www.blina.org

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) PDF Print E-mail
Thursday, 27 February 2014 23:34

ኢሳይያስ ቅድም ቀዳድም ምስ ነብሱ ክዕረቕ ይግባእ!!

ቀዳማይ ክፋል

ገባቲ ኢሳይያስ ብባህርያቱ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ውሽጢ ህግደፍ፡ ብፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝለዓሉ ብጣዕሚ ተራ ዝኾኑ ካልኣውን ሰላማውን ሕቶታት ኣብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ቀሪቡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ተዓዲሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ህላወ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ብግንቦት 1991 ካብ መላእ ሃገርና ተጸረጉ፡ ብድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ብ20 ሰነ ብ1991 ንድሌት ህዝቢ ቆጽዩን ንሕድሪ ሰማእታት ክሒዱን ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ ተሓሲሙ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብስም ፖሎቲካዊ ውድባት ዝግበር ሓሸውየ ኣይፍቐድን’ዩ ካብ ዝብል ኣዕናዊ ኣዋጅ ዘሊሉ፡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጨካን ኲናት ሕድሕድ ምክያዱ ይፍለጥ።

ብ1993 ደሞዝ ይገበረልና ብዝብል ብተጋደልቲ ህ/ግንባር ዝተላዕለ ኣድማ፡ ብ1994 መነባብሮ ይመሓየሸልና ብዝብል ብኣካለ-ስንኩላን ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓመጽ ምፍትሑ ታሪኽ ንባዕሉ ዓቢ ምስክር’ዩ። ብ2002 ቅዋም ክትግበርን ለውጢ ክረጋገጽን ብላዕለዎት መራሕትን ሚኒስተራትን ህግደፍ (ብጉጅለ 15) ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ንዝቐረበ ሰላማዊ ሕቶታት ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ሂወቶም ብኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ዘይሕጋዊ ፍርድን ክስወሩ ዝፈረደ’ዩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ንለውጢ ዝጠልብ ብጥሪ 2013 ዝተላዕለ ምንቅስቓስ፡ ዝተዋህበ ምላሽ ካብኡ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣብቲ ሕ/ሰብ ዓቢ ተሰማዕነት ዘለዎም ብዙሓት ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣገደስቲ ባእታታት፡ ብዝተፈላለየ ምክንያታት ንዓመታት ዝተሰወሩ ምህላዎም ዝኸሓድ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኢሳይያስ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝለዓሉ ሕቶታት ብዓመጽን ሓይልን ጥራይ ዝፈትሕ ክሳብ ዝኾነ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ርሑቕ ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ ማሕበራት፡ ውድባት፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ።  

እንሆ ድማ እቲ ብዶብ ተመሳሚሱ፡ ብ1998 ብገባቲ ኢሳይያስን ጸረ ህዝቢ ስርዓቱን ምስ ኢትዮጵያ ዝተባረዐ ኲናት ምፍታሕ ተሳኢንዎ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ክመልእ ተቐራሪቡ። ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክባራዕ ዝኾነ ይኹን ብቁዕ ምክንያት ብዘይምንባሩ፡ ሳዕቤናቱ’ውን ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግንዛብ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኢሳይያስ ምስ ጭፍርኡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርበሉ ዝነበረ እማመታት ሰላም ተሓሲሙ፡ ብማእለያ ዘይብሉ ጃህራታትን ፈኸራታትን ንኣዕናዊ ኲናት ጥራይ ተሃንደደ። ካብ ኲናት ዕንወት እንተዘይኮይኑ፡ ቅንጣብ ምዕብልናን ግስጋሰን ክጭበጥ ስለ ዘይኽእል ድማ፡ ውጽኢቱ ሂወት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብምብላዕን ምስንካልን ጥራይ ክድረት ኣይኸኣለን። ኢሳይያስ ሕውነታውን ስትራተጂካውን ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ በጣጢሱ፡ ኩሉ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ዲፕሎማስያውን ረብሓታቶም ብዘይዝኾነ ትርጉም ንዓመታት ክዘልቕ ፈሪድዎ ይርከብ። ብስንኪ’ዚ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ከኣ፡ ኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ መድረኻትን ተነጺላ፡ ናብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ክትወድቕ፡ ህዝቢ ከርፋሕ ዝኾነ ሂወት፡ መነባብሮን ድኽነትን ከሕልፍ ተገዲዱ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ፖሊስታቱ ምዕራይን ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ምሕታትን ግን ኩሉ ግዜ ነብሱ እናሕበጠ፡ ጠንቂ ኩሉ መዳያዊ ዕንወቱን ፍሽለቱን ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ምሕደራ ኣሜርካ’ዮም ብዝብል ዘቕርቦ ናይ ሽሕጣን ስነ-መጎት ኣዝዩ፡ ካብ ሓቅነትን ክውንነትን ዝረሓቐ’ዩ።  

ብርግጽ ንሓደ ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ዘለዎን ምቕሉልን መራሒ፡ ጠንቂ ናይቲ ኲናት መን’ዩ ብዘየገድስ፡ ሳዕቤኑ ተሓታትነቱ፡ ዕድኡ፡ ብጣዕሚ መሪር’ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ግዜ ግን ኣብ ቅርሕነትን ጽልእታትን ምንባር ሰለዘይኸኣል፡ ካብ ሕሉፍ ጉጉይን ኣዕናውን ተመክሮ ግቡእ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ንመንገዲ ሰላም ምቕራብን ምጽዓርን ግድነት’ዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ግን ይትረፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ተበግሶ ባዕሉ ክወስድ፡ እቲ ኣብ 2002 ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ብይን፡ ከም ቀያድን ናይ መወዳእታን ተወሲዱ፡ ኣብ ክሊ’ቲ ብይን ንነባሪ ሰላምን ዘላቒ ረብሓታትን ክልቲኡ ኣህዛብ፡ ኣብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ቀሪቡ፡ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ ክሕንጸጽ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጻውዒት ተሓሲሙ’ውን ቀጸለ። ኢሳይያስን ጭፍርኡን ፖሎቲካዊ መርገጽ ወያኔ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ እንታይ ምዃኑ ልዕሊ ማንም ሰብ እናፈለጡ፡ ዕድመ ናይቲ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ንምንዋሕ፡ ወያኔ ካብ ሕማም ቀዳሞት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተናገፈ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ንምውራርና ኲናት ክገብር’ዩ ብዝብል ኣጉል ምስምስ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ጅሆ ብምሓዝ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ኣይሰላም ኣይኲናት ኮይኑ ክቅጽል ከም ቀዳማይ ምርጭኦም ሒዞሞ ክቕጽሉ መረጹ።

ኣብ መዛዘሚ 2013 መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጉዳይ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ጽንጽንታ ምሰ ተሰምዐ፡ ካብዝን ካብትን ትኩረት ብዙሓት የዋሃት ረኺቡ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ምውርሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብፍላይ’ውን ገባቲ ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንሱዳን ዑደት ብድሕሪ ምክያዶም፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ከኣ ምስ ክልቲኡ ሃገራት ሰናይ ዝምድናታት ምህላዉ ጠቒሱ፡ ንዕርቂ ክጽዕር ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ዓቢ ትጽቢትን ተስፋን ኣንቢሩ’ዩ። ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ እቶም ካብ 1998 ብስንኪ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕውነታዊ ዝምድናታት ተነፊጎም ኣብ መርዓን ሓዘንን ከይተሓዋወሱ ዝተነጸሉ፡ ካብ ኩሉ መዳያዊ ረብሓታትን ልምዓትን ዝተሓረሙ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ዜጋታትና ከኣ ብፍላይ ትጽቢቶም ክሳብ ክንደይ ልዑል ከም ዝኸውን ንምግማቱ ብዙሕ ዝእግም ኣይኸውንን’ዩ። ኮይኑ ግን ኩሉ ግዜ እቲ ከም ሕሱም ንሰላም እናጸልአ ኲናት ዝናፍቕ ኢሳይያስ፡ ብ09 የካቲት 2014 ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንጉዳይ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝናፈስ ዘሎ ወሬታት ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ብዝብል ምስ ተሓተተ፡ ብክልተ ሓጸርቲ ቃላት ክቆጽዮ ብዙሕ ኣይተጸገመን። ወያኔ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይተወገደ፡ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕሰብ ዘይምዃኑ፡ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ከምኡ ክሓስብ ከም ዘይብሉ ከይሓፈረ ክገልጽ ኣይተማትአን።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብርግጽ ኢሳያይስ ካብቲ ንጹር ዝኾነ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ መንነቱን ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝድህሰስ ፖሊስታት ስርዓቱን ወጻኢ መግለጺ ኣይሃበን ኢሉ ይኣምን። ኣብ ርእሲኡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ይኹን ዕርቂ ክልቲኡ ንዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ቀራና መንገዲ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ውድቀት ኢሳይያስ ፍጹም ዘይተርፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዖና መቓብሩ ድማ ሓዳስ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ምህናጽ ታሪኻዊ ግዴታ’ኳ እንተኾነ፡ ብውሕዱ ግን ግዝያዊ ዕድሚኡ ንምንዋሕ፡ ኣብ ጎደና ጸረ ዕርቂ ምቅጻል ጥራይ’ዩ ዝኸውን እቲ እንኮ ምርጭኡ። ኢሳይያስ ቅድሚ ምስ ኢትዮጵያ ክዕረቕ ምሕሳብ ቅድም ቀዳምድ ምስ ነብሱ ክተዓረቕን ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ክሓትትን ይህልዎ። እዚ ከኣ ብቀንዱ ንክብሩ ዝትንክፍ፡ ኣብዚ ዕስራን ሰለስተን ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ ኣበሳ፡ ገበናት፡ ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ክቕበል ስለ ዘይደሊ እዚ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ቅኑዕ ምርጭኡ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳይያስ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ግስጋሰን ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ምጽባይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝተመንጠለ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ብቅልጽሙ ንምምላስ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ክውደብን ክዕጠቕን ጥራይ ይህልዎ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

27 የካቲት 2014

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 65 guests online