www.blina.org

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Friday, 30 August 2013 09:22

ደምዳሚ መግለጺ

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ትሕቲ ህልዊ ጽንኩር ሃገራዊ ኩነታትን ቅልጡፍ ከባብያዊ ፖሎቲካዊ ምቅይያራትን ካብ 16 ክሳብ 22 ነሓሰ 2013 ዘሎ እዋን ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብህዱእ መንፈስን ሓላፍነታዊ መንገድን ኣካይዱ ብዓወት ዛዚሙ።

ከባብያዊ ኩነታት ዝምልከት፡-

ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስታትን ቅልጡፍ ፖሎቲካዊ ለውጥታትን ንኤርትራ ብዘለዎ ቅርበት ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ መዳያቱ ዝጸልወና ምዃኑ ርእዩ። ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ንገበትን ቤተ-ሰባውን ዝኾኑ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ንምውጋድ ዝጻወትዎ ዘለዉ ተራ ገዚፍ ምዃኑ፡ ህዝቢ ብሓደ ድምጺ እንቢ ንጭቆና እወ ንደሞክራሲ ብምባል ንመሰሉ ተወዲቡ ምስ ዝቓለስ ዝኾነ ይኹን ገባቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብል ከም ዘይኽእል ዓቢ ትምህርትን ኣውንታዊ ተመክሮን ንሓፍሰሉ ዓውደ ቃልሲ ምዃኑ ገምጊሙ።

ንዝምድና ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከት፡-

ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ዘለዎ ፖሎቲካዊ ኣጠማምታ ነቕ ዘይብል ቅኑዕ መርገጽ ኮይኑ ምቕጻሉ ገምጊሙ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ድማ ህዝብና ካብቲ ወዲቕዎ ዘሎ ሓደጋ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተናጊፉ፡ ሰላምን ራህዋን ክጓናጸፍ ኣብ ጎኒ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝብና ደው ብምባል ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ንስደተኛታት ኤርትራውያንን ዓቕሙ ብዘፍቕዶ ሕውነታዊ ምትሕግጋዝ ዝገብር ዘሎ ፈታዊ ህዝብና ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ዝምድና ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኣ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጂካዊ ረብሓታትን ምክብባርን ዝተሞርኮስ ዝምድና ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ነዚ ዝምድና’ዚ ዘይመልክዑ ንምሃብን ህዝቢ  ንምድንጋርን ዘካይዶ ጻዕርታት ከንቱ ምዃኑ፡ ገለ ሓይልታት ተቓውሞ ከኣ ፈታውን ጸላእን ኣብ ምንጻር ዝጽገሙ ምስ ዝህልዉ ደጊሞም ነብሶም ክፍትሹ ኣተሓሳሰበ።

ህልዊ ሃገራዊ ኩነታት ብዝምልከት፡-

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራያዊ ለውጢ ኣብዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ክመዝን ከሎ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ብሰንኪ’ቲ ብውሽጥን ደገን ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ዝኾነ ፖሊስታትን ወፍርታትን ኩሉ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበረ- ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን መዳያቱ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ይስጉም ምህላዉ ገምጊሙ። ብውጽኢቱ ከኣ ስርዓት ህግደፍ መሽሚሹ ካብ ውሽጡ ንሕቶታት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ብገለ ኣካላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 21 ጥሪ 2013 ዝተወስደ ተበግሶ እኩል ኣብነት ምዃኑ ርእዩ። ጉጅለ ኢሳይያስ ግን ሓደ ግዜ ንመንገዲ ዕርበት ምስ ተጓዕዘ፡ ንድሕሪ ዝምለስ ስለዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ተበግሶ’ዚ ከም ልማዱ ናይ ምቅንጻል ስጉምቲ ምውሳዱ ኣረጋገጸ። ህዝብና መሰረታውን ዕለታውን ዘድልዮ ቀረብ ኣብ ዝሳኣነሉ እዋንን መነባብሮኡ ካብ ግዜ ንግዜ እናኣንቆልቆለ ከሎን፡ መራሕቲ ህግደፍ ግን ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ውሑስ ብርኪ በጺሑ ኣሎ ብምባል ዘካይድዎ ወፍርታት ኣብ ባይታ ዘይጭበጥን ላግጽን ምዃኑ ድማ ተገንዘበ። መንግስቲ ኤርትራ ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰይ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ጥራይ ከይኣኽል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዶላራት ንምእካብ ምስ ደላሎ ብምትእስሳር ኣብ ምዝውዋር ሰባትን ምሻጥ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ-ሰብን በጺሖም ምህላዎም ካብቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ተርእዮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝምልከት፡-

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ኢደ ወነናውን ዘይሕጋውን ውሳኔታት መሪሕነት ባይቶ ንገለ ጸገማት ክቓላዕ ምጽንሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። መቀጸልታ ናይቲ ክወስዶ ዝጸንሐ ጉጉይ ውሳኔታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 07/2013 ጸጊዕነት ገለ ሸነኻት ብምሓዝ ፍጹም ፍትሒ ዝጎደሎ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብድሕሪ ምቋሙ፡ ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ንኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብሃንደበት ካብ ሓላፍነቱ ብምውራዱ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንተወሳኺ ቅልውላዉ ሸኪልዎ ይርከብ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ኣዕናዊ ስጉምቲ’ዚ ዘይሕጋውን ዘይደሞክራስያውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ብድሕሪ ምርጋግጽ ኣቐዲሙ ብዕሊ ኮነኖ። ካብዚ መሰረት ብምግባር ከኣ፡-

  1. እቲ ዘይሕጋዊ ውሳኔ ብዕሊ ተሳሒቡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብህጹጽ ኣብ ንቡርን ሕጋውን ቦትኡ ክምለስ።
  2. ነቲ መሪሕነት ባይቶ ብተደጋጋሚ ክወስዶ ዝጸንሐ ጥሕሰታት ንምግታእን ምእራምን ድማ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክካየድ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ መወዳእታ ጉጉይ ውሳኔኡ ስሒቡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ንቡር ቦትኡ ክምለስን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብቀጥታ ስርሑ ክጅምርን ዘሕለፎ ውሳኔታት ሕጂ’ውን ፍጹም ኣገባብ ዝሰሓተ፡ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝጥሕስን ንደሞክራስያዊ ልምዲ ዘህስስን ምዃኑ ኣረጋገጸ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከምድላይካ ከተውርዶን ከተደይቦን ከቢድ ሕጋውን ስርዒታውን ጥሕሰት ብምዃኑ፡ ብካልእ ወገን ድማ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ቅኑዕ ፍታሕ ረኺቡ፡ ውሕስነት ዕውት ዝኾነ ሃገራዊ ጉባኤ ንምርጋግጽ ኣድላይነት ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ደጊሙ ኣረጋገጸ።

ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ዝምልከት፡-

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣብ ቃልስና መሪሕ ተራ ዝጻወትን ዝገርሕን ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ግንባር ምምስራት እዋናዊ ሕቶ ምዃኑ ተመልከተ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር /ኤደግ/ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ ቃልሲ ዝተጻወቶ ኣውንታዊ ተራ ብምዕቓብ፡ ናብ ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ግንባር ንምስግጋር ምስኡ ዝመሳሰሉ ሓይልታት ዓቱብ ዘተን ልዝባትን ንምክያድ ዘለዎ ዕዙዝነት ተገንዘበ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕማም’ዚ ንምዕዋት ከኣ ድልው ምህላዉ ኣረጋገጸ። ምስ ዝመሳስልዎ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኣብ ሓድነት ንምብጻሕ’ውን ወትሩ ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ብፍላይ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጥን ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ሰደግኤ/ን ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮኦምን ተመክሮኦምን ሓደ ብምዃኑ፡ በበይኖም ክሓድሩ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ብቁዕ ምክንያት ዘይምህላዉ ተመልከተ።

ንምንቅስቓስ መንእሰያት ዝምልከት፡-

ፈጻሚ ኣካል ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ዕንወትን ምብትታንን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምድሓን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እጃም መንእሰያት ዘይነዓቕ ምዃኑ ዝጸንሐ ድልዱል እምነቱ ኣሓደሰ። ካብዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ ንምምስራት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ብኣውንታዊ መዳዩ ጠሚቱ ምስኡ ክገብሮ ዝጸንሐ ገድላዊ ምድግጋፍ ክቕጽል ወሰነ። ኣብ ኩሉ ገድላዊ ንጥፈታቱ ብፍላይ ከኣ ጉባኤ ንምዕዋት ዘካይዶ ዘሎ ዕማም ዘይሕለል ደገፉ ክገብር ምዃኑ’ውን ኣረጋገጸ።

ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት፡-

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ብክንዲ’ዚ ዝኣኽል ኤርትራውያን ንስደት ክውሕዙ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ምክንያት መንግስቲ ህግደፍ ብዝኽተሎ ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊስታት ምዃኑ ኣረጋገጸ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዶላራት ንምእካብ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ ጨካን ግህሰታት ኣትሪሩ ኮነነ። እዚ ተርእዮ’ዚ ንሓድሽ ወለዶን ኣፍራዪ ሓይሊ መንእሰይን ዘጽንት ንመጻኢት ኤርትራ ድማ ኣዝዮ ሓደገኛ ምዃኑ ብድሕሪ ምግምጋም፡ ናይዚ ጠንቂ’ዚ እንኮ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ኣረጋገጸ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ውሽጢ መሬቱ ብዝተፈላለዩ ደላሎ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ-ሰባትን መጭወይቲ ስደተኛታትን ንምቁጽጻር ይኹን ንምክልኻል ብምክትል ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ዝምራሕ ሽማግለ ምምዛዙ ፈጻሚ ኣካል ዝተባባዕ ኣውንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ተገንዘበ። እዚ ሽማግለ’ዚ ክብደት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ ግህሰታት ብምግንዛብ፡ ንዝተሰከሞ ሓላፍነት ዕቱብ ኮይኑ ክሰርሕ ተላብዩ። ከምኡ’ውን ኩሎም መንግስታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዚ ሓደገኛ ተርእዮ’ዚ ንምውጋድ ጻዕርታቶም ከሐይሉ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ቻርተርን ውዕላትን ውሕስነት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምኽባር ምሉእ ዘይጉዱል ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ጸዊዒቱ ኣቕሪቡ።

ንውድባዊ ኩነታት ዝምልከት፡-

ፈጻሚ ኣካል ኩሉ መዳያዊ ሽድሽተ ወርሓዊ ጸብጻብ ኣብያተ ጽሕፈቱ ብድሕሪ ምድማጽ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። ዕውት መስመሪ ጉባኤ ብድሕሪ ምስልሳሉ፡ ድልዱል መሓውር ዘለዎ መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ንምህናጽ ክካየድ ዝጸንሐ ዳግመ ስርርዕ ኣውንታዊ ዝላ ምርግጋጹ መዘነ። ምስቲ ኩሉ ዝተገብረ ብርቱዕ ጻዕርታት ድማ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተርፍዎ ዕማማት ከም ዘለዉ ብምግንዛብ፡ ዕዮታቱ ብግቡእ ክውድእ ዘለዎ መድረኻዊ ህጽጹነት ተመልከተ። ንውሽጢ ኤርትራ ዝጠመተ ስርሓት ኣውንታዊ ጅማሮ ጀሚሩ ምህላዉ ብድሕሪ ምግምጋም፡ ኩሎም ኣባላት ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ’ዚ ንምድጋፍ ከምቲ ልሙድ ግቡእ ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ተወፋይነት ከርእዩን ተማሕጸነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ መጻኢ ሽድሽተ ወርሒ መደባቱ ሓንጺጹ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈቱ ኣገዳሲ ምምዕርራይ ብምክያድ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

 

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

23 ነሓሰ 2013

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 49 guests online