www.blina.org

በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ሎም ዘመን ንዕለት 30/05/2015 ኣብ ከተማ በርን ክበዓል‘ዩ PDF Print E-mail
Monday, 11 May 2015 21:13

በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ሎም ዘመን ንዕለት 30/05/2015 ኣብ ከተማ በርን ክበዓል‘ዩ

ናብ፣

ኣዚኹም ዝኸበርኩም ምእመናን ኣፍቀርቲ ማርያም፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ብዘበን ኣብ ከተማ በርን ንዕለት 30/05/2015 ክነብዕሎ ኢና። ኩልኹም ምእመናን ነታ ኣዝያ እተፍቅረና ወላዲት ኣምላኽ ኣደና፣ ውሉዳዊ ፍቅርናን ገልጸላ ዕለት ስለ ዝኾነ፣ ሓቢርና ንኽብረታ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ ኩልኹም ምእመናን ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መደብ በዓል ዝጅምረሉ ንኣድራሻን እዚ ዝስዕብ እዩ


8፡00 - 10፡00 ዋዜማን ኑዛዜን


10፡00 - 13፡00 ስርዓተ ቅዳሴ


13፡00 - 15፡00 ምሳሕ


ካብዚ ቀጺሉ ዝተረፈ መደባት ባህላዊ ምዝንጋዕ ንሓድሓደ ስነ-ጽሑፋትን ግጥምን ንማርያም ዝምልከት ብፈተውቲ ማርያም ይቀርብ።


21፡00 መደብ በዓል ይዕጾ።


ኣድራሻ ናይ ቤተክርስትያን፡


Gossetstrasse 8/9,3083 Wabern. ብሕዝባዊ መጉዓዝያ እትመጹ ካብ Banhof ትራም፡ ቁ.9 ንWabern ገጻ ትኸይድ ትሕዙ ኣብ GurtenBahn ትወርዱ።


ኣድራሻ ናይ ኣደራሽ፡ Schwandenhubelstrasse 25/27

3098 Schliernbei Köniz

 

ንዝኾነ ሓበረታ፣ 076 456 10 20 ተወልደ ባህታ

076 521 10 16 ምካኤል ስብሃትልኣብ


ብደሓን ምጹ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 159 guests online