www.blina.org

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትንሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ባይቶን البيــان الختامــي للإجتماع الدوري الرابع للمكتب التنفيذي PDF Print E-mail
Wednesday, 31 July 2013 23:18

ደምዳሚ መግለጺ 4 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትንሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ባይቶን

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብውሽጥን ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸሉን፡ ኣብ ቅድሚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከበድቲ ብድሆታት ኣብ ዝገጥሙዎ ዘሎዉን ብሓደ ሸነኽ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከኣ ምእንቲ ጉጅላዊ ረብሓኡን ስልጣኑን ዓቕሚታት ሃገር ዝያዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዝምርሸሉን፡ ከምኡውን ከም ልማዱ ንውሽጣዊ ተቓውሞ ብጭካነ’ኳ እንተ ጨፍጨፎን ናይ ውሽጢ ተቓውሞ ክብ ኣብ ዝበለሉ፡ በቲ ካልእ ሽነኽ፡ ድማ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበዝሓሉን፡ ፖለቲካውን

ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት በብግዜኡ ኣብ ዘንቍልቍለሉን፡ ኤርትራ ሃገርና ንሓደጋ ኣብ እትሳጣሓሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት እናተጓረተ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደት ኣብ ዘመዝግበሉን፡ ኣብ’ዚ ክፍለ-ዘበን’ዚ ግዳይ ኣስካሕካሒ ሰብኣዊ ገበን ብምዃን ንነጋዶ ሰብኣዊ ኣካላትን ዝተፈላለየ ኢሰብኣዊ ምዝመዛን ቀዳማይ ዕላማ ኣብ ዝኾነሉን ኩነታት፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት 4 ስርዕ ኣኼባኡ ብዕለት 1 ሓምለ 2013 ጀምሩ።

 

 

ኣኼባ፡ ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ሃገራውን ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞን ኣካላቱን፡  መሓውራቱ ሰሚሩ ንቶታሊታርያዊ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ከምቲ ዝድለ ሰሚሩ ንከይከይድ ጽልዋታት ዝገብረ  ምዃኑ ርእዩ።

ኣብ ሃገራዊ ኩነታት፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጡ ንዘናወጾ ናይ 21 ጥሪ ምንቅስቓስ፡ ከምቲ ኩሉ ሻዕ ክጥቀመሉ ዝጸነሐ ኢሰብኣዊ ኣገባብ ኣፈታትሓን ንሃገርና ናብ ዝዓበየ ቤት ማኣሰርቲ ብዝለወጠን ኣገባብ ብጭካነ’ኳ እንተጨፍለቖ፡ ሕጂውን ገና ንቐጻሊ ሰፊሕ ወፍሪ ማእሰርቲ’ውን እንተተገልገለሉን ዝለዓለ መግለጺ ናይ ውሽጣዊ ተቓውሞ ምዃኑ ኣይተረፎን። ሕጂውን ገና ናይ ፖለቲካን ሕልናን ኣሱራት ፍትሓዊ ብይን ንክረክቡ ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዘይፍቀደሎም ምኻኑ እዩ እቲ ሓቂ።

ከምኡ’ውን ስርዓት ህግደፍ ብስንኪ እቲ ኣህጉራዊ ትካላት ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ ማዕቀብ ኣብ ተነጽሎ ብምእታዉን፡ ኣህጉራዊ ተሰማዕነት ብምስኣኑን ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ናብ ውድቀት የንቍልቍል ኣሎ። እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ምሕደራ ሃገር ስለዝፈሸለ፡ መተካእታኡ ብዝምልከት ሕቶታት ይለዓል ኣሎ። ናይ ግዜ ረቛሕነትን ቁጠባዊ ኩነታትን ውሽጣዊ ውጥረትን ተደሚሩ  ክነቱግ ዝኽእል ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ስለዝኾነ ከም ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ቃልሲ መሓውራትና ምጥርናፍን፡ ንውሽጢ ዓዲ ዝጠመተ ስራሓት ብምዝርጋሕ ናይ ደንበ ተቓውሞ ኣረኣእያን ምምዕባል ይድለ። ሃገራዊ ባይቶ፡ ንሃገርና ካብ ብርሰት ዘድሕን ንኩሉ ኤርትራዊ ክውንነት ፍትሓዊ ናይ ስልጣንን ሃብትን ምምቕራሕ ዘረጋግጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ድሮ ሃኒጽዎ ዘሎ ሰረትን ክብርታትን መትከላትን ብዝግባእ ክንጸባረቕ ምስራሕ ከምዘድሊ ርእዩ።

ውሽጣዊ ሓድነት ምርግጋጽ ከም መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝኾነ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ሰፊኑ ዝጸንሔ ቅልውላውን ዘይምትምእምማን ንምፍዋስ ብዕቱብነት ክሰርሕን፡ ነቲ ዘሻቕል ዘሎ ሕቶ መተካእታ ክምልሽ ከምዝኽእል ብግብሪ ንምርግጋጽ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክጽዕት ይህልዎ።

ኣብ ዞባዊ ኩነታት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሃገራት ዞባዊ ምርግጋእ ዘዕዝዝን ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ጥዑይ ጉርብትናን ዝተመስረተ ዝምድና ኣብ ክንዲ ምህናጽ፡ ካብ ናይ ተጻብኦ ፖሊሲ ብምንቃል ንዞባውን ኣህጉራውን ሰላም ክህድድ ጸኒሑዩ። ኣብ ሃገርን ህዝብን፡ ኣብ ምንጎ ዝምድናታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከምኡውን ኣብ ናይ ዞባዊ ሃገራትና ብሓፈሻ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታቱን ድማ ብፍላይ ኣሉታዊ አሰራት ፈጢሩዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዘስተንፍሰሉ ዘሉ እንኮ ሳንቡእ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብዘሎዎ ዝምድናዩ። በዚ ኣቢሉ ድማ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ሓደ ረቛሒ ኮይኑ ኣሎ። ተቓውሞ ሓይልታት ብሰንኪ እቲ ዝጸንሔ ባዕላዊ ድኽመታቱ  ነዚ ዝምድናዚ ክዓግት  ብዘይምኽኣሉ ዝተፈጥረ ኩነታት ከም ምዃኑ መጠን፡ ንሕና ከም ደንበ ተቓውሞ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቀላጥፍ ስራሕ ንምሕያል ኣብዚ መዳይዚ  ዝዓበየ ቱኽረት ሂብካ ምቅላስ ከምዘድሊ ርእዩ።

ከምኡውን ብዛዕባ ማያት ናይል ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምስሪን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈጥረ ሽግር፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ’ቲ ጉዳይ ቐጥታዊ ኣካል ዘይኮነ ክንሱ ንጸቢብ ረብሓኡ ክብል ኢድ ብምትእትታዉ ሓደ ካብ’ቲ ንግጭታት ዘባልሕ ባህሪ ምህላዉ ዘመስክር’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳንን የመንን ጂቡቲን ካብ ቐጥታዊ ኢድ ምትእትታው ርሑቅ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝብታት ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስቲታቶምን ዘስዕቦ ቐጥታዊ ጉድኣትን ኣሉታዊ መንጸብረቕታኡን ብምብርዳእ፡ ንሕና ከም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዞባና ሰላም ንምዕዛዝ፡ ከምኡውን ብመትካላት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ምምእዛዝን ጥዑይ ጉርብትናን ሕድሕድ ምክብባርን ኣብ ኣፈታትሓ ግጭታት ሓይሊ ዘይምጥቓምን መርሆ ከም ንኽተል ነረጋግጽ። እዚ ድማ መጻኢ ዝምድና ኤርትራን ዓለምን ብሓፋሻ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ብፍላይ ዝስረተሉ መጻኢ ራእይና ምዃኑ ነረጋግጽ። ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ስትራተጂያዊ ብምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ ብናይ ስርዓት ህግደፍ ፖሊሲታት ዝጽሎ ከም ዘይከውን ነረጋግጽ።

ኣኼባ፡ ብዑምቀት ካብ ዝረኣዮም ጉዳያት ሓደ ናይ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኩነታት’ዩ። እዚ ጉዳይ ብቐንዱ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምሕቛፍ ዜጋታት ከም ዝፈሸለ  ዘብረሀ ጉዳይ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ምምላስ ካብ 1967 ጀሚሩ ዝተሰደደ ኤርትራዊ ንምምላሶም ዕንቅፋት ዝገብረን ቀንዲ ምንጪ ስደት መንእሰያት ምዃኑ ዘመስከረንዩ። መንእሰያት ሃገርና ናብ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ንስደት ብምውሓዝ ግዳያት ናይቶም ኩሎም ጥሕሰታት ኣህጉራዊ ቻርተራትን ሰብኣዊ መሰላትን ይኾኑ ኣሎዉ። ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ብዕለት 14 ሰነ 2013 ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘውጸኦ ናይ መጠረሽታ ጸብጻብ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ብሰፊሕ ገሊጹዩ። ጉዳይ ስደተኛታት ሓደ ካብ’ቲ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዘሎዎ ኣተሓሕዛ ዘቃልዕ እዩ። ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ  ተጽዕኖ ንምግባር ክስራሓሉ ዝግባእ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንዘዕቁባ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ስቅያቶም ንምቅላልን ካብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንክከላኸላሎምን ዝግቦኦም ምሕብሓብ ክገብራሎምን ህጹጽ መጸዋዕታ ነቕርብ። መንግስቲ ሱዳን መርገጹ ንክእርምን ንረብሓ ስትራተጂያዊ ዝምድና ክልትኡ ህዝብታት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብልን ንጽውዕ።

ህዝብና ብሰንኪ ነጋዶ ኣካላት ደቂ ሰብ  ዝሳቐየሉ ዘሎ ብዝምልከት፡ ንህዝብና ካብ’ዚ ጉድኣት ንምድሓን ናይ’ዚ ተግብር’ዚ መመሓላለፊ ምስ ዝኾና ሃገራት፡ ሃገራዊ ባይቶ ብዝለዓለ ደረጃ ክዘራረበሉ ወሲኑ።

ኣኼባ፡ ብሰንኪ ጉጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ከመይ ከምዝረኤ  መዚኑ። ማእከል ኣህጉራዊ ቅልውላው ICG ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻቡ ዝኣመቶም ሲናርዮታት ንግደ ተቓውሞ ሓይልታት ዕሽሽ ኢሉ ስለዝሓለፎ ኣሉታዊ ጎኒ ከም ዘሎዎ ርኢና።

ኣኼባ፡ ንውሽጣዊ ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ዝነወሐ ጊዜ ብምሃብ፡  መንፈስ ሓላፍነትን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተራእዩ ዕንቅፋታት ንምስጋር ሓባራዊ ድልየትን ግሉጽነትን ብዝሰፈኖ ምይይጥ፡ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ኣሰራርሓ ክንዲ’ቲ ዝድለ ከም ዘይጸንሔ ርእዩ። ሃገራዊ ባይቶ ብመሰረት ዝተዋህቦ ሓላፍነት ተርኡ ክጸወት ምእንቲ፡ ብመሰረት ዝተሓተ ፕሮግራም ንኩሉ ተቓውሞ ሓይልታት ዝጥርንፍ ክኸውንን ኣሰራርሓኡ ንምምዕባልን ኣበርቲዑ ክዓዪ ከምዘለዎ ርእዩ።

ነዚ ንምዕዛዝ ገለ ካብ ብርክት  ዝበሉ ውሳኔታትን ለበዋታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ርእይቶታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምቅርራብን፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ዘይምትእምማን ንምፍዋስን፡ ውሽጣዊ ግርጭታት ንምቅላልን፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ቀጻሊ ሰሚናራት ከካይድ ወሲኑ።
  • ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍ፡ ናይ ርእይቶታት ፍልልይ ንምቅርራብን፡  ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ምስ ዘሎዋ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ንምዝታይን፡ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ንክሳተፉ ባይታ ምንጻፍን ናይ ዘተ ሽማግለ ኣቝሙ።
  • ሃገራዊ ባይቶ ናይ ሙሁራዊ ዓቕሚታት ኣብ ረብሓ ተቓውሞ ንምውዓልን ንዕላማታቱ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕን፡ ቅድሚ ጉባኤ ምክያድ ናይ ሙሁራትን ናይ መድያ ኪኢላታትን ሰሚናር ከካይድ ወሲኑ።
  • ኣስናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ዓቕሚታት ህዝብና ንምጥርናፍ ኣብ ኩሉ ህዝብና ዝርከበሉ ከባቢታት ስሚናራት ብምክያድ ብሃገራዊ ጉባኤ ምብሳርን  ውሕስነት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ከረጋግጽ ክጽዕትዩ።
  • ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ጉዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብዕዘት ብምርኣይ ንመስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምድጋፍ ነፍሶም  ክጥርንፉን ከጠናኽሩን ጸዊዑ።
  • ኣኼባ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብመንገዲ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዘንብሮ ማዕቀብን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፍ መርገጻቱን፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዳሕረዋይ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብምምዛዙ የሞጉስ። ስርዓት ህግደፍ ካብ ንሰብኣዊ መሰል ዝጻባእ ባህሪኡ ብምብጋስ ምስ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ተኸታተሊ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክተሓባበር ድልየት’ኳ እንተዘይብሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝፍጽሞም ቐጻሊ ግህሰታት ንህዝብና ከቃልለሉ ስለዝኽእል ከም ኣዎንታዊ ስጉምቲ ንወስዶ።
  • ኩሉም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ሃገራትን ሓይልታትን ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎና ክድግፉን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንጽሉን ነማሕጽን። ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝህብዎ ደገፍን፡  ሓባራዊ ረብሓታት ክልትኡ ህዝብታትና ንምርግጋጽን፡ ዞባዊ ጸጥታ ምርግጋእን ንምዕዛዝን፡ ኣብ ጎኒ ተጋድሎና ደው ብምባሎም ነሞጉስ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐዳምነት ዝተሰርዔ ኣጀንዳታቱ ድሕሪ ምውዳእ ምስ መሪሕነት ባይቶ ኣብ ካላኣይ ክፋል ናይ ሓባር ኣኼብኡ ብዕለት 13/7/13 ጀሚሩ። ቀንዲ ዕማም ናይቲ ናይ ሓባር ኣኼባ ድማ ብመሰረት ውሳኔ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክልቲኦም ኣካላት ብሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከቑሙ ስለዝተወሰነ እዩ። ብድሕሪ ዓሚቕ ክተዓትን ካብ ዝሓለፉ ብዙሓት ጉባኤታት ተመኩሮ ምውሳድን ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም መፍትሒ ቀሪቡ። ብኡ መሰረት ድማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እትቖመሉን እትምራሓሉን መሪሕ ሓሳባት ኣቚሙ። ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክኢላታትን ቀዳምነት ብምሃብ ድማ 21 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዲቡ ኣቦ መንበራ ድማ መሪጹ። እቲ ዝተረፈ ቁጽሪ ድማ ኣብ መስርሕ ክምላእ ምኻኑ ኣነጺሩ።

ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሕጽረታትን፡ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝጅምር ኣትሕዙ ዝጸንሔ ናይ ኣረኣእያ ጽልግልጋትን ኣነጺሩ ድሕሪ ምግምጋም ከመይ ክስገር ከምዝከኣል ዘትዩ። ሓይልን ብቕዓትን  ኣኻኺብካ ንቕድሚት ክድፋእ መታን ክከኣልን ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምትሕብባር ዕዉት ካላኣይ ጉባኤ መታን ክእቶን መሪሕነት ባይቶ ን ኣመራርሓ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት ምምዕርራይ ጌሩ። በዚ መሰረት ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ቦታ ኣቦ መንበር ክትክእን ኣብ ዝኾነ ጸገማት ብቐረባ እተማኽርን ሽማግለ መዚዙ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘሎ ህዝብና ቃልስታቱ ከጓሃህርን፡ ምእንቲ ምዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍን፡ ሃገረ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ንምትካልን ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ባይቶ ክስለፍን ይጽውዕ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትንዲክታቶርያዊ ስርዓት!!

ፍትሒ ንናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት

ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

30 ሓምለ 2013

البيــان الختامــي

للإجتماع الدوري الرابع للمكتب التنفيذي

والاجتماع المشترك بين قيادة المجلس الوطني والمكتب التنفيذي

بدأ المكتب التنفيذي إجتماعه الدوري الرابع في 01/07/2013 في ظل أوضاع سياسية بالغة التعقيد داخلياً وأقليميا ودولياً ،  وعلى صعيد قوى المعارضة الإرترية والتحديات التي تواجهها من جهة، والنظام الدكتاتوري واصراره على المضي قدماً في سياساته الهادفة إلى المزيد من إحكام سيطرته  على مفاصل السلطة ومقدرات الوطن لصالح نهجه الشمولي الدكتاتوري ، بالرغم من تنامي  الخط المقاوم للنظام من داخله  وطريقة تعامله معها بنفس العقلية القمعية ، مما رفع من سقف المخاطر المحدقة التي تحيق بالوطن والمواطن الإرتري والتي تزداد وتيرتها يومياً على كل المستويات إقتصادياً وسياسياً وإجتماعياً ، مما أدي إلى تفاقم معاناة  الإنسان الإرتري الذي أصبح  يتصدر  رأس قوائم الإحصائيات الدولية كصاحب أعلى نسبة من حيث حجم اللجوء  وشتى أنواع الإستغلال الغير إنساني ، والهدف الأول لتجارة الأعضاء البشرية في أبشع جريمة إنسانية يشهدها القرن الحالي .

وقد إبتدأ الإجتماع أولى أجندته بتقييم الوضع السياسي داخلياً و إقليماً ودولياً وانعكاساته على قوى المعارضة الإرترية وتأثيراته على مستوى أداءها الذي حال دون توحد قواها النضالية من أجل إسقاط النظام الدكتاتوري  .

فعلى مستوى الداخل تم التأكيد بأن حركة 21 يناير التي زلزلت النظام من داخله والتي استغلها النظام لمواصلة حملة إعتقالاته وقمعه الداخلية ، بأنها كانت تتويجاً للحراك الداخلي التي كان النظام يتعامل معها دائماً ويخمدها بذات وسائل القمع الغير إنسانية حتى أضحى الوطن أكبر سجن بشري شهدته المنطقة ، والذي تنعدم فيه أبسط مباديء الحقوق   الإنسانية  ، التي تعطيهم الحق في الحصول على محاكمات عادلة.

هذا بالإضافة على تفاقم الوضع الإقتصادي داخلياً  الذي أدي للعزلة التي يعيشها النظام من جراء قرارات الحظر الدولية التي فرضت عليه  من قبل الهيئات الدولية ، مما أفقد النظام هيبته وبدأ يثير تساؤلا حول البديل لهذا النظام الذي فشل فشلاً ذريعاً في إدارة الدولة الإرترية  ،  ما يدفعنا كقوى مقاومة بأن  نعمل على توحيد أدواتنا النضالية وتجسير العلاقة بيننا وبين الداخل وذلك بنقل فكرالمقاومة وما أرسته من قيم  ومباديء وأسس كفيلة بإرساء  نظام حكم عادل يعمل على بسط السلطة والثروة لكل مكونات المجتمع الإرتري لإنقاذ الوطن من الإنهيار  وإحلال البديل الديموقراطي الذي نطمح إليه جميعاً كأحد المهام الرئيسية لقوى المقاومة الإرترية ، آخذين في الإعتبار  عامل الزمن ، والوضع الإقتصادي ، والإضطرابات الداخلية وكل الإحتمالات التي يمكن أن تنشأ عن ذلك . والسعي لإثبات بأن قوى المقاومة قادرة على الإجابة على هذا التساؤل بشكل عملي من خلال التركيز على إزالة أزمة الثقة التي خيمت كثيراً ، و تحقيق الوحدة الداخلية  كشرط أساسي لتغيير النظام الدكتاتوري الشمولي .

وعلى صعيد الوضع الإقليمي وعلاقات النظام الدولية وما بات يشكله النظام من مهدد  للسلم والأمن الأقليمي والسياسة الدولية  من خلال  سياساته العدوانية  القائمة على أساس مصالحه الذاتية  بدلاً عن العلاقات التي تبنى على المصالح المشتركة  وحسن الجوار بما يعزز  ويدعم  شروط الإستقرار لدول المنطقة ، والإنعكاسات السلبية التي نجمت عن  ذلك على الوطن والمواطن والآثار الضاره التي ترتبت على علاقات قوى المقاومة الإرترية   مع دول المنطقة  عامة  لاسيما  مع الحكومة السودانية  والذي نعزوه لعدم عمل قوى المقاومة بالقدر الكافي على قطع الطريق على هذه العلاقة  بالرغم من علمنا بأنها الرئة الوحيدة التي يتنفس منها النظام ، والتي  أصبحت وبالاً علينا من خلال ما توفره من عوامل تقود إلى إطالة عمر النظام ، والتي نطمح أن نوليها القدر الأكبر من أهتمامنا كقوى مقاومة لإحكام دائرة العزلة التي يعاني منها النظام للتعجيل بزواله .

كما كان تدخل النظام في أزمة مياه النيل التي نشأت مؤخراً بين كل من مصر والسودان وإثيوبيا بالرغم من أنه ليس طرفاً مباشراً فيها ، أحد الأدلة على   السياسات العدائية التي ينتهجها النظام في تأجيج النزاعات  و إستغلالها من أجل مصالحه الآنية.  وهذا ليس ببعيد عن تدخلاته المباشرة في كل من السودان واليمن وجيبوتي  . ونسبة لما يسببه هذا من ضرر مباشر لعلاقة الشعب الإرتري بشعوب المنطقة وحكوماتها وما يتركه من آثار بالغة السوء على مستقبل علاقاته  ، نؤكد كقوى مقاومة إرترية بضرورة  الإلتزام بمباديء العلاقات الدولية  التي تقوم على  الإحترام المتبادل واللجوء للتفاهمات المشتركة في حل النزاعات لتعزيز سياسة التعايش السلمي بين دول المنطقة  مؤكدين على رؤيتنا  المستقبلية  لما يجب أن تكون عليه علاقة  إرتريا بالعالم وبدول الجوار بشكل خاص، والتأكيد على إستراتيجية علاقة الشعب الإرتري معها .

كما كانت قضية اللاجئين  الإرتريين من أهم الملفات التي وقف عليها الإجتماع  بإعتبار أنها من أهم القضايا التي برهنت على فشل الدولة الإرترية في التعاطي مع الإنسان الإرتري ، بالإضافة لعرقلة عودة اللاجئين الإرتريين  منذ عام 67 ، أصبح النظام المصدر الأول  لحركة اللجوء عالمياً من خلال موجات الهجرة البشرية  الحديثة للشباب الإرتري  إلى كل دول الجوار والشتات وما يتعرضون له من إنتهاك صارخ   لحقوق الإنسان الذي أقرته كل المواثيق الدولية ، كان آخرها التقرير الصادر من هيئة حقوق الإنسان الدولية  في جنيف في 14/06/2013  الذي سلط فيه الضوء على هذه القضية الإنسانية ،   وأكد الاجتماع بأن قضية اللاجئين الإرتريين هي أحد القضايا التي تعري النظام وتبين طبيعته المعادية لحقوق الإنسان  ، وبحث سبل الإستفادة منها في ممارسة الضغط عليه سياسياً ودبلوماسياً عن طريق الهيئات والمؤسسات الدولية .

من هنا يتوجه الاجتماع  بمناشدة عاجلة لكل دول الجوار التي تأوي اللاجئين الإرتريين بأن تكون سنداً لهم وتخفف من معاناتهم الإنسانية فيما يتعرضون له من إنتهاك لحقهم الإنساني   وأن  توفر لهم الحماية والرعاية التي يستحقونها . وتوجه الاجتماع بنداء خاص للحكومة السودانية يدعوها فيه لتصحيح مواقفها السياسية الداعمة للنظام الدكتاتوري  والوقوف لجانب الشعب الإرتري لصالح العلاقات الإستراتيجية بين الشعبين .

وبخصوص ما يتعرض له شعبنا من استهداف من قبل تجار الأعضاء البشرية  تقرر أن يعمل المجلس على إثارة هذا الأمر على أعلى المستويات   بالذات مع الدول التي تعتبر معبراً لممارسة هذه   التجارة البشعة  لتخليص شعبنا من الأضرار الجسيمة التي يتعرض لها .

و استعرض الإجتماع  وضع إرتريا في السياسة الدولية نتيجة  للسياسات الخاطئة التي يرتكبها النظام  وانعكاساتها على المسرح الدولي . واعتبر الاجتماع التقرير الذي قدم من مركز الأزمات الدولية  (ICG)  تقريراً سلبياً لأنه عمد إلى تجاهل  قوى المقاومة ولم يستصحبها في السيناريو الذي تقدم به .

كما توقف الإجتماع  طويلاً أمام الوضع الداخلي للمجلس الوطني ومستوى أداءه الذي  كان دون المتوقع ، في جو ساده الكثير من روح المسؤولية  وطغى عليه الإحساس المشترك بضرورة تجاوز العقبات التي إعترضت طريقه في المرحلة السابقة  توجيهاً وتقويماً لرفع مستوى الأداء والكفاءة والفعالية وتطويره ليكون بوتقة تجمع كل قوى المقاومة الإرترية للإطلاع بمسؤوليتها التى يمليها الواجب الوطني .

واتخذ بشأن ذلك عدداً من القرارات والتوصيات اللازمة التي تعزز ذلك منها :

  • قرر عقد عدد من السمنارات بين القوى السياسية  والتي سوف تستمر لتقريب وجهات النظر بينها لإزالة عامل عدم الثقة  وإيقاف عجلة  الصراع الداخلي.
  • شكل المكتب التنفيذي لجنة للحوار مع  قوى المقاومة الإرترية خارج مظلة المجلس الوطني   لرأب الصدع  بينها وتوحيد أدواتها من أجل التعجيل بإسقاط النظام الدكتاتوري ، وتوجيه الدعوة إليها من أجل المشاركة في المؤتمر القادم . وفتح الباب لمشاركة كل قوى التغيير الديموقراطي  التي لم تسنح لها الفرصة للمشاركة في مؤتمر أواسا .
  • كما قرر عقد سمنار جامع لاصحاب الكفاءات العلمية والسياسية والإعلاميين الإرتريين  قبل إنعقاد المؤتمر  للإستفادة من طاقاتهم  والاستأناس بآرائهم في الدفع بنشاط  قوى المقاومة الإرترية نحو غاياتها المنشودة .
  • واوصي الاجتماع اللجنة التحضيرية على عقد سمنارات في كل أماكن تواجد الجماهير الإرترية للتبشير بالمؤتمر وحشد كل قطاعات الشعب الإرتري  لتعزيز معركة النضال من أجل التغيير الديموقراطي  .
  • كما توجه الإجتماع بنداء خاص للشباب والمرأة الإرترية حاثاً إياهم إلى المزيد من تأطير أنفسهم  والعمل للمشاركة  الفاعلة  في  دعم عملية التحول الديموقراطي .
  • اشاد الاجتماع بالمجتمع الدولي في مواقفه الداعمة لحق الشعب الإرتري من خلال العقوبات التي يفرضها بشكل مستمر على النظام الدكتاتوري خاصة الخطوة الإخيرة التي أثمرت  بتعيين مندوب للأمم المتحدة لمراقبة حقوق الإنسان الإرتري  والتي اعتبرها خطوة متقدمة  تساعد على تخفيف معاناة شعبنا من جراء الإنتهاك المستمر من قبل النظام لحقوق الإنسان  بالرغم من رفض النظام التعاطي معها بما يؤكد طبيعته المعادية لحقوق الإنسان .
  • كما ناشد  كل الدول والقوى المحبة للعدل والسلام دعم النضالات الديموقراطية للشعب الارتري والمساهمة في عزل النظام الدكتاتوري . واشاد  بالدعم الذي تقدمه إثيوبيا حكومة وشعباً للشعب الإرتري والوقوف إلى جانب نضالاته في سبيل التغيير الديموقراطي الذي يطمح إليه شعبنا بما يحقق المصالح المشتركة للشعبين ويعزز الأمن والإستقرار الإقليمي لدول المنطقة .

وبعد أن أكمل المكتب التنفيذي  الجزء الاول من اجندته واصل في الجزء الثاني منه في إجتماع مشترك مع قيادة المجلس  بتاريخ 13 يوليو حيث كانت أجندتة  الرئيسية  تكوين لجنة تحضيرية للمؤتمر القادم  حسب التفويض  المشترك  للقيادتين  من الاجتماع الدوري الثاني للمجلس بتكوينها . وبعد نقاش  مستفيض  وتقليب أوجه  القصور  الذي شاب  التحضير  للمؤتمرات السابقة ، وضع حلولا  واتخذ اجراءات مناسبة ، وإختار  لجنة تحضيرية تتكون من 21 عضوا  أعطى فيها الأولوية للشباب والمرأة وأصحاب الإمكانات الإرترية وتم إختيار  رئيسا لها من بين عضوية المكتب التنفيذي على أن تتم توزيع بقية المكاتب بعد إقرار لوائحها الداخلية  وإقرارها من القيادتين .

كما تدارس الاجتماع المشترك اوجه القصور الذاتية والموضوعية والضبابية في الرؤي التي اعترت عمل المجلس منذ تاسيسه ، وناقش سبل علاجها وتلافي مكامن الضعف فيها والبحث عن مقومات القوة والكفاءة والفعالية للدفع بالعمل الي الامام وتسهيل التعاون مع اللجنة التحضيرية في اداء مهامها. وفي هذا الشأن اتخذت رئآسة المجلس اجراءات شملت تعديل في رئآسة المكتب  التنفيذي حيث كلفت نائب الرئيس بمهام الرئآسة وكلفت لجنة استشارية تعاونه في حل اي اشكالية محتملة.

وفي الختام اهاب الاجتماع المشترك بجماهير شعبنا في الداخل والخارج بتصعيد نضالاتهم والوقوف إلى جانب المجلس الوطني من أجل الإسراع بإسقاط النظام الشمولي وإقامة دولة العدل والقانون التي يطمح إليها شعبنا .

النصر للنضال الديموقراطي للشعب الإرتري ..

السقوط والعار للنظام الشمولي الديكتاتوري ..

الحرية لسجناء الرأي  والضمير

المجد والخلود لشهدائنا الأبرار ..

المكتب التنفيذي للمجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي

وقيادة المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي

30/07/2013

Last Updated on Wednesday, 31 July 2013 23:37
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 76 guests online