www.blina.org

20 ሰነ 2014ኣሰናዳእቲ ሓድነታዊ ጉባኤኣኼባ ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ PDF Print E-mail
Wednesday, 25 June 2014 23:07

ኣኼባ ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣኼባና ኣብ ፈጻሚኡ ንምብጻሕ ዝገበሩልና ኩሉ ሽነኻዊ ምድግጋፍ ልዑል ምስጋንኦም ኣቕርቦም። ኣብ መደምደምታ ኣኼባ ኣቦ መንበራት ንዝቕጽሉ ስርሓት ንምምሕዳር መምርሒታት /ተውጂሃት/ ብምሃብ ዕማማቱ ዛዚሙ። 
ኣኼባ ኣቦ መንበራት ነቶም ኣብ ገለገለ ዝተፋላለዩ መራኽቢ ብዙሓን (ዌብ ሳይትስ) ነዚ ኣኼባዚ ኣመልኪቶም ብዓረበኛ ክወጹ ዝጸንሑ ሓበሬታታት ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕን ገሊኡ መሰረት ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ገሊኡ’ውን ኮነ ኢልካ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ንምጥምዛዝን ንምጽላምን ዝተሃቀነ ብምዃኑ ንሓድነታዊ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ቃልስታቱን ዘየገልግል እዩ ኢሉ ኣትርሩ ነጺግዎ። ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍራሲ ተግባራት ምድሃብ ኣብ ምሕያል ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ምዕዛዝ ሓድነቱን ኣወንታዊ ተርኦም ክጻወቱ’ውን ጸዊዑ።
ኣኼባ ኣቦ መንበራት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቶም ኣብ ዝተማያየጥሉ ህሞት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብዝላዓለ ጽፍሒ ሃይማኖታዊ መራሕታ ኣርባዕተ ናይ መላእ ኤርትራ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሃገርና ኣንጻላልዎ ዘሎ ናይ ብርስትን ምብትታንን ሓደጋ ብኣግኡ ንምዕጻፉ ክካኣል ምእንቲ፡ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣናትን ህዝብን ብትብዓትን ጅግንነትን ሃይማኖታዊ እምነቶም መሰረት ገይሮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግዜ ዘይህብ ህጹጽ እዋናዊ ተባራዒ ታሪኻዊ ጻዋዒት ብምዃኑ፡ ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ልዑል መጎሶም ገሊጾም። ኩሎም ካልኦት ኣመንቲ ዝተፋላለዩ ሃይማኖታትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ስራዊትን ከኣ፡ ኣሰሮም ተኽቲሎም ሃገር ንምድሓን ነዚ ቅዱስ ተግባር እዚ ብምድጋፍ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዖም። 
እዚ ዘጋጠመ ናይ ምፍንጫል ተርእዮ’ዚ ኣብ’ዚ ሕጂ በጽሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽይበጽሕ ንምልዛቦምን ናብ ፍታሕ ክበጽሑን ብስክርታሪያ ኣቦ መንበራት ዝተገብረ ጻዕርታት ኣቦ መንበራት ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕን ምምስጋንን ኣብ ሕቶ ውክልና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተኸስተ ፍልልይን ምስሕሓብን ዕቱብ ምይይጥ ኣካይዱ።ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ኩነታት ኣቦ መንበራት ከፍርዶም ዝኽእል ሕጋዊ ሰነዳት ኣብ ዘይተቐርጸሉ ህሞት እቲ ዝሐሸ መማረጺ ገይሮም ዝወሰድዎ ንስኻ ቅኑዕ ንሳኻ ዘይቅኑዕ ኢሎም ፍርዲ ምሃብ ዘይኮነስ እቲ ጉዳይ ንቕድሚት ብዝሐሸ መንገዲ ዝውገነሉ ዕድል ብዝህብ ኣገባብ ብጥንቓቐ ክታሓዝ ብምርኣይ ንግዚኡ ክልቲኡ ሽነኻት ካብ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ግልል ኢሎም ክጸንሑ ርእዮም። ነቶም ዝኸዱ መስርሓትን ዝብጽሑ ስምምዓትን ከኣ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ ኣብ ዘሎ ጽላል ክስዕቡ ዝጸንሑ ኣካላት ከም ምዃኖም መጠን ኣኼባ ኣቦ መንበራት ዝበጽሕዎ ምርድዳኣት ብዝጥዕም መንገዲ ከስዕቦዎም ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
ኣብ ኣኼባ ኣቦ መንበራት ከም ዛዕባታት ክራኣዩ ግድን ዝገበረ ወድዕነት እቲ ድሕሩ ዝማዕበለ ኩነታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት’ዩ ኔይሩ። ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ቅልውላውን ምፍንጫልን ኣሉታዊ ኣሰራቱ ኣብኡ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮንስ ብሓፈሻ ንመላእ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ምቛም ዘሎ ጽላል ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብኣሉታ ዝጸሉ መቐጸልታ ናይ ሕሉፍን ህልውን ተመኩሮታትና ሓደ መርኣያ ምዃኑ’ዩ ኣቦ መንበራት ኣሰናዳእቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝተገንዘቡ።   እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ብመሰረት ናይ ቀዳማይ ኣኼባ ሓባራዊ ምርድዳእ ዳግም ተጻፊፎም ናብ መላእ ኣባላት ውድባት ናይ’ዚ ዝቐውም ጽላል ንምይይጥ ክወርዱን ናይ መጨረሻ መልክዖም ዝሕዝሉ መድርኽ ክሳጋገርን ኢዩ እዚ ኣኼባ’ዚ ዳግም ዘረጋገጸ። በዚ መሰረት ነዞም ካብ ውድባት ስዒቦም ዝመጹ ርይእቶታት ንምትእንጋድ ቅድሚ ምግባእ ሓድነታዊ ጉባኤ ሳልሳይ ኣኼባ ኣቦ መንበራት ኣሳናዳእቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ክካየድን ኩሎም ሰነዳት ተጻፊፎም ናብ ጉባኤ ክሳጋገሩን’ዩ ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ ዝበጽሐ። ናይቲ ዝቀውም ጽላል ዝኾኑ መስረታዊ ሰነዳት እዚኣቶም ኢዩ ብደረጃ ናይ ኣቦ መንበራት ዕሙቕ ዝበለ ክታዓት ብምክያድ ዝማሓየሽ ብምምሕያሽ፡ ኣብ ክሊ ሓደ ሰነድ ክካተቱ ዝኽእሉ ዝተፋላለዩ ሰነዳት ከኣ ኣብ ሓደ ክካተቱን ክማዓራረዩን ብምግባር፡ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ግንዛቤ ዘይተበጽሓሎም ነጥብታት ከኣ ግዜ ሂብካ ንቅድሚት ብዕምቆት ክዝተየሎም ክማሓላለፉ ብምርኣይ ናብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ኢዩ ዝተበጽሐ። 
4 ንድፊ ሓባራዊ ናይ ዓወት እስትራተጂ ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ መርሆታት፡3 ንድፊ ዝምድና ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኤሃባደለን፡2 ንድፊ ህንጻ ሕጊ፡1 ናይ ስፊሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ንድፊ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ 
በዚ መስረት ካልኣይ ኣኼባ ኣቦ መንበራት ዝተሳናድኡ ረቀቒቲ ሰነዳት እዚኣቶምን ካልኦት ድሒሮም ዝማዕበሉ ጉዳያትን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ካብ 10-20 ሰነ 2014 ኣብ ዘሎ ግዝያት ተኸታታሊ ኣኼባታት ብምክያድ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዕቱብ ልዝባት ገይሮም። ብመሰረት ናይ 7 ለካቲት 2014 መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ሓደ ዝሰመረ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ንምቛም ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ኣቦ መንበራት ንምስንዳእ ሓድነታዊ ጉባኤ ሓላፍነት ከም ዝወሰዱ ዝዝከር ኢዩ። በዚ መስረት ከኣ ድሕሪ እዚ ስምምዕ እዚ ኣቦ መንበራት ኣብ ቀዳማይ ኣኼብኦም ብዛዕባ ከመይነት ሓደነታዊ ጉባኤ ብጽፉፍ ቅድመ ምድላዋት ክካይድ ከምዘለዎ ተላዚቦም። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ክዳለው ዘለዎም ሰነዳት ብምዝርዛር ከመይ ኣብ መንጎኦም መቐላ ዕዮ ገይሮም ቀዳምነት ረቅቕቲ ንድፍታት ተዳልዮም ብመንገዲ ሰክርታርያ ናብ ዝስዕብ ኣኼባ ኣቦ መንብራት ይቐርቡ ትልሚ ተታሒዙ ከስራሓሉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። 
ኣስናዳእቲ ሓድነታዊ ጉባኤካልኣይ ኣኼባ ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራደምዳሚ መግለጺ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 33 guests online