www.blina.org

ብምኽንያት መበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ) PDF Print E-mail
Thursday, 29 May 2014 23:16

ብምኽንያት መበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝወጸ

ውድባዊ መግለጺ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)፡

ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ዓለም ሕደት መዳረግቲ ዘለዎ መሪር ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነጻን ልኡላውትን ኤርትራ ካብ ኢድ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ መንዚዖም ናጽነቶም ካብ ዝጭበጡ ድሮ 23 ዓመታት ሓሊፉ፡ እነሆ ናይ ሎሚ ዘበን መበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነትና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ብድምቀት ንምብዓል ኣብ ምሽብሻብ ንርከብ ኣለና፡፡

ናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ሃገራዊ ኩነታት ይበዓል ምህላዉ ብምርኣይ፡ ዓወት ሓቀኛ ትርጉም ናጽነት ንምስትምቓር ነካይዶ ዘለና መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ንምቅልጣፍ ዳግማይ ቃልና ከንሕድስ ይህልወና፡፡

ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ውክልናን ምክንያትን ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጥ፡ ዒስራን ሰለስተን ዓመት መምላእታ፡ ብዘስካሕኪሕ ጨካኒ ወተሃደራዊ መሕደራ ኤርትራ ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኩሉ መዳያዊ ጸጋታት ሃገር ብምግባትን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት `ዚ ዘይበሃል በደላትን ግዒታትን ከብጽሕ ጸንሑ ኣሎ፡፡ ምእንቲ ዘይተጓደለ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቶም ንምርግጋጽ ኩሉ መዳያዊ ዋጋ ዘኸፈሉን ነጻ ኤርትራ ህያው ዝገበሩን ሓፋሽ ህዝታት ኤርትራ፡ ሕልምታቶምን ባህግታቶምን ተዓንቂፉን ናጽነቶም ስለ ዝተጨወየ፡ መግለጺ ኤርትራዊ ብዙሕነት ዝኾነ ብሄራዊ መንነቶም ተካሒዱን ተሰሪዙን ንህዝብታት ኤርትራ ሓደጋ ምብትታንን ኣንጸላልዎም ይርከብ፡፡ ኣብ ርእሲ`ዚ፡ `ዚ ዘይበሃል ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው በጺሑዎም፡ ኤርትራ ሃገርና ሂወት ዘለዎ ንክነብረላ ፈጺማ ዘይትጠዕም ሃገር ኮይና ኣብ ልዕሊ መሬት ካብ ዝነብር ብሂወት እና ሃለዉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለዉ ብምብዛሖም፡ ኩሉ ዜጋ ልዕሊ ዕድሜ ሽማግለታትን ህጻናትን ከይተረፉ ሂወቶም ንምድሓን ኢግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ይጠፈኡን ከርፋሕ ናብራ ስደትን ይስተማቐሩን ብምላዎም፡ እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከም ህዝብን ሃገርን ንምቅጻል እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ከንሱ፡ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ገና ኩሉ መዳያዊ ዓቕምታቶም ኣወሃህዶም ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ርኡይ ጸብለልታ ከርእዩን ድሕሪ ውድቐት ህግደፍ ክጋጥም ዝኽእል ፖለቲካዊ ባዶነት ክመልእ ዝኽእል ዝሓሸ ተካኢ ሓይሊ ክፈጥር ኣብ ዘይከኣለሉ ብሐደ ሽነኽ፡ ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ብውሽጥን ብግዳምን ቀጸሊ ይጋጠሞ ብዘሎ ተቓውሞን ተነጽሎን፡ ብዘይ ንቡር ኣገባብ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ኣብ ደንደስ ውድቐት ኣብ ዝርከበሉ ሂሞት ድማ በቲ ካልእ ኢና መበል ዒስራን ሰለስተን ዓመት መዓልቲ ናጽነትና ነብዕሎ ዘለና፡፡

ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራን ጀጋኑ ተቓለስቲ ደቑን፤

ኩነታት ህዝብን ሃገርን “ጽባሕ ከርክበሉ`የ፡፡” ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ ዘለናዮ እዋን፡ እዋን ኣፈርክቦ'ዩ፡፡ እንተኾነ ናህሪ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምስቲ ህጹጽነት ሃገር ዝመጣጠን ብዘይ ምዃኑ ንዝፍጠር ቅቡል ሻቕሎትን ስክፍታን ሃናጺ ፍታሕ ንምርካብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህልው ዓቕምታትና ጠርኒፍና ብዝሰመረን ዝተወሃህደን ቃልሲ ካብ ምክያድ ዘቅድም ውራይ የቢልናን፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ከምደምበተቓውሞ ኤርትራ፡ ህዝብን ሃገርን ኣንጸላልዎም ካብ ዘለዎ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን ቃልና ከንሕድስን ታርኻዊ ሓላፍነትና ክንዋጻእን ውድብና ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ) ብምኽንያት ነዛ ክብርቲ ዕለት ገድላዊ መጸዋዕታ ይቕርብ፡፡

ኣብ መውዳእታ፡ ውድብና ደምሳኤ ናይ ጭቑናት ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታቶም ዝተረጋገጸላን፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ብዘይ ገደብ ዝኽበረላ ደሞክራስያዊት ብልጽግቲ ኤርትራ ንምህናጽ ዝጀመሮ ህዝባዊ ቃልሲ መፈጸምተኡ ንምብጻሕ፡ ምስ ዋናታቱ ዝኾኑ ጭቑናት ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ብምዃን ከይተሓለለ ክቃለስ ምዃኑ በዚ አጋጣሚ ዳግማይ አንዳ ገለጸ፡ “እንቋዕ ናብ መበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብሰላም ኣብጻሓና ኣብ ጸሓኩም፡ ዮሃና!!” ይብል፡፡ መበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ ናይ ምሉእ ናጽነትን ሓርነትን ክኾነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 13 guests online