www.blina.org

ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ዓፋር ባሕሪን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራን PDF Print E-mail
Thursday, 19 September 2013 21:07

ላዕሎዎት ኣመራርሓ ክልቲኡ መሓዙት ማለት ውድባት ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ዓፋር ባሕሪ (ደወዓቀ)ን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)ን ኣብ ተሞኩሮ ክልቲኡ ውድባት ሓድሽን ዝምድናኦም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምስግጋር ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ ዕዉት ኣኼባ ብ05 መስከረም 2013 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም፡፡

እምነ መሰረት ዝምድና ክልቲኡ መሓዙት ውድባት፡ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ብሄራት ኤርትራ ዘብጾሖ ዘሎ መሪር ብሄራዊ ጭቆና ምውጋድን ኣብ ነጻን ደሞክራስያዊት ዝኾነት ኤርትራ፡ መሰል ርእሰ ወሳኔ ክልቲኡ ውጹዓት ብሄራት ንምርግጋጽ ዝቃለሳ ናይ ብሄር ውድባት ካብ ምዃነን ብተወሳኺ፤ ህዝብታት ሳሆን ዓፋርን ባህላዊ፡ ጆግራፊካዊ፡ ቁባውን ታርኻዊ ምትእስሳር ዘለዎም ስለ ዝኾኑ፤ ናይ ክልቲኡ ውጹዓት ህዝብታት ብሄራዊ ውድባት ንናይ ህዝብታት ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታት ንምርግጋጽ ድልዱል ምሕዝነት ብምፍጣር፡ ውጹዓት ብሄራት ኤርትራ ኣተሓባብሮም ንምቅላስ ዝተኣማምን ባይታ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ምውጻእ ኢዩ፡፡ ብደረጃ ኣቦ ወንበራት፡ ም/ ኣቦ ወንበራት፡ ሓለፍቲ ወጻኢ ዝምድናታትን ካልኦት ላዕሎዎት ኣመራርሓ ክልቲኡ ውድባት ኣብ ዝካየድዎ ሓባራዊ ኣኼባ፤ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ኩነታት ደምበተቓውሞን ህልው ኩነታት ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ዓፋር ባሕሪ (ደወዓቀ)ን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)ን ዝምድና ክልቲኡ ውድባት ንምድልዳል ክግበር ብዛዕባ ዘሎዎ ጻዕሪ ኣመልኪቶም ሰፍሕን ጉሉጽን ዘተ ኣካይዶም፡፡

ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ዘውሪዶ ዘሎ ዘስካኪሕ ብሄራዊ ጭቆና ክሳብ ዓሌታት ኣብ ምጽናት ደረጃ በጺሑን ብኩሉ መዳያዊ ወጽዓታት ህዝብታት ኣብ ምብራስን ሃገር ንሓደጋ ምብታን ኣንጸላልዋ ከምዝርከብን፡ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ኣብ ናይ ጥፋኣት ደንደስ ዝርከብ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ወጊዶም ኣብ መቓቢሩ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሰርዓት ናይ ምትካል ሓላፍነት ዘለዉ ውድባት ኤርትራ፡ ጉጅላውን ውልቃውን ረብሓታት ቅድሚ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓታት ዝቀድሙን ካልኣዊ ፍልልያቶም ብደሞክራስያዊ መንገዲ ኣመሓድሮም ናይ መደባቶም ቀዳምነታት ብዝግባእ ሰሪዖም ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ምክያድ ብቕዓት ዘይወነኑ ምዃኖም ሓበራዊ ኣኼባ ላዕሎዎት ኣመራርሓ ክልቲኡ ውድባት ተመልኪቱ፡፡

ዕሎዎት ኣመራርሓ ክልቲኡ ውድባት፡ ምሕዝነት ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ማለት ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ዓፋር ባሕሪ (ደወዓቀ)ን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)ን ብመንጸር ታርኻዊ ምትእስሳር ህዝብታት ሳሆን ዓፋርን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ብሄራት ዝወርድ ዘሎ መሪር ጭቆና ወጊድካ ንህላወን ቀጻልነትን ውጽዓት ብሄራት ናይ ምርግጋጽ ጉዳይ ዘለዎ ህጹጽነት ክረእ ከሎ፡ ብሰንኪ ባዕላዊ ምክንያታት ኣዚዩ ዘገምታዊ ምንባሩ ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ብርሰት ንምድሓንን መሰል ርእሰ ውሳኔ ጭቁናት ብሄራት ንምርግጋጽን ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮኦምን ተሞኩሮ ደምበተቓውሞን እኹል ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ሃንቆውታ ጭቁናት ሓፋሽ ኣብ ምምላስን ህላወን ቀጻልነትን ብሄራትና ኣብ ምርግጋጽን ኢጃሞም ከብርክቱ ከምዝግባእ ተረዳድኦም፡፡

ካብዚ ሓባራዊ ገምጋም ብምብጋስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ደፕሎማስያውን ማሕበራውን መዳያት ተሓባብሮም ከቃለሱ ተሰማምዖም፡፡ ብተወሳኺ ናይ ሓጽር እዋን ሓባራዊ መደባት ብምስራዕ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ዘለዎ ሓይሊ ዕማም ድማ ኣቑሞም፡፡ ኣብ መውዳእታ፡ ኣብ ክሊዚ ሓባራዊ ገምጋም ምስ ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ዓፋር ባሕሪ (ደወዓቀ)ን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)ን ሓብሮም ክቃለሱን ክዛተዩን ንዝደለዩ ካልኦት መሓዙት ውድባት ናይ ዘተን ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዝተመስረተ ሓባራዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣፍደገ ክፉት ንክኸውን ምርድዳእ ተበጺሑ፡፡

ኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ

06 መስከረም 2013

 

Last Updated on Thursday, 19 September 2013 21:09
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 112 guests online