www.blina.org

ጽንብል በዓል መበል 23 ዓመት ነጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ጀኔቭ (ስዊስ)   PDF Print E-mail
Wednesday, 21 May 2014 20:18

 

ጽንብል በዓል መበል 23 ዓመት ነጽነት ኤርትራ

ኣብ ከተማ ጀኔቭ (ስዊስ)

 

ጽላል ደንበ ተቓዉሞ ኣብ ስዊስ፣ ደለይቲ ፍትሒ ውድባትን ምንቕስቓሳትን ማሕበራትን ብሓበራ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ብትምህርትን ብተዘክሮታትን ክንጽብሎ ኢና።

መደባትና ናይ ትምህርትን ጽንዓትን ቓልስን ዝምልከት ኮይኑ፣

 

 

. ብቐዳምነት እቲ ብመንእሰያት ኤርትራ ካብ ወርሒ ጥሪ ዝጀመረ ፕሮጀክት "ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓዲስ ቅዲ ባርነት" ዝብል ቴማ ንዕስራ ሰኔ ብሰፍሕ ሰላማዊ ሰልፍን ምደብ ትምህርትን ክድምደም ስለ ዝኾነ ንኡ ዝምልከት ከም ኣጀንዳ ክንድህስስ ኢና።

. ከምኡ'ውን ብክፉት ህዝባዊ ተኻፋልነት ስደትን ጠንቑን ሳዕቤኑን መፍትሒኡን ቴማ ክነልዕልን ክንመያየጥን'ና።

. ድሕሪ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ስለምንታይ ሕድሪ ሱዉኣትና ዘይተተርጎመ?

 

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፣

 

ሃገርና ካብ ባዕዲ ነጻ ኮይና እንተኾነ ንሕድርን ንምብጻዓን ዝጠለመ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ብዘይቁዋምን ብዘይ ህዝባዊ ምረቓን ድልየትን ንፍትሒ ብኢሰብኣዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ረጊጹ ንሃገርን ንህዝብን ጭፍሊቑ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ሸይሸይ ዝበላ ሎሚ ኣብ ከመይ ኩነታት ንኩልና ርዱእ'ዩ። እንበኣር ኣብ' 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት፣ ብወግዕን ብውልቕን ክንምልሶ ሕድሪ ሱዉኣትና እንታይ ነበረ'? ፕሮፓጋንዳን ምስምስን ፋሺሽታዊ ስርዓት ሓቂ ከም ዘይብሉ ሎሚ ዝያዳ ይበርህ ኣሎ። ንኹሉ ክንበጽሖን ከም ቀደምና ተዓዊትና ክንውጽእን ግን ቲፍዞ መንግስቲ ሙዃና ደው ነብሎ። ህዝቢ ንመራሕቱ ከደይብን ከውርድን ሓርነት እንተዘይብሉ ግብሪ ክኸፍል ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ገንዘቡ ተመሊሱ ንኡ መጨፍለቂ' ዝገብሮ። ከምታ ንነጻንት ደሊና ዘምጻእናያ ንሓርነት'ውን ንድልያ። ባርነት ይኣክል ንበል። ኣብ ማእከልና ምክብባርን ምጽዉዋርን ምትሕልላይን ክህልወና ቀንዲ ዕላማን ሕድርን ሱዉኣትና'ዩ። ነዚ ንማዕብሎ።

 

ነዛ መዓልቲ ንምኽባር ኣብ ቐረባን ርሑቕን ዘሎኹም ቆጸራኹም ኣብ ከተማ ጀኔቭ ክትገብሩ ዕድሜን ሕድርን ከም ዘየድልየኩም ንኣምን። ዝሰምዔ ንዘይሰምዔ ምግላጽ ኣብ ኩሉ ህዝቢ ዝርከቦ ብውልቓዊ ሓላፍነት ነዚ መልኣኽቲ ምጥቓዕ ሕድሪ ኣድልን።

 

ነዛ መዓልቲ 24 ክዉንቲ ዝገበሩ ገብርቲ ቅያ ሱዉእትን ስንኩላንን ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሓትን ኣሕዋትን ክንዝክርን ዮሃና ክንብሎምን እታ ሽጎም ክሳብ ሙሉእ ህዝባዊ ዓወት ዝረጋገጽ ክንውልዓ ሙዃና ኣረጋጊጽና ብዝክረ ሰማእታት ክንዓጹ'ና።

መደብ ዝጅመረሉ፣ ሰዓት 17.30

ኣድራሻ፣ Maison des associations - 15, rue des Savoises NPA: 1205 (Plainpalais)

ዮሃን 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሱዉኣትና!!!

ዕምሪ ፋሺስቲ ይሕጸር!!!

ጽላል ደንበ ተቓዉሞ ኣብ ስዊስ

Last Updated on Wednesday, 21 May 2014 20:21
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 66 guests online