www.blina.org

መበል ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ዲዖት ብ29 መስከረም 2013 ብውድብ ደረጃ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብኽብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ተዘኪሩ ወዒሉ፡፡ዜና ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ) PDF Print E-mail
Tuesday, 01 October 2013 10:18

መበል ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ዲዖት ብ29 መስከረም 2013 ብውድብ ደረጃ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብኽብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ተዘኪሩ ወዒሉ፡፡

ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ዘኣወጆ ብሄር ናይ ምጽናት ስትራተጂ፡ ንምትግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ እዚ ዘይበሃል ዓቐኑ ዘሓለፎ ጨፍጨፋን ጭቆና ካብ ዘውሪዶ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ህላወኡን ቀጻልነቱን ንምውሓስ ኣብ ከቢድ ናይ ርእሰ ምክልኻል ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ፡፡ በዚ ምኽንያት ኣብ መንጎ ህዝቢ ብሄረ ሳሆን ገባቲ ሰርዓት ህግደፍን ዘይዕረቕ ግርጭት ካብ ዝውላዕ  ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ከምዝሓለፈ ዝፍለጥ ኢዩ፡፡ ዘዓበየ መግለጺ ናይዚ ግርጭትን  ንኣንጻር ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ዘካይዶ ዘሎ መሪር ቃልሲ ናብ ዘለዓለ ደረጃ ዘሰጋገረን፤ ምስ ምጭዋይ መራሕቲ ሃይማኖታትን ዓበይቲ ዓዲን ብሄረ ሳሆ፡ ጉዱድ ዕስክሪና ደቂ ኣነስትዮ፡ ብስም ሰፈራ ዝግበር ኣስጋዳድ ምዝንባል ህዝቢ ብሄረ ሳሆ፡ ከም`ውን ምግሃስ ባህላዊ ክብርታትን ምኽሓድ ብሄራዊ መንነትን ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ተኣሳሲሩ፤ ዓመት መምላእታ ኣብ መንጎ ሰርዓት ህግደፍን ኣብ ዲዖትን ከባቢኡን ዝነብር ህዝቢ ብሄረ ሳሆን ዝተወለዐ ግጭት ብ29 መስከረም 2009 ብመስዋእቲ ብርኪት ዝበሉ ጀጋኑ ብምዚዛሙ፡ ኣብ ህዝቢ ሳሆን መሪሕ ውድብ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራን ብዝፈጠሮ ቁጠዐ ኣብ መሪር ቃልሲ ምርካቦም ጥራይ ዘይኮነስ፡ 29 መስከረም መዓልቲ ሰማእታት ዲዖት ተባሂላ ክትዝከር ብምውሳን ሎሚ ዘበን`ውን “ንብዓት ውጹዓት ንምንቓጽ ከይተሓለልና ከነቃለስ ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብክብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ይዝከር ኣሎ፡፡

ኣወሃህዲት ሽማግለ ስላ ዝገበረቶ ጻዕሪ ብውድብ ደረጃ ኣብ ቅድሚ ግንባር ምስ ምዑታት ተጋደልቲ ደምሳኤ፡ ኣቦ ወንበርን ካልኦት ላዕሎዎት ኣመራርሓ ደምሳኤ፡ ወከልቲ መሓዙት ውድባት ኤርትራን ካልኦት ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ፡ ብ29 መስከረም 2013 ብኽብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ተዘክሩ ወዒሉ፡፡ ኣቦ ወንበር ደምሳኤ ተጋ/ ሳዓድ ካማል ኣብ መኽፈቲ ሰነ ሰርዓት መበል ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ዲዖት ኣብ ዝመሓላለፎ ውድባዊ መልእኽቲ፡ ብረታዊ ናጻነታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንዮ’ቲ ሃገራዊ ናጻነት ንምርግጋጽ ዝብል ሓፈሻዊ ዕላማ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተሰረተ ብስለት ዝመልኦ ብቑዕ መሪሕ ደሞክራስያዊ  ውድብ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፡ ንህዝቢታት ኤርትራ ናብ ዳግማይ መግዛእቲ’ዩ ሸሚምዎ። ህዝቢ ብሄረ-ሳሆ ድማ ከም ኣካል ኣምሳል ህዝብታት ኤርትራ መጠን ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ከይተዓወተ ተኾሊፉ ምትራፉ ከይኣክል በቲ እምቢ ንመግዛእቲ ዝመለለይኡ ሓርበኛዊ ታሪኹ ኣብ ዓይኒ ጸረ-ህዝቢ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ህግደፍ ስለዝኣተወ ዳግም ዘይተጸበዮ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ተገዲዱ ኣሎ።” ድሕሪ ምባል “ጀጋኑ ሰማእታት ዲዖት ዓመት መጸ ክንዝክር ከለና፡ ሓዘና ንምግላጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሶም ዝተሰውኡሉ ህዝባዊ ዕላማ መፈጸምተኡ ንምብጻሕ ጎዕዞ ቃልስና ገምጊምና፡ ከምቲ ትማሊ ኣቦታትናን ኣያታትናን ንሕን ሓቦን ሰንቖም ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ሰጊሮም፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ከይተንበርከኹ፡ መሰላቶምን ዕላማኦም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይውድቑ፡ ዘረከቡና ዘሕብንን ዘኾርዕን ታርኽ ዓቒብና፡ ብናይ ትምክሕተኛታትን ኣድሓርሓርቲ ተጻብኦታትን ብድሆታት ከይተስናበድናን  ተስፋ ከይቆረጽናን ካሕሳ ሰማእታት ዲዖት ዝኾነ፡ ህላወን ቀጻልነትን ህዝቢና ንምርግጋጽ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣዚዩ ዝተወሃህደን ዝሰጠመን ቃልሲ ከንካይድ ይግባእ፡፡” ክብል  ገድላዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡

ኣብቲ ኣጋጣሚ ናይ ውድባቶም መልእኽቲ ደገፍ ዘመሓላለፉ መሓዙት ውድባት ኤርትራ፡ (ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስዊ ለውጢ ኤስደለ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእስያት ንድሕነት ሃገር ስመኤድሃ) ኣብ ዲዖትን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ዝነብር ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ብሰርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ሂልቅት ይኹን ንመስዋእቲ ጀጋኑ ስዉኣት ዲዖት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ጎኒ መሓዛ ውድብ ደምሳኤ ብምስላፍ ጀጋኑ ሰማእታት ዲዖት ዝተሰውኡሉ ዕላማ መፈጸምቲኡ ንምብጻሕ ከይተሓለሉ ከምዝቃለሱ ኣረጋጊጾም፡፡

ኣባላት ደምሳኤ ዞባ ኢትዮጵያ ብምውካል ሸኽ ኢብራሂም ኢድሪስ መልእኽቲ ጽንዓት ከመሓላለፍ ከሎ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ፡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ደምሳኤ ብምውካል ዕላማ ጀጋኑ ሰማእታት ዲዖት ንምዕዋት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብንሕን ሓቦን ንምቅላስ ዘለዎም ቅሩቢነት ኣረጋጊጹ፡፡

ጉጅለ ባህሊ ደምሳኤ፡ ሓርበኝነትን ናይ ዘይምንብርካኽ ባህሊ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ፡ ጅግንነታዊ መስዋእቲ ሓርበኛታት ጃምላዊ ህልቅት ዲዖት፡ ህዝቢ ሳሆን መሪሕ ውድቡ ደምሳኤን ዝኸፍሉዎ ዘሎው ኩሉ መዳያዊ መስዋእትን ዝንጸባረቑ ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባዊ ፍሪያት ብምቕራብ፡ መበል ሓምሻይ ዓመት ዝኸሪ ሰማእታት ዲዖት ኣድሚቐቶ ወዒላ፡፡

መበል ሓምሻይ ዓመት ዝኸሪ ሰማእታት ዲዖት 29 መስከረም ብተመሳሳሊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብኽብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ተዘኪሩ ወዒሉ፡፡

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ደምሳኤ

29 መስከረም 2013

 

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 52 guests online