www.blina.org

ዜና ደሞክራስያዊ ግንባር ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ) PDF Print E-mail
Monday, 15 July 2013 09:25

ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ) ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ዓውደ-ዘተ ንኩነታት ውድብ ኣመልኪቶም ሰፍሕ መብረሂ ሂቦም፡፡

ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ (ኣቦ ወንበር ደምሳኤ ተጋ/ ሰዓድ ካማልን ሓላፊ ህዝባዊ ወደባን ወጻኢ ጉዳያትን ደምሳኤ ተጋ/ ስዒድ ኢስማዒልን) ብመሰረት ኣካየድቲ እቲ ህቡብ ፓልቶክ ሩም ስመር ዝኾኑ መንእስያት ዝተገበረሎም ዕድመ፡ ብ 08 ሓምለ 2013 ኣብ ስመር ፓልቶክ ሩም ቀሪቦም ኣብዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ዛዕባታት ሰፊሕ መበርሂ ሂቦም፡፡

1. ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ብብሄሩ ክውደብ ዝገበረ ወድዓዊ ምኽንያታት፡ ደምሳኤ ዝሓለፎም ጽንኩር ኩነታትን ዘመዝገቦም ዓወታትን

2. መሰረታዊ ዕላማታት ደምሳኤ

3. ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ደምሳኤን ውጽኢቱን ዝወጠኖም መደባትን

4. ውድብና ደምሳኤ ዝርከበሉ ጭቡጥ ኩነታትን ዝብሉ ኮይኖም ………

ሕቶ ሃገራዊ ናጽነት ተጎልቢቡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ፡ “ኣብ ኤርትራ 9 ቋንቋታት እምበር ብሄራት ዝበሃላ የለዋን፡፡ ካበ ሎሚ ንደሓር ብሄራት ምባል ገዲፍናዮ ኢና፡፡ ብስም ብሄር ምውዳብ ኮነ ፖለቲካ ምስራሕ ከም ከቢድ ገበን ይቁጸር፡፡” ብምባል ህላወ ብሄራት ብኣዋጅ ድሕሪ ምኽሓድ፡ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ህዝብታትና ዘለዎ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ተግባራዊ ብምግባሩ፡ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ጭቖናን ኣድልዎን ተናጊፉ ህላወኡን ቀጻልነቱን ብምውሓስ ዘላቂ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ብብሄሩ ተወዲቡ ብመሪሕነት ደምሳኤ ኣብ ሕኑን ቃልሲ ከም ዝርከብ ዝገለጹ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ፡ ደምሳኤ ኣብ ዝሓለፉ መረርቲ ናይ ቃልሲ መድረኻት በብእዋኑ ብውሽጣውን ግዳማውን ሽግራት፡ ህላወ ውድብ ዝፈታተኑ ሓደጋታት ይጋጠሞ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰላ ጽንዓትን ውሕሉል ደሞከራስያዊ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣመራርሓን ተጋደልትን ብደግሓሳኤ / ደምሳኤ፡ ንዘጋጠሙ ሽግራት ብሰፋሕቲ ናይ ዘተ መድረኻትን ብደሞክራስያውን ቅኑዕን ኣገባባት ይፍትሑ ስለ ዝነበሩ ኣብ ምምዕባል ጉሉጽነትን ተሓታትነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ሰፍሕ ውሽጣዊ ደሞክራሲ፡ ሓባራዊ ኣመራርሓን ዝተኣማምን ውሽጣዊ ሓድነትን ነዊሕ ርሕቀት ከሰጉሞ ዝኽእል መሰረት ከንብር ምኽኣሉ ኣስመርምሉ፡፡

መሰረታዊ ዕላማታት ደምሳኤ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብዙሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ማዕርነት፡ ምክብባር፡ ምትእምማንን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ሓድነት ንምህናጽ ብዝገልግል መንገዲ ዘተቀረጸ ምዃኑን፡ ንምዕዋቱ ዝካየድ ዘሎ መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ዘተኣማመን ቀጻልነት ዝሳጋገረ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ደምሳኤ፡ ካብ ሕልፍ ተሞኩሮ ደንበ ተቓውሞ እኹል ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ውድባዊ ፖለቲካዊ መትከላትን ፖሊሲታትን ዘነጽሩ ውሳኔታት ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ፡ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ጸጋታት ጸንቒቑ ንምጥቓምን ዞባውን ዓለማውን ኩነታት ናብ ረብሓ ቃልስና ንምውዓልን ዝሕግዝ ውድባዊ ስትራተጂ ቀይሱ ምጽዳቑ፡ ውድብ ንምዕዋቱ ኣብ ሓያል ርብርብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሓፋሽ ህዝብታትና ንዘላቂ ረብሓታቶም ንምርግጋጽ ከም ወትሩ ኣበርክቶኦም ክዕዚዙ ጸውዖም፡፡

ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ፤ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይድዎ ዘሎው ሓባራዊ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት (ኣብ ሓድነት ደንበ ተቃውሞን ኣብ ምዕዋት መደባት ሃገራዊ ባይቶ) ብጽሒቱ የልዕል ምህላዉ ኣገንዚቦም፡፡

እዞም ናብ ዕለት 09/07/2013 ዘውገሐ ለይቲ (ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 9፡00 ድ/ቀትሪ ክሳብ 5፡00 ወጋሕታ) ንኣስታት ሽሙንተ ሰዓታት ምስ ህዝቢ ክመያየጡ ዝሓደሩ ብጾት ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ፡ ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ብንጹርን ግሉጽን ኣገባብ ኣዕጋቢ መልሲ ሂቦምሉ፡፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ላዕሎዎት ኣመራርሓ ደምሳኤ፡ ንዝተገበረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ንህዝቢ ግቡእ ሓበሬታ ክህቡ ድልዋት ኮይኖም፡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ጉልጽን ዝርዝራውን ኣዕጋቢ መልሲ ብምሃቦም፡ ምስጋናኦምን ኣድናቖቶምን ብምቕራብ፡ ንምዕዋት መደባት ደምሳኤ ካብኦም ዝድለ ንምብርካት ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም፡፡

www.mirad.net

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ ደምሳኤ

Last Updated on Monday, 15 July 2013 23:05
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 92 guests online