቦ ባጫ። • ህዝቢ ኤርትራ ድሑርን ገና ዘይማዕበለን ህዝቢ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ደሞክራሲ ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲ ንምትእትታው ብውሑድ ካብ 30-40 ዓመት ዝወስድ’ዩ። ክብል ኣብ ኤርትራ ኣድላይነት ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ፡ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ፡ • እዚ ተርእዮ’ዚ ተርባጽን ህንጡይነትን ዝደፍኦ’ዩ፡ እናበለ ብ1993 ንኣድማ ገዳይም ተጋደልቲ ህ/ግንባር ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ዘለፋ። • እዚኦም ብጣዕሚ ሓንቂቆም’ዮም፡ እናበለ ብ1995 ንተቓውሞ ኣካለ-ስንኩላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ውርደተኛ መልሲ። • ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ማህጸን ኣዴታት ዝነጽፍ ዝተርፍ ኣይኮነን፡ እናበለ መንእሰያት ስለ ምንታይ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይሕብኡ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። • እዚኦም ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ ሓተላን ግለትን ሕ/ሰብ’ዮም፡ እናበለ ንጠንቂ ዋሕዚ ሰደት መንእሰያት ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ላግጺ። • እኽሊ ንብሑቕ ተቐይሩ ካብዝን ካብትን ዝግበር ዘሎ ምስግጋር ንፈልጦ’ና፡ ብምባል ህዝቢ ርብዒት እኽሊ ክሳብ’ውን ንስድራ ቤቱን ደቁን ምውሳድ ስለምንታይ ተኣጊዲ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። • እዚኣቶም ልዕላውነት ሃገር ንምድፋርን ንምሻጥን ሽሞንተ ሚልዮን ዶላር ካብ ወያኔ ዝተቐበሉ መሳርሕን ዕሱባትን’ዮም፡ እናበለ ንጉጅለ 15ተ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዘቕረቦ ክሲ። ዝሃቦ ባጫ። • እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ንጹር ዕላማን ሽቶን ዘይብሉ’ዩ፡ ንምንቅስቓስ 21 ጥሪ 2013 ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ፡፡ • ኣብ ከሰላ ቆሪስና ኣብ ካርቱም ክንምሳሕ ንኽእል ኢና፡ ዝዓግተና ሓይሊ የለን፡ እዚ’ውን ብ1994 ንምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። • ነዞም በላዕቲ ጫት ጀበሊ ስሬና ከነርእዮም ኢና፡ እናበለ ብ1995 ብጉዳይ ደሴታት ሕነሽን ዘቁርን ንግጭት ኤርትራን የመንን ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። • ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ደረጃ በጺሑ’ዩ፡ እዚውን ብ1997 ንዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ሓሶት። • ወያኔ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ሓደ ግዜ ሕማም ጽላለ ይርኣዮም’ዩ፡ ብ1998 ጠንቂ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ላግጺ። • ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ደጊማ ዘይምብራቕ ማለት’ዩ። ብምባል ብ1998 ኤርትራ ካብ ባድመ ሓይልታት ክትስሕብ ኣሜርካን ሩዋንዳን ስለምንታይ እማመ ምቕራቦም ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። • ወያኔ ባዶ ገረወኛ’ዮም ይምጽኡ ጥራይ ክንፈታተን ኢና፡ ስሬና ድማ ከነርእዮም ኢና፡ እናበለ ብ1999 ኣብ ቀዳማይ ዙር ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቦ ኣጉል ፈኸራ። • ጅቡቲ ካብተን ብወያኔ ዘመሓደራ ክልላት ኢትዮጵያ ሓንቲ’ያ። እናበለ ጅቡቲ ኣብ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለምንታይ ንኤርትራ ዘይትድግፍ ዘላ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዘርኣዮ ብደዐ። • ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝኾነ ይኹን ግጭት ኣይተራእየን፡ መራሕቲ ጅቡቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ቤላ ቤለው ንምንታይ ይፈጥሩ ኣለዉ ንዓይ ኣይርድኣንን’ዩ፡ ክብል ንዶባዊ ግጭት ኤርትራን ጅቡትን ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዘርኣዮ ምትላል። • ሊግ ዓረብ ንሕድሕዱ ዝባላዕን ውሽጣዊ ሓድነት ዘይብሉን ማይ-ቤት’ዩ ስለዝኾነ ክንኣትዎ ዘብህገና ኣይኮነን፡ ክብል ንሊግ ዓረብ ንምእታው ዝምልከት ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ምንእኣስ። • ሕብረት ኣፍሪቃ ብቀደሙ ልሙስን ዝሞተን ምትእኽኻብ’ዩ፡ እናበለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለ ምንታይ ንኤርትራ ዘይደገፈ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ መልሲ። • ምምሕዳር ኣሜርካ ብስም ደሞክራሲ ዝነግድ ዓለም-ለኻዊ ሰይጣን’ዩ፡ ክብል ወጻኢ ጉዳይ ኣሜርካ ኤርትራ ካብተን ቀዳሞት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ሃይማኖታትን ዝፍጸመላ ሃገር ምዃና ስለምንታይ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ፡፡ • እዚኣቶም ብስም ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝነግዱ መሳርሒ CIA’ዮም፡ እናበለ ካብ ኤርትራ ንምስጓግ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ መላገጺ መልሲ። • ሕቡራት መንግስታት ነጻነትን ሓርነትን ዘይብሉ ብምምሕዳር ኣሜርካ ዝዝወር ቀደም ዝኣረገ ምትእኽኻብ’ዩ፡ እናበለ ሕቡራት መንግስታት ንምንታይ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተግባራዊ ዘይገብር ዘሎ ብዝብል ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝሃቦ ባጫ። تذكير إلى أزلام النظام إن كل من وجد فرصة مواتية للصعود إلى السلطة السياسية، ولا يمتلك المقومات القيادة الأساسية ، لا يمكن وصفه بالقائد، وإعطائه مكانة مرموقة. يجب على أي رئيس في المقام الأول إبداء حبه، وإهتمامه واحترامه الكبير لشعبه ووطنه. وكذلك التمتع بالكفاءة، والتواضع، والباقة، وبعد النظر، والقدرة على قيادة شعبه ووطنه نحو الإتجاه الصحيح، وخدمة المصلحة العامة بكل تفاني وإخلاص وأسلوب رشيد. عندما يكون الرئيس محترما لذاته، وشعبه، وجيرانه والمجتمع الدولي، بكل تاكيد سيكون قائد نموذجيا ينال أحترام شعبه، والأخرين، و ذكراه ستبقى خالدة حتماُ في سجلات التاريخ. عندما صعد أسياس أفورقي على السلطة في إرتريا في عام 1991م، إستقبله الشعب الإرتري بإحترام و تصفيق و زغاريد، لكن أسياس لم يحترم لا نفسه، ولا شعبه، ولم يسعى إلى تحسين صورته، بل ظل يقوم بممارسات تمس الهوية والكرامة الإرترية، أدى ذلك إلى زوال هذا الأحترام، وهو أمر يدركه أسياس نفسه. إلا ان البعض وإنطلاقا من أسباب يعرفونها أو لأدائهم قسم الولاء له، قد حار بهم الدليل في إختيار من يركعون له، رغم ان هذا الشخص لا يحترم لا شعبه، ولا جيرانه، ولا المجتمع الدولي، ولا يمتلك لا الباقة، ولا المقومات الأساسية للقائد، ، لذا كان لابد من الضرورة بمكان تذكير هؤلاء ببعض ردوده المضللة ، وإستهتاراته وإستفزازاته ،وهي عبارة عن نقطة في يحر كبير، وذلك حتى ينسنى لهم اليقظة من موتة الضمير: • بعد إستحواذه على سلطته الشمولية قام باول إستهتار له إزاء القوميات الإرترية حينما إدعا قائلا: لا توجد قوميات في إرتريا، وإنما هي مجاميع لغوية. • عند رده على ظهور اتباع طوائف الجهوفا والبنطى في إرتريا رد بكل إستهتار قائلا: هي طوائف تم خلقها وهندستها من قبل الإدارة الامريكية. • عند رده على الأسئلة المتكررة حول قوى المعارضة الإرترية رد مستهترا: أنهم خونة، وطابور خامس، ولا يملكون إستقلالية القرار السياسي، وعملاء لدول الجوار، أي أنهم صفرا يضاف إله صفر ليس إلا ... ألخ. • عند رده على أسئلة قاطني مدينة أسمرا حول غلاء المعيشة رد بإستهتار: ألا يردوننا ان نذبح لهم خروف كل يوم أحد أو إيصال برميل جازولين إلى منازلهم. • عند رده على أهمية قيام نظام ديمقراطي تعددي في إرتريا رد بإستهتار: إن الشعب الإرتري اليوم مازال متخلفا، وغير متطور، لذلك فإنه في هذه المرحلة ليس بحاجة إلى الممارسة الديمقراطية، والامر يتطلب من ثلاثين إلى أربعين عاما لإدخال الأسس الديمقراطية. • عند رده على مطالب الحركة الإحتجاجية لقدامى مناضلي الجبهة الشعبية في عام 1993م رد بإستهتار: إن الدافع وراء هذه الظاهرة مصدره التهور وعدم التريث. • عند رده على مطالب جرحى التحرير في عام 1995م رد بإستهتار: هؤلاء قد تدللوا كثيرا. • عند رده على السؤال المتعلق حول لماذا يختفي ويهرب الشباب من اداء الخدمة الوطنية؟ رد بإستهتار: أن الخدمة الوطنية لن تقف حتى تجف أرحام الامهات. • عند رده على السؤال المتعلق حول تداعيات إزدياد موجات اللجوء وسط الشباب رد بإستهتار: هؤلاء هم حثالة المجتمع إعتادوا على الاكل في صحنين. • عند رده على السؤال المتعلق حول لماذا تم منع المواطنين من إرسال حتى ولو ربع كيلة من الذرة إلى أقاربهم وأسرهم رد بإستهتار: لدينا معلومات كافية حول قيام البعض ناهيك من إرسال الحبوب، وإنما بإرسال العجين من وإلى. • عند رده على موضوع مجموعة الـ15 رد بإستهتار: هؤلاء عملاء للوياني إستلموا مبلغ ثمانية ملايين دولار مقابل بيعهم للوطن وإنتهاك سيادته. • عند رده على موضوع حركة 21 يناير 2013م رد بإستهتار: هذه الحركة خاوية ليست لها أهداف أوغايات بعينها. • عند رده على موضوع قطع العلاقات الدبلوماسية الإرترية السودانية رد بإستهتار: إننا رغم ذلك قادرون على تناول الفطور في كسلا، والغذاء في الخرطوم. • عند رده على موضوع النزاع مع اليمن بسسب جزر حانش وزقر في عام 1995م، رد بإستهتار: سنريهم قوتنا لماضغي القاد الجبليين. • عند رده على طبيعة العلاقات الإرترية الإثيوبية في عام 1997م كذب قائلا: إن الحواجز الحدودية بين البلدين أصبحت ليست ذا معنى. • عند رده على تداعيات إندلاع النزاع الحدودي مع أثيوبيا 1998م رد بإستهتار: الوياني يصابون بالجنون كل عشر سنوات. • عند رده على السؤال المتعلق لماذا أرادت كل من الولايات المتحدة وروندا بأن تسحب إرتريا قواتها من منطقة بادمى؟ رد بإستهتار: خروجنا من بادمي مستحيلا، أي هو امر كغروب الشمس دون شروقها مرة أخرى. • عند رده على موضوع الجولة الاولى لحربه مع أثيوبيا رد بإستهتار: الويانى هم كالوعاء الفارغ، أتركوهم ياتوا وسنرى. • عند رده على السؤال المتعلق حول لماذا لا تقف دولة جيبوتي بجانب إرتريا في حربها مع أثيوبيا؟ رد بإستهتار: جيبوتي ماهي إلا أحد الأقاليم الأثيوبية التي تحكمها الوياني. • عند رده على موضوع النزاع الحدودي مع جيبوتي رد بإستهتار: لا يوجد أي نزاع بين إرتريا وجيبوتي، وما يثير إستغرابي هو لماذا يروج قادة جيبوتي لمثل هذه الدعاية؟. • عند رده حول موضوع إنتساب إرتريا إلى جامعة الدول العربية رد بإستهتار: ليست لدينا تطلعات للإنتساب إلى جامعة الدول العربية لأنها هيئة متناحرة، وعديمة الوحدة والتماسك. • عند رده على السؤال المتعلق حول لماذا لا يقف الإتحاد الأفريقي بجانب إرتريا في حربها مع أثيوبيا؟ رد بإستهتار: الإتحاد الأفريقي ماهو إلا جسم مشلول وميت. • عند رده على السؤال المتعلق حول لماذا أصدرت وزارة الخارجية الامريكية تقريرا يضع إرتريا في قائمة الدول التي المتنتهكة لحقوق الأنسان والأديان؟ رد بإستهتار: إن الإدارة الامريكية شيطان عالمي يتاجر باسم الديمقراطية. • عند رده على السؤال المتعلق حول طرد منظمات الإغاثة الإنسانية من إرتريا ؟ رد بإستهتار: أنهم عملاء الإستخبارات الامريكية، يتاجرون باسم منظمات الإغاثة الإنسانية. • عند رده على السؤال المتعلق حول لماذا لم تقم الأمم المتحدة بتطبيق قرار مفوضية ترسيم الحدود مع أثيوبيا؟ رد بإستهتار: الأمم المتحدة منظمة غير مستقلة ،عفا عليها الزمن، وهي تدار من قبل الإدارة الامريكية.

ጽውጽዋይ ፍቅሪ ኤደንን ሱዚን

እዚ ተረት’ዚ ንፍቅሪ ኤደንን ሱዚ ዝተባህለት ድሙን ዝገልጽ ብ07ን 08ን ግንቦት 2013 ከምኡ’ውን ደጊሙ ብሕታዊ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኣብ መስኮት ቲቪ ኤረ ዝቐረበን ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ዝኸውን ሽፋን ዝረኸበን ሓደ ካብቲ መስደመም ጽውጽዋይ’ዩ። ኤደን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ኤርትራዊት ዜጋ ክትኸውን ከላ፡ ሌላን ፍቅርን ሱዚ ኣብኡ ዝጀመረ ምዃኑ ድማ ይገልጽ። ኤደን ብሰንኪ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስጎግ ከላ፡ ንሱዚ ሒዛታ ንኤርትራ ኣብ ትሰግረሉ ዝነበረት እዋን ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ክትሰገር የብላን ተባሂላ ብድሕሪ ምክልኻላ ሓቢኣ ብብርቱዕ ጻዕሪታት ከም ዘስገረታ ድማ ይትርኽ። ብዝኾነ ፍቅሪ ኤደንን ሱዚን ልክዕ ከም ክልተ ኣሕዋት፡ መሓዙት፡ ኣደን ውላድን እናተጻወታ፡ ብሓባር እናበልዓን ተሓቛቒፈን እናደቐሳን ንልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝዘለቐ ምዃኑ ድማ የረድእ። ብፍላይ ኤደን ንልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ዝኸውን ካብ ውላድ ተሓሪማ ብምንባራ፡ ሓደ ካብቲ ንፍቅሪ ክልቲአን ክተርርን ክዓሙቕን ዝገበረ ረቋሒታት ምንባሩ፡ ድሒራ ግን ውላድ ምስ ተዓደለት ሱዚ ክትቀንእ፡ ብቅንኢ ዝኣኽል’ውን ነቲ ሕጻን ኣብ ትሕንፍጠሉን ትብሕጭረሉን ደረጃ ምብጽሓ ይትንትን። ኮታ ኩሉ’ቲ ንፍቅሪ ክልቲአን ክገልጽ ዝኽእል ቃላትን ቁም-ነገርን ብድሕሪ ምድርዳሩ፡ ኣብ መጨረሻ ድማ ጎረባብቲ፡ መሓዙት፡ ኤደን ንምስክርነት ቀረባ። ዕላማ ጽሑፍና ነቲ ብመራሕቲ ኤርትራን ብሕታዊ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍን ዝቐርብ ተረት ንምድጋም፡ ወይ’ውን ዝኾነ እንስሳ ፍቅሪ፡ ሓልዮት፡ ክረኽብ የብሉን ካብ ዝብል ኩርናዕ ዝብገስ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ጸቢብ ፖሎቲካዊ ስልጣኖምን ስሱዕ ቁጠባዊ ረብሓታቶምን እንተዘይኮይኑ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዓጢጥዎም ዘይፈልጥ መራሕቲ ህግደፍ፡ ፍቅርን ሓልዮትን ዜጋታቶም ንጎኒ ገዲፎም፡ ፍቅሪ ኤደንን ሱዚን ብዝብል ጽውጽዋይ ንህዝቢ ከቕርቡ ክሳብ ክንደይ ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ምዃኖም ንግዱሳት ኣንበብቲ ንምግንዛብ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣባሪሩ፡ ሃገራዊ ነጻነቱን ልዕላውነቱን ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ፍጹም ኣብ ትጽቢቱ ዘይነበረ ንሕስያ ዘይብሉ መሪር ፖሎቲካዊ ዓፈናን ከቢድ ቁጠባዊ ምዝመዛን ህግደፍ ኣጓኒፍዎ ከይፈተወ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንዳግማይ ስደት ክውሕዝ ዝግደደሉ ኩነታት ነጊሱ ምህላዉ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ተረኻቢ ሕድርን ሃገር ንምህናጽ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን መንእሰይ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊስታት ህግደፍ ኩሉ ዕድላቱን መነባብሮኡን ምስ ጸልመተ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብብዝሒ ክውሕዝ ምግዳዱ’ውን ይፍለጥ። ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ብዝበለጸ ውሕስነት ሂወቱ ንምርግጋጽ፡ ዝተቋረጸ ዕድል ትምህርቱ ንምቅጻል፡ ከምኡ’ውን ንምምሕያሽ መነባብሮኡ ስራሕ ንምምእራር፡ ንኣሜርካ፡ ሃገራት ኣውሮጳ፡ እስራኤል፡ ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ሓደገኛ ጉዕዞ ምደረ-በዳታትን ባሕርታትን ኣብዚ ዘመን’ዚ ፍጹም ንክትኣምኖ ዘጸግም፡ ንዝተፈላለየ ጨካን ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታትን ግህሰታትን ይቓላዕ ምህላዉ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ሎሚ እቶም ፍቅሪ ኤደንን ሱዚን ብዝብል ጽውጽዋይ ክትርኹ ዘይሓፍሩ መራሕቲ ኤርትራን ብሕታዊ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍን ህዝቢ ብሓፈሻ መንእሰይ ድማ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዘጋጥሞ ዘሎ ግፍዕታት፡ ግህሰታትን ጃምላዊ ቅትለትን ብጭቅ ክብሉ ኣይስምዑን’ዮም። ካብቲ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መንነቶምን ባህያቶምን ብምብጋስ፡ ንስምዒታትን ድሌታትን ዜጋታትና ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከንብቡን ከዳምጹን ብፍጹም ኣይተዓደሉን። ስለዝኾነ ከኣ መንእሰይ ብብዝሒ ንስደት ዝውሕዘሉ ህሞት ኣብ ዝነገሰሉ ኩነታት፡ እዚ ሓደገኛ ተርእዮ’ዚ ንምህናጽ ሃገርን ቁጠባዊ ዕብየትን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ንመጻኢ ወለዶ ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታትን ሃስያታትን ክግንዘቡ ብዘይምኽኣል፡ ቅንጣብ ፍታሕ ክናድዩ ሓንቲ ክልኢት’ውን ክሓስቡ ኣይደልዩን’ዮም። ብኣንጻሩ ግን ዋላ’ውን ሃጽ ይበሉ እዚኣቶም ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ፡ ሓተላ ወይ ግለት ሕ/ሰብ’ዮም፡ ሓንሳብ ድማ ዝስደድ ኤርትራዊ ዜጋ የብልናን……..ወዘተ ብዝብል ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ምጽናት መንእሰይ ወይ ቅልውላው ወለዶ ከነኣእስዎን ከባጭዉን ይስምዑ። ካብዚ እከይ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ ንተርእዮ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት፡ ኣብ ምደረ በዳታትን ባሕርታትን ብዘጋጥሞ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ቅትለትን ይትረፍ ክሓዝኑስ፡ ከም ዜና ከምጽእዎ ኣይመርጹን’ዮም። መንእሰይ ኣብ ባሕሪ ብጅምላ ክሰጥምን ክሃልቅን ከሎ፡ ብሰፊሑ ዕለታዊ ዜናን መዛረቢ መራኸቢ ብዙሃን ዓለምን ክኸውን ከሎ፡ ንሳቶም ግን ክዛረብሉን ንስድራ ቤት ናይቲ ግዳይ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ዘጸናንዕሉን ኩነታት የለን። ስለዚ ብግፍዕታት ይኹን ቅትለት ዜጋታቶም ቅንጣብ ስምዒትን ፖሎቲካዊ ብቅዓትን ዘይውንኑ መራሕቲ ኤርትራን መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍን ሓልዮት ወይ ተገዳስነት እንስሳ ከም ዘለዎም ብምምሳል፡ ፍቅሪ ኤደንን ሱዚን ብዝብል ንህዝቢ ወይ መንእሰይ ኤርትራ ክገልጹ ካብ ከንቱ ጽውጽዋይ ምዃኑ ሓሊፉ ዝኾነ ይኹን ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ። ቅድም ቀዳድም ብነብሶም፡ እከይ ተግባሮምን ክፉእ ታሪኾምን ተገዲሶም፡ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ዘርእይሉ ህሞት፡ ብድሕሪኡ ፍቅሪ ኤደንን ሱዚን ምስ ዝገልጹ ጥራይ’ዩ ከጥዕመሎም ዝኽእል።

قصة حب إدن وسوزي كما هو معلوم أن نظام الهقدف كان قد بث لأكثر من ساعة ونصف عبر وسيلة إعلامه المرئ الوحيدة التلفزيون قصة حب إدن لقطتها سوزي مرتين على التوالي، وذلك في السابع والثامن من مايو 2013م. وتقول القصة ان إدن إرترية الأصل، ولدت، ونشأت في مدينة أديس أبابا حيث بدأت قصه حبها لسوزي هناك. وعندما تم إبعاد أدن على خلفية النزاع الحدودي إلى إرتريا، قام أفراد الجيش الأثيوبي بمنع سوزي من عبور الحدود، الأمر الذي جعل أدن تبذل جهود كبيرة حتى نجحت في إدخال سوزي إلى إرتريا. وتؤكد القصة ان حب أدن وسوزي هي علاقه مودة بين أخوين أوصديقين، وهي علاقة أشبه بحب الام لجنينها، وإمتدت لأكثر من خمسة عشر عاما، حيث كان رفيقين حميمين يلعبان مع بعض، ويأكلا ويناما معا أيضا. بعد أن رزقت أدن بطفل بعد حرمانها من الولادة لأكثر من ثلاثة عشر عاما، كان هذا أحد العوامل التي جعلت حبهما يكون قويا جدا. وتفيد القصة أن سوزي نتيجة لغيرتها بعد إنجاب أدن للطفل، وصل بها الامر إلى خدشه بمخالبها. وبعد إسهاب التلفزيون الإرتري في وصف مدى العلاقة القوية بين أدن وسوزي، في النهاية قام بإستضافة أقارب وأصدقاء وجيران ادن لإدلاء بشهادتهم إزاء هذة العلاقة. إن الهدف من كتابة هذا المقال لا ينطلق من زاوية تكرار هذه القصة التي روج لها قادة النظام الإرتري عبر وسيلة إعلامه الوحيدة، وليس لتوجيه نقد لفكرة الرفق بالحيوان، وإنما للفت نظر القارئ إلى ان النظام، وأزلامه الذين لا يركضون إلا وراء مصالحهم السياسية والإقتصادية الضيقة، لا يعنيهم امر الشعب والوطن الإرتري، فإن سردهم لحكاية قصة حب أدن وسوزي، يعكس مدى ضعف ضمائرهم، ووازعهم الأنساني. كما يؤكد الواقع الحالي أن الشعب الإرتري بعد تخلصه من الإستعمار الأجنبي، وتحقيقه لإستقلاله الوطني، كان لا يتوقع أن يقع مرة ثانية في دائرة القمع والإضطهاد السياسي، والإبتزاز الإقتصادي المرير بسبب نظام الهقدف، مما أجبره على هجر وطنه، واللجوء إلى الخارج. وبصفة خاصة أصبح جيل الشباب الذي كان من المفترض يستلم الراية في تحمل مسئولياته إزاء بناء الوطن، قد قطع الامل، وأظلمت امامه الحياة في الحصول على لقمة العيش الكريم، بسبب السياسات الهدامة لنظام الهقدف، مما أجبره على اللجوء بموجات كبيرة إلى دول الجوار. كما لا يخفى على احد أن هذا الشباب مازال يتعرض لمخاطر جمه، وممارسات لاإنسانية لا يمكن توقعها في الوقت الحاضر، وذلك أثناء رحلته الشاقة عبر الصحاري والبحار للبحث عن ملاذ أمن، وحياة أفضل لإستكمال ما إنقطع من تعليم في دول الشتات مثل أمريكا وأروبا وإسرائيل. ومع ذلك، فإن قادة النظام الإرتري، ووسيلة إعلامه الوحيدة، لا يخجلون من سرد مثل هذه القصة، بينما يعاني الشعب الإرتري بصفة عامة، والشباب بصفة خاصة من كافة أشكال القمع، والقتل الجماعي في الشتات، وهم في طريقهم للبحث عن ملاذ أمن. وبالتالي فإن هؤلاء القادة، وإنطلاقا من طبيعتهم السياسية، لا يوجد لديهم الإستعداد لسماع وتلبية مطالب الشعب الإرتري. وفي الوقت الذي يجبر فيه الشباب باللجوء بموجات كبيرة إلى الخارج، لا يفكر أزكان النظام في مدى خطورة هذه الظاهرة على بناء وتنمية الوطن الإرتري، وكذلك أثارها السلبية على جيل الغد، وبالتالي السعي لإيجاد الحلول الناجعة لها. وبالعكس نجدهم يقولون: (أن هؤلاء الشباب قد إعتادوا الاكل في صحنين، وهم حثالة المجتمع، فإتركوهم يفتوا أينما كانوا)، ومن ناحية أخرى نجدهم ينتكرون لوجود لاجئين إرتريين بالخارج ..ألخ، وهو يعتبر تقليل من ظاهرة فناء الشباب، وإنقراض الاجيال. وإنطلاقا من هذا الإقرار السيئ لقادة الهقدف، ناهيك من ان يحزنوا لهلاك الشباب الإرتري في الصحاري والبحار، بل هم لا يفكرون أدنى تفكير لعكس هذه القضية إعلاميا. وفي الوقت الذي تتناول فيه وسائل الإعلام الدولية هذه القضية ، إلا أن ازكان النظام ناهيك من التطرق إليها، فهم لا يفكرون في تقديم العزاء لأسر الضحايا في كل الأحوال. ولهذا فإن اركان النظام، ووسائل إعلامه الذين لا يتعاطفون مع ما يواجه الشعب الإرتري من مهالك، تعتبر هذه إشارة واضحة إلى أنهم لا يمتلكون الكفاءة السياسية، والإحساس بالوطنية. وفي الوقت الذي يطهرون فيه أنفسهم بانهم أكثر الناس رفقا بالحيوان عبر سردهم لقصة حب أدن وسوزي، وهي تعتبر في حد ذاتها مسرحية لا معنى لها. كان ينبغي عليهم قبل التركيز على سرد هذه القصة، البدء بأنفسهم، ومراجعة أفعالهم وسيرهم السيئة، وإبداء الإهتمام اللازم بمصلحة الشعب والوطن الإرتري، ومن ثم التطرق إلى قصة حب أدن وسوزي،

Last Updated on Monday, 15 July 2013 23:11
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 66 guests online