www.blina.org

መግለጺ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ 2013 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Sunday, 23 June 2013 01:28

 

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብተበራረይቲ ባዕዳዊ መግዛእትታት ዝተመንዝዐ ልዕላዊ ፖሎቲካዊ ክብሩ ንምምላስን መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንምርግጋጽን ኣብቲ ሰላሳ ዓመት ዝወሰደ ነዊሕን መሪርን ዝኾነ መስተንክራዊ ነጻነታዊ ተጋድልኡ፡ ከቢድ መስዋእትነት ማለት

ሂወት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ጀጋኑ ደቁን ከፊሉ’ዩ። ብውጽኢት እቲ ረዚን መስዋእትነት ድማ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ መላእ ሃገርና ህላወ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ብድሕሪ ምኽታሙ፡ ሕልምታቱ መዋእሉ ጋህዲ ኮይኑ፡ ሃገራዊ ነጻነቱ ተጓናጸፉ ልዕላውነቱ ኣረጋገጸ። ብ1993 ብዝካየዶ ህዝባዊ ውሳኔ (ረፈረንደም) ድማ 99.8% እወ ንነጻነት ኣድሚጹ፡ ንማ/ሰብ ዓለም ነጻ ምርጭኡ ሃገራዊ ነጻነት ጥራይ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ክትጽንበር በቕዐት። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ 24 ግንቦት ኤርትራ ነጻነት ዝተጎነጸፈትሉ ዕለት ብምዃኑ፡ 20 ሰነ ድማ ነቶም ነዚ ቅዱስ ህዝባዊ ዕላማታት’ዚ ጋህዲ ክኸውን ሂወቶም ዝበጀዉ ሰማእታት ኤርትራ ንዝኽረላ ክብርቲ ዕለት’ያ። ዘለኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ድማ ነቶም ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነት ክትጓናጸፍን ማዕረ ዓለም ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ክትጽንበርን ዝገበሩ ጀጋኑ ስማእታት።

 

 

ህዝብና ነቲ ሒደት-መዳርግቲ ዘለዎ ጅግንነታዊ ቃልሲ ከካይድን ሂወት ጀጋኑ ደቁ ክኸፍልን ዝተገደደ፡ ብርግጽ ብዋጋ መስዋእቱን ስንክልንኡን ብሩህ መጻኢ ዕድሉ ተውሕስ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ምንባሩ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተኸቢሩ፡ ንብዙሕነቱ ኣብ ግምት ዘእተወ ጥዕና ዘለዎ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ምዕሩይ ምክፍፋል ሃብትን ንምውሓስ፡ ብቀጻሊ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታቱ ንምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ባህላውን መንፈሳውን ሂወቱ ንምምዕባል ዘኽእሎ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር’ዩ ነይሩ፡፡ ይኹን ደኣምበር እቲ ዕድመ ሓደ ወለዶ ዝወሰደ ቃልስን ንስለ’ቲ ሓቀኛ ነጻነትን ሓርነትን ዝተኸፈለ ረዚን መስዋእትን፡ መሪሕ ደሞክራሲያዊ ውድብ ብዘይምርካቡ፡ ህዝብና መላእ ሓርነቱ ተገፊፉ መዓንደሪ ገባቲ ጉጅለ ኢሳይያስን ዕሱባቱን ካብ ዝኸውን እንሆ ንመበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት ገጹ ይስጉም። ብውጽኢቱ ከኣ፡ ጭቡጥ ኩነታት ህዝብና ንመሪር ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጭቆናታት ተሳጢሑ ከይፈተወ ንስደት ዝውሕዘሉ ውድዕነት ተፈጢሩ ምህላው ካብ ምንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ሎሚ እምበኣር 20 ሰነ 2013 ኣብ ንዝኽረሉ ዘለና ህሞት፡ መሰረታዊ ህዝባዊ ዕላማታት ሰውራ በቲ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ተጨዉዩ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ’ውን ተጠሊሙ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ተሳጢሑ ኣብ ዘለወሉ መሪር ታሪኻዊ ውድዕነት ኮይና ንዝኽራ ምህላውና የመላኽት፡፡

 

ኣብ ጽንብል መበል ዕስራን ክልተን ዓመት ሃገራዊ ነጻነት ብ24 ግንቦት 2013 ገባቲ ኢሳይያስ ንህዝቢ ዝሃቦ መግለጺ ካብቲ ሕሉፍ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ቅንጣብ ተመክሮ ዘይምውሳዱን ብኡ ክቅጽልን ምዃኑ ብዘየማትእ መንገዲ’ዩ ኣሚቱ። ኤርትራ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ርኡይ ዓዘቕቲ ንምውጻእ፡ እወ ብሃገራዊ ቅዋም ክንመሓደር፡ ብልዕልነት ሕጊ ክንግዛእ፡ ሰናይ ምምሕዳር ከነውሕስ፡ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንሃንጽ፡ ፖሎቲካውን ሕልናውን እሱራት ክንፈትሕ ኢና ክብል ኣይተሰምዐን። ብኣንጻሩ ከምቲ ልሙድ ኣመሉ ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ብቀሊሉ ዝድህሰስ ጭቡጥ ዝኾነ ሓቂ ብምኽሓድ፡ ህዝብና ብስትራተጂን ፖሊስታትን ህግደፍ ሰብኣዊ ድሕነቱ ኣውሒሱ፡ ኣብ ከባቢኡን ዓለምን ተራእዩ ዘይፈልጥ ፖሎቲካዊ ርግኣት፡ ቁጠባዊ ሓርነት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ የስተማቕር ምህላዉ ክገልጽ ፍጹም ቅንጣብ ሕፍረት ኣይተሰመዖን። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብፍላይ’ውን መንእሰያት ዝበጽሕ ፖሎቲካዊ ግፍዕታትን ሰብኣዊ ግህሰታትን ዘይምህላዉ፡ ኤርትራ ብኣንጻሩ መወዳድርቲ ዘይብላ ገነት ምዃና፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝገሃድ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ቅልውላው፡ ጃምላዊ ስደት፡ ኣህጉራዊ ማዕቐብን ተነጽሎን ጠንቁ እቲ ኣዕናዊ ፖሊስታት ህግደፍ ዘይኮነስ፡ በቶም ብግስጋሰ ኤርትራ ዝቐንኡ ብፍላይ’ውን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ሸርሕታትን ድለላን ምዃኑ ከባጩ’ዩ ተደሚጹ። ብርግጽ ኢሳይያስ ካብኡ ወጻኢ ካልእ መግለጺ ክህብን ንትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብምድማጽ ፍታሕ ከምጽእን ምጽባይ ኣጉል ትጽቢት’ዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ብ20 ሰነ 2013 ኣብ ልዕሊ መቓብር እቶም ጀጋኑ ስውኣት ዕንባታት እናነስነሰ፡ ህግደፍ ንሕድሪ ሰማእታት ተግባራዊ ንምግባር ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ምህላዉን ብኡ ምቅጻል ብሩህ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ዘውሕስን’ዩ ብምባል ክምድር ፍጹም ድሕር ዝብል ኣይኮነን።

 

ብዝኾነ እቲ ኣጉል ዓጀውጀው ኢሳይያስን ጸረ ደሞክራሲ ዝኾነ ስርዓቱን ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ሎሚ 20 ሰነ 2013 ነቶም ሂወቶም ከይበቐቑ ንስለ ህዝቢ ኤርትራን ሓቀኛ ነጻነቱን ዝተበጀዉ ጀጋኑ ሰማእታት ንዝኽረሉ ክቡር ዕለት ምዃኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ዕለት’ዚ ንስለ ዝኽርን ሽምዓ ምብራህን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብርግጽ ጽባሕ ብታሪኽ ንውቐሰሉን ብስውኣት ንኽሰሰሉን ኩነታት ከይፍጠር፡ ሕድሪ ሰማእታት ብግብሪ ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሓቀኛ ነጻነቱን ሓርነቱን ዝጭብጥ ደጊምና መብጽዓና ነሕድሰሉ ዕለት ክኸውን ይግባእ። ኩሉ ግዜ ነቲ ዕለታዊ እከይን ጨካንን ፖሊስታት ይኹን ተግባራት ህግደፍ ምጽብጻብ ወይ ምርጋም ጥራይ ዘይኮነስ፡ መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ምድሓን ዝብል ኣምር ብኣረኣእያ ደረጃን ጭርሖን ጥራይ ምጭባጥ እኹል ክኸውን ስለ ዘይኽእል፡ ብግብሪ ክሳብ ክንደይ ብምሉእ መንፈስ፡ ተወፋይነትን ሓላፍነትን ንሰርሓሉ ምህላውና ምስ ሕልናና ንመራመረሉ እዋን ክኸውን ይህልዎ።

 

 

ጉዕዞ መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ውድዕነት ክዛመድ ከሎ ኣዝዩ ዘገምታዊ ምዃኑ ዝኸሓድ ኣይኮነን። ስለዚ መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ነታ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝተረኸበት ሃገር ንምዕቓብ፡ ህዝብና ድማ ካብ መንጋጋ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምንጋፍ፡ ሰላማዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ፡ ብምክብባርን ምጽውዋርን ክዓዩ ይግባእ። ካብ ጸቢብን ድሑርን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ብምንጋፍ ፖሎቲካዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላውን ጾታውን ብዙሕነትና ፍልልይና ዘይኮነስ መልክዕና፡ ግርማናን ሓድነትናን ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንዕኡ ብምዕቓብ ድማ፡ ነዚ ስርዓት’ዚ ንምውጋድ ብሓባር ሶቭያ ክንብል መድረኻዊ ጠለብ ህዝብና ምዃኑ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ምስ መላእ ደንበ ተቓውሞ ተኸባቢሩ ክሰርሕ ዘለዎ ድልውነት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ።

 

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

20 ሰነ 2013

Last Updated on Monday, 15 July 2013 23:09
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 75 guests online