www.blina.org

ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)፡፡ PDF Print E-mail
Tuesday, 11 March 2014 20:59

ደምዳሚ መግለጺ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ) 07-09 መጋቢት 2014 ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኣብ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ውድባዊ ኩነታት፡ ኩነታት ደንበተቓውሞ ኤርትራን ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብታትናን፡ ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ገምጋማዊ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ኣፈጻጽማ ናይ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተወጠኑ መደባት ብደቂቕ ድሕሪ ምግምጋምን ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝተረኣዩ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ገምጊሙ፡፡  ኣብቲ ዘካየዶ ጉሉጽን ወድዓውን ገምጋም ተመስሪቱ ድማ ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምሕላፍን ናይ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ መደብ  ስራሕ ብምውጣንን ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኩነታት ውድብ ኣብ ዘገምገመሉ፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኣብዚ ኣኼባዚ ካብ ኩሎም ቤት ጽሕፈታት ዝቐረበ ስሩዕ ሰለስተ ወርሓዊ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣፈጻጽማ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝተወጠኑ መደባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ብዕምቆት ገምጊሙ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ድያስፖራን ዝተገብረ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ወደባ፡ ምስ መሓዙት ውድባት ተወሃሂድካ ንምስራሕ ዝተገብሩ ጻዕርታትን ዋሕስ ውድባዊ ሓድነትን ቀጻልነት ዝኾነ ደሞክራስያዊ ባህሊ ውድብና ንምምዕባል ክካየድ ዝጸነሐ መስመራዊ ሓይሊ ሰብ ናይ ምህናጽ መስርሕ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከምኣብነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ወተሃደራውን ጽጥታውን መዳይ፡ ኣብ መዳይ ህዝባዊ ወደባን ኣብ ፖለቲካውን ዜናውን  መዳያት ኣቐዲሞም ዝተወጠኑ መደባት ብዝግባእ ከምዝተፈጸሙ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ተመልኪቱ፡፡  ብተወሳኺ  ኣብ ዘተወሰኑ መዳያት ኣብ ርእሰ ባዕላዊ ናይ ምፍጻም ዓቕሚ ሕጽረት ወድዓዊ ምኽንያታት ተወሲኽዎ ገና  ክእረሙ ዝግብኦም ድኽመታት ከምዝተረኣዩ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ ተገንዚቡ፡፡ ኣጠቓላሊ ጎዕዞ ሰለስተ ኣዋርሕ ውድብ፡ ምስ ናይ ሰለስተ ዓመት ውድባዊ ስትራተጂ ተዛሚዱ ክረእ ከሎ ኣዕጋቢ ምንባሩ ብምንጻር፡   ኣብዚ ዕዉት ውድባዊ ንጥፍታት ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ጹኑዓት ተጋደልትን ኣባላትን ምስጋንኡ ኣመሓላሊፉን፡ ኣብ መብዛሕቲኡ መዳያት ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዝተረኣየ ዝሓሸ ናይ ኣሰራርሓ ለውጥን ነቲ ሕጽረታት ዝተረኣየሉ መዳያት መርኣያ ክኸውንን ከም ብሉጽ ውድባዊ ተሞኩሮ ክዕቀቡ ከምዝግብኦምን ኣስሚሩሉ፡፡

ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ፡ ዝተረኽቡ ዓወታት ካብ ምዕቃብን ዝነበሩ ድኽመታት ካብ ምዕራይ ብተወሳኺ፡ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ዕድሜኡ ብዝተናወሐ ደረጃ ህዝብን ሃገርን ይበርሱን ይብተኑን ከምዘለዉ ብምግንዛብ፡ ማእከላይ መሪሕነት ደምሳኤ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝወጠኖምን ካልኣይ ክፋል መደባቱን ንምዕዋት፡ ጭቑናት ሓፋሽ ብሓፈሻ፡ መላእ ኣባላትን ደገፍትን ውድብና ድማ ብፍላይ ብዝኾነ ኣካል ዘይ ትካእ ልዑል ናይ ቃልሲ ጸጋታቶም ጸንቂቕና ንምጥቃም ዝሕግዝ  ስልትታት ቀይሱን፡ ነዚ ዓቕሚ ጸላኢ ንምድኻም ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣብ ምዕዋት መራሕቲ ዞባታት፡ ጨናፍርን ካድራትን ውድብ ከም ቀደሞም መሪሕ ተራ ክጻወቱ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ደምበተቓውሞ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ህልው ኩነታት ሓይልታት ደሞክራስዊ ለውጢ ብሰፊሕን ጉሉጽን ኣገባብ ደረጃ ብደረጃ ብዕምቆት ገምጊሙ፡፡ ንጥርናፈን ውህደትን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተገብሩ ጻዕርታትን ውጽኢት ብደቂቕ ድሕሪ ምርኣይ፡ ኣብዚ መዳይ ገና ብዙሕ ክስራሕ ዝግብኦ ተሪፉ ከምዘሎን፡ ብሰለስተ ደሞክራስያውያን ውድባት (ኤስደለ፡ ደምሳኤን ደውዓቀባን) ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ጎዕዞ ድማ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ድማ ደምሳኤ ከይተሓለለ ከምዝሰርሓሉ ዳግማይ ኣረጋጊጹ፡፡

ድሕሪ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 4 ለካቲት 2014 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ውጽኢቱን ተስፋ ዝህብ ምንባሩ ብምርኣይ፡ ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ እዋኑ ክስናዳእን ነዚ መድረኽ ዝኸውን መደባትን ከፈጽም ዝኽእል ቁርጡው ኣመራርሓ ሒዙ ክወጽእን  ናይ ሓባር ቃልሲ ክግበር ከምዝግባእን ካብ ደምሳኤ ዝድለ ዘበለ ንምብርካት ድማ ከም ወትሩ ድልው ምዃኑን ኣረጋጊጹ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ፡ ኣብዚ መዳይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዝተሰላሰለ ሓባራዊ ኣኼባ ፖለቲካውያን ውድባት ጀሚሩ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘይ ቅቡልን ዘይ ወድዓውን ምስምሳት ከም ርእይቶ ፍልልይ ብምቕራብ፡ ሓባራዊ ቃልሲ ፖለቲካውያን ውድባት ክንድቲ ዝድለ ኣብ ምስጎም መሪሕ ተራ እኳ እንተዘይነበሮም፡ ብሓያል ትዕግስትን ተጻዋርነት ካልኦት ውድባት ግን፡ እቲ ባዕሉ ዝተሰማምዓሉ ሓባራዊ ስምምዕን መግለጽን ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምዝርጋሑን ኣኼበኛታት ናብ ቦታኦም ድሕሪ ምምላሶምን፡ ድሕሪ ክልተ ሳምንታት  ብ18 ላካቲት 2014፡ ብዘይ ዝኾነ መእመኒ “መሲሉና” ብዝብል  ምኽንያት፡ ናይ ሓባር ቃልሲ ዋጋ ከስእኑዎን፡ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ኣበርክቶ ሰደህኤ ንከይውሰኽን፡ “ኣብቲ ሓባራዊ ጽላል የለናን” ብምባል ዘወሰዱዎ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ብምሕዛን፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድላዩ ውሳኔ ንምውሳን ውድባዊ ነጻነቱ ሕሉው እኳ አንተኾነ፡ ምእንቲ ሓድነትን ሓባራዊ ረብሓን ኩሉ መዳያዊ ሕድገታት ገይሮም ኣዚዩ ምክብባርን ምጽውዋርን ብዝመልኦ ኣገባብ  መራሕቲ ውድባት ዘገበሩዎ ጻዕሪ ፍረ ኣልቦ ክኸውንን፡ ወትሩ ንሓድነትን ስምረትን ንዝጸውዑ ዘለዉ ጭቑናት ሓፋሽ ጸማም እዝኒ ክሂቡዎ ኣይመተገበአን ድሕሪ ምባል፡ እቲ ካልእ ሓይሊ ልዕሊ ፍርቂ መንገዲ ብምጓዓዝ ምስ ሰደህኤ ንምስራሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ክንድ ካብ ሰናይ ድልየት ዝብገስን ንሓበራዊ ረብሓ ዝግልግል ኮይኑ ዝረእ፡ ብዓይኒ  ምንብርካኽን ለማንን ተለማንን ይረእ ብምህላዉ፡  ገደብ ብዘለዎን ዓቕሊ ብዘይ ውድእን መንገዲ ክኸይድን፡ ነብሱ ብዝግባእ ወዲቡን ቀዳምነት መደባቱ ብዝግባእ ሰሪዑን ሓድነታዊ ጉባኤኡ ኣብ ምዕዋት  ግቡእ ኣመራርሓ ክህብ ከምዘለዎ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኣስሚሩሉ፡፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ድማ፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ እንኮ ዘለዎ ሓባራዊ ጽላል  ኤ/ሃ/ባ/ደ/ለ/ ብምዃኑ፡ ዝመጽእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ግቡእ ትምህርቲ ወሲዱ፡ ንቃልሲ ዝኸውን ውጽኢት ሒዙ ምውጻእ ኣድላዪነቱ ብደረጃ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝዕቀን ምዃኑ ብምስትውዓል፡  ክንድዚ ረዚን ተልእኾ ዘለዎ ዕዉት ጉባኤ ንምስንዳእ ሓላፍነት ተሸኪማ ዘላ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡  ብሸበድበድን መዓልቱ በጺሑ ተባሂሉ ዘይኮነስ፡ ዝድለ ጸዕሪ ብምግባርን ዘድልዮ ግዜን ዋጋን ተዋሂቡዎ ኣሳታፍን ዕዉትን ጉባኤ ንምስንዳእ ጽፉፍ ቅድመ ምድላው ክትገብር ስለ ዘለዋ፡ ነዚ ድማ  እኹል ግዜ ከምዘድልያ በቲ ሓደ ወገን፡  ኣብዚ መዳይ ልዑል ኣበርክቶ ንክህልዎም ትጽቢት ዝግበረሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ መስርሕ ሓድነታዊ ጉባኤኦም ብምህላዎም ድማ በቲ ካልእ ሽነኽ፡  ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ተመዲቡሉ ዝነበረ ግዜ ናብ ዝተመጣጠነ ግዜ ክሰጋገር  ከምዝግባእን ኣብዚ ጉዳይ ድማ  ናይ ኩሎም መሻረኽቲ ኣካላት ስምምዕ ወሳንነት ከም ዘለዎን ብሕጋዊ መዳይ  ጥራይ ዘይኮነስ ብፖለቲካውን ሓላፍነታውን ሽነኽ ክግንዘቡዎ ከኣ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኣብዚ ኣኼብኡ ተማሕጺኑ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኣብ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ተራ  መንእሰይ ወለዶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብኸመይ ይረጋገጽ ኣብ ዝብል ነጥቢ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ፡፡  ዕድሜ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ እንተ ነዊሑ ካብ ዝኾነ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ንላዕሊ ዝጉዳእ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስዊ ለውጢ ብቁልጡፍ እንተ ተረጋጊጹ ድማ ካብ ዝኾነ ክፋል ሕረተ-ሰብ ንላዕሊ ዝርባሕ መንእሰይ ወለዶ ብምዃኑ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብባህሪኡ ናይ መንእሰይ ቃልሲ ከምዝኸውንን፡ መንእሰይ ወለዶ ድማ ካብዚ ክውንነታዊ ሓቂ ብምብጋስን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታቱ ንምርግጋጽን (ንትስፉው መጻኢኡ ክብል) ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ደምበተቓውሞ ግቡእ ትምህርቲ ወሲዱ፡ ብዝመስሎ መልክዕ ኣወዳድባን ብዝመረጾ ኣገባብ ቃልስን ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ መሪሕ ግደ ክጻወት ከምዝግባእ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዳግማይ ኣረጋጊጹ፡፡

ንስምረት ኤርትራውያን መንእስያት ንድሕነት ሃገር ክሳብ ሕጂ ክጋጥሙ ዝጸነሑ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ንነፍሰ ወከፍ ውድብ፡ ማሕበር ወይ ካልእ ትካል ደምበተቓውሞና ክጋጠሞ ዝጸነሐን ባህርያውን  ኣብ ደምበ ሳውራና ዘሎ ድሕረት ዝወለዶ እምበር፡ ኣብ ስምረት ዝተጀመረ ከምዘይኮነን  ብዙሓት ትካላት ደምበተቓውሞ ንሓደጋ ኣቃሊዑን ምምሕዳሩን ምቁጹጻሩ ስኢኖም ኣብ ረብሓ ጸላኢ ይውዕል ምህላዉ ድሕሪ ምንጻር፡ ኣባላት ስምረት ኣብ ኣፈታትሕኡ ዘርኣይዎ ኣዚዩ ውሕሉልን ደሞክራስያውን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣድነቖቱ ገሊጹ፡፡ ኣባላት ስምረት ድሕሪ ሕጂ ንዝጋጠሙ ዕንቅፋታት ከም ኣካልን ኣምሳልን ኣንጻር ህግደፍ እነካየዶ ቃልሲ ኣብ ውሽጥና ከነካየዶ ዘለና ቃልሲ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብሰፊሕ መድረኽን ደሞክራስያዊ ኣገባብን ሽግራት ክፈትሑን ንዝጋጠሙ ብድሆታት መኪቶም ክሰግሩን፡ ጉባኤኦም መንእሰይ ወለዶን ዝሰፈሐ ህዝብናን ብዝሳተፍን ረብሓኦም ማእከል ዝገበሩ ውሳኔታት ሒዙ  ብዓወት ንክዛዘም  ዘለዎ ትምኒት  ብምግላጽን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ንዘበርከቱዎ ግደ ብምንኣድን ኣብ ዝቕጽል ጎዕዞ ቃልሲ ደምሳኤ ካብ ጎኖም ከምዘይፈለ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዳግማይ ኣስሚሩሉ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝታትና ኣብ ዘገምገመሉ፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ፡ ህልው ኩነታት ሃርናን ህዝብታትናን ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ገምጋም ኣካይዱ፡፡ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን ሃገርን  ከኽተሎ ዝጸነሐ ጸረ ህዝብን ጸረ ሰላም ፖሊሲኡ ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕጽለሉ ምህላዉ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ተመልኪቱ፡፡ መቐጸልታ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ከውርዶ ዝጸነሐ ዘስካሕኪሕ ብሄራዊ ጭቆና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ካብ ዓዲታት ሳሆ ናይ ምጭዋይን ምእሳርን ግፍዒታት ከምዘቐጸለ፡ ከምኡ`ውን ህዝቢ ብሄረ ሳሆ ዝሓወሰ፡ ልዕሊ ዕድሜ ወለዲ ዘጠቓለለ ኣልማማ ምዕጣቕን ጉዱድ ዕስክርናን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዝኸፈአ መልክዑ ስለ ዝሰረሓሉ፡ ህዝብታት ሰላም ተሓሪምዎም ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ራዕድን ከምዝርከቡን ከም ውጽኢቱ ድማ ሂወቶም ንምድሓን  ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ዋሕዚ ዜጋታት ብዝለዓለ ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎን፡ ኣብ ኤርትራ ብህጹጽ ለውጢ እንተ ዘይተረጋጊጹ፡ ብእኡ ደረጃ ድማ ማሕበራዊ ቅሉውላው ስደተኛታት ካብ ዝነበረ እንዳ ከፈአ ከምዝኸይድ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣዘኻኺሩ፡፡

መራሒ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ፡  ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ መራኸቢ ብዙሃኑ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕትት  ጸረ ሰላም ምንቅስቓሱ  ከምዝቐጽለሉን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክቕረብ ዝጸነሐ ናይ ሰላም ሓሳብ ከምዘይቕበልን ከይሓነኸ ዝነጸሮ፡ ናብ ተግባረ ይቕይሮ ምህላዉ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ተመልኪቱ፡፡ ነዚ እኹል መርተዖ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ዓይነት ሰራዊት ብምህናጽን፡ ትንፋስ ዘለዎ ብረት ከዓጥቕን ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ሓለፍትን ሰራዊትን ምትእምማን ከምዝሰእኑን ከምዝተፋነኑን ብምግባር፡ ኣብ ዘይህላወኡ ኩሉ ብሓዊን ዓረርን ክጻወትን ዝገብር ናይ ግዜ ቦምቢ ኣጻዊዱ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቖል” ዘዓይነቱ ኣብ ሃገር ከቢድ  ናይ ጽጥታ ሓደጋ ከንጸላሉው ኣብ ርእሰ ምግባሩ፡ ንሁከትን ዕግርግር ዞባና ዘዓለመ ናይ ካልኦት ሃገራት ጸረ ህዝብን ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ዘሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝኸፈአ መልክዑ ኣብ ምዕጣቕን ምስልጣንን ከምዝጸነሐን፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ኣልሻብብ ርክብ የብለይን ክብል ከምዘይጸነሐ፡ ካብ ኤርትራ ዝተጸዓነ ኣጽዋር ኣብ ሶማል ተራጊፉ ምስ እኹል መርተዖ ከምዝተረኽበ ብምርግጋጽ፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ካልኣዊ ፍልልያቶም ብግቡእ ኣመሓዲሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝሰመረ ዓቕሚ ፈጢሮም ተወሃህዶም ክቃለሱ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ጸዊዑ፡፡

ኣብ መውዳእታ፡ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘተለዓሉ ርእሰ ጉዳያት ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምሕላፍ ናይ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ መደብ ስራሕ ወጢኑ፡፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጽያ ኣብ ኩሉ መዳያት ንውጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ሳውርኦምን ብሓፈሻ፡ ንውጹዕ ህዝቢ ብሄረ ሳሆን መሪሕ ውድቡ ደምሳኤን ዝገብሩዎ ሕውነታዊ ምድግጋፋት ድማ ብፍላይ ልዑል ምስጋንኡ ብምቕራብ፡ ሰለስተ መዓልታት ዘወሰደ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብ09 መጋቢት 2014 ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደምሳኤ

09 መጋቢት 2014

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 14 guests online