www.blina.org

ብምኽንያት ዝኽሪ ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ዓድታት ዖናን በስክዲራን ውድባዊ መግለጺ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ። PDF Print E-mail
Friday, 22 November 2013 11:58

“ኤርትራ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ንጉስ ሃይለስላሴ ዝሓንጸጾን ብተግባር ዝሰርሓሉን ፖሊሲ፡ ሕጂ ርእሰ ፍሽስቲ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ተሓላቂ ሃገር እናመሰለ ንህዝብታት ኤርትራን ክብርታቱን ይድምስስ ከም ዘሎ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ህይወት 357 ዜጋታትና ብጅምላ ዝቐዘፈ ዘሕዝን ሓደጋ ባሕሪ፣ ነቲ ሕልናኡ ዝሸጠ እኳ በሪህሉ። ነዚ ሓይሊ እዚ ቀልጢፍና እንተዘይኣለና ግን ተረፍመረፍ ናይ ኣምባሮጦርያን ማሕበር ኣንድነትን፡ ደሚሕትን ኣኻኺቡ ክሓድገና ኣይኮነን። እንበኣር ህዝብና ካብ ኩሉ መድረኽ ታሪኹ ሎሚ ከፊእዎ ከም ዘሎ ከይስመርናሉ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ዝሓለፈን ሕጂ ዝግበር ዘሎን ስቃያን ሞትን እኳ ይኹን እንበር ንመሰልን ንፍትሕን'ዩ። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ከኣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክምዝግቦን ክስንዶን ክዝክሮን ይግባእ። እዚ ኣዋርሕ እዚ ቅድሚ 43 ዓመት ኣቢሉ፣ ኣብ ክልተ ሰላማዊ ዓድታት ብኽያትን ኣውያትን ስቓይን ሞትን ምዝካርና ንኹሎም ሰማእታትና ዝኽሪ'ውን'ዩ።

 

 

መሬት ህዝቢ ብሄረ ብሌን፣ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓን ኣብ መሬት ኤርትራ ከኣ ከበሳን መታሕትን ዘመሓላልፉ ካሳዳዊ (እስትራተጂካዊ) ቦታን ሃብታም ብሕርሻን ብጥሪትን'ዩ። ቅድመ መግዝእቲ ኤውሮጳውያን ካብ ርሑቅን ቀረባን ነዚ ብቦጎስ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣገዳስን ሃብታምን መሬት ንምቅጻጻር፡ ንህዝቢ ብሌን ብወራራት ኣሳቕዮሞ'ዮም። ከም ኣብነታት ዝዝከሩ በሰላ ዝሓድጉ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎረባብትና ከበሳን መታሕትን መሳፍንቲ ናይ ቱርኪ ኣውቶማን፣ ምስራውያን ንፍለግ ኒል(ኣባይ) ካብ ምንጩ ንምቅጽጻር፣ ክብሉ ህዝቢ ብሌን ሓንቲ ለይቲ ብሰላም ደቂሱ ኣይሓደረን። ህዝቢ ብሌን ሳላ እስትራተጂካዊ ቦታታቱን ሓድነቱን ኣላሽ ከይበለ ክሳብ ምጽናት ዝደናደን ኵናት እናገበረ ንመሬቱን ንመሰሉን ዝተቓለሰ ተባዕን ተዋጋኣይን ምስጢራውን ህዝቢ እዩ።

 

 

ህዝቢ ብሌን ድሕሪ ጣልያን ንምልእታ ኤርትራ ጎቢጡ መግዛእቱ ምስ ኣወጀ ነቲ ልሙዕ መሬቱ ደምነያለ ኣዊጁ ስለ ዝበሓቶ ካብ ሃብታም መሬቱ ኣብ ጎቦታት ተጸጊዑ ክነብርን ክምክምትን ካብ ቃልሲ ኣየዕረፈን። እንግሊዝ'ውን ክኣቱ እንከሎ ኣብ መሬት ብሌን ንሽድሽተ ወርሒ ኣብ ክሳድ ጥንቑልሓስ ዓሪዱ ንዝነበረ ጣልያን ኵናት ክገጥም ከሎ ንህዝብን ንብረትን ንጥሪትን ብሌን ብቁጽርን ብዓይነትን ኣንቆልቁልዎ'ዩ። ድሕሪ ኤርትራ ብሃጸይ ኢትዮጵያ ሙጉባጣ እንቢ ንመግዛእቲ ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቓልሲ ክጅምር ከሎ ሕመረት ቃልሱ ህዝቢ ብሌንን ከተማ ከረንን ስለ ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ወተሃደርን በዓል ስልጣንን ኢትዮጵያ ህዝቢ ብሌን ከም ጸላኢ ተወሲዱ ነበረ። ናይ ምጽናት ፖሊሲ ኣዊጆም ብኹሉ ዓቕሞም ኣተግብሮሞን'ዮም። ህዝቢ ብሌን ንሰወራ ደጀን ስለ ዝነበረን እስትራተጂ ኵናት ኣብ መሬቱ ስለ ዝነበረን ሂወቱ ክመርሕ ምስ ጸገማት ሂወት ክፋጠጥ ከሎ ዝገደደ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም በጊዕ ክሕረድ ዳርጋ ዉሁብ ኮኖ። ከረን ንዕዳጋ ወሪዱ ክይተኣሰርን ከይሞተን ክልምለስ ከሎ ዝገርሞ ህመት ነበሮ። ብጃምላ ምእሳርን ምሕራድን ዓድታቱ ምንዳድን ካብ ዓድታቱ ምፍንቓልን ካብ ማሕረስን መጓሰን ደው ምባልን መዓልታዊ ሂወቱ ኔይሩ። መሬቱ ገዲፉ ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍን፡ ተመሳሲሉ ክነብር ወይ ኣርሒቁ ክስደድን`ዩ ተግዲዱ። መንኣሰይ ንቓልሲ ዘይተጸንበረ ብባህሊ ከዳዕን ፈራሕን ኮይኑ ስለ ዝግለጽ ጓል እንስተኡቲ ትኹን ወዲ ተባዕታይ ንቃልሲ ብሂወቱን ብገንዘቡን ምግልጋል ባህሊ ኮይኑ ኣትዩ። እዚ ብጭብጢ ዝቀርብ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ኩሉ ህዝብታት ኤርትራ ክፈልጦ መሰሉ'ዩ። ፋሺስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ነዚ ሓቢኡ ንስደተኛታት ኣብ ዓዶም ክይምለሱ ከሊኡ ዝግደደ ሎሚ ህጻናት ካብኡ ይሃድሙ ኣለዉ። ህዝቢ ብሌን ምስ ካልኦት ሃገራት ዘይዋደብ መሬት ሰለ ዘይብሉ እቲ ዝኸፍኤ ጭቆና ፋሺስቲ ዝጥዕም ዘሎ ምኳኑ ኩሉ ደላይ ለውጢ ክርድኦ ንጽበ። ዝኾነ ድሕሪ እዚ ስርዓት'ውን ዳግማ ከይዕምጾ ቆሪጹ ዝተላዕለ'ዩ። ግፍዓታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ክነመሓላልፍ ከሎና እዚ ግዕታት ጽባሕ ከይድገም ኩሉ ክነቅሓሉ ከምኡ'ውን ግፍዕታት ፋሺስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ሎሚ ክስነድን ክዕቆብን ንምትብባዕ'ዩ።

 

 

ህልቂት ዖናን በስግዲራን፣

 

 

ናይዚ ጽዑቅ መቀጸልታን መግለጽን ኣብ መጨርሻ ወርሒ ሕዳርን መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስን 1970 ልዕሊ ህዝቢ ዖናን በስግዲራን ዝተወስዴ ናይ ዓሌት ምጽናት ባርባራዊ ፖሊሲ ናይ ሾዑ መግዛእታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ንሰላማዊ ህዝቢ ኣብ መስግድን ኣብ ገዛኡን ማዕጾ ዓጺዮም ብጃምላ ብምንዳድ ካብኡ ሃዲሙ ንዝወጸ ብጥይት ምቅላብ እዩ እቲ ባርባራዊ ህልቂት ተፈጺሙ፡፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጥሪትን፣ ንብረት ማለት መንበሪ ኣባይቲን ክኣቱ ቀሪቡ ዘሎ ግራውትን ናይ እኽሊ መቀመጢ መኻዝንን ኮነ ተባሂሉ ብመደብ ብምልኡ ተባሪዑ፣ ዝተረፈ ንብረት ካብ ክሳድን እዝንን ኣፍንጫን ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ብሓይሊ እናመንጠልካን እና ሓረድካን ተዘሪፉ። እዚ በሰላ'ዚ ኣብ ሓንጎል ህዝብና ክሳብ ሎሚ ኣይሓወየን ዘሎ። ክፈልጥ ዝደሊ'ን ዉሑድ'ዩ።

 

 

ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር፡ ሓላፍቲ መንገዲ ርእዩም ብወሬ ናብ ካልኦት ከየማሓላልፉ ብጥብቂ ተሓልዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓድታት ዖናን በስክዲራን እንታይ ዓይነት ግፍዕታት ከም ዝተፈጸመ ከይፍለጥ ብልዑል ምስጢር`ዩ ክትሓዝ ተገሩ። እቲ ገበን ግን ብቀሊሉ ዘይክወል ነበረ። መግዛእታዊ ወተሃደር ኢትይጵያ ነቲ ወንጄል ግብሪ መሸፈኒ ዝኸውን “እዚኦም ህዝቢ ወንበዴታት ኢዮም' "ዓሳ ንመሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ" ዝብል ጸረ ህዝቢ ጭርሖኦም ኣጋሊጹ። ህዝቢ ብሌን ብፍላይ ከኣ ከተማ ከረን በዚ ኣረሜናዊ ተግባራት`ዚ፡ ኣይረዓደን እኳ ሓሪኑ። ካብ ገጠራትን ከተማተማታትን መንእሰያትን ዓበይትን ስርሖምን ትምህርቶምን ኣቃሪጾም ንሰውራና ብዓቕሚ ሰብ ዝደልድለሉን ኣንጻር መግዛእቲ ኩሉ ዝነቅሓሉን ዝገበረ መሪር ክውንነት እውን`ዩ ነይሩ።

 

 

ሰውራና ካሳብ ሽዑ ኣቃልቦ ዓለም ዘይነበሮ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዖናን በስግዲራን ንዝተፍጸሜ ኣረሜናዊ ሰላማዊ ህዝቢ ምጽናት ብሬድዮታት ዓለም ከም ባዓል ቢቢሲን፣ ሶት ኣል ዓረብን ሰፍሕ ሽፍን`ዩ ስለ ዝረኸበ ቅኑዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ደገ ክስማዕን ኣቓልቦ ዓለምን ዝረኸበሉ'ውን'ዩ። ኣዚ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ክወርድ ከሎ ብደረጃ ሃገርን ኣውራጃን ዓድን ንሹመትን ንገንዘብን ክብሉ ተሓባበርቲ ደቂ ሃገር ከም ዝነበሩ እዚኦም ድማ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ፍርዲ ከይቐረቡን ዕርቕን ፍትሕን ብደረጃ ሃገር ከይግበር እዚ ፋሺስታዊ ስርዓት ዓቢጥዎ ሓሊፉ'ዩ። እዚ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ንህዝታት ኤርትራ ፈሪሑ፣ ተደቁሱ፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ክነብር ዝዓለመ ክፉእ ተግባር ብኣንጻሩ ንህዝብታት ኤርትራ ስኖም ነኺሶም ክለዓሉ ዝገበረ ኣገዳሲ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ እዩ ነሩ።

 

 

እቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት፣ ብሃይማኖትን ብረብሓን ብርሕቐትን ኣብ ሜዳ ኤርትራ እንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ዝነብረን፣ ብረብሓ ንዝተታተለለን፣ ሜላ ገዛእቲ፣ ዝበበርሃሉ መድረኽ'ውን'ዩ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ብሃይማኖት ንሕብረተሰብና ፈላልዩ ንሓደ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም ፈታዊ ሓቑፉ ንኻልእ ከም ጸረ "ኣንድነት" ዝገበረ ፖሊስኡ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ኣፍ-ደገ ከተማ ከረን ክንድ'ዚ ክብደት ዘለዎ ገበን ክፍጸም ምስ ራኣየ፡ ጸኒሑ ናብኡ ከምለስ ምዃኑ ዝበርሃሉ ኩሉ ሃገራዊ ብሓድነት ጸረ መግዛእቲ ክለዓል ከም ዘለዎ ዝገበረ እምኒ ኩርናዕ'ውን'ዩ።

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ: ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ልዕል ህዝብታትና ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ናይ ፋሽስቲ ኢሳያስ ግፍዕታት መቀጸልታ ናይ ግዳማዊ ሓይልታት ምኻኑ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ። ነዚ እከይ ተግባር ከፍሽል ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኵነት ክሰርሕ ከኣ ኣብ ፕሮግራሙ ኣስሚሩሉ ይቃለስ ኣሎ። ህ.ግ.ድ.ፍ ከም ስርዓት ክሳብ ዝሃለወ ደማ ግፍዕታት ብዓይነትን ብብዝሕን ይገዱ እምንበር ደው ክብል እዩ ዝብል እምነት የብልናን። እዚ ግፍዕታት እዚ ንህዝብታት ንምብትታን ንሃገር ንሙኹርማሽ ብሜላን ብመትከል ዝስራሕ ምዃኑ ኩሉ ወዲ ሃገር ክነቅሓሉ ድማ ይግባእ። ትኩረትና ጸረ ፋሽስቲ ምዃን ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትና ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ቀንዲ ኣትኩሮና ጸረ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ኮየኑ ነቲ ክብኡ ፈሊኻ ክርኤ ዘይግባእ ዝነበረ ዲሞክራስያዊ መሰላት ዕሽሽ ኢልና ስለ ዝሓለፍናዮ ሕጂ ኣብ'ዚ ዘለናዮ ኩነታት ወዲቕና ንርከብ ኣለና። ርእሰ ፋሽስቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣቀዲሙ ስልጣን ንምብሓት ዓሊሙ ስለ ዝተበገሰ ድማ ኣዘንጊዑና ንብል፡፡ እዚ ባህሪ ትምክሕትን ምግባትን ዓፈናን ሎሚ ዝጀመሮ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ሃገራውነትን፣ ጻጋማዊ ክልስ ሓሳብን፣ ኣብ ሃይማኖትን፣ ኣብ ገለ ክፋል ሕብርተሰብናን ተኸዊሉ ክሳብ ኣስመራ ከም ዝበጽሔ ኣብ'ዚ እኩይ ባዓትታት ተሓቢኡ ከም ዘሎ ከኣ ኩሉ ዝፈልጦ'ዩ። ንባዕሉ ክኸብር ይደሊ ንኻልኦት ኣየኸብርን'ዩ፣ርእሰ ፋሽስቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ርእይትኡ ካልኦት ክሰምዕዎን ክትግብርዎን ይደሊ ርእይቶ ናይ ኻልኦት ግን ኣይጻወርን'ዩ፣ ገባረእን ሓዳግን ኮይኑ ንኩሉ ክብሕት ይደሊ እንበር ምስ ካልኦት ክምቀልን ክማቀልን ኣይደልን'ዩ። እዚ ፈላልይን ዓምጻጽን ጭቆኒን ባህርያትን ኣታሓሳስባን ሒዝካ ህዝቢ ብሰላም ከቢሩ ክነብርን ሓቢሩ ሃገር ክሃንጽን ኣይከኣልን’ዩ ዝሕስብ`ውን ኣይኮነን። ደንበ ተቃውሞ ካብ’ዚ ፋሽስታዊ ባህርታት ኣታሓሳስባን ነጻ ክንከውን ይግባእ። ብሕጽር ዝበለ ምጽዉዋር፣ ምትሕልላይ፣ምክብባርን ካብ ስምዒት ርሒቅና ብመደብ ምስራሕን ባህሪና ወይ ቀንዲ ሕላገት ደንበ ተቓዉሞ ክኾኑ ኣለዎም ንብል። ነዚ ስነምግባር ከይወነና ዘንጸባርቁ ደሞክራስያዊ ሓረጋትን ጭርሖታትን እንተደርደርና ንዘለናዮ ሕማቅ ክውንነት ኣይቅይሮን`ዩ።እቲ ሕቶ ምቅላስ ንስለ ቃልሲ ዘይኮነ ኣየናይ ዕላማታት ክነዓውት ንቃለስን ንውደብን ኣሎና ክኸውን`ዩ ዝግባእ። ዕላማ ህዝቢ እንተ ኣቐዲምና መን ይመርሓና ኣብ ሕቶ ኣይኣቱን'ዩ።

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ንዓድታት ዖናን በስክዲራን ዘቓልሕ ማዓልቲ ዝኽሪ ክግበር ከሎ፡ ኣብ ሃገርና እተን ዝበዝሔ  ሰላማዊ ህዝቢ ብጃምላ ዝሃለቐለን ዓድታት ሰለ ዝኾናን ብኡ ኣቢሉ ንኹሉ ህልቂታት ህዝብታትና ንምዝክካር ዝዓለመ እዩ። እዚ ብቀጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂትን ግፍዕን ድማ፡ ገበኛታት ብኣገባብ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ግቡእ ፍርዶም ክሳብ ዝረኽቡን፡ ኣብ መሬትና ሰላም ክሳብ ዝሰፍን ቃልስና ቀጻሊ እዩ።

 

 

እቶም ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም “ኤርትራ መሬታን ባሕራን እምበር ህዝባ ኣየድልየናን”ዝብሉ ዝነበሩ ተረፍመረፍ ደቂ ባንዳ ናይ ኣምባሮጦርያ ሃጸይ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ተኣኻኺቦም ብመሪሕነት ርእሰ ፋሽስቲ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ደምሒት፣ ግንቦት ሰባት፣ናይ ደርጊ ተረፍ መረፍ ጀነራላት ንህዝብና ደም የንብዕዎ ኣለው፡፡ ህዝብና ብሰንኪ ኣብ ደሴት ላምፓዱስ ዝሞቱ መንእሰያት ኣብ መሪር ሓዘን ተጸሚዱ ከሎ፡ሎሚ ኣብ ከተማታት ብዘይ ንሕስያ ብዕጡቃት ደምሒት ክግፈፉ ምግባር፡ቃልኪዳን ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ጎሊሁ ይረኤ ኣሎ፡ግዜ ከይ ሓለፈ ኣትክሮና ክስሕብ ይግባእ።

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ሎሚ ንሰማእታት ዖናን በክሲዲራን ክንዝክር እንከለና፡ ደንበ ተቓውሞ ሓያልን ፍትሓውን ዝኾነ ብዝየሙቛምና ብዙሕ የሕዝነና። ብግስ ክንብል ነዚ ግንባር ንምምስራት ዓቕምናን ንበረትናን ኣወፊና'ና። ብሰንኪ ሓዲስ ራኢ ምብኳር ከኣ ኣብ ዝኣረገ ራኢ ኮና ገለ ጽገናታት ናይ ቓላት እናገብርና ነቲ ዝፈላልየና ብሃገራዊ ሓላፈነት መፍትሒ ክንዲ ነንብረሉ ነንሕድሕድና ክንጥብር ንፍትን ኣሎና። ብዘይካ ዳስና ግን ዳስ ካእል ይፈርስ የሎን። ብዘይካ ደቕና ካልኦት ይሞቱ የለዉን። ንበራበር "ነበርና" ኣየርብሕናን'ዩ። መስረታውያን ሕቶታት ህዝብታት ድሕሪ ነጽነት ጎሊሖም'ዮም። ፖሎቲካዊ ራኢ፣ ምሕደራን ምምቅራሕ መርሕነትን፣ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ቁጠባዊ ጸገታት፣ መሬት፣ ዝመሰሉ ካልኦትን ክምለሱ ይግባእ። ኩሉ ደላይ ለውጢ ከኣ መትከላት ምክብባን ምዉዋርን ሓልዮትን ዝተመስረተ ራኢ ክዓጥቕ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ሕቶታት ብግልጽን ብውዱብ ኣገባብን ናብ ህዝቢ ንዘቅርቡ ሓርበኛታን ሃገርውያን "ብጽበትን" "ሽወሃት ስልጣንን" "ካብ ካልእ ዝተገዝኤ ሓሳብን" "ጸረ ሓድነትን" ጌርካ ምቅራብን ምጽላምን ቅዲ ናይ ርእሲ ፋሺስቲ ስለ ዝኾነ ደው ክብል ኣበርቲዕና ክንቓለስ ይግባእ። እዚኦም ነዚ ዝደጋግሙ የዋሃትን ገለ ከኣ ብመደብ ኣብ ካልኣይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክመልሱና ዝደልዩ ተበለጽቲ ምዃኖም ህዝብና ክነቅሓሉ ይባእ። ምእኩል መንግስትን ሓደ ፓርትን ሓደ ሰብን እኳ ይገዝኣና ኣሎ'ዩ። እዚ ተመራጺ እንተኾነ ስለምታይ ኣብ ቃልሲ ኣለዉ? ሕቶታት ህዝቢ ብፍትሓዊ ኣገባብ ዝምልስ ጥርናፌን ግንባርን መንግስትን ክንተክል ከይተሓለልና ቃልስና ንሓይል። ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ነዚ ካብ ሳንጃን ጥይትን ሓውን ዝተረፈ ህዝብታት፣ ምቁጻርን፣ ምስናድን፣ ምጥያስን ቀዳማይ ዕማም መንግስቲ ክኸውን ኔርዎ። እንተኾነ ህዝባዊ መንግስቲ ስለ ዘይተተኸለ ፋሽስታዊ ምሕደራ ኢሳያስ ንዕንደራን ንምልኽን ንምግባትን ጎደና ከፊትናሉ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ግፍዕታት ካብ መግዛእትታት ንላዕሊ ከም ዝኾነ ኩሉ ዜጋ ኤርትራ ዝርድኦ'ዩ።

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ሰብ ንምቅያር ኣብ ቃልሲ የሎን። ሃገርና ብፍትሓዊ ቁዋምን፣ ገል ካብኡ መሰላት ብሄራት ዝኣምንን ብግብሪ መሰለን ዝሕሉን ስርዓት ንምትካል ይቃለስ ኣሎ። እዚ ድማ ንኩሎም ህዝብታት ኤርትራ ብሰላምን ብሓድነትን ዘንብር ፍትሒ'ዩ።

 

 

ኣብ ጎደና ቃልሲ ኮና እዚ ሎሚ ብፋሺስታዊ ስርዓት ኣብ ሊዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ክስነድ ንጽዉዕ። ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማን ብሄር ዓፋርን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት በብግዜኡ ይንገር ስለ ዘሎ ኩሉ ሃገራዊ ነዚ ግፍዕታት ምኹናን ጥራይ ዘይኮነ ሞራልውን ቁጠባውን ደገፋት ክግበር ንዓለም ከፍልጥን ሓደራ ንብል። ሓድነትና ካብ ስራሕና'ዩ። ኣብነታዊ ዝኾነ ስራሓት ብዙሓት ዉፉያት ገይሮም'ዮም። ናቶም ስራሓት ክስነድን ናብ ህዝቢ ክሓልፍን ከኣ ብሂወትና ዘሎና ሓላፍነት'ዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾነት ብፍላይ ነዚ ግፍዕታት መታሓት ኤርትራ ዝምልከት ብተጋዳላይ ተኽላይ ኪዳነ ዝተጻሕፈ ረኺብና ኣሎና። ሓደ ካብ ምዕራፋቱ "ሒደት ካብ ግፍዕታት ስርዓታት ኢትዮጵያ" ዝብል ንረክብ። እዛ መጽሓፍ ድሕሪ ሞት ተጋዳላይ ተኽላይ ኪዳነ ኣብ ማህደሩ ኣቕሚጥዎ ዝነበረ ሳላ ስድራ-ቤቱን ኣዕሩኹቱን ባዕሎም ኣኻኺቦም ንሕትመት ዝብቕዔት'ያ። ስማ "ጽሑፋት ታሪኽ ካብ ማህደር ታጋዳላይ" ተኽላይ ኪዳነ" ትብል። ንደቅና ትምህርቲ ክኾኖም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንዝክር ሰማእታት ብግፍዒ ንዝሞቱ ክትከውን ኣብ ሰለስተ መቂልና ከይወሰኽናን ከይነከናን ከም ዘሎ ክነመሓላልፎ ኢና። ኣብ ከበሳ ዝወረደ ግፍዕታት ብጥሙር ዓሚ ቀሪብና ኔርና ሓዲስ ምስ ንረክብ ኣብ መጻኢ ክንቅርቦ ተስፋ ንገብር።

 

 

ዝለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰውኣትና!!

 

 

ሰማእታት ዖናን በስክዲራን ወትሩ ኣብ ልቢና ይንበሩ!!

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ። 3 ሕዳር 2013

Last Updated on Friday, 22 November 2013 12:05
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 15 guests online