www.blina.org

መደብን ዕላማን ጻዊዕትን ሰላማዊ ሰልፊ 20 ሰኔ 2014ዓ.ም ኣብ ቅርዓት ሕቡራት መንግስታት ጀኔቭ PDF Print E-mail
Thursday, 19 June 2014 08:13

መደብን ዕላማን ጻዊዕትን

ሰላማዊ ሰልፊ 20 ሰኔ 2014.

ኣብ ቅርዓት ሕቡራት መንግስታት ጀኔቭ

 

ብሓልዮት ኣህጉራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ንሰላምን ንምዕባሌን

(ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጀኔቭ)

ጋዜጣዊ መግለጺ፣

ዕላማና፣ "ሃገራዊ ኣገልግሎት " ሓዲስ ቅዲ ባርነት ኣብ ልዕል መንእሰይ ስለ ዝኾነ ብቀጥታ ደው ይበል ዝብል'ዩ።

ንሕና መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት ዝተወለድናን ኣብ ስደት ዝዓበናን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኩሉ መሰል መንእሰይ ዝገሃሰ ሃገራዊ ኣገአልግሎት "ሓዲስ ባርነት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ልዕሊ መእሰያት ኤርትራ ከቢድ ስንብራት ከም ዘለዎን፣ ንህዝብናን፣ ንመንግስቲ ኤርትራን፣ ንዓለማዊ ናይ ፍትሒ ትካላትን ዉልቐ-ሰባትን ካብ ወርሒ ጥሪ 2014ዓም ጀሚርና ብዝተፈላለየ መንገዲ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ዝውረዶ ግፍዕን፣ ስደትን፣ ምንቑልቛል ስድራ ቤታትን፣ ባህላዊ ጸገምን፣ ሞትን ማእሰርትን፣ ቁጠባ ሳዕቤኑን ክነቅርብ ጸኒሕና። ንሕና ንህዝብና ነፍቕሮ ኢና ንሃገርና ከኣ ነኽብራ'ና። መንእሰይ ንሃገሩ ከገልግል ግቡእ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሕልና ግዴታ ከም ዝኾነ ንኣምን። ንሃገር ምግልጋል ግን ንበይኑ ጠልጠል ዝበለ ግዴታ ኣይኮነን። ብቑዋምን ብባይቶን ብነጻ ቤት ፍርድን ብነጻ ድልየት ሰብን ክስነ ኣለዎ። በዚ ኣገባብ ዘይከይድ ግን ውጺኢቱ መንእሰይ ምጽናት የስዕብ። መንእሰይ ንሃገር ከገልግል ሃገር ከኣ ንመንእሰይ ክትሓሊ ከም ዘለዋ ስለ ንኣምን ነዚ መደብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ዝተወልደን ዝዓበየን ምስ መዘናታቱ ሓድስቲ ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ምስ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ብዓቢ ዓወት ይዛዘም ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሕጊ ዘይብሉ ተግባሩ ብዝኾነ ከመኽንየሉ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ቅድሚ ህዝብናን ዓለምን ተጋሊጹ ኣሎ። ነዚ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ዝድግፍ ባርነት ደቁ ዝድግፍ ምዃኑ ተጋሊጹ ኣሎ። ብሰፊሑ ጸብጻብና ንህዝቢ ክንገልጾ'ና።

መደብና መደምደምታ ክግበረሉል ካብኡ ክንመሃርን ንቐጻሊ መደብና ክስርዕን 20 ሰኔ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ካብ መጀምርታ ሓሪናያ ተበጊስና። ዝኽሪ ሱዉኣት ሸምዓ ምዉላዕ ንበይኑ ዘይኮነ ብግብሪ ነቲ ዝወደቀሉ ዕላማ ምትግባር ሙዃኑ ኩሉ ህዝብና ዝርድኦ ሓቂ'ዩ። ንሕና መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ንነብር ለበዋ ሱዉኣት ኣዴታትናን ኣቦታትናን ተጠሊሙ ከም ዘሎ ግደፉ ንኣና ንዓለም እኳ ብሩህ'ዩ። ነዚ መዓልቲ እዚ ከም መዛዘሚ መደብና ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ዝሓረናሉ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ቀንዲ ዋናን በዓልቤትን ዝኾነ ህዝብና ንምዝኽኻርን ንምንቕቓሕን ክኸውን ከሎ፣ ብካልእ ኣጋጣሚ ከኣ ኣብ' ዕለት እዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ንመንግስቲ ኤርትራን ነታ ፍልይቲ ልእኽቶም ዝኾነት ሸላ ጸብጻቦም ክሰምዕን ናቱ ንጹርን ዘየማትእን ውሳኔ ዝወስደላ ዕለት ሰለ ዝኾነ'ዩ። ነዚ ብሓጺር ዝገለጽናዮ፣ ኩሎም ደልይቲ ፍትሒ ኣብ ዲያስፖራ ንነብር ብሬድዮ፣ ብኢንተርነት፣ ብፓልቶክ፣ ብፈስ ስቡክ፣ ካልእ መሳለጥን፣ ነቓልሖ ኣሎና። ጋዜጠኛታትና፣ ዌባትና፣ ስነ ጥበባውያና፣፣ ጸሓፍትና፣ ፖሎቲካውያን ውድባትና፣ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቅትና፣ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ኣለዉ። ክሳብ እታ ምዝዛም ዕለት ብፍልጠትና ብጉልበትና ብንብረትና ክንረባረብ ሕድሪ ዘድልየና ኣይኮነን። ብፍላይ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ክውሕዞ ትጽቢትና ዓቢ'ዩ። እዚ መደብ ብሰላምን ብዘሕጉስ ኣገባብን ተማሊኡ ክሓልፍ ደለይቲ ፍትሒ ስዊስ ብፍላይ ነበርቲ ጀኔቭ፣ ድቓስ ዝህብ ስራሕ ከም ዘይኮነ ተርዲእና ንቓለሰሉ ኣሎና። ኣብ ኩሉ ዓለም ትነብሩ ብዝጥዕመኩም ኣገባብ ክተሙቑና፣ ነቲ ዕላማ ክትዝርግሑን ህዝቢ ክተነቓቕሑን፣ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ንነብር ከኣ ከም' ናይ ትማሊ ክትከቱ ካብ ሎሚ ቆጸራኹም ንጀኔቭ ክኸውን ትጽቢት ኣሎና።

 

ብደሓን ሙጻ/ጹኡ

 

መደብና፣

ዕለት 20 ሰኔ ሰዓት 12:00 ኣብ ቅርዓት ሕቡራት መንግስታት ሰላማዊ ሰልፊ

Adress: Palais des Nations, 1211 Genève

ካብ ሰዓት 16:00 ጀሚሩ ሰፍሕ መደብ ክፉት ዘተ ንመንእሰያት፣ ንዓበይቲ፣ ብፍላይ ዓበይቲ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖሎቲካ ሰባትን ዝመርሕዎ ብስእሊ ዝተቀርጸ ብሰብኣውያን ማሕበራት ዝተሰነየ ኣብ ልዕሊ መንኣሰይን ዝወርድ ዘሎ ግፍዓታት ዘጠቓለለ ኣብ 500 ሚእቲ ሰብ ክሕዝ ዝኽእል ኣደራሽ ድራርን ስነጥበባዊ ምርኢትን ክቅጽል'ዩ። ኣብ ደጀና፣ ሃገረ ጣልያን ብህግደፍ ፈስቲቫል ክገብር ንዝውጥኖ ንምምኻኑ ክንመያየጠሉ ምዃና ነዘኻኽር።

Adress: Salle communale de Plainpalais

Rue de Carouge 52

1205 Genève

"ሃገራዊ ኣገልግሎት" ሓዲስ ቅዲ ባርነት ደው ይበል!!

ሰማእታትና ለበዎኦም ብምትግባር ይዘከሩ!!!

ኣህጉራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ንሰላምን ንምዕባሌን

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 16 guests online