www.blina.org

ኣባላት ኣመራርሓ ዲውብብኤ/ሆደ ኣብ ገዛ ስመር(Pal Talk) ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም። PDF Print E-mail
Tuesday, 24 December 2013 15:51

 

ኣብ ገዛ ስመር ኣባላት ኣመራርሓ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ዝተማእከለ ሰኑይ ዕለት 16.12.2013 ሰፍሕ ዕውትን ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ ስመር ሩም መድብ ሌላ ምስ ውድባት ብ መንገዲ ፓል ቶክ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ነሩ፡፡እዚ ብኣቦ ወንበር ውድብ ሓው ጎይትኦም ክፍሎምን ኣባል ኣመራርሓ ሓው መኮነን ተኽለ ዝተኻየደ ኣኼባ

1፡ ብቀንዱ ኩነታት ህዝቢናን ሃገርናን እንታይ ይመስል ኣሎ? 2፡ሓጺር ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ምምጻእ ናይ ብሄር ሕቶ ኣብ ኤርትራ፡፡ 3፡ኣድላይነት ምምስራት ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን፡፡ 4፡ድሕሪ ጃምላዊ ህልቂት መንእሰያትና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ፡ ሓድሽ መድረኽ ናይ ቃልሲ ኣቲና ኣለና ብኸመይከ ንግጥሞ፡ዝብሉ ንነውሕ ሰዓታት ዝጸንሔ ብናይ ሕቶን መልስን ርእቶን መድረኽ እቲ ናይ ሓባር ምሸት ብሕውነትታዊ መንገዲ ብምርድዳእ ተዛዚሙ።

 

ንመድረኽ ዝኣልዩ ዝነበሩ ኣድሚን፡ንኩሎም ኣጋይሽን ናይ ፓልቶክ ተሳተፍቲን ድሕሪ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ምባልን ዛዕባ ምሕባርን ንመደርቲ ኣሕዋት ነብሶም ከላልዩን ናይ`ቲ ምሸት ኣርእስቲ ክኣትው ዕድል ሂብዎም። ኣሕዋት ጎይትኦም መኮነን፣ ንኣድሚናትን ተኻፈልቲ ኣኼባኛን ብምምጋስ መደረኦም ጀሚሮም።ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ድማ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ኣርእስቲ ሰሪዖም ሰፊሑ መብርሂ ሂቦም።

ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ልዕልና ሕጊ ዘይብላ፡ ውሑዳት ገበርትን ሓደግትን ዝኾኑላ፡ንምልዮናት ድማ ኣብ ትሕቲ ምሕረቶም ኣእትዮም ዘሳቀዩላ፡ ብሰንሊ ፍትሕን ሰላምን ምስኣን ድማ ንስደት ዝውሕዙላ፡ ሃገርና ኣብ ገምገም ምብትታን ትርከብ ኣላ።ስርዓት ህግደፍ ብግሓቱ ኣትሒዙ ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃይማኖታትን ብዙሕነት ዘይቅበል ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ምኻኑ ብተግባር ኣብ ዘመስከረሉ ግዜ ከም በጺሕና ከምዘለና ብሰፊሑ ኣብሪሆም።

ሕቶ ብሄር ኣብ ወድዓዊ ኩውንነት ኤርትራ ናይ መሰልን ፍትሕን ሕቶ ናይ ምምላስ ሕቶ ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ ኣይግባእን።ካብዚ ንላዕሊ ሕቶ ምርግጋጽ መሰላት ሓሊፉ ናይ ሃገራዊ ሓድነታዊ ህልውና ሕቶ`ውን እዩ ኢሎም።ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ኣብ ፍቶታዊ ሓደነት ብሄራትን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኤርትራ ዝተመስረተ ልዕልንኦም ዝቅበል ሕገ መንግስቲ ክህሉ ምስ ኩሎም ተቃለስቲ ሓይልታት ኮይኑ ክሰርሕ ድልው ምኻኑ ሓቢሮም።

ድሕሪ 20 ጥሪ ዝተራእየ ምልዕዓል ሰራዊት ዝኸፈልዎ መስዋእትን፡ጃምላዊ ህልቂት መንእሰያትና ኣብ ላምፓዱሳ ዝተርእየ ሰፍሕ ህዝባዊ ምረት፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፎወርቂን ኣብ ጭቡጥ ህዝባዊ ውደባ ክቅየርን ወቃዒ ሓይሊ ክንሰርሕ ይግባእ።ነቶም ተፈጢሮም ዘለው ግንባራት ድማ ተጠናኹሮ ክቅጽሉ ምስራሕ ብምባል ሰፍሕ መብርሂ ሂቦም።

ካብ ህዝቢ ንዝቀረቡ ሕቶታት ድሕሪ ምምላሽን ካብ ህዝቢ ዝቀረቡ ኣዝዮም ማሃርቲ ዝኾኑ ርእይቶ ድሕሪ ምስማዕ እኩብ ድምር ናይ ልዝብ ድማ ሓድነትና ሓይልናን ውሕስነት ዓወትናን ስለዝኾነ ኣብኡ ነተኩር ዝብል ክሉ ዘስመረሉ ሓሳብ’ዩ ነይሩ።

ኣብ መጨርሻ ብጣዕሚ ሕውነት ዝመልኦ ኣኼባ 10 ሰዓት ድሕሪ ምክያድ ብሰላምታ ተሰናቢቶም።

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

Last Updated on Wednesday, 25 December 2013 12:37
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 28 guests online