www.blina.org

ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ !! PDF Print E-mail
Sunday, 01 September 2013 18:44

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዝበራረዩ መግዛእቲ ኤውሮጳ ዝጸንሓ ሃገራት ሱሉስ ዓለም፡ካልኣይ ኹናት ዓለም ብልዕልነት ናይ ኪዳን ሓይልታት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ናጽነተን ክፍለጠለን ከሎ። ኤርትራ ሃገርና ግን ዕድል መሓዙታ ኣይረኸበትን። ብፍትሒ ዝጎደሎ ብይን 390 A(v) ሕቡራት መንግስታት 2 ታህሳስ 1950ዓም ኤርትራ ተዓሚጻ ብሓይሊ ምስ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ስማዊ ፈደረሽን ክትቁረን ተገዲዳ።እቲ ብግሓቱ ግዝኣቱ ናይ ምስፍሕፍሕ ሕልሚ ዝነበሮ ኣንበርጦርያ ኢትዮጵያ፡ ብሓገዝ ኣሜርካ ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ።እቲ ብቀንዱ ንኢትዮጵያ ዝያዳ መሰል ዝህብ ዝነብረ ዓንቀጻት ተደምሲሶም፡ ብኣዋጅን ብግብረሽበራን ብታሕቲ ታሕትን ኤርትራ ንጎበጣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ምችእቲ ኮይና።ነዚ ዘይፍትሓዊን ዓመጽን ቅሉዕ ወራር ዝተቓወመን ዝመከተን ከኣ ሞት ኮይኑ ፍርዱ። ድሕሪ ዓሰተ ዓመት'ውን ከም'ቲ መደቦም ባንዴራ ፈደርሽን ወሪዳ፡እቲ ሽማዊ ዝነበረ ፈደረሽን ብዕሊ ከም ዝፈርስ ተገሩ።

 

ህዝብታት ኤርትራ ፍትሒ ሲኢኖምን ብፈሪሂ ካብ ተኾርሚኻ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሞት፡ እንቢ ንመግዛእቲ ብምባል ንሓርነቶም ተቃሊሶም ክዕወቱ ወይ ክሞቱ መሪጾም። ኣቐዲሙ ብሓረካ ወይ ማሕበር ሾብዓተ፡ ድሒሩ ከኣ ውሑዳት ብመርሕነት ጅግና ሱዉእ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ሸውዓተ ብጾቱ ታባዕ ስጉምቲ ወሲዶም።ኣብቲ ቅኑዕ ቃልሲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣሰሮም ከም ዝኽተልም ተኣማሚኖም ኣብ በረኻታት ባርካ ተዓቑቦም፡ ናይ መጀመርታ ግዜ ጥይት ነጻነት ብሓደ መስከረም 1961ዓ.ም. ተኪሶም። ሎሚ ከኣ መበል 52 ዓመት ሓደ መስከረም ነብዕልን ንናታ ዝኽሪ ንጽሕፍን ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ኵናትን ሞትን፣ ማእሰርትን ስደትን፣ ጥሜትን ከርተትን ተጽዊሩ፣ ንኢትዮጵያን ድገፍታ ዓበይቲ መንግስታትን ሲዒሩ። ብ1991ዓም ኣብ ኩሉ መሬት ኤርትራ ካብ ጻት ናብ ጻት ሳላ መስዋእትን ስንክልናን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ስለዝኸፈሉ፡ ብመሪሕነት ህግሓኤ ንመግዛእታዊ ሓይሊ ስዒሮም ባንዴርኦም ሰቂሎም።

እዚ ስለ ዝኾነ ሓደ መስከረም፡ ኣብ ልቢ ህዝብታት ኤርትራ ክቡር ቦታ ትውንን። ኣቦታትናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፣ ብርሃን ኮይኖም ንጸልማት ክገልሁ፣ እኽሊ ኮይኖም ንጥሙይ ክዕንግሉ፣ መንገብገብ ዘለዎ መልኣኽ ኮይኖም ብሰላም ንሃገር ክኸድኑ፣ ቀንዴል ኮይኖም ብፍልጠት ንሓጎል ክኹስኹሱ፣ ባይቶ ሃኒጾም ንጭቁናት ኣብ ትሓቲ ፍትሒ ክዳነዩ፣ ዜጋታት ባህሎም፣  ቋንቋኦም፣ ናይ መሬቶምን ዋናታት ክኾኑ፣ መሰል ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ከዕትሩ፡ ዝተበገሱላ ዕለት ስለ ዝኾነ ኣብ ታሪኽና ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት`ያ። ሾውዓተ ከም ሓደ ኮይኖም፣ ብተስፋን ብእምነትን ሂወቶም ንጭቁን ህዝብታቶም ሂቦም፡ ንሱ ከኣ ከም ዝስዕቦም ኣሚኖም፣ ክንዲ እንባ ንዝኾነ መግዛእቲ ሃጸይ ሃይለስለሴ ብደሆ!! ዝበሉላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት መጀመርታን መተካእታን ዘይብላ ታሪኻዊ ቅያ ዝተፈጸማላ ዕለት'ያ። ከም`ዚ ስለዝኾነ ኢና ድማ፡                       ሓደ መስከረም ናይ ኤርትራዊያን  ሓድነት መግለጺት እምኒ ኹርናዕ እያ ኢልና ንኣምን።

ዕድጋ ከም ኣዴኻ ዝበለትካ ዘይኮነ ከም ንሱ ዝጸንሓካ'ዩ ከም ዝበሃል፣ ቅድሚ ነጻነት፡ ንሰላሳ ዓመታት ደሚዩ፡ዝተናውሔ ኵናትን ሳዕቤናቱ ከቢዱኒ ከይበለ ዝተጋደለ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኢዱ ረኺቡ። ዘይተጸበዮ ጉሒላ፣ ጠላም፣መደናገሪ፣ ቐታሊ፣ ባሓቲ፣ ትምክሕተኛ ስርዓት ህግደፍ ተዓዲሉ።ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተበራረይቲ ናይ መግዛእቲ ሓይልታት ብቀሊሉ ክቆጻጸርዎ ዝተኣታተውዎ ትሑት ንቅሓት፡ነዚ ተኸቲሉ  ነዊሕ መደብ ሰሪዑ ዝኽየድ ዘሎ ጉሒላ ስርዓት ህግደፍ ኢና ግዳይ ዝኾና። ኣብ ግዜ ቓልሲ ንህዝብና መሰሉን ባህሉን ሕጊ እንዳቡኡን ዝሕልዋ ኮታ ንኡ ዝሰሚዕ እዝኒ ዘለወን ውድባት ኣይነበራናን። ብፍላይ ከኣ እቲ መርሕነታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዘተ ብግሉጽን ንካልኦት ፍሉይ ራኣይ ዘለዎም ዘሳትፍ ባህልናን ልምድን ኣይነበሮን። "ሰበረ ቀደም ስሙ እንታይ ነበረ? ሰበረ፣ እሞ ዝበልኩሞ እንዳእሉ ዝገበረ፣ ከም ዝበሃል ድሕሪ ናጽነት ንዕስራን ክልተን ዓመት ክንመውትን ክንእሰርን ክንስደድን ክንጠምን ክንድንቁርን ክንበታተን ዝገበረና ጉዕዞ መስመር ምዃኑ መን ኣሉ ክብሎ ይኽእል። ሕጂ'ውን እቲ ፍታሕ ካብ ኢድና ናብ ኢድና'ዩ። ብርእይቶና ክእለይን ብትብዓት ክንምክቶን ዘሎና ሕማቕ  ተረድኦ ኣሎ ንብል፡ ገለ ካብኡ ክንጠቕስ።

ሀ. ፋሺስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ሓላይን ተሓላቕን ሃገር እናመሰለ ንህዝብና ካብ መበቆሉ፣ባህሉ መሰሎም ዝጻረር ዘሎ ስርዓት እዩ፡፡ ንስልጣኑ ክብል ዘንበድበዶን ዘጉሃሮን ኵናት፡ ክንደይ ንጹሓት ዝበልዔ እሞ ጽልኢ ምስ ጎረባብትና ከዕሙቕ ዝገብር ዘሎ ሜላ፡ ክንዲ ብዓቕልን ብጥበብን ብህዝባውን ሕጋውን ፍታሕ ክነናድየሉ ንሰርሕ፡ ከም'ቲ ንሱ ዝብሎ "ኣብ'ዚኣስ ሓቂ ኣለዎ" "ቅድም ዶብና..." "ካብ ኢትዮጵያ ምጽባይ ካብ ቐደምስ.." እናበልካ ቀለብ ፕሮፓጋንዳ ፋሽስቲ ምዃን ክነቕሓሉ ዝግባእ ግዜ'ዩ። ፈተውቲ ምጉዳልን ብዘይ ኪዳን ኣብ ቁሪ ምሕዳርን ሓደ'ዩ ከምዝበሃል። ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ካብ ናይ ገዛእ ነብስኻ ረብሓ ዝብገስ ምኻኑ ምፍላጥ ይግባእ። ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ረብሓን ምክብባርን ምትሕግጋዝን ኮታ፡ኣብ እንካን ሃባን'ዩ ክምስረት ዘልዎ።ክሳብ ሕጂ ንኽተሎ ዘለና ግን ኣብ ስምዒትን ሕሉፍ ተሞክሮ ዝገድፎ በሰላን፡ ስርዓት ህግደፈ ዲክተት ዝገብሮ ኣጀንዳ ንደግምን ንኽተልን ኢና ዘለና።

ለ. ካልኣይን ኣገዳስን ድሕሪ ናጽነት 1991ዓ.ም ዘሎ መድረኽን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ቃልሲ መዋእል ፈላሊና ዘይምርኣይ እዩ። ናይ መሰላት ሕቶ፡ ደርባዊ፣ብሄራዊ፣ሃይማኖታዊ፣ ካልእን ሕቶ ኣልዒሎም ንዝቃለሱ፡፤ ከም ዕሱባት ናይ ካልእ ሓይሊ ወይ ሃገር ገርካ ምውንጃል'ዪ። ብፍላይ ከኣ ነተን ሕቶ ብሄር ዘልዕላን ዝጣበቓን ውድባት ዓንቐጽ 39 ናይ ዲሞክራስያዊ ሩፑብሊክ ኢትዮጵያ ሕገ ሃገር ጠቂስካ "እዚ ኣብ ሃገር ኤርትራ ክውረስ ዝደልያ ሰታላይት ወያኔ እየን ምባል`ዩ። እዚ ንሓድነት ሃገርን ህዝብን ዝሕለቅን ዝቓለስን ኣበሃህላ እይኮነን። ሳዕበኑ ድማ ነቲ ዘሎ ዘይምትእምማን ከም ዝገፍሕ እዩ ዝገብር።ክፉትን ዲሞክራስያውን ዓውደ ዘተ ተኸፊቱ ንቅድሚት ኣርሒቁ ዝጠሜተ ምርጫ ክንወስድ ይግባእ። እንተ እቲ ትውንጅሎ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባኡ ጸለሎ ምቅባእ ግን ባህሊ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ'ዩ።

ኩሉ ኣብ ደንበ ቃልሲ ዝርከብ ብውልቒ ይኹን ብውድብ ብማሕበር ብምንቅስቓስ ዝጋደል ኩሉ መሰል ውልቐ ሰብ ከም ዝኣምን ኣብ ዕለታዊ ዕላልን መደባትን የንጸባርቕ'ዩ። መሰል ውልቐ ሰብ፣ ካብ ምጅማር ቃልሲ ኣትሒዝና ዘሚርናሉን ጨርሕናዮን እዩ። ዜጋ ብነጻ ክዛረብ ክጽሕፍ፣ ክውደብ ክውድብ፣ ክቅበል ክነጽግ፣ ክምረጽ ክመርጽ፣ ክሰርሕ ከስርሕ፣ ክነግድ ክሽቕጥ፣ ብነጻ ካብ ሃገሩ ክወጽእን ክኣቱን፣ ...ወዘተ እዞም ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ከይተሽራረፈ ሙልእ መሰል ውልቐ ሰብ  እዮም ኢልና ንኣምን እና ። ነዚ ናይ ውልቕን እኩባት መሰላት ኣብ ኩሉ ባህልታት ሃገርና ተቀሪጹ ንረኽቦ፣ ከምኣውን ኣብ ኩሎም ዓለምለኻዊ ሕጊ ብንጹር ብዓንቐጽ ሰፊሩ ይርከብ። መሰለይ ኣይረኸብኩን ንዝበለ፡ ክሳብ ዝለዓለ ባይቶ ከባብ ከይዱ ክጠርዕን ሰማዒ እንተስኢኑ ኸኣ፡ ተቃሊሱ ፍትሒ ክረክብ ዝኽልክሎ ሓይሊ ከምዘየለ`ዩ ዘቀምጥ`ዩ። እቶም ነዚ እንዳፈለጥና ካልእ ነገራት ንቅድሚት ሰርዒና ህዝቢ ኮለል ነብል ዘለና ደጊምና ክንሓስበሉ ይግባእ።ግዙኣት ጸቢብ ውድባዊ ሕሳባት ስለ ዝነበርናን ዘሎናን መዓቐኒ መሰልና ውድባና ዝበለና ወይ ካብኣተን ዝወረስናዮ'ዩ። ውድባት ንመሰላት ዝምልክት ወይ ዘርኢ ኣብ ግብሪ ክመጽእ ከሎ ሓላፍ ዘላፍ መርገጽ ስለ ዝነበረንን ዘለወንን ክንሳቕን ክንደምን ንነብር ኣሎና። ብሰንኪ እዚ ዘይብሱል ራኢይ ከኣ ህዝብን ሃገርን  ካብ ሕማቕ ናብ ዝሓመቐ ኩነታት ወዲቕና ንርከብ። ኩሉና ከም ንርድኦ ሓደ ሰብ ብውልቂ ስድራን ዓድን ኣውራጃን ብሄርን ሃገርን ከምኡ'ውን እምነት ኣይስምርትን'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቃልስና ምስ ንውከስ ስድራን ዓድን ኣውራጃን እምነትን ብሰንኪ ንኽተሎ ዝነበርና ሕሉፍ ቀርጽራጽ ጸጋማዊ ክልስ ሓሳብ፡ ውድብ እንኮ ናይ ኩሉ ሽግራትና መፍትሒ ኮይና፡ ክንዲ ኣቦ፡ ክንዲ ኣደ፡ ክንዲ መሓዛ፡ ክንዲ ዓርኪ፡ ክንዲ ዓዲ፡ ክንዲ ባይቶ፡ክንዲ ብሄር፡ ክንዲ ሃገር ኤራ ክንዲ ሓዳር ክንዲ ውላድ ክንወስዳ ተማሂርና። እዚን ከምዚ ዓይነት ውደባታትን ውድባትን ሎሚ ይኹን ትማሊ ንጸቢብ ስልጣነንን እንበር ንረብሓ ዋላ ሓደ ይሰርሓ ኣይነበራን። ግቡእ ምግባር እንበር መሰል ዘይንሓትት ጌረን ሃኒጸንና። እንተሓተና ከኣ "ኣበይ ክትበጽሕ ከም ዝደለካ/ኺ ፈሊጥናካ/ኪ ኣሎና" ንበሃል ኔርና፡ ናቱ ውጺኢት ከኣ ሓደ ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ከም ዝትከል ተገሩ። እዚ ፍሽስታዊ ስርዓት'ውን ናቱ "ሓዳስ ኤርትራ" ዝብላ ከንሃንጹ "ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ" "ቅድም ግቡእ ዳሓር መሰል ሕተት" እናበለ ንባህልታትናን ንቅርስታት ንሕጊ እንዳኣቦና ኣፍሪሱ፡ ኣሜን እሉ ዝግዛእ ሕብረተሰብ ክሃንጽ ዘይፈንቀሎ እምኒ የብሉን።

ናይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ናይ ብሄር ሃይማኖት ኣውራጃ ሕቶ ክለዓል ከሎ፡ ሓደ ካብኡ ሓንቲ ጥቅሚ ዘይብሉ ናይ ምብሓትን ትምክሕትን ጭርሖታት የስሚዕ።ናይ እምነት መሰል ክኣምን ጸኒሑ ንናይ እምነት ምትእኻኻብ ይነጽግ። ንመሰል ኣውራጃ ክእምን ጽኒሑ ምትእኻኻብ ኣውራጃ ምስ ሰምዔ ዓቕሉ ይጸቦ። ብሄራትና መሰለን ክሕሎ ኣለዎ ክብል ጸኒሑ ንምትእኻኻብ ብሄርን ንዲሞክራስያውያን ተጣበቕቲ መሰላት  "ናይ ወያኔ መጋብሪታት ይብል" እዚ ኹሉ ንህዝብን ንሃገርን ክንዲ ንርኢ ካብ ሓቕታት ሪሕቕና ንነፍስናን ንወገናን ንጎድእ ኣሎና። ምብዛሕ ውድባት ግን መርኣይ ናይ ዲሞክራሲና ስለ ዝኾነ እንኮ መስርሕ ብሰላም ዘንብረና ኣገባብ'ዩ፡ ጸገምና ውድባት ምብዛሕ ዘይኮንስ ቅኑዕ ኣታኣላልያ ሽግራት ዘይምውናን እዩ። ብፍላይ ንቐዳማይ ጸላኢ ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ቓልሲ ፍታሕ ምንዳይ ቅኑዕ ኢልና ንኣምን፡ ከምኡ ድማ ጎኑ ጎኑ ዝኸይድ ከኣ ነቲ ካልኣዊ ሕብረተሰባዊ ግርጭታት (ጎንጽታት) ብዓቓልን ብግሉጽነትን ብዘተን ብልዝብን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ምፍታሕ ደንበ ተቓውሞ ክዓትሮ ዘለዎ  ኣገባብ ቓልሲን ክነትኩረሉን ክነቕሓሉን እዩ ዝግባእ። ላም ሓደ ጎና ስብሕቲ ሓደ ጎና ዕባራ የላን፣ ኣብ ዲሞክራስያውን ሰላማውን ሂወትን መስርሕን ክነብር ንደሊ እንተሎና ሕቶ እኩባት ከይሸራረፍና ክንቅበል ይግባእ፡፡ ኣብ ቁዋምናን መዓልታዊ ስራሓትናን ሽርክነት ናይ ሃገራውያን ክንኣምንን ብግብሪ ክንሰርሓሉ ምስ ንጅምር፡ ሓደ መስከረም ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ኣብ ሽቶኡ ነብጽሖ ኢና።

ሕጂ ግን ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊስታት ህግደፍን ዘይነጽፍ ናይ ስልጣንን ገንዘብ ህርፋን፡ መንእሰያትና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ናይ ደቂ ሰብ ኮንትራባንድ ተሳጢሖም ይበርሱ ኣለው።ሃገርና ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ባዕዳውያን ዘይተራእየ ኩሉ ዓይነት ናይ ናብራ ጸገማትን ተሳጢሖም ይርከቡ፡፡እዚ ድማ ተጎጃጂልካ ዝፍታሕ ዘይኮነስ ዘለና ዓቅሚ ኣዋሃሂድና ነዚ ምንጪ ናይ ጸገምና ዝኾነ ስርዓት ክንምክት ይግባእ፡፡ሎሚ ሓደ መስከረም ነዚ ጸገም`ዚ ተሰኪምና ካልኦት ምንጪ ናይ ሽግና ገርና እንዳ ርኤና ኢና ነብዕላ ዘለና።

ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክልቲኡ መርሕነታት ባይቶ፡ ነቲ ሽግር ወይ ጉድለት ኢሎም ዝረኣይዎ ብዘተን ብልዝብን ፍታሕ ስለ ዘይረኸቡሉ ብዘይድለ ኣገባብ ናብ ዝሰፍሔ ህዝቢ ክውርድዎ ርኢና። ግደፉ ኣብ ቓልሲ ዘሎ መርሕነታት ባይቶ ኣብ ሰላምን ቅሱን ሂወትን ዘለዉ መርሕነታት ሃገራት እኳ ገለ ጸገማት ኣብ ማእከል ባይቶን ፋጸምትን ፈረድትን ኣካላት እንተተረኺቡ ክህሉ ድማ ንብር'ዩ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዉሽጣዊ ቓልሲ፡ ብገለ ማእከል ዜናታት ምስ ለሓዄ ሽዑ'ውን ብነንሕድሕዶም ምክብባር ንህዝቦም መግለጺ ክወሃቡ ንርኢ። ሕጂ'ውን ክንብል በለ ኣይተዃዕወን ከም ዝብሃል፣ ኣተሃላልዋናን ተሞኩሮ ባይቶ ብዘይምንባሩን ጸገምት ክቕልቐሉ ንቡር ወሲድና፣ እቶም ዝምልከተኩም መርሕነታት፣ ንኣባላት ባይቶ ኣማእክሊኩም ሕጊ ባይቶ መስረት ገርኩም ብህጹጽ ንክፍታሕ ንጽዊዕ። ነዚ ዝተራእየ ጸገም ብኣግኡ ዘይምፍታሕ ነቲ ኣገዳስን ካልኣይን ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ ንለውጢ ንምቕርራቡን ንዕዋቱን ዝፈታትን ሓድጋ ከይከውን ንላቦ።

 

ዕላማታት ሓደ መስከረም ንክዕወት ሓቢርና ንቃለስ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሱዉኣትና!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ።

Last Updated on Friday, 13 September 2013 14:53
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 75 guests online