www.blina.org

ደምዳሚ መግለጺ ቀዳማይ ውድብዊ ጉባኤ ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ PDF Print E-mail
Wednesday, 23 April 2014 22:44

 

ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብቐዳምነት ኩሉ ዓቕምታትና ጠርኒፍና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ንቃለስ”” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ካብ 13-17 ሚያዝያ 2014 ኣብ ዘሎ ጊዜያት ተጋቢኡ፡ ብልዑል ድምቀትን ዓወትን ተዛዚሙ።

 

ኣብዚ ብዝኽሪ ስውኣት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ገዳይም ሓርበኛታት ተቓለስቲ ስዉእ ብጻይ ገብረመድህን መሓርን ስውእ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስርን ብምዝካር ብጉጅለ ባህሊ ስኒት ተሰንዩ፡ ዝተኸፍተ ታሪኻዊ ጉባኤ’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተወከልቲ ሰፋሕቲ ግንባራትና ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ.ን ኤ.ዲ.ኪ.ን መሓዙት ፖሎቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ካብ ቀረባን ርሕቑን መጺኦም ኣብ መኽፈቲ ጉባኤና ተረኺቦም ምሕዝነታዊ ቃሎም ዘስምዑ፡ ከምኡ’’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክርከቡ ዘይከኣሉ መልእኽቲ ዝለኣኹን ተቓለስቲ ኣሕዋት ነበሩ።

 

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዝገበረቶ ጽፉፍ ቅድመ ምድላዋት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ካብ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዞባ ካናዳ፣ ዞባ ሱዳን፣ ካብ ኤውሮጳ፣ ካብ ኢትዮጵያን፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ካብ ኩኒንን ቂንቶን፣ ካብ ዕጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ኣሃዱታትናን፡ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ፡ ተወከልትን ተዓዘብትን ዝተሳተፍዎ ታሪኻዊ ጉባኤ ነበረ።

 

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ብዓወት ዝተጸንበለ ታሪኻዊ ጉባኤና ብዝተነጸረን ዝዓሞቐን ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ዕላማን፡ ንዕኡ መበገስን መምርሕን ዝኾኖ፡ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መስመራትን ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእልዎ እስትራተጂታትን ታክቲካትን ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሱ፡ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ኣብ ድሮኡ ውድባዊ ሰሚናር ብምግባር እዩ ቅድመ ምድላዋቱ ዝዛዘመ።

 

ኣብዚ “ውድባዊ ሰሚናርና፡ መንሃሪ ምዕማቕ ደሞክራሲያዊ እምነታትና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ 10-13 ሚያዝያ 2014 ዝተሰላሰለ ሰሚናር’ዚ፡ ውድብና ኣብ ሕቶ ሓድነት ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘለዎ መትከላዊ እምነት፡ ንምዕዋቱ ዝግበር ቃልስን ዘጋጥምዎ ብድሆታትን፣ ወድዓውን ባዕላውን ኩነታት ኣብ ውደባ ዝፈጥርዎ ዘለው ጸገማትን ንምውጋዶም ዝካየድ ቃልስን፣ ሕቶ ፖሎቲካዊ መሪሕነትን ጉዳይ ከመይነት ምትኽካእን ኣብ ዝብሉ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብዝተገብረ ዓሚቕ ምይይጥን ኣስተምህሮታትን ኣማራርሓታትን ካድራትን ጠርነፍትን ብኣረኣእያ ዝሓሸ ግንዛቤ ሒዞም ‘ዮም ናብ ጉባኤ ዝተሰጋገረ።

 

ጉባኤና ካብ ዝሓለፈ ሓድነታዊ ጉባኤ ክሳብ እዚ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና፡ ናይ ዝተኻየዱ ውድባዊ ስርሓትን፡ ሓያልን ድኹምን ጎንታቶምን ብዕምቆት ዝተመያየጠሉን ናይ ቀጻሊ ኣንፈት ምዕብልናታቱ ዝኣመተን ዝወሰነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ዕላማታትናን (መደብ ዕዮና) ፖሊስታትን መድረኻዊ ዕማማትን ኣብ ምቕራጽን ምዕማቑን ዝሕግዝና ህልዊ ዓለማውን ከባቢያውን ሃገራውን ኩነታትና ብመንጽር ዲሞክራሲያዊ ተጋድሎና እንታይ ይመስሉ ብዕምቆት ዝተመያየጠሉን ኣገደስቲ ውሳኔታት ዘመሓላለፈሉን ‘ውን ነበረ።

 

ጉባኤና እዚ ማእከሉ ጌሩ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናብ መላእ መሰረታት ኣውሪዳ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ምይይጥ ከተካይደሉ ዝጸንሐት ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መደብ ዕዮን ህንጻ-ሕግን ዓሚቕ ክትዓት ብምክያድ ጸብጻብ ማእከላይ መሪሕነት ድሕሪ ምምይያጥን ምጽዳቕን ፕረስድዩም ነዚ ሰነዳት እዚ እውን ኣስዒባ ብምሉእ ድምጺ ጉባኤና ክጸድቕ እያ ዝገበረት።

 

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ወድዓውን ባዕላውን ኩነታት ሃገርና ‘ዩ ተጋቢኡ ብዕምቖት ዝገምገመ ኔሩ። ሃገርና ብሰንኪ ጨፍጫፊ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን መዕነዊ ፖሊሲታቱ ማሕበራዊ መሰረቱ እናተበጣጠሰ፡ ህዝብና ብማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው እንዳተሓመሰ፡ ንዕለታዊ መነባብሮኡ ዘድልይዎ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት፡ ከም ማይ፣ መብራህቲ፣ እኽሊ ሕክምና፣መራኸቢ ብዙሓን፣ መጓዓዝያ ወዘተ.ዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ኣብ ምርካብ ተጸጊሙ፡ ሓሳረ መከርኡ ይርኢ ምህላዉ ብዕሙቀት ተገንዚቡ።

መንእሰይ ወለዶ ብግዱድ ዕስክርናን ሓውሲ ጊላዊ ስርሓትን ብዘይገደብ ንነዊሕ ጊዜ ዝተሳቐየ ካብ መሰረት ፍልጠትን ምዕባለን ዝኾነ ትምህርቲ ተሓሪሙ፡ ካብ ማእቶት ተነጺሉ ማሕበራዊ ሂወቱ ክመርሓሉ ኣብ ዘይከኣለሉ፡ ደረጃ በጺሑ፡ ሃገራዊ ስምዒቱ ተጎዲኡ፡ ተጎሳቒሉ፡ ሃገር ኩቦ ደርቢዩላ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ዋጋ ክሳብ ብሂወቱ ንዘጋጥሞ ሓደጋ ክቕበል ንስደት ክውሕዝ ዝረኣየሉ ዘሕዝን ጸሊም ናይ ምጽናት ታሪኽ ክስተት ተበጺሑ ምህላዉ ‘ዩ ጉባኤና ብዕሙቀት ዝመዘነ።

 

በዚ ዝኣክል ከኣ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ተሳጢሖም፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝፈሸላ ሃገራት (failed state) ናይ ምዃን ዕድላ ዝዓበየ ምዃኑ’ዩ ጉባኤና ብዕሙቐት ዝተመልከተ። እዚ ንውድቐት ዘሳጥሕ ተርእዮ’ዚ ግን ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጢ ብዝኽተሎ መዕነዊ ፖሊሲታቱ ጥራሕ ዝገጥሞ ዘሎ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ብሰንኪ ጻሕታሪ ኩናት ባህርያቱ ንውልቃውን ጉጅላዊ ረብሓኡን ረብሓ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ተዓሲቡ፡ ንጎረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን ሰላሞምን ምዕባሌአምን ንምሕማስን ንምዝራግን ግብረሽበራዊ ስርሓት ከሳልጥ፡ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብምስልጣን ብምዕጣቕን ኢድ ምትእትታው ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ምትንዃላትን ሸርሒታታን ንውድቀት ተሳጥሑ ምህላዉ ጉባኤና ብዕሙቀት’ዩ ዝገምገመ።

 

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ጉባኤና፡ ሃገርና ብሰንኪ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ኣብ ዝተሳጠሕትሉ ህሞት፡ ተኣፋፈትነት ናይ’ዚ ኩነታትዚ ብዕምቆት ብምግንዛብ፡ ነቲ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብቐዳምነት ኩሉ ዓቕምታትና ጠርኒፍና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ንቃለስ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ናይ ጉባኤና ተግባራዊ ንምግባር፡ ገለ ካብ ዘሕለፎም ኣገደስቲ ውሳኔታትን ጸዋዒትን እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

 

  • ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን መዕነዊ ፖሊሲታቱ ንምግታእን ሃገርና ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን መላእ ዓቕምታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተጠርኒፉ ብሓደ ኣንፈትን ዝሰጠመ ሓባራዊ ኣመራርሓን ብቐዳምነት ክረባረብ ከምዘለዎ ብምርግጋጽ ውድብና ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ወሲኑ።

 

  • ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከጋጥምዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ዕንቅፋታት ብምውጋድ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብዓወት ክዛዘም ካብ ሕሉፍ ጉዕዝኡ ተማሂሩ ጽፉፍ ቅድመ ምድላዋት ክገብር ደግሓኤ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ክገብር ወሲኑ።

 

  • ጉባኤና ሰፊሕ ናይ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ግንባር ክቐውም፡ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮታት ስሙር ሃገራዊ ግንባራት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኤ.ደ.ኪ. ብዝሓሸ ሓይልን ድልዳለን ከስርጽን ቀላስን ወቓዕን ሓይሊ ኮይኑ፡ ልዑል ተርኡ ክጻወትን ደግሓኤ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ ዕዙዝ ግዲኡ ክጻወት ወሲኑ።

 

  • ጉባኤና መንእሰይ ወለዶ ኣብ መድረኽ ደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ምእንቲ ካብ ሕሉፍ ኣሉታዊ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ተሞክሮ ምፍንጫል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ድሒኑ፡ ካብ ድሑር ሕ/ሰብኣዊ ሕማማት ትምክሕታውን ጸቢብ ኣተሓሳስባታትን ተገላጊሉ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን፡ ኣብ ክሊ ሓደ ዝሰመረ ማሕበር ተጠርኒፉ፡ ክቃለሱ ውድብና ተርኡ ክጻወት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኩሉ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጋደል ክተሓጋገዞም ድማ ጸዊዑ።

 

  • ጉባኤ ንዕጡቓት ናይ ፖሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ኣሃዱታትና ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ንዘሳላስሎ ዘሎ ዕማማት ልዑል መጎሱ ኣቕሪቡ።ንመላእ ኣባላት ውድብና፡ ተዳናገጽትን ኣዕሩኽን ሃገራውያን ጉባኤና ብዓወት ክዛዘም ዝገበርዎ ሞራላዊ፡ ገንዘባውን ንዋታውን ምድግጋፍ ኣድናቆቱ ገሊጹን ኣመጕሱን።

 

  • ጉባኤና ኣብ ክሊ ሓደ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስትራተጂን፡ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ መሪሕነትን (ኮማንድ) ብምውህሃድ ኣብ ምስራሕ ዝነጥፍ ዘሎ ወተሃደራዊ ክንፍታት ኪዳንን ባይቶን፡ ብዝያዳ ሰጢሙ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ልዑል ተራኡ ክጻወት ጸዊዑ።

 

  • ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ብብዝሒ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና፡ ስደት ጊዝያዊ ፍታሕ ደኣ ‘ምበር፡ ዘላቒ ፍታሕ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ክረባረብ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለውን ጻዕርታትን ምትሕግጋዝን ኣመጕሱ። መላእ ደላዪ ሰላም ሕብረተ-ሰብ ዓለም ንዝገጥሞ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ፡ ብፍላይ ከኣ ሕጂ ብህጹጽ ደገፍ ዝደሊ ዘሎ፡ ኣብ እስራኤል ሓደጋ ናይ ምጥራዝ ንዘጋጥሞ ዘሎ ህዝብና ልዑል ቆላሕታ ክግበረሉ ምሕጽንትኡን ጸዋዒቱን ኣቕሪቡ።

 

  • ጉባኤና ዝምድና ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ ኩሎም ፈተውቲ ሰላምን ደሞክራስን ዝኾኑ ሓይልታት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ምስ ጎራባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን ዕዙዝ ክኸውን ውድብና ተርኡ ክጻወትን ወሲኑ።

 

ኣብ መደምደምታ ጉባኤና ንሰለስተ ዓመት ዝመርሕ ማእከላይ መሪሕነትን ኦዲት ኮሚሽንን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪጹ። ጉባኤና ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝብን መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይን ዞባ ማእከልን ጉባኤና ብዓወት ክዛዘም ዝገበርሉ ምድግጋፍ፡ ልዑል ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። በዚ ከኣ ጉባኤ ኣብ መዕጸዊ /መዛዘሚ/ ብጉጅለ ባህሊ ስኒትን ካብ ኣሃዱታት ዝመጸት ጉጅለ ባህሊ ጽንዓትን ድሙቕ ባህላዊ ምርኢትን ድራማን ተሰንዩ ብዓወት ተዛዚሙ።

 

 

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

 

ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ

ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ደግሓኤ

17 ሚያዝያ 2014

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 59 guests online