www.blina.org

ሓፈሻዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት PDF Print E-mail
Sunday, 10 November 2013 17:40

ዘሰንብድ ፍጻሜ 03 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግም ባሕሪ ጣልያን፡ ሂወት 369 ዝቐዘፈት ደሴት ላምፓዱሳ፡ እዚ ሓደጋ’ዚ ምስ ኣጋጠመ መብዛሕትኡ ክፋላት ዓለምና ተናዊጹ እዩ፡፡ ብፍላይ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ፡፡

እዚ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ኩሉ ኤርትራዊ ካብታ ጸላም መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ሓዘን ይርከብ፡፡ ንግዳያት ናይታ ጸላም መዓልቲ ሎሚ ኣርሒቖም ዝገሹ ተመሊሶም ክንረኽቦም ዘይንኽእል ብሉጻት ኤርትራውያን ዜጋታትና መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፡፡ እግዚኣብሔር ድማ ቤቱ ኣርሕዪ ይቀበሎም፡፡ ንግዳያት ቤተሰብን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ጽንዓት ይሃበና፡፡ በዛ ጸላም መዓልቲ ዘይሓዘነ ኤርትራዊ ኮነ መሓዛ ኤርትራዊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡፡ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ንግዳያት ጸላም መዓልቲ ዝኾኑ ንምዝካር ሓዘኑ ብሽምዓ ምብራህን ብሰለማዊ ሰልፍን ኣብ መላእ ዓለም ኣካይዱን: ኣብ ምክያድን ይርከብ፡፡

ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ንግዳያት ጸላም መዓልቲ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ዝኽሪ ሽምዓን ካልእን፡ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን የሕዋት ስደተኛታት ኣብ ማይ-ዓይኒ ካብ ዝርከቡ ብዕለት 05 ጥቅምቲ 2013 ናይ ምሸት፡ ንግዳያት ባሕሪ ንምዝካር ናይ ሽምዓ ምብራህ ዝኽሪ ኣካይዶም፡፡ ድሕሪቲ ናይ ሽምዓ ምብራህ ፕሮግራም ግን፡ ብውሑዳት ስደተኛታት ት’ኩነታት ኣንፈቱ ሲሑቱ ብዘይሕጋውን ዘይስነምግባራውን ሓላፍነት ናብ ናዕቢ ተቐይሩ፡፡ ንጽባሒቱ 06 ጥቅምቲ 2013’ውን ህዝቢ ማለት ነባሪ ስደተኛ ዘይመረጾም ውሑዳት ሰባት፡ ንጸገማት ስደተኛ መዝሚዞም ብምድንጋር 26 ነጥብታት ዝሓዘ ጭርሖታት ናብ ስደተኛ ኣቕሪቦም፡፡ ዝበዝሕ ስደተኛ’ውን በዚ ዘቕረብዎ ነጥብታት ተደናጊሩ ስዒብዎም፡፡ በቶም ውሑዳት ናይ ናዕቢ ተወሳእቲ ድማ: እቲ ኩነታት ንጽባሒቱ ናብ ዓዲ-ሓሩሽ መዓስከር ስደተኛታት ሊሑሙ፡ ብረት ከሕድግ ዝፈተነ ወዲ 26 ዓመት ዝኾነ ኣባል ሚ/ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ፡ ሂወት ሓደ ስደተኛ ድማ ጠፊኡ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት 6 ስደተኛታት’ውን ቆሲሎም እዮም፡፡ እቶም ዝቆሰሉ ስደተኛታት ኣብዚ ሰዓት ግቡእ ሕክምና ተጌርሎም ናብ መዓስከሮም ተመሊሶም ይርከቡ፡፡ ናይ’ዚ ኩሉ እንኮ ተሓተትቲ ድማ እቶም ውሑዳት ጠጃእቲ ናይ’ቲ ኣካየድቲ ናዕቢ እዮም፡፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ናይቶም ውሑዳት ሰባት ግን ንዝምልከቶ ኣካል ገዲፈ ናብ ቀንዲ ጽሑፈይ ክኣቱ፡፡

መጀመርያ እዚ ጽሑፍ ኣብ ሰዓቱ ክቐርብ ምንባሩ እንዳኣመንኩ፡ ኣብ ግዚኡ ብዘይምቕራበይ ይቕረታ ይሓትት፡፡ ምኽንያት ዘይመቕረቢየይ ድማ ኣፈናዊ ካብ ምጽሓፍ፡ ዝተማልአ ሓበሬታ ሒዝካ ምጽሓፍ እምነትይ ስለዝኾነ ኸኣ’የ ክሳብ ሎሚ ዕለት ዘይመጽሓፊየይ፡፡

ብቐዳምነት ኩልና ከም እንፈልጦ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ፡ ካብን ናብን ብነጻ ናይ ምንቕስቃስ መሰልን፡ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር መሰልን ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት እዩ፡፡ ዝደለኻዮ ክትገብር እንተኾይንካ ግን ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍቓድ ክትረክብ ግድነት እዩ፡፡ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ኢትዮጵያ እንርከብ ናይ ኤርትራ ስደተኛታት ኩሉ እቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ምንቕስቃሳትን ሰለማዊ ሰልፍን፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈቕዶ መሰረት ብስነ-ስርዓትን ብግቡእን ፍቓድ እንዳሓተትና ኢና ክንነጥፍ ጸኒሕናን ኣሎናን፡፡ ኣብ’ዚ ናይ 05 ጥቅምቲ 2013 ግን ኣይግድን፡ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታ’ውን ኣካይዳ እዩ ነይሩ፡፡

እዛ ዘለናያ ሃገር መሬት ዋናታታ ኢትዮጵያውያን እዮም፡፡ ዜጋታት ደቂ-ሃገር’ውን ዘይሕጋዊ ናዕብታት ምስ ዘካይዱ፡ መንግስቲ ንሰለማውያን ዜጋታቱን ናይ ሃገሩ ጸጥታን ንምሕላው ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፡፡ ከም መርኣያ ድማ ኣብ 2006ዓ.ም ብቅንጅት ዝተኻየደን ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2013’ውን ብእስላማዊ ኣኽረርቲ ምንቅስቓስ ዝተባረዐ ናዕቢ ሂወት ሰብ ጠፊኡ እዩ፡፡ ናይዚ ኩሉ እንኮ ተሓተትቲ ድማ ጠጃእቲ/ኣካየድቲ ናይቲ ናዕቢ እዮም፡፡ እዚ ሓቂ’ዚ ኣባና ኣብ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምስ በጽሐ፡ ዝኾነ ካልእ መልክዕ ክሕዝ ቅቡል ኣይኮነን፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ንሕግታት ናይቲ የዕቚቡና ዘሎ ሃገር ኣኽቢርናን ብኡ ተገዚእና’ምበር፡ ንዑኡ ክንዘርግን ከነፍርስ ተቀባልነት የብሉን፡፡ ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ናይታ ዝነብረላ ሃገር ሕጊ እናኣኽበረ ኣይኮነን’ዶ ዝነብር? ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝኸውን’ውን ዝመጾ ሳዕቤናት ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን መዓስከር ስደተኛታት ካብ 2002 ብወግዒ ካብ ዝኽፈት ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ዕለት 11 ዓመት ኣትሒዙ ይርከብ፡፡ ኣብዚ ውሽጢ 11 ዓመት ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ተኸሲቱ ኣይፈልጥን፡ ንምንታይ ደኣ ኣብዚ ሰዓት እሞ’ኸኣ ኣብ ግዜ ጸላም መዓልቲ እዚ ነገር ተኸሲቱ? እዚ ሕቶ ኹልና ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ብልቦናን ብቅንዕናን ክንምርምሮ ይግበኣና፡፡

እቲ ዝነበረ ናይ ውሑዳት ስደተኛታት ዕላማ፡ ሎሚ ኩሉ ስደተኛ ተረዲእዎ ኩለን መዓስከራት ስደተኛታት፡ ማለት ስደተኛታት ሽመልባ፡ ማይ-ዓይኒ፡ ዓዲ-ሓሩሽ ከምኡ’ውን ስደተኛታት ህጻጽ ካምፕ፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ነቲ ዝነበረ ናዕቢ ከምዝወገዝኦን ከምዘይውክለን ብ28 ጥቅምቲ 2013 ብመንገዲ ሰለማዊ ሰልፊ ገሊጸን እየን፡፡ ኩለን መዓስከራት ድማ መግለጺኤን ኣውጺኤን ተዘርጊሑ ድማ ይርከብ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንኩነታት ስደተኛታት ብምርዳእ፡ እቲ ዝነበረ ናዕቢ ንኹሉ ስደተኛ ከምዘይውክልን ብምእማን፡ ነቶም ናዕቢ ዘካየዱ ድማ ኩነታቶም ንምፍላጥን፡ ኣብ ልዕሊቲ ስደተኛ በደል ንዝፈጸሙን ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ምርመራ ይርከብ፡፡

እዚ ክስተት ናዕቢ እዩ ዘበለኒ ምኽንያት ነጥቢ ብነጥቢ ንምዝርዛር;-

1- ሕጋዊ ዝኾነ ፍቓድ የብሉን፡፡

2- ኣብ ንብረትን ሰብን ዕንወትን ሃስያ ዝተኸተለ ምኑ፡፡

3- መስመር መራኸቢ ክልል ትግራይን ክልል ኣማራን ዘራኽብ ጽርግያ ሙሉእ ብሙሉ ስለዝዓጸውዎ፡፡

4- ናይ’ቲ ከባቢ ሕብረተ-ሰብ ዝኾኑ ተመሃሮ ቆልዑ ብምቕጥቃጥ፡፡ ንነባሪ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ራዕድን ፍርሕን ምእታው፡፡

5- ኣብ ዘይምልከተካ ውሳኔታት ምሕላፍ፡፡

6- ካብቲ ዘቕረብዎ 26 ነጥብታት፡ ሕማቕ ጸርፊ ብምጽራፍ፡፡ እታ ነጥቢ ድማ (ንሕና ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕጡቕ ከም ፍታን ኮፍ ኢሉ ከመሓዳድረና ኣይንደልን!) ፍታን እንታይ ማለት እዩ?

7- ክልተ ኣውዲቕና ንእቶ?

እዝን ካልእን ዘካተተ ሰልፊ ሕጋዊ ሰልፊ ኮይኑ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክፈልጠልካ ምሕሳብ፡ ትርጉም ዘይብሉን ዘይሕሰብን እዩ፡፡ ንዝነበረ ኩነታት ሓቂ ከይፈለጥካ፡ ጫፍ ሒዝካ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓንን ሚድያታትን ክትጽሕፍን ክትዛረብን ግን ዓገብ፡፡ ብፍላይ ግን ካብቲ ዘሕዝን ነዚ ነገር ዘዋዕውዑን ቤላ-ቤሌው ዝብሉ ዝነበሩን ዘለውን እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ ምኖም እዩ፡፡ ንረብሓታትካ ክትብል ውጹዕ ኣበር ዘይብሉ ስደተኛ ግዳያት ምግባር ግን ተቐባልነት የብሉን፡፡ ንሕና ባዕልና ብዝፈጠርናዮ ንምንታይ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ በዚ ጉዳይ ዝሕመዩን ዝዋረዱን፡፡

ናይዚ ዘጋጠመ ናይ ውሑዳት ስደተኛታት ህውከትን ዕግርግርን መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ መልሱ ተዘርጊሑ ይርከብ፡፡

መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓት/ኢህወደግን ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዘለዎም ኣረኣእያ ንጹርን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦን ይመስለኒ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብሰበብ ባድመ፡ ባድመ ዘንቀሎ ጽሉል ናት ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ የሕዋት ህዝብታት ዝፈሰሰ ደም ከይነቐጸ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝፈረመቶ ውዕል መሰረት ካብ 2002 ዓ.ም ኣትሒዛ፡ ድኻ ሃገር ከንሳ ምስ ዘለዋ ዓቕሚ 6 መዓስከራት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከፊታ ትርከብ፡፡ ሰናይ ግብርታትን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ካብ ጽቡቕ ኣተሓሕዛን ተግባራትን ዝተወሰነ ንምጥቓስ፡-

1- ስደተኛ ካብን ናብን ምንቕስቃስ፡ ወረቐት መንቐሳቀሲ ምፍቓድ፡ ምስ ዝነበረ ኩነታት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሸለል ብምባል፡፡

2- ስደተኛ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመረጾ ከተማ ምስ ቀረባ ቤተሰብን ናይ ርሑቕ ቤተሰብን ምንባር ምፍቃድ፡፡

3- ናይ ትምህርቲ ዕድላት ካብ 1ይ ደረጃ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ዪኒቨርስቲ ደረጃ ብናጻ ምፍቃድ፡፡

4- ብግሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ብስፖንሰር፡ ብቤተሰብ ጥርናፈ፡ ብመርዓ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ካልእን ካብ ኢትዮጵያ ንዝወጹ ሙሉእ ድጋፍ ወረቐትን ነጻ ናይ ቪዛን ናይ መዓዓዚ ሰነድ ክረኽቡ ምግባር፡፡

5- ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ሓጸርቲ ናይ ሞያ ኮርሳት ምሃብ፡፡

6- ካብ ግብጺ ተመለስቲ፡ ናብ ሃገሩ ክኣትው ምፍቃድ ምስ ሙሉእ ምትሕብባርን ሕክምናን፡ ካብ እስርቤታት ግብጺ ጀሚርካ ክሳብ መዓስከር ስደተኛታት ዝኣትዉ፡፡

7- ካብ ዝኾነት ሃገር ዕቑባ ንዝሓትት ኤርትራዊ፡ ተቐቢልካ ዕቑባ ምሃብ ምስ ሙሉእ ምትሕብባር፡፡

8- ብሪሰትልመንት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስግጋር ሙሉእ ጻዕርታት ምግባር፡ ከም ውጽኢቱ ድማ መዓስከር ሽመልባ…...ወዘተ፡፡ እዝን ካልእን እዩ፡፡

ብዘይካ’ዚ ዝተወሰነ ነጥብታት ዝጠቐስኩልኩም፡ መነባብሮ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከቢድ ስለዝኾነ፡ ቀሊል ቁጽሪ ክበሃል ዘይከኣል ስደተኛ፡ ብዘይ-ሕጋዊ መንገዲ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘይፍቓድ ወጺኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ገዛ ተኻርዮም ይነብሩ ኣለው፡፡ ጸገማትና ኣብ ግምት ብምእታው ሸለል ኢሎሞም ይርከቡ፡፡ ናይ ስራሕ ዓቕሚ ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ኩለን ካምፕታት ዝካየድ ናይ ንግዲ ንጥፈታት፡ ኩሉ ትካላት ሕጋዊ ዝኾነ ፍቓድ የብሉን፡፡ ንዓመታት ድማ ብዘይ ናይ ንግዲ ፍቓድን፡ ካብ ግብሪ ምኽፋልን ካልእን ብናጻ ንግዳዊ ንጥፈታቶም የካይዱ ኣለው፡፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ስራሕ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለው ስደተኛታት ሕጋዊ ዝኾነ ናይ ስራሕ ፍቓድ የብሎምን፡፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዘሕይጋዊ መገዲ ፓስፖርት ናይ ኢትዮጵያ ምስ ዘውጽእ ወይ ከውጽእ ምስ ዝተሓዝ፡ ናብ መዓስከሩ እዩ ዝምለስ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድል ምስ ዝረክብ: ይቕሬታ ይግበረሉ’ምበር ኣይፍረድን፡፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ብዝወሓደ 2 ዓመት ይፍረድ፡፡ እዚ ሓለፋታት’ዚ መን ይህበካ፡፡

ስለ’ዚ ኣብ ምምሕዳርን ኣብ ጉዕዞ ምንባርን ጌጋ መናብርቲ ወዲ ሰብ እዩ፡፡ ንዝኣመንካሉ ጌጋ ግን ብናዕብን ብዘይስነምግራውን ብዘይሓላፍነታውን መገዲ ክትሓትት ሕጊ ናይ ዝኾነት ሃገር ዝፈቅድ ኣይኮነን፡፡ ኣበይ ምስከደና ባህልናን ልምድናን፡፡

ከምዝፍለጥ ንሓደ ሰለማዊ ሰልፊ ሕጋውን ዘይሕጋውን ከብሎ ዝኽእል፡-

1- ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ፍቃድ ረኺብካ ባንደራን ጭርሖታትን ኣልዒልካ ጽሑፋትካ ብምቕራብ፡ ፍትሒ ክትረክብ ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ይበሃል፡፡ ከም ሽሙ ድማ እዩ፡፡ መልሱ ኸኣ ተሰማዕነት ትረክብ፡፡

2- ሰለማዊ ሰልፊ፡ ስራሕ ደው ኣቢልካ ሰልፊ ምክያድ፡ ዝብላዕን ዝስተን ምሕሳም……ወዘተ:: እዝን ካልእን፡ ፍትሒ ደሊኻ ነብስኻ ብምህሳይ ዝካየድ ናይ ሰለማዊ ሰልፊ ዓይነት እዩ፡፡ መልሱ ኸኣ ፍታሕ ትረክብ፡፡

3- እቲ ዝኸፍአን ሓደጋታትን ዘለዎን ድማ ናዕቢ ይበሃል፡፡ ናዕቢ እምኒ ትድርቢ፡ ንብረት ተዕኑ፡ ንብረት ተቓጽል፡ ኣብ ሰብ ጉድኣት ተውርድ፡…..ወዘተ፡፡ ኩሉ ግዜ ባህሪ ናይ ናዕቢ ዓመጽን ጎነጽን እዩ፡፡ ንማንም ሰብ ኣብታ ዘለዋ ሃገር፡ ዜጋ ይኹን ወዲ ኻልእ ሃገር ዜጋ ይኹን ናዕቢ ምስ ዘካይድ ግብረ መልሱ ሓደገኛ እዩ፡፡

ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ማለት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሩሽን፡ ካብቶም ናዕቢ ዘለዓዓሉን፡ ኣብ ንብረትን ሰብን ጉድኣት ዘውረዱን ውሽጢ፡ ቑጽሪ ዝተኣሰሩ ጠቕላላ 122 ክኸውን ከሎ፡ እቶም 85 ስደተኛታት ብዝገበርዎ ንህዝብን መንግስት ኢትዮጵያ ይቕሬታ ሓቲቶም ተፈቲሖም ናብ መዓስከሮም ተመሊሶም እዮም፡፡ እቶም ዝተረፉ 37 ስደተኛታት ጉዳዮም ብቤት-ፍርዲ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ምርኣይ ይርከብ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኩሉና ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለም እንርከብን ውጹዓት ስደተኛታትን ደለይቲ ፍትሕን እቲ ንሓቶ ሕቶ ወይ ነካይዶ ምንቅስቓስ ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ እቲ ኣብ ልዕሌና ማለት ንኤርትራውያ ስደተኛታት ዝገብርዎ ሓልዮትን ምትሕግጋዝን ካብ ዝሓለፈ እዋናት ንላዕሊ ክቕጽልዎ ይላቦ፡፡

የቐንየለይ

ዳንኤል ዮውሃንስ

10 ሕዳር 2013

ኣዲስ ኣበባ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 44 guests online