www.blina.org

ሓባራዊ ስምምዕ ሰለስተ ውድባት ኤርትራ 07 መስከረም 2013 PDF Print E-mail
Sunday, 15 September 2013 23:55

ኣብ መንጎ ሰለስተ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ማለት፡-

  • Ø ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
  • Ø ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ
  • Ø ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ንነዊሕ እዋን ክካየድ ዝጸንሐ ሕድሕድ ዕቱብ ክልተኣዊ ርኽባት ኣብ ቀረባ ግዜ ንስሉሳዊ ዘተን ልዝብን ክምዕብል ድሕሪ ምጽንሑ ሎሚ ብ07 መስከረም 2013 ርኽቦም ዕላዊ ክገብርዎ ወሰኑ።

ሰለስቲኡ ፖሎቲካዊ ውድባት ቅጽበታዊ ግብራዊ ስራሓት ኣብ ምጅማርን ቀስ ብቀስ ንሱ ክወልዶ ዝኽእል ሕድሕድ ምትእምማን መሰረት ብምግባር ከኣ፡ ኣብ ክብ ዝበለ ሓባራዊ ግንባራዊ መልክዕ ዝድይበሉ መስርሕ ክኽተሉ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። መሪሕነታትን ካድራትን ሰለስቲኡ ውድባት ናብ ሓባራዊ ፖሎቲካዊ ትምህርቲ ከኣትዉ ንህንጸተ-ዓቕሚ ኣባላቶም ከተኩሩ ብድሕሪ ምስምምዖም፡ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳይ ሓባራዊ መጽናዕትታትን ወፍርታትን ክገብሩ መደባት ሒዞም ምውጽኦም የፍልጡ።

ኣብዚ ቅልጡፍ ፖሎቲካዊ ምዕባሌታትን ምቅይያራትን ዝረኣየሉ ዘሎ ዞባና፡ ዘገምታዊ ጉዕዞ ምጉዓዝ ግዜ ዝብላዕን ንረብሓ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምዃኑን ዝተገንዘቡ ሰለስተኡ ውድባት ኣብ ኢዶም ዘሎ መላእ ሓይሊ ሰብን ንዋትን ንያትን ንዕቤት መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ንምድኻም’ቲ ገባቲ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍን ክውዕል ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ኣብ ስምምዕ በጽሑ። ነዚ ዓቢ ግብራዊ ዕማም’ዚ ዝመርሕ ካብ ሰለስቲኡ ፖሎቲካዊ ውድባት ዝተዋጽአ ሓደ ሓባራዊ ኮሚቴ መዚዞም ንዕኡ ዝከታተል ኣካል መዲቦም’ውን ኣለዉ።

ሰለስቲኡ ፖሎቲካዊ ውድባት ካብቲ ዝተለምደ ስምምዓት ወረቐት ወጺኦም ሓድሽ ብግብሪ ዝምራሕን ዝምዕብልን ጉዕዞ ምምራጾም ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብዚ ብነብሰ-ህንጸት ጀሚሩ፡ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምራሕ ዘኽእል መደባት ክስዕቡ ዝኽእሉ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ዝህልዉ ብምግንዛብ፡ ዝተወደአ ዓይነት ውደባ ሒዝና ምቕራብ ንካልኦት ማዕጾ ዝዓጹ ክኸውን ስለ ዘይግባእ ጥራይ’ዩ። ካብዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሎም ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ክሰጋገሩ ሰናይ ድሌትን ድልውነትን ዘለዎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለዉጢ ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዳይናሚካዊ ሰውራዊ ጉዕዞ ብእዋኑ ክጽንበሩ ገድላዊ ጻውዒትና ነቕርብ።

ዓወት ንደላይ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ        (ደውዓቀባ)

ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሳሆ ኤርትራ  (ደምሳኤ)

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ       (ኤስደለ)

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 17 guests online