www.blina.org

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) መግለጺ ጽንብል በዓል ነጻነት 2014 PDF Print E-mail
Friday, 23 May 2014 20:26

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) መግለጺ ጽንብል በዓል ነጻነት 2014

ኤርትራ ብድሕሪ እቲ ንመላእ ማ/ሰብ ዓለም ዘደነቐ፡ ዘካየደቶ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ቃልስን ዝኸፈለቶ ረዚን መስዋእትነት ጀጋኑ ደቓን ብ24 ግንቦት 1991 ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ምስ ተናገፈት፡ እንሆ ንመበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ነጻነታ ተኽብረሉ ዕለት በጺሕና። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) በዚ ክቡር ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ንመላእ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኩሎም ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጥን ልዕልነት ሕግን ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ናይ ዮሃና መልእኽቱ የመሓላልፍ። ርሑስ ቅንያት ነጻነት ክኸውን ድማ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ቅንያት ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ዝጽንበለሉ ዘሎ ህሞት ን24 ግንቦት ብኣውንታ ገጽትኣ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክልተ ሕድሕድ ተጻረርቲ ዝኾኑ ማንታ ኣምራት ሓዚላ ዝመጸት ዕለት ብምዃና፡ ብካልእ መልክዓ ክንዝኽራ’ውን ግድነት ይኸውን። በቲ ሓደ ወገን ብፍረ ናይቲ መሪር ቃልስን ረዚን መስዋእትነት ደቓን ካብ መላእ ሃገርና ባዕዳዊ መግዛእቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተባሪሩ፡ ሃገራዊ ነጻነትን ልዕላውነት ኤርትራን ስለ ዘበሰረት ብክብሪ ነብዕላ። ብካልእ መዳይ ድማ ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣትሒዙ ብድሑር ኣተሓሳስባ ተላዕጢጡ ዝዓበየ ጸቢብ ጉጅላዊ ህግደፍ፡ ኣብ ኣንጸባራቒ ዝኾነ ጭርሖ ሃገራዊ ነጻነት ተሓቢኡ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ዝዕፍንን ዝረግጽን እንኮ ሰልፋዊ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠላ ዕለት ምዃና ኣይዝንጋዕን። ብውጽኢቱ’ውን ናይቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዝርከብ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ቅልውላው ስለ ዝኾነት ብክንድ’ቲ ኣብ ሃገራዊ ነጻነት ዘለዋ ክብሪ ብምረት ክንዝኽራ’ውን ንግደድ።

 

እቲ ብድሑርን ጸቢብን ኣተሓሳስባ ዝልለ ርእሲ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ፡ ብስም ስውኣት ኤርትር እናመሓለ፡ ሃገር ብዘይቅዋም፡ ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ካብ ዘመሓደር ዕስራን ሰለስተን ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብርግጽ ቅዋም ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ እንኮ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣብ ዝነገሰሉ ኩነታት ሰናይ ምሕደራ ዘውሕስ ጥዑይ ፖሎቲካዊ ስርዓትን ግስጋሰን ክረጋገጽ ኣይኸኣልን’ዩ። ኢሳይያስን ሰዓብቱን ነዚ ሓቂ’ዚ ብምጽራር፡ ኣብ ዓለም መውዳድርቲ ዘይብሉ ብሱል ፖሎቲካዊ ስርዓት፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ዘረጋገጹ ብተደጋጋሚ እንተመደሩ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ግን ምስቲ ዝነዝሕዎ ፕሮፓጋንዳ ፍጹም ተጻራሪ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ’ዩ። ብዝኾነ ኩሉ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍን እቲ ንዓመታት ዝደጋገም ዘይጭበጥ ኣጉል መብጽዓታት ይኹን ጃህራታት ገባቲ ኢሳይያስ ንጥፍኣትን ዕንወትን ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ ንድሕነቱን ዕብየቱን ክኸውን ኣይተራእየን።

 

ህዝብና ብስንኪ’ቲ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ዝቐጸለ፡ ኣዕናዊ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተመንዚዑ፡ ፍትሒ ተነፊጉ ድሕነት ሂወቱ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣብ ዓዘቕቲ ክነብር ዝግደደሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ኩሉ መሰረታዊ ጠለባቱ ክማላእ ብዘይምኽኣሉ ዕለታዊ መነባብሮኡ ንዝኸፍአ ኩነታት ተጋሊጹ፡ ፍጹም ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፈልጥ ንጥምየት ተቓሊዑ፡ መንበሪ ገዛ ከይሰርሕ ብትእዛዝ ተኣጊዱ፡ ኣገልግሎት ዝስተ ጽሩይ ማይ ተሓሪሙ፡ ብሕጽረት ኣገልግሎት መብራህቲ ኣብ ጸልማት ክነብር ተፈሪዱ፡ ብሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምና ስቓይ ከሕልፍ፡ ካብኡ ዝኸፍአ’ውን ብግቦን ብልሽውናን ተመዝሚዙ ክነብር ይግደድ ኣሎ። ብውጽኢቱ ህዝብና ብፍላይ’ውን እቲ ተረኻቢ ወለዶ መንእሰይ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ፖሎቲካዊ ነጻነትን ሓርነትን ስለ ዝተነፍገን ብመወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ስለ ዝላደየን ብጅምላ ንሰደት ዝውሕዝሉ ህሞት ተኸሲቱ ምህላዉ የረጋግጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን፡ እቲ ክንደይ መሪር ቃልስን ረዚን መስዋእትነት ዝሓተተ ልዕላውነት ኤርትራ ንምዕቓብ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምኽባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ገባትን ጨቋንን መንግስቲ’ዚ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ራህዋን ንምርግጋጽ፡ ኣሳታፊ ዝኾነ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ሓድነቱ ኣደልዲሉ እንቢ ንጥፍኣትን ዕንወትን ብምባል ካብ ዝኾነ እዋን ንልዕሊ ክምክት ይህልዎ። ፖሎቲካዊ ሓይልታት ዝለዓለ እጃምን ሓላፍነትን ከም ዝስከሙ ብምግንዛብ፡ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ካብ ጸቢብ ውድባዊ ሕሳባትን ዕለታዊ ካልኣዊ ፍልልይን ዝፈጥሩ ተረኽቦታት ወጺኦም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብክንድ’ቲ ሃገራዊ ዕማምን ሓላፍነትን ዝሓቶ ክሓስቡ ይግባእ። ነቲ ሰፊሕ ጽላል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ንምምስራት ኣብ ምርድዳእ ዝተበጽሐ ኣውንታዊ ስጉምቲ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ብዕቱብ ክሰርሑ ይህልዎም።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

23 ግንቦት 2014

 

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 88 guests online