www.blina.org

1 ብሊና ኦርግ blina.org> ምስ ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ ኣባል ፓርላማ ስዊድን ቓል መሕተት ገይራ> 26.08.2011 እስቶኮሆልም PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 10 September 2014 19:16


ኣቶ ኣርሀ ሃምድናካ ኣብ ቐረባ ግዜ ኣብ ፓርላማ ሺወደን ብትብዓት፣ ንሕቶ ኤርትራ ከም ዘቕረበ፣ መንግስቲ ሺወደን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንዝግበር ማዕቐብ ብሕቡራት መግስትታት ክድግፍ፣ 2% ካብ ስዊድን ብዘይ ሕጊ ዝኸይድ ድው ከብል፣ ከም ተማሕዘነን ኩሉ ነባሪ ሺውድን ሰሚዑ ኣሎ። ኣብ ቐረባ ግዜ ብስፊሑ ጸብጻብ ሒዝናልኩም ክንቕርብ ኢና።
ብቐዳምነት ምስ ኩሉ ጽዑቕ ሳራሕካ፣ እሞ ኣብ ማእከል ህንጻ ፓርላማ ስዊድን ከተማ ስቶኮሆልም፣ ንቤት ጽሕፈትካ ከፊትካ ነዚ ቓል መሕተት ክትገብር ፍቓደኛ ኮንካ ምርካበይ የመስግነካ፣ ከምኡ’ውን ብስም ኣንበብቲ ብሊና ኦርግ ምስጋናይ ይቕርበልካ።

 

ክቡር ኣቶ ኣርሀ ምሳኻ ቓል መሕተት ክንግበር ዝተበገስናሉ ማእኸል ሕቶና ንወጻእተኛ ዝምልከት’ዩ። ምኽንያት ከም ወጻእተኛን ከም ኣፍሪቓውን፣ ኣብ’ዚ ፓርለማ ስዊድን እንኮ ዝተዓወትካ ንስኻ ስለ ዝኾንካ፣ ሓበን ይስማዓና። ጉዕዞ ሂወትካ ብዙሕ ምስጢር ኣለዎ። ድሕሪ ባይታ ኣብ ቐጻሊ ክንሓቶን ክንቕርቦን ኢና። ሎሚ ነትኩረሉ ኣብ እዚ’ዚ ሓዲስ ስራሕካ’ዩ። ወጻእተኛ ኣብ ዝቕመጡሉ ሃገር ከመይ ገይሩ ውህደት ወይ ኢንተግረሽን ይገብር? ዝብል ትሕዝቶ ንስኻ ብተሞኩሮ ዝሓለፍካዮ ስለ ዝኾነ ንመንእሰያትና ትምህርትን ካልእ ብድሆን ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ኣሎና። ኣብ መጠረሽታ ንስኻ ኣብ ከተማ እስቶኮሆልም ዝጀመርካዮ “ሓዲስ ራኢ ናይ ኢንተግረሽን” ብኹሎም ሃገራት ኣድናቖት ረኪቡ ስለ ዘሎ ብሕቶ መልክዕ ክነቕርበልካ ኢና።


1. ብሊና ኦርግ> ኣብ ሕቶታተይ ክምለስ፣ እታ መዓልቲ ብብዝሒ ምርጫ ተመሪጽካ ኣሎኻ ዝብል ብፓርትኻን ብጋዜጣን ብተለቪጅንን ክቓላሕ ከሎን፣ ኩሎም መሳርሕትኻ ከኣ እንቛዕ ኣሓጎሰካ ክብሉኻ
ከለዉን እንታይ ስሚዒት ኣትሪፍልካ? ብኸመይከ ተቐቢልካዮ ወይ ሰጊርካዮ?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እወ እታ መዓልቲ እቲኣ ሕውስውስ ዝበለ ስሚዒታትን ጠብላሕታትን ፈጢራትለይ’ያ። ኣነ ኣበይ ኔይረ፣ ኣበይከ በጺሔ፣ ኢለ ንርእሰይ ክርእያን ክሓታን ከሎኹ ቐሊሊል
ኣይነብረን። እንተኾነ ሂወተይ ብጎባጥን ብጥውይዋይን ዝመልኦ ተሞኩሮ ሓሊፋ ስለ ዝነበረት ካብ ኩል ዝኸበደኒ እቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ሓላፍነት ዘይተሞኮርኩዎን እቶም ምስኦም ክሰርሕ ነቒለ ዘሎኹ ከኣ ብባህልን
ብቋንቋን ንኣይ ዘይማሰሉ ስለ ዝኾኑን እዚ ካብ ኩሉ ብቐዳምነት ጠብላሕ ኢልኒ። ነቲ ስራሕን ሜልታታቱን ክኣትዎ ስለ ዝኾንኩ ዝያዳ ከቢድ ጽዕነት ይስማዓኒ ኔይሩ። ምስ እዚ ኹሉ ከኣ ሓጎሰይ ወሰን ኣይነብሮን።
ምስ ሓልፈ ቐሊል ኔይሩ ክትብሎ ይከኣል ይኸውን እንተኾነ ሓጎስን ፍርሒ ስራሕን ክልቲኡ ዝተዘባረቐ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ።

2. ብሊና ኦርግ> ክቡር ኣቶ ኣርሀ ናትካ ኣብ ፓርላማ ምምጻእ ናይ ህዝቢ እስቶኮሆልም ድልየት’ዩ። እቲ ምርጫ ብኸመይ ተኻይዱ? ንኣኻ ንወጻእተኛ ክመርጹ ከለዉኸ እንታይ መልእኽቲ’ዩ እዮም ዘሕልፉ ዘለዉ?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣብ ሽዊድን ኣገባብ ምርጫ ብዞባታት’ዩ ዝምቕል። ቅድሚ 19 መስከረም ምርጫ ካብ ኣማእት ዝተረቑሑ ኣባልት ስልፍና ኣብ ዞባ እስቶኮሆልም ምጽራይ ተጌሩ። ካብ ዞባ እስቶኮሆልም     ካብዚኦም 42 ተጻሪና ወጺእና። ነዚ ክግበር ከሎ ከኣ ኣብ ብዙሕ ናይ ህዝቢ ዋዕላታትን ሰሚናራትን ምኽርን ብቕዓት ሕጹይ ይግምገም። እስማትና’ውን ብኮሚቴ ናይ ምርጫ ከም ተቐባልነትን ቐደም ተኸትል ይጻሓፍ። ምርጫ ምስ ከደ 22% ተዓዊትና። ካብ’ዚ ፐርሰንተጅ ሽድሽተ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ፓርላማ ኣቲና። ኣነ ኣብ መበል ራብዓይ ቦታ ኔይረ። ቅድሜይ ዝነበሩ ስለስተ ነባራት መራሕቲ ፓርቲ ክኾኑ ከለዉ ካብኦም እታ ቁጽሪ ሓደ ዝነበረት ኣደ መንበር ፓርትና’ያ። ስለ’ዚ እቲ ውጺኢቱ ቐዲሙ’ዩ ተራእዩ ዝነበረ። ካብ 22% ንታሕቲ 16% እንተዝመጽእ እቲ ድምጺ ህዝቢ ኣብ መበል ራብዓይ ቦታ ናይ ሰልፍና ስለ ዝነበርኩ እቱው ኔይረ። ሰልፍና ካብ ብልጫታቱ ንብዙሕነት ብብቕዓት ተቐቢሉን ኣሚኑን፣ ጾታን፣ ቆርበትን፣ ከይፈላለየ ኣብ ዝለዓለ ቤት ጽሕፈታቱ ከቐምጥ መትከል ኣለዎ። ህዝቢ ስቶኮሆልም ከኣ ካብ’ዚ ሰናይ ፖሎቲካዊ መደብ ተበጊሱ’ዩ
ንምርጫ ኣትዩ። እቲ መልእኽቲ ከኣ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዘእንግድ ለጋስ ባህሊ ከም ዘለዎ ዝሕብር’ዩ። ብዓቢኡ ከኣ ኣነ ወጻእተኛ ጥራይ ዝየኮንኩ ሕብረይ ብማዕዶ ዝልለ ኣፍሪቓዊ ቆርበት ስለ ዝኾነ ንኹሉ ኣፍሪቓዊ ዝሓቑፍ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ከም ዝኾነ እቲ ብቆርበት ተገሊሉ ዝመስሎ ውገን ስዊዲን ግቡእ ጥራይ ዝሕተት ዘይኮነ ኣብ ዝላዓለ ቤት ጽሕፈታት ክሰርሕ’ውን መሰል ከም ዘለዎ ዝሕብር፣ እቲ መልእኽቲ’ውን እዚ’ዩ ዝነበረ።
3. ብሊና ኦርግ> ክቡር ኣቶ ኣርሀ ንስኻ ከም ወጻእተኛ ንኢተግረሽን ወይ ውህደት ሓደ ስደተኛ ምስ ዝነብሮ ሃገር ብኸመይ ትገልጾ? ብኣኻ ውገንከ ቐሊል መስርሕ ድዩ ኔይሩ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ምምሳል ወይ ውህደት እንታይ ማለት’ዩ? ንዝብል ብውገነይ ዝርእዮ ሓደ ወጻእተኛ ሰሪሑ ምእታው፣ ከምኡ’ውን ብልብል ቋንቋ ምዝራብ፣ ግብርን ሕጊ መንግስትን ምፍጻም፣ ጥራይ ዘይኮነስ፣
ኣብ ቑጠባ እዛ ሃገር ብዙሓት ግሪኻውያን ጣልያን ቱርካውያን ብሓምሳታት ሱሳታት ተኻፊሎም’ዮም። እንተኾነ እቶም ቐዳሞት ጀኔረሽን ኣብ ዉሽጣዊ ስሚዒቶም ወይ ሳይጆሊካሊ ኣካል ናይ’ዛ ሃገር ከም ዘይኮኑ
ኮይኑ ስለ ስምዖም፣ ኣብ ሓፈሻዊ ሂወት እቲ ሃገር ንኣምነት ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት ይኹን ፖሎቲካ ክሳተፉ ኣይተራእዩን። እዚ ከኣ ጽልዋ ንድሕሪኦም ዝመጹ ጽልዋ ኣትሪፉ’ዩ። ኣነ ሰሪሔ ገንዘበይዶ ይእክብ ካልእ
ጣጣ ይፈጥር ብዝብል ንባህሎም ክሕልዉ ኣብ ሓደ ከባቢ ብጻዕቒ’ዮም ዝነብሩ። እዚ ኣብ ዝተናዊሔ ጸገም ናይ ጸጥታን ድስፕሊንን ከም ዝኾኑ ንኹሉ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ኢነትግረሽን ወይ ውህደት ክንብል ከሎና ብዘይ
ዶብ ኣብ ሂወት እታ ትነብረላ ሃገር ኣብ ጽቡቛን ሕማቓን ምክፋል’ዩ ይብል።


4. ብሊና ኦርግ> እታ ቐሊል ድዩ ትብል ሰጊርካያ ኣሎኻ፣ ምስ ዝመጽእ ሕቶ ኣማሊእካ ክትምልሰልይ ደስ ይብለኒ፣ ኣብ ቐጻሊ ሕቶይ ክኣቱ፣ ከም ስደተኛ ኣብ መጀመርታ ግዜ ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ሆተልዲዩ
ካፕ ኣብኡ ኢኻ ኣቲኻ፣ ካብ’ዚ ጀሚርካ ሓደ ነዊሕ ራኢ ዝነበረካ ትመስል፣ እስከ ሂወትካ ካብ ዕለት ሓደ ጀሚርካ ኣዕለለና?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ነታ ፈዅስ ድዩ ትብል ሕቶ፣ ብሕጽር ዝበለ ናተይ እንተበልካዮን ድልየት እንተሎን ቐሊል ኢዩ። ኣብ ሕቶኻ ክምለስ፣ ኣነ ከም ኩሉ ስደተኛ’የ ምስ በዓልቲ ቤተይን ምስ ሓደ ቆልዓ ንስዊድን
ኣቲና። ኣብ ግዜን መዓከር ስለ ዘይነበረ ኣብ ሆቲል’ዮም ተቐቢሎምና። ንዓሰርተ ወርሒ መልሲ ከይረኸብኩ ጸኒሔ። ወረቐት ናይ ዑቕባ ምስ ረኸብና ከኣ ነዚ ሓዲሽ ዓድን ሓዲሽ ባህልን ብኸመይ ንገጥሞ ምስ በዓልቲ
ቤተይ ተማይጥና። ካብ ኩሉ ኣነ ብንኡሰይ ንሜዳ ስለ ዝወጻእኩ ትምህርቲ ኣይደፋእኩን ኔይረ፣ ስለ’ዚ እተሓመቕኩ ነቲ ናይ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ክውድእ ኣብ ናይ መደብ ዓበይቲ ዝበሃል (ጅምናዝዩም)
ትምህርቲ ተዋፊረ። እዚ ቤት ትምህርቲ ንመንእሰይን ንዓበይትን ብግለ ምኽያት ትምህርቲ ዘቓረጹን ማእከላይ ዓቕሚ ዘለዎም ሀ ኢሎም ዝጅምሩን ንምሕጋዝ ተባህሉ ዝቖመ፣ዩ። ኣና ኣብ ክልተ ዓመተይ ከኣ
ናይ ዓሰርተ ክልተ ባጀላ ጨቢጠ። ንዩንቨርስቲ ዝኸውን’ውን ነጥቢ’ውን ረኺበ፣ ካብኡ ኣብ ዩንቨርስቲ ናይ እስቶኮሆልም ብቁጠባ ክቅጽል ምዝገባ ሓቲተ፣ ተቐቢሎምኒ ከኣ። ንክመሃር ግን ብሓገዝ ዘይኮነ ብለቓሕ

ክቕጽል ከም ዝኽእል ምስ ገለጹለይ፣ ንዕድመይን ሓላፍነት ስድራን ገምጊመ፣ ኣብ ስራሕ ኣትየ። ኣብ ስራሕን ገዛን ምምልላስ ናተይ ዕላማ ኣይነበረን፣ ቐጻሊ ኣብ ንሃገር ኤርትራ ዝርኢ ናይ ተቓውሞ ደንበ ይኹን ኣብ ማእከል እስቶኮሆልም ዝነበረ ማሕበራዊ ቓልሲ በብደረጅኡ ክነጥፍ ጀሚረ። ብብዙሕ ማሕበርዊ ስራሓት ምስ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (Social Democratic Party) ክላለ ጀሚረ። ካብ ኩሉ ካብ’ቶም መራሕቱ ነፍሱ ይምሓሮ ከም ኣቶ ኡልፍ ፓልመ (Olof Palme) ኣብ ማእከል ክልተ ዓበይቲ ደንቤታት ኮይኑ ነቲ ቅኑዕ ዝመስሎ ዝነበረ ብዘይጸግዒ ዝሰርሔ፣ እሞ ኣብ ጎደና ስቶኮሆልም ብዕለት
28.02.1986 ዝተቐትለ ታሪኽ ሂወቱ ዝያዳ መሲጥኒ። ናይ’ዚ ፓርቲ ውዕለት ንህዝቢ ስወደን ዓቢ እኳ እንተኾነ ብፍላይ እዚ ፓርቲ ንህዝቢ ዘለዎም ፍቕርን፣ ንብዝሓውነት ዘለዎም መትከልን ስለ ዝሰሓበኒ ብ1988 ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይነ።

5. ብሊና ኦርግ> ማእከል ዘረባና ውህደት ወይ ኢንተግረሽን ናይ ሓደ ወጻእተኛ’ዩ። ሓደ ወጻእተኛ ኢንተግረሽን ምስ ሃገራዊ ፖሎቲካ ዝነብረላ ሃገር ክግበር፣ ን ወጻእተኛ ዝግደፍ ድዩ ወይስ እቲኣ ሃገር’ውን
ግደ ኣለዋ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ሓላፍነት ናይ ክልቲኡ ኢዩ እኳ ዝበሃል እንተኾነ ብወገነይ ግን ብቕዳምነት እቲኣ ተእንግድ ሃገር ዓቢ ሓላፍነት ኣለዋ። እቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም፣ ንስደት ናብ ሓንቲ ሃገር ዝመጽኡ፣ ናይ መጀምርታን ናይ መጠርሽታን ኣይኮኑን። ህዝብታት ካብ ድኽነትን ኵናትን ካልእ ባህርያዊ ጸገማትን ክፈናቐሉ ባህርያዊ ታሪኾም’ዩ። ስደት ነባሪ’ዩ። ሎሚ እተእንድ ጽባ ክትስደድ ትኽእል። እሞ እታ እተእንግድ ሃገር ነዚ ክትኣምን ኣለዋ። ብዝከኣላ ከኣ ንስደተኛታት እግሮም ክተኽሉ ክትሕግዞም ይግባእ። ወጻእተኛ ምስ ሓዲስ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሂወት ክላለ ከሎ ንባህሉን ንመንነቱን ክዓቑብ’ዩ ዝጽዕር። እዚ ፍርሒ እዚ ከኣ ባህርያዊ’ዩ። ነዚ’ውን ከም ምኽንያት ክጥቐመሉ ኣይግባእን። እዚ ፍርሒ ኣብ ክልቲኡ ወገን’ዩ ዘሎ። እዚ ፍርሒ ከኣ ብምፍላጥን ብስራሕን ብምይይጥን ብትምህርትን ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ። ክንመጽእ ከሎና ጥራሑ ሳንጣ ጥራይ ሕዝና ኣይንመንጽእን ኢና። ባህልን ካልእ እምነትን’ውን ሕዚና ንመጽእ ኢና። ካብ ኩሉ ካብ ስሉስ ዓለም ዝመጽኡ ስደተኛታት ነቲ ሰፍሕ መሰል ኣህዛብ ወላ ዝርድእዎ እንተኾኑ ኣብ ግብሪ ግን ኣየወዓልዎን። ንኣብነት መሰል ቆልዓን ሰበይትን ብዝሓውነትን ፕረስን ንስደተኛ ሓዲስ ሂወት’ዩ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሂወት ዘሎ ዕድላት ኣይፈልጦን’ዩ። ስለ’ዚ ኣኣንጋዲት ሃገር ኢንፎርመሽን ጥራይ ዘይኮነ፣ ጽዑቕ ናይ ርእይቶ ምልውዋጥ ባይታ ክትከፍት ኣለዋ። ካብ’ዚ ክትዕን ትምህርትን ከኣ እቲ ወጻእተኛ ክመህርን ርእሰተኣማማነትን ከሕድርን ምስ ሓዳስ ሃገሩ ብድልየትን ብፍልጠትን ክወሃሃድ ይኽእል። ድሕሪ እዚ ኩሉ ጻዕርታት እቲ ወጻእተኛ ከኣ ኣብ ባህሉ ከይተሓጽረ ርእይትኡ ክቕይር ኣለዎ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ክልቲኦም ንሓድሕዶም ንምፍላጥ ሓባራዊ ስራሓት ክሰርሑ እንከለዉ እቲ ስደተኛ ንርእሱን ናታ ሃገርን ክሰርሕ ይብቕዕ፣ እታ ሃገር፣ውን ሓደ ዘየፍሪ ወይ ዕጹው ዜጋ ካብ ዝህልዋ፣ ሓደ ዘፍርን ንሃገር ዝቓለስን ዜጋ ይህልዋ። ክልቲኦም ከኣ ይጥቐሙ።


6. ብሊና ኦር> ሂወት ስደተኛ ወይ ወጻእተኛ ብታሪኽ ኢንተግረሽን ራሲስም (Integration and Racism) ይልለ። ሓደ ወጻእተኛ ኢንተግረይትድ ክኸውን ክደሊ እንከሎ ራሲዝም ይጸፍዖ፣ ካብ’ዚ ነቒሉ ከኣ ግደፍ ፖሎቲካ ክሰርሕ ነታ ድራር ዕለቱ እኳ ጋዶ ስለ zኾኖ ናቱ መሕብኢ ቦታ ይደሊ፣ ንስኻ ነዚ ጸገም’ዚ ፍታሕዝኸውን ርእይቶ እህልወካ’ዩ ምገለጽካልናዶ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣሃሃ…ማጂክ በትሪ የብለይ፣ እንተኾነ ኣነ ራዚዝም ክለዓል ከሎ፣ ዝረኣዩኒ ባህልታት ኣለዉ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ ራሲዝም ክንዛረብ ከሎና ኣብ ሕብሪ ቆርበት ንሓጽሮ። ራሲዝም ብዝረኤን ብዘይረኤን ኣገባብ ይሰርሕ። ነቲ ዝረኤ ክትቓለሶ ቐሊል’ዩ። እቲ ዘይረኤ’ዩ ጸገም። እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባ ኣሎ። ኣብ ኣገላልጻ ርእሰ ተኣማምነት ዝጎደሎ ሕብረተሰብ ወላ ነቲ ኣድልዎታት’ውን ከም ራሲዝም ይገልጾ። እዚ ከኣ ኣብ ኩለን ሃገራትን ህዝብን ዘሎ ጸገም’ዩ። ንኣብነት ብጾታ ብዕድሜ ንኹሎም ድኹማት ዝጸቕጥ ፖሊስታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ከም ዝርከብ ኣይንፈልጥን ጥራይ ዘይኮነ ክንፈልጦም’ውን ኣይንግደስን። እንበኣር ራስዚም ኣብ ሕብሪ ቆርበት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ስደተኛ ክመጽእ እንከሎ ካብ ሃገሩ ዝስደዶ ገለ ካብ ምኽንያታት ብሓዉ ስለ ዝተነጸለ ወይ ኣድልዎታት ስለ ዝበጽሖ’ዩ። ንኣብነት ሓንቲ ብሄር ወይ ሃይማኖት ወይ ሓንቲ ቐቢላ ንኻልኦት ካብ ሃብቲ ሃገር ይኹን መሰል ስለ ዝነጸለቶም፣ ነዚ ናይ ምንጻል ተግባራ ከኣ ብሓይሊ ብረትን ማእሰርትን ብኻልእ ክፍኣትን ስለ ትፍጽሞ ሰብ ካብ ሃገሩ ይሃድም። መብዛሕትኡ ስደተኛ ከኣ በዚ ጭቖና ተሰዲዱ ክመጽእ እንከሎ ንርእሱ’ውን ተመቐቓቒሉን መሰሉ ዘይፈልጥን’ዩ። ነቲ ኣብ ኣንጋዲት ሃገር ዝርከብ ኣድልዎ ይኹን ራሲዝም ክቓለሶ ኣፍልጦን ትርናፌን የብሉን፣ ንርእሱን ካብ ሕብረተሰብ ኣንጋዲትን ዓጽዩ’ዩ ይነብር። ንኣድልዎን ንዘይብቕዓትን ምስ ንኹሉ ብራሲዝም ይገልጾ። ኣፍልጦና ኣብ ራሲዝም ትሑት’ዩ። ካብ’ዚ ገምጋም ምስ ንብገስ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝጸንሓና ናይ ኣንጋዲት ሃገር ራስዝምድዩ ወይ ኣድልዎ ማዕጾ ከም ዝዓጸወና ጌርና ንግምት። ዘይፈልጥ ከኣ ክብድህ’ውን ዓቕሚ የብሉን። ነዚ ሽግር ኣድልዎን ራሲዝምን ንውህደትን ንመሰል ካልኦትን ዝቓለሱ ማሕበራትን ፖሎቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ኣለዋ። መብዛሕትና ወጻእተኛታት ግን ንኹለን ስለፍታት ኣብ ሓደ ዘንቢል ነንብረን። ንሕና ሰብ ኢና። ክንምዕብለል ክንጠምን ስራሕ ክንስእንን ብሕማም ክንቑንቑን ደቕና ክድንቑሩን ኣይንደልን። ነዚ ባህርያዊ ፍርሒ’ዚ ድምጺ ምርጫ ክረኽባ ገለ ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ይጥቐማሉ’ያን። ወጻእተኛ ነተን ንሓልዮቱ ዝቓለሳ ሰልፍታት ስለ ዝግድዔን ከኣ እቶም ዓቓብያውያን ምርጫ ይስዕሩ። ሓይሎም ኣብ ፓርላማ ይብርትዕ። ጸረ ወጻእተኛታት ከኣ ውሳኔታት ከሕልፋ ዕድል ይረኽቡ። ነዚኤን በቲ ሕጊ ሃገር ዘፍቕዶ ክንቓለሰን ኢድና ኣብ ፖሎቲካ ክነእቱ እንተሓመቕና ኣብ ምርጫ ነተን ቅኑዕ መስመር ኣለወን ንብለን ክነድምጽ ግቡእና’ዩ። ብዝተርፈ ራሲዝም፣ ብዝተፈላልየ ኣገባብ ኣብ ዓለምና ኣሎ። ንኣና ንዘይመስል ምንጻል ኣብ ሂወትና ብዝተሓተ ወይ ብዝልዓለ ንተግብሮ ንውዕል። ሰብ ብስራሑን ብትምህርቱን ብጠባዩን ተወዳዳሪ ከይኮነ ኩሉ ይደሊ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ንበል ክፉት ቦታ ከም ዘለዎም ምልክታ የውጽኡ፣ ሓደ ክፍሪ ዝኽእል ሰብ ክሽምቱ ድልየት ኣለዎም። እቲ ረሃጹ ዝሽመት ሰራሕተኛ ብቑዕ ክሳብ ዝኸውን እቲ ወሃብ ስራሕ ንጠለቡ ዘየምልእ ሰብ ክሳብ ዝረኽብ ቡዙእት ሰባት ይዕድም። ኣብ’ዚ ውድድር ክንዕወት ወይ ክንወድቕ ንኽእል’ና። ንኣብነት ዕድሜና ካብ ዝድለ እንተ ነኣሰ ወይ እንተዓበየ፣ ተሞኩሮ ስራሕና እንተ ዓብየ ወይ እንተ ንኣሰ፣ በዚኤን ጥራይ ክንግለፍ ንኽእል። ኣብ’ቲ ምግላፍ ከማና ጻዓዱ’ውን ክግለፉ ንርኢ ኢና። እንበኣር ንኹሉ ብዓይኒ ራሲዝም ክረኤ የብሉን። ንሕና ተወዳደርቲ ክንከውን ቐሊል ኣይኮነን። ኣነ’ውን ቐሊል ሂወት ይመርሕ የሎኹን። ኩሉ ግዜ ኣድልዎታት ይኹኑ ብቆርበት ራሲዝም ይፈታትኑኒ’ዮም። እንተኾነ ነዚ ዓምጽ’ዚ ዝፈልጡን ክፍትሕዎ ዝጋደሉን ድማ ብጾት ኣለዉ። እዚ ኹሉ ከኣ ብቓልሲ ስለ ዝፍታሕ ካብ ቓልሲ ሓንቲ
ደቒቕ እኳ ክነዕርፍ የብልናን። ወላ ነታ ዝተወለድናላን ዝዓበናላን ሃገርና’ውን ብቕላስን ብራህጽን ኢና ፍትሓዊትን ሰላማዊትን ሃገር ንልውጣ።


7. ብሊና ኦርግ> ኣብ’ዚ ኣገላልጻኻ ናብ ኣድልዎ ዝዘንበልካ ይስማዓኒ፣ ወጻእተኛታት ኣብ ኤሮጳ ዝነብሩ ግን ብንጹር ንሕና ቆርበት ኣፍሪቓ ዘሎና ብቆርበት ኤውሮጳ ዝምኩሑ ኣብ ሂወት ፖሊቲካ ሃገር ከይንስርሕ
ማዕጾ ይዕጽዉና ዝብል ኣረዳድኣ ኣሎ ነዚ ብሕጽር ዝበለ እንታይ መልሲ ትህበሉ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ሕጅ’ውን ካብ ናይ ቅድም ዝፍለ ርእይቶ የብለይን ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ራሲዝም ካብ እቲ ራስ ዝብል ቓል ስለ ዝውለድ፣ ብሉጽነት ራስ ወይ ዓሌት የሎን ንሕና ኩልና
ሓደ ራስ ኢና ዝብል መደምደምታ ስለ ዝተበጽሔ ካብ ባሃሊኡ ደጋሚኡ ከይከውን ነዚ ቃል ዝሰማማዕ ካብ ዝብል ናይ ብሄረ ወይ ኤትኒሲቲ (Ethnicity) ይትካኣ ኣሎ። ኩላትና ደቂ ሰባት ሓደ ዓሌት ኢና። እቲ
ማእከል ሕቶ ቑጠባ’ዩ። ነቲ ቑጠባ ክትውንን ስልጣን ምውናን የድሊ። እሞ ኣብ ታሪኽ እንተተመልከትና ጸሊም ብጻዕዳዱ፣ ብቆርበቱ ተነጺሉ ጥራይ ዘይኮነ ከም ከብቲ ተሸይጡ’ውን ኢዩ። እንተኾነ ነዚ ሕቶ
ኤትኒሲቲ ብጠቕላል ምርኣይ ጎዳኢ’ዩ። ስለ’ዚ ኣነ ዝተሞኮርኩሉን ዝነብሮን ናይ ሽዊድን ሂወት ፖሎቲካ’ዩ።
ካብ’ዚ ተላዒለ ከኣ ይምልስ ኣሎኹ። ኣብ ስዊደን እቲ ሂወት ናይ ፖሎቲካ ኣብ ሰልፍታት ዝተሓጽረ’ዩ። ኣብ’ዚ ሜዳ ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣይሳተፉን’ዮም። ስልጣን ኣይወሃብን ኢዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ
ስልጣን ብዓቕምኻ ክትምንጥሎ ኣሎካ። ሰልፊ ከኣ ተተወዳዳሪ ብልጫታት እተኣሎካ ክሰምዓካን ክመርጸካ’ዩ። ኮፍ ኢልካ ኣይረኸብኩዎን ምባል ቅኑዕ ኣይኮነነ። ኤትኒሲቲ ክጣፍእ ንቓልሲ ንዋደድ።
ኣፍሪቓውያን ንውደብ ንስመር፣ ግዴና ንግበር። ከምኡ’ውን ኣብ ሰልፊ ክኣቱ እሞ ስልጣን ክረክብ ኢልካ ብንግሆ ምንጋህ’ውን ከይጀመርካ ውዱቕ ኢኻ። ኣንታይ ድኣ ፖሎቲካ እምነት’ዩ፣ ቅኑዕ እምነት ይሃልወና።
ብንቅሓትን ብተወፋይነትን እንተሰሪሕካ፣ ህዝቢ ክሰምዓናን ክመርጸናን’ዩ። እንበኣር ንሕና ኣብ ፖሎቲካዊ ሂወት ዘይምህላውና ግን ነቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይ ቆርበት ነግድዶ ኣሎና። ብዙሓት ኣፍሪቓውያን ሙሁራት ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ኣሎና። ሓደ ኔት ዎርክ ክህልወና ይግባእ። ንሕቶኻ ክድምድም ብሓፈሻ ኤትኒሲቲ (Ethnicity) የሎን ኣይብልን። ንኽቅጽል ከኣ ንሕና’ውን ተራ ኣሎና።


8. ብሊና ኦርግ> ገና ኣብ ኢንተግረሽንን ራሲዝምን ክመልሰካ፣ እቲ ወጻእተኛ ዝያዳ ምኽሪ ክትህቦ፣ ንኣኻ እዚ ጸገም’ዚ ኣብ እግሪ መንገድኻ ጸኒሕካዶ? ብኸመይከ ሰጊርካዮ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣነ’ውን ጸሊም እየ፣ ክምሕረኒ ድማ ኣይክእልን’ዩ። ብፍላይ ኣነ ኣብ ዕብየተይ ኣብ’ዚ ሃገር መጺኤ። ከማይ ብዕድመ ዝደፍኡ ወላ ጉይይ እንተወዓልና ክንቕድም ኣጸጋሚ’ዩ፣ እቲ ሓዲስ ወለዶ ግን
ብዙሕ ዕድል ስለ ዘለዎ ነዚ ክነተባብዕ ኣሎና። ብንእስነተይ ዘሕለፍኩዎ ሂወት ድማ ናይ ተጋዳላይ ናብራ’ዩ። ኤትኒሲቲ ምስንኻላት ብብግዜኡ ኣብ ስራሔይ ይጓነፈን’ዩ። እዚ ግን ብድሆ ስለ ዝበልኩዎን፣ ካልኦት
ብጾተይ’ውን ነዚ ፍልልይ ዘይኣምኑ ስለ ዝበዝሑ ክሰግሮ ጸገም ኣይኮነንን። ኣብ ዲሞክራስያዊ ሃገር፣ ሽግር ኤትኒሲት እቲ ወጻእተኛ ርእሰ ምትእምማን ምስ ዘጎድል’ዩ። ብስራሕና ይኹን ብቆርበትና ርእሰ ተኣማማነት ክነሕድር ይግባእ።


9. ብሊና ኦርግ> እስከ ነዚ ሕቶ ክሓተካ፣ እቲ ብዝሑነት ኣሎ፣ ነዚ ንምእንጋድ ከኣ እቲ መንግስቲ ንወጻእተኛታት ፍሉይ ቖላሕታ ክህበሉ ኣለዎ፣ ወላ ከም ዝበልካዮ እንተጎየና’ውን ክንቕድም ኣይንኽእልን’ና
ስለ እዚ ኮታ ዘይወሃበና ዝብሉ ኣለዉ፣ ነዚ ከመይ ትርእዮ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣነ ኣንጻር ኮታ’የ። ምኽንያቱ ብኮታ ምስ ትመጽእ ብብቕዓት ስለ ዘይመጻእካ ንኣኻ’ውን ተሰማዒነትን ክብርን ኣይህበካን’ዩ። ስለ እዚ ኮታ ፍታሕ ኣይኮነን። ኹሉ ጸገም ዝመጽኣ ነቲ
ስራሓ ከይጀመርካዮ፣ ተስፋ ሙቑትራ’ዩ። ወጻእተኛ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ባህልታቱ’ዩ ዝነብር። ንማሕበራዊ ሂወት ሃገር ንምምሕያሽ ዝቓለሳ ማሕበራት ኣማዕድዩ’ዩ ዝርእየን። እተሎ ከኣ ብኣጻብዕ ዝቁጸር’ዩ። ማዕጾኻ እንተዓጺኻዮ ወላ ሓውኻ’ውን ኣይኣትወካን’ዩ። እዚ ከኣ ንኢንተግሬሽን ኣይሕግዘናን ዘሎ። ካብ’ዚ ጸገም ክንናገፍ ኣብ ከባቢ ገዛውትናን ስራሕናን ዝነጥፋ ማሕበራት ብትግሃት ክንሳተፍ ይምዕድ። ካብኡ ከኣ ኣብ
ፖሎቲካዊ ማሕበራት ኣብ ዝማእማእካ ኣቲኻ ትቓለስ፣ ነቲ ማዕጾ ካልኦት ክኸፍቱልካ ዘይኮነ ባዕልኻ ከፊትካ ምስ ተኣትዎ ዝያዳ የሕጉሰካ።


10. ብሊና ኦርግ> ኣብ ቆልዑ ወጻእተኛታት ክመልሰካ፣ መብዛሕትኦም ደቂ ወጻእተኛታት ኣብ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ስራሕ ዕዉታት ኣይኮኑን፣ ክትሓቶም ከሎኻ ዝምልስዎ ከኣ “እቲ ባህሊ ናይ ዝቕመጥዎ ሃገር
ንወጻእተኛ ስለ ዝጸቕጥ ደፊኡ ኣብ ጽርግያታትን ፒያሳታትን ከም ንውዕል ይገብረና”Þ ይብሉ ንስኻ ነዚ ብኸመይ ትርእዮ፣ ኣብ መንግስቲ ሽዊደንከ ነዚ ዝምልከት ጸገም ንምፍታሕ ዝተወደ ድልየት ኣሎዶ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣነ ሕጂ’ውን ነታ ሃገር ካብ ምኽሳስ ንርእስና ክንፍትሽ ደስ ይብለኒ። እዚ ዝተባህለ ወጽዓ ይሃሉ ንሕናኸ ብብቕዓዶ ንገጥሞ። ኣብ’ዚ ዝውለድ ቆልዓ ኣብ ማእከል ክልተ ባህሊ’ዩ ዝቅርቐር።
ንሕና ሓደ ካብ ክልቲኡ ብብቕዓት ሒዝና ንቆልዓ ኣይንኣልን። ካብዝን ካብትን ሒዝካ ከኣ ቆልዓ ብብቕዓት ክዓቢ ዕድል የብሉን። ድኹማት ስድራቤታት ድኹማት ቆልዑ የፍርዩ እኳ እንተዘይበልኩ ንቆልዓ ክዓቢ
ከሎ ደገፍ ክህብዎ ኣይክእሉን’ዮም። ቐንዲ ጸገምና ከኣ እቶም ዓበይቲ ምስ ሃገርና ስጡም ዝምድና ኣሎና።
ንኣዝማድናን ንቓልስታትናን ክንሕግዝ ለይትን መዓልትን ንሰርሕ። ንቆልዓ ንርስዖ። ኣብ ትምህርቱ ስነስርዓቱ ኣይንከታተሎን። ንሱ’ውን ዓው ኢሉ ዘይዛረብ ኮይኑ እንበር ኣብ ማእከል ክልተ ባህሊ ተንጠልጢሉ ስለ
ዝዓቢ ዝሕዞን ዝግደፎን ኣይፈልጥን። ነዚ ሽግር ተኸታቲልና ስለ ዘይንርእዮ ከኣ ብኣጋኡ ክንሰርዖ ኣይንኽእልን። በዚ ኣገባብ ዝዓበየ ቆልዓ ከኣ ኣብ ውድድር ይሰዓር። ምስ ተሳዕረ ንሃገር ንኸስስ። ብፍላይ ኣብ ሲዊደን ንቆልዓ ብሕብሪ ቆርበቱ ዝነጽግ ቤት ትምህርቲ የሎን። እንተኾነ ምድላው ዘይርኤ ኣብስራክ ስለ ዝኾነ የሎን ኣይብልን። ግሉጽ ዝኾነ ምድላው ንኣብነት እቶም ኣብ ሃገሮም ተማሂሮም ዝመጽኡ ብቐሊል ስራሕ ኣይረኽቡን’ዮም። ኣብ’ዚ ንዝዓቢ ቆልዓ ግን መሰሉ ማዕረ ካልኦት ደቂ ሃገሩ’ዩ። ኣብ ሲዊድን ንዩንቨርስቲ ዝኸይድ ብለቓሕ’ዩ። እዚ ለቓሕ ከኣ ንኹሉ ብማዕረ’ዩ ዝወሃብ። ንሓደስቲ ስደተኛታት ገለ
ኣድልዎ ይህሉ። ቤት ትምህርቲ፣ ናይ ረድኤት ማሕበር ኣይኮነን። ተመሃራይ ተወዳዳሪ ክኸውን ኣለዎ።
ስድራ-ቤት ከኣ ምስ ቤት ትምህርቲ ውላዶም ጥቡቕ ዝምድናን ምምኽኻር ክህልዎም ኣለዎም። ቆልዓ ብቕዓት ክውንን ጻዕሪ ወለዲ ይሓትት። ቤት ትምህርቲ ንበይኑ ንቆልዓ ብቑዕ ክገብሮ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ፕያሳታት ግን ኣፍሪቓውያን መንእሰይ ጥራይ ኣይውዕልዎን ኢዮም። ድኹማት ጥራይ’ውን ኣይኮኑንን ኣብ ፕያሳ ንርእዮም። ተኣኪብካ ምዕላል ባህሊ ኣፍሪቓ’ውን ኢዩ። ነቶም ዝሓመቑ ግን ይጣበቕ የሎኹን።
ዝሓምቐ እውን ወዲቑ ክትንስእ ከም ዝኽእል ክኣምን ይምዕዶ። እታ መጠረሽታ ዝሓተትካኒ መግስቲ ሺዊድን ነዚ ጸገማት ብዝተፈላለያ ማሕበራት ገይሩ ይቓለሶ’ዩ። ብዞባ ብቤት ትምህርቲ ወዘተ።


11. ብሊና ኦርግ> ኣብ ሺውደን ንወጻእተኛታት ንምሕጋዝ ናይ ኢንተግረሽን ቤት ጽሕፈት ኣሎዶ?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ቐደም ሚንስትሪ ናይ ኢንተግሬሽን ዝበሃል ኔይሩ ሕጂ ግን ብጠቕላላ ኣብ ናይ
ኢሚግረሽን ሚኒስትሪ ተጠቕሊሉ ኣሎ። ኢንተግሬሽን ብሓደ ጎኒ ዝርኤ ኣይኮነን ብብዙሕ ጎንታቱ ምርኣይ የድሊ። ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ስራሕ፣ ኣብ ቋንቋ፣ ኣብ መነባብሮ፣ ኣብ መሰላትካ ምፍላጥ፣ ኣብ እምነትካ ምስ
ካልኦት ምውህሃድ፣ ኣብ ባህልኻ ምውህሃድ፣ እዝን ካልእን ኣሎ። ነዚ ኹሉ ዘጠቓለለ ኢሚግረሽን ቤት ጽሕፈት’ዩ። ብድረጃ መንግስቲ ዝስራሕ ኣብ’ዚ ሃገር ዉሑድ’ዩ። ዝያዳ ዝስራሕ ኣብ ዞባ’ዩ። እዚ ዞባ ኩሉ
ኣለዎ።
12. ብሊና ኦርግ> ወጻእተኛ ከም ንወስድ ጥራይ ወይ ከም ነቲ ባህሎም ንዘርግ ገይሮም እቶም ራሲስትቲ ይዛረቡ እዚ ኣብ ቦታኡ ድዩ ዘሎ ወይ ንወስድን ንህብን?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> መጀመርታ ክንመጽእ ከሎና ካብ ኢድ መንግስቲ ኢና ንነብር። ገለ ከኣ ሰርሕናን ደው ኢልናን ዳርጋ ተመሳሳሊ ኢና ንረክብ ካብ ዝብል ነዚ መንባብሮ ዳርጋ ንሂወቶም ዝቕጽልዎ ኣይሰኣኑን። እዚ ተደማሚሩ ብገንዘብ ክግመት ከሎ ካኣ ብዙሕ’ዩ። ነዚ ጸብጻብ ሰሚዖም ዝዛረቡ ኣይሳኣኑን፣ ጥራይ ዘይኮነ ኣለዉ’ውን። ነቲ ንሕና ንህቦ ግን ዝድመርን ዝፈልጥን የሎን ማለት ኣይኮነን እንተኾነ ኣብ ድምር ክተምጽኦ ኣሸጋሪ’ዩ። ድሕሪ ገለ ኣውርሕ ዳርጋ ኩሉ ወጻእተኛ ከየማረጸ ኣብ ስራሕ’ዩ ዝወፍር። እቲ ስራሕ ከም ረህጽና ኣይከፍለናን’ዩ። ንሰርሖ ቦታ ከኣ ደቂ ሃገር ዘይደልዩዎ’ዩ። ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ወጻእተኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ እንተዝወጽኡ ምጨነዋ። ካልእ ንሕና ነሰጋግሮ፣ ባህሊ፣ ናይ መግቢ፣ ናይ ሙዚቓ፣ ምፍላጥ ኣህዛብ፣ ናይ ንግድ ምሕዝነት፣ ሞዛይክ ሂወት ሃገር ዝተረኽበ ናይ ወጻእተኛታት ጽቡቕ ኣበርክቶ ይመስለኒ።
እንበኣር ወጻእተኛ ይወስድ ጥራይ ኣይኮነን ድርብ እዩ ዝህብ። ኣብ ዝለዓለ ከም ዝበልኩዎ፣ ግን ንሕና ብብቕዓት ክንነብር ምስ ንጅምር ነቲ ናይ ምንጻል ባህሊ ደቂ ሃገር ናይ ሓባር ተርድኦ ከም ዝውንን ም ንገብር ክንዲ ንጸባጸብ ክንህብን ክንወስድን ከሎና ሓጎስ ኣለዎ። እቶም ይወስዱ’ዮም ዝብሉና ዝብሕትዎ ኣኼባታት ክንገድፍ የብልናንን።


13. ብሊና ኦርግ> ብፍላይ ንኣፍሪቓውያን መጻእተኛታት ክንምልከት ከሎና ወላ እቶም ምሳና ዝመጽኡ ጻዓዱ’ውን ከም ወሰድቲ ገኡሮም ይርእይዩና፣ ብዓቢኡ ከኣ እቶም ዓቓባውያን ንኣና ከም ኣብነት
እናሃቡ’ዮም ዝዛረቡ፣ ንሕና ኣበላሸውትን ወሰድትን ዲና ወይስ ንህቦ ጽቡቕ ባህልታት ኣሎና?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ንርእስና ካብ ካልኦት ወጻእተኛታት ፈሊና ምርኣይ ድኻም’ዩ። ሺውዲን ቅድሚ ሚእቲ ዓመትን ሎምን ፍልልይ ኣለዋ። እዚ ፍልልይ ባህልን ቑጠባን ፖሎቲካን ባዕሉ ዝመጽኤ ወይ በይኑ እቲ ወዲ
ኣባት ንበይኑ ዝሰርሖ ኣይኮነን። ስራሕ ናይ ኩሎ ዜጋ’ዩ።
14. ብሊና ኦርግ> ሕቶይ ኣይተመለሰለይ፣ ብፍላይ ንኣፍሪቓውያን ከም ቁማልን ትዃንን ይቆጽሩና፣ ወሰድቲ ማለት’ዩ፣ ንሕና ንህቦ ንኤውሮጳዊ ሕብረተሰብ ዶ ይበዝሕ ንወስዶ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ብርግጽ ንህቦ ይበዝሕ። ንኣብነት ባህሊ ክንብል ከሎና ኣብ መግቢ፣ ኣብ ኣከዳድና፣ ኣብ ጨጉሪ ኣመሻሽጣና፣ ሙዚቓ፣ ብዓቢኡ ከኣ ሰብ ምስ ሰብ ዘለዎ ዝምድና፣ ወዘተ እንተወሰድና፣ ነዚ ጥራይ እንተረኤና ንሓንቲ ሃገር ኣብ ፍሉይ ናታ ባህሊ ተዓጽያ ዝነበረት ማዕጾ ንኸፍት ኢና። ንወድ ሰብ ከም ወሳዲ ጌርካ ክገልጾ እንተኽዕንካ ብሓይሊ ወይ ብምድንጋር ክወረካ ከሎ’ዩ። ንሰላማውን ሰሪሑ ዝነብር ሰብ
ከም ቁማል ትዃንን ምቑጽር ግን ነውሪ’ዩ ወይ ዘይፈልጡ ዝዛረብዎ’ዩ። ነዚ ምድጋሙ ከኣ ኣየድልን። ንሶም ብታሪኽ እንተረኤና ማዕድናትና ይኹን ናይ ዱር እንስሳታትና ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ንኣቦሓጎታትና ጊላታት
ገይሮም ዝሸጡ ዝነበሩ’ዮም። ብሰንኪ እዚ ናቶም ምውሳድ ጥራይ ጠባዮም ንኣፍሪቓ ጎዲኦማ ይርከቡ። ብውልቒ ሳንጣኡ ሒዙ ንስደት ዝመጽእ ሰብ’ውን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ግዳይ ናይ’ዞም ሃርጋፋት ኤሮጳውያን’ዩ። ሕጂ ግን ኣብ ናይ ቐደምን ናይ ጽልእን ሂወት ክነብር የብልናንን። እቲ ናትና ኣብ ኤውሮጳ ምምጻእን ምስኦም ሓቢርና ምንባርን ንብዙሕ ሕማቕ ጽልዋታቱ ይልውጦ ኣሎ። ንሕና ኣብ ናይ ትማሊ
ታሪኽ ክነብር የብልናን። ኣብ ሺወደን ብፍላይ ድማ እዚ ዘሎኹዎ ፓርቲ ብታሪኹ ንመሰል ወዲ ሰብ ዝጣበቕ ጥራይ ዘይኮነ ርኡይ ለውጢ ኣብ ሃገረ ሺወደንን ካልኦት ኤውሮጳን ዝገበረ’ዩ። እቲ ድልየትን
ዓቕምን ዘለዎ ኣፍሪቓዊ ኣብ መዓልታዊ ስራሓት ዞባኡን ኣብ ጉዳይ ሃገርን ግደ ክህልዎ ነዚ ናይ ምስትምሳል መደረኽ ክሰግሮ ይላቦ።


15. ብሊና ኦርግ> ንህዝቢ ሺወደን ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እስቶኮሆልም ነቲ ዝመረጸካ ተጸዋዒ ወይ ቐዳማይ ሓልፍነትካ’ዩ፣ እንተኾነ እቲ ኣፍሪቓዊ ኮሙኒቲ ከምኡ ሓደ ጸሊም ኣብ ፓርላማ ብህላውካ ካባኻ ብዙሕ
ትጽቢት ኣለዎ፣ ነዚ ኽልተ ሓላፍነት ብኸመይ ትሰርሓሉ?


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣነ ብቐዳምነት ናይ ሺወደን ፖሎቲከኛ’የ። ኣባል ሰልፊ ስለ ዝኾንኩ ፕሮግራም ናይ ሰልፊ ንመዓልታዊ ሂወተይ ይገዝኦ። ግዴታይ ንኽሉ ዜጋ ናይ ሺውድን ብማዕረ ክሰርሕ፣ዩ። ከም ዝበልካዮ
ሞራላዊ ሓላፍነት ነቲ ናተይ ወገን ኣሎኒ። ብውልቒ ነጻ ኮይነ ክደጋገፍን ምኽሪ ክህብን ቕሩብ’የ። ነዚ ንምትግባር ናይ ሰልፍና ንዉጹዓት ምክልኻል ኣብ ንገብሮ ቅድሜ ግንባር’የ። ጻዕዳ ድዩ ጸሊም ከይፈለና ዉጹዕ መሰሉ ክረክብ ንቓለስ። ንኣብነት ብኢንተርናሽናል ደርጃ ብዙሕ ግዜ ንፍሊጤም ተመላሊሰ ኣሎኹ።
ብሃገር ደርጃ ከኣ ንሹጉራት ስድራቤታትን ንኣረጋውያንን ንደቂ ኣንስትዮ ንወጻእተኛታት ጉዳያት ኣብ ዘርኢ ብዙሕ ይነጥፍ’የ።
እዚ ኹሉ ናይ ፓርተይ መደብ ክኸውን እንከሎ ብውልቐይ ብዙሓት ኣፍሪቓውያን ንኮሚኒቲ ይኹን ካልእ ንባህሊ ዘድሊ ፕሮጀክትታት ሒዞም ምኽሪ ዝደልዩን ወይ ካልእ ደገፍ ምስ ዝሓቱ ቤት ጽሕፈተይ ክፉት’ዩ።
ነዚ ዕድል ከኣ ብዘይካ ኤርትራውያን ኩሎም ወጻእተኛታት ይጥቀሙሉ’ዮም። ናይ ኤርትራ ኮሙኒቲ ከኣ ይርዳኣኒ’ዩ፣ ብሓዎም ዝተጠልሙ ስለ ዝኾኑ ካልእ ሓዎም ጥዑይ ዘሎ ኣይመስሎምን’ዩ፣ ዘይተወድኤ ቓልሲ
ስለ ዘለዎም ኣብኡ ኣድህቦ ጥራይ ስለ ዝገብሩ ኣብ’ዚ ሃገር ከም መገደኛታት ይነብሩ። ነቲ ዓወተይ ዓወቶም ከም ዝኾነ ኣይተገንዘቡን። ብፍላይ እተን ሰልፍታት ኣማዕዲኻ ምርኣይ ይጎድለን’ዩ። ብዝተረፈ ኣብ ሕቶኻ
ክምለስ ምስ ኣፍሪቓውያን ብዙሕ ሓባራዊ ስራሓት ይሰርሕን ንሽግራቶም ይሰምዕን ነቲ ብዓቕመይ ክፈትሖ ዝኽእሎ ይተሓባበር ካብኡ ዝተረፈ ከኣ ኣብ ፓርተይ ወሲደ ፍታሕ ክረክብ ይጽእር፣ ክሳብ ኣብ ባይቶ
ክለዓል ንቓለሰሉ ኣሎና።
16. ብሊና ኦርግ> ናይ ፓርላማ ኣባልን ኣፍሪቓውን ስለ ዝኾንካ ትጽቢት ኣፍሪቓዊ ኣብ ልዕሌኻ ብዙሕ’ዩ። ነዚ ሃንቐውታ ናይ ኣፍሪቓውያን ንምምእላእ ፍሉይ መደብ ዝሓዝካዮ ኣሎካዶ።


ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ናይ ፖሎቲከኛ ስራሕ ምስ ህዝቢ ምርኽኻብ’ዩ። ስለ እዚ ብዘይ ኣፈላላይ ምስ ኩሉ ህዝቢ ምርኻብ ካብ ስረሔይ’ዩ። ብፍላይ ምስ ኣፍሪቓውያን ከኣ ከም ናተይ ጸገም ስለ ዘለዎም ከኣ ብቐሊል
ክቐርቦም ዝኽእል ወገን’ዮም። ትጽቢታቶም ኣብ ኢተግሬሽን ኣብ ሕቶ ማሕበራዊ ሂወት ካልእ ጸገማቶም ሓባራዊ ቓልሲ ክምዕብል ይጽዕር’የ። ፍሉይ መደብ ግን ኣይሰራዕኩን። ቐሪቦም ሓሳብን ውደባን ምስ ዘርእዩ
ከኣ ብዙሕ ዝስራሕ ከም ዘሎ ይኣምን። ስልጣን ይወሰድ እንበር ኣይዋሃብን’ዩ። ማጂክ ብትሪ የሎን።


17. ብሊና ኦርግ> ናይ መጠረሽታ ሕቶይ ንኢተግረሽን ዘርኢ፣ ዝኾነ ስልጣን ብሓይሊ ይምዛዕ እንበር ኣይወሃብን ኢልካ፣ ብኻልእ በትሪ ማጂክ የሎን ማለትካ’ዩ። መደምደምታ ካልእ መግለጺ ወይ ካልእ ምኽሪ
ንወጻእተኛ ኣብ ዝለዓለ ቤት ጽሕፈት መግስቲ ክኣቱ እንታይ የድልዮ ትብል?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣፍሪቓዊ ብፖሎቲካ ሃገሩ ተጎዲኡ ስለ ዝመጽእ ንናይ ሺውድን ፖሎቲካ’ውን ብማዕዶ’ዩ ዝፈርዶ። ካብ’ዚ ፍርሒ’ዚ ተበጊስና ከኣ ንፖሎቲካ ብርሑቕ ንዕዘቦ። ኣብ እቲ ናይ ሃገርና ወይ
ናይ ኮሙኒቲ ኣኼባታት ከማና ዝመላለስ የልቦን። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝግበር ኣኼባታት ንመሰል ወዲ ሰብ ዘርኢ፣ ናይ ዞባ ንምሕደራ ዘርኢ፣ ናይ ፖሎቲካ ፓርትታት መደበ፣ ንህዝቢ ከውርዱ ከለዉ፣ ሰሚናራትን
ንናይ ቆልዑ ይኹን ንናይ ደቅንስትዮ ሕቶታት ኣልዒሎም ዝካትዑ፣ ንስራሕን ንድሕነትን ንኢንሹራንስን ንጽርየትን ንሕክምናን ንከባብን ዝምልከት ኣኼባታት ኣይንሳተፍን’ና እንተተሳተፍና ከኣ ዋሕዲ ኣሎ ስለ እዚ
ነዚ ክንግንዘቦ ኣሎና። ሓደ ዜጋ ኩሉ ክፈልጥን ክሰሚዕን ክውስንን፣ መሰል ኣሎዎ። ወጻእተኛታት ኣብ’ዚ ሕመቕ ኣሎና፣ ወላ ኣብ’ቲ ናይ ዞባና ንማሕበራዊ ሂወትና ዝትንክፍ ኣኼባታት ብብዝሒ ኣይንሳተፍን። ነዚ
ሕማቕ ባህሊ ክንሰግሮ ይላቦ። ሓቂ’ዩ ኩሉ ፖሎቲከኛ ክኸውን ኣይሕተትን፣ዩ። እንተኾነ እቲ ቑጠባዊ ሂወትና ብፖሎቲካ ከም ዝምራሕ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ኣብ ፖሎቲካ እንተዘይነጠፍና ተጎዳእቲ ንሕና’ና።
ንከባቢና ክንፈልጥን ባህልናን መንነትናን ክፈልጡናን፣ ንሂወትናን ንሂወት ደቕናን ክንመርሕን፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ክነጥፍ ግድነት’ዩ። እነትሓመቕና ከኣ ኣብ ግዜ ምርጫ ካብ ነረጽቲ ክንከውን
ይግባእ። ሎሚ ሰብ ብዓቕሙ እንበር ብቆርበቱ ኣይምዘንን’ዩ። ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ሽዊደን ነዚ ሓሊፎሞ’ዮም። ስለ’ዚ ንሕና ወጻእተኛታት’ውን ማዕጾና ንኽፈቶ። ድልየት እንተሎ ኣብ ኩሉ ክብጻሕ
ይካኣል’ዩ።

18. ብሊና ኦርግ> ኣብ ፖሎቲካ ዝደፋፍኣካ ኣሎዶ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እወ ንወጽዓ ይጸልእ’የ። ዝውጽዕ ኣይፈቱን’የ። ንወጽዓ ከኣ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ከይተረፈ ተቓሊሰ’የ። ሕጂ’ውን ኣየዕረፍኩን። ማዕርነት ኩሉ ምስ ዝህሉ’ዩ ሰላምን ምዕባሌን
ዝመጽእ።
19. ብሊና ኦርግ> ነዚ ተበግሶ ናትካ ኣብ ፖሎቲካ ሺዊድን ክትነጥፍ፣ ዝደፋፍኣካ ሰብ ኣሎዶ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እወ ኣቶ ኔልሶን ማንዴላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ዑደት ንሃገራት ክገብር ከሎ ብቐዳምነት ኣብ ሺወደን’ዩ መጺኡ። ሰላም ክብሎን ናቱ ምኽርን ክሰሚዕ ከኣ ዕድል ረኺበ። ካብ ዝለገሰልና
ምኽሪ ከኣ ኣብ “ቓልሲ ቦታ ኣይፈልን’ዩ ስለ’ዚ ኣብ ዘሎኹሞ’ውን ተራ ፖሎቲካ ክህልወኩም ይግባእ ንዕስራን ሾብዓተን ዓመታት ኣብ ሓንቲ ሸላ ኮይኑ ይቓለስ ከም ዝነበረ፣ ከም ኣብነት ጠቒሱ ኣፍሪቓውያን
ኣብ ኤውሮጳ ንዘሎና ብቓልሲ ፈጉፊኩም ኣብ ፖሎቲካ ሰልፍታት ቦታታት ሒዝኩም እንተትህልዉ ናይ እዛ ብሽግር ተሓኒቓ ዘላ ኣፍሪቓ ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ምገበርኩም ዝበለና፣ ቓላቱ ባተርያ ሞራል ኮይንኒ። ናይ
ኔልሶን ሞንዴላ ጽንዓትን ተወፋይነትን ትሕትናን ንኹልና ምህሮ’ዩ።


20. ብሊና ኦርግ> እወ ዓቢ ሰብ’ዩ። ኣብ ምርጫኻ ክንደይ ድምጺ ሓቑፍካ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ውልቒ ሰብ ዓቢ ግደ እኳ እንተለዎ ኣብ ሺውድን ግን እቲ ምርጫ ብውልቒ ኣይኮነን ዝኸይድ። እቲ ሰልፊ ኢዩ ፖሎቲካዊ መደቡ ንህዝቢ ዝቕርብ። ንሕና ከኣ ነዚ መደብ ሒዝና ኣብ ህዝቢ
ንቐርብ። ካብ’ቶም ቐንዲ ነቲ መደብ ዘውርዱ እቶም ሕጹያት ሰልፊ’ዮም። ሕጹያት ስለፊ ከኣ ኣብ ሰልፎም ተወዳዲሮም ዝተዓወቱ’ዮም። እቶም ዝሓለፉ ከኣ ነቲ ፕሮግራም ሰልፊ ሒዞም ኣብ ጎደናታት ይወርዱ። ብኣኼባታት ብዲቤት ብሰሚናራት ብጋዜጣ ብኻልእ ዝተፈላለየ መንገዲ ንህዝቢ ንስልፎምን ንሕንጻጻቱን ህዝቢ ክመርጽ ይጉስጉሱ። ኣነ’ውን በዚ ኣገባብ’የ መጺኤ። ናይ ሰልፍና መደብ ሒዘ ናብ ህዝቢ ወሪደ’የ።
ኣብ ብዙሕ ሰሚናራትን ኣኼባታትን መስመር ሰፍልፍና ጎስጉሰ። ኣብ’ዚ እቲ ህዝቢ ነቲ መስመር ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ ዓቕምታት ሕጹያት ሰልፊ’ውን ክዕዘብ ዕድል ኣለዎ። ነቲ ዘድነቕዎ ሰብ ከኣ ፍሉይ ኣብ ግዜ
ምርጫ ፍሉይ ቦታ ኣሎ ከስምሩሉ። ኩሎም ካንዲዳት ንሰልፎም ወኪሎም ኣብ ህዝብ ወሪድና። ኣብ’ዚ ማእከል ከተማ ካብ ሰልፍና 42 ሰባት ቐሪብና እንተኾነ ፓርትና ኣብ እስቶኮሆልም ሙሉእ ዓወት ኣይረኸበን። ብምእታዊት 22% ስለ ዘምጻእና ስለፍና ሽድሽተ ሰባት ኣብ’ቲ መጠረሽታ ክትቕርብ ኔርዋ። ኣነ መበል ራብዓይ ናይ እቶም ኣባላት ሰልፍና ኮይነ ኣትየ። ስለ’ዚ ኣገባብ ኣመራርጻ ሺወደን ብውልቒ ዘይኮነ ብስልፊ’ዩ።


21. ብሊና ኦርግ> ኣብ’ዚ ምርጫ ሰልፍኹም ናይ ኣፍሪቓ ኮሙኒቲ ግዴ ኔርዎምዶ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እወ ኑፉዓት ተንቐስቓስቲ ኣፍሪቓውያን ኣብ ሰልፍና’ውን ኣለዉ። ኣብ ዉሽጢ ሰልፍና ሶሻል ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ሓደ ምትእኽኻብ ኣፍሪቓውያን ኣሎ፣ እዚ ብዙሕ ግደ ተጻዊቱ’ዩ። እቲ ምርጫ
ግን ብምስጢር ስለ ዝኾነ እምነት እኳ ይህልወኒ እንበር ዓው ኢለ ዝዛረበሉ የብለይን። ካልእ ኣብ ምርጫ ክንዛረብ ከሎና እቶም ወጻእተኛታት ብፍላይ ኣፍሪቓውያን 45% እዮም ዘድምጹ፣ እዚ ባህሊ ናይ
ምርጫ’ውን ይጎድለና’ዩ።
22. ብሊና ኦርግ> በል ሕጂ ናብ ኮሚኒቲ ኤርትራ ክመልሰካ፣ ሕማቓት ኢና እኳ ኣይንብልን ምኽንያቱ ከማኻ ዝመሰሉ ስለ ዘፍሬና እንተኾነ ንኢንተግሬሽን ማዕጾና ዝኸፍትናዶ ይመስለካ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኤርትራውያን’ውን ካብ ካልኦት ብዙሕ ዝፈልየና የሎን። እንተኾነ ዘይተደምደመ ቓልሲ ስለ ዘሎና እታ ዘላትና ግዜ ንኣ ስለ ንህብ ንርእስና ካብ ካልኦት ወጻእተኛታት ንገልል’ና። ኣብ ስራሕ
ዳርጋ ኩልና ዓይነት ስራሕ ብዘየገድስ ንዋፈር’ና እዚ ካብ’ቲ ጽቡቕ ባህልና’ዩ። እንተኾነ ናይ ሃገርና ከም ምኽንያት ወሲድና ካብ ከባቢና ንንጸል ኣሎና። ነዚ ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ይግባእ’ዩ። ካብ ኩሉ እቲ ሓዲሽ
ወለዶ ነቲ ብቐረባ ንሂወቱ ዝትንክፎ ሽግራት ኣማዕድዩ ክጥምት ምግባር ንጎድኦ ኣሎና። መንእሰይ ንኽልቲኡ ኣወሃሂዱ ክሰርሕ ክነተባብዖ ኣሎና። ኣብ ጎኑ ዘሎ ወጽዓታትን ብደሆታትን ዘይገጠመ ኣብ ማዕዶ ንዘሎ
ወጽዓታት ክፈልጦን ክገጥሞን ምስ ዝጅመር መሳርሒ ኢና ንገብሮ ዘሎና ጽባሕ እናዓበየ ምስ ከደ ክኸሰና’ዩ።


23. ብሊና ኦርግ> ኣርሀ ናይ ትማሊ ኣርሀ ምስ ናይ ሎሚ ዘማስሎን ዝፈላልዮን ኣሎዶ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እይተቐየረን። እንተኾነ ኣርሀ ናይ ሎሚ ኣብ ዊቕያኖስ ናይ ስራሕ ኣሎ። እዛ ሕቶኻ ኣስሒቓትኒ ምኽንያቱ ትዕዝብትታት ስለ ዘሎኒ። ቐደም ኣብ ኩሉ ክርከብን ክስሕቕን ክካታዕን ደስ ይብለኒ
ኔይሩ። ኣብ ሃገራዊ ወይ ማሕበራዊ ሂወት ህዝብና ካብ ኣኼባ ዝውድቡን ዝመርሑኔይረ እንተበልኩ ዘጋንን ዘሎኹ ኣይመስለንን እንተሓሚቐ ከም ዕዱም ኮይነ ቕድሚ ሰብ ዝመጽእ ኔይረ። ሎሚ ግን ጻዕቒ ስራሕ ካብ
ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ስድራ ቤተይን የርሕቐኒ ኣሎ። ጻዕቒ ስራሕ ሓዲካ ኣነስ ኣይተቐይርኩን፣ እንተኾነ ከም’ቲ ኣነ ዝደልዮን ካልኦት ዝጽበዩንን ክኸውን ዕድል ዝህብ ሂወት ይመርሕ የሎኹን። ነዚ ክትርድኡኒ ተስፋ ይገብር። ነቲ ጸገማት ዘርዚረ ክዛረቦ ኣይክእልን’የ፣ ብድብዱቡ ግን ናይ ፓርላማ ኣባል ንጸጥታ ዝምልከት ዝኽተሎም መምርሕታት ኣሎ። ብዝተረፈ ትዕቢት ናይ ስራሕን ግዝያዊ ጻጋታትን ዝሰኸርኩ ኣይኮንኩን። ከም’ዚ ናትካ ቐጥታ ሕቶ ከኣ ንዝምድናይ ስለ ዘመሓይሸለይ ብዙሕ የመስግነካ። ተቕይርካ ዝብሉኒ እንተለዉ ክርድኡኒ ይላበዎም። ከምኡ’ውን ገለ ካባይ ዝድለ እንተሎ ብሩሕቕ ዘይኮነ ቐሪቦም ክምዕዱኒ ብትሕትና ይሓቶም።


24. ብሊና ኦርግ> ዊቕያኖስ ስራሕ ክትብል ከሎኻ፣ ሓደ ናይ ፓርላማ ኣባል ብዙሕ ስራሕ ዶ ኣለዎ? እስከ ብዝሒ ኣባላት ፓርላማን እትጋቡኡሉ ዕለትን ሰዓታውትን ግለጸልና? ብፍላይን ንስኻ ኣብ እንታይ ስራሕ
ትነጥፍ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣባላት ፓርላማ 349 ኢና። ሾመንተ ሰልፍታት ኢና ኣብ ፓርላማ ዘሎና ንሕና ወይ ሰልፍና ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሙሉእ ድምጺ ስለ ዘይረኸብና ኣብ መግስቲ የሎናን። ኣብ እዚ ፓርላማ 15 ኮሚቴት
ኣለዋ። እዚኤን ኮሚቲታት እዚኤን ወሰንቲ ናይ ሃገር ሒወት’የን። ኣነ ኣብ ናይ ፍትሒ ኮሚቴ ኣሎኹ። ኩሉ ንሕጊ ዝምልከት ብናጽነትን ብምትሕብባርን ምስ ናይ ሕጊ ሚኒስትር በዚኣ ኮሚቲ ይሕሎን ይውሰንን እዚኣ
ኮሚቴ ከኣ ብሃገር ደረጃ ሳብ ኮሚቴታት ተመቓቒላ ትሰርሕ። ይጽንዕ ይግምግም ንፍጻሜ ዘርኢ ከኣ ምስ ሚኒስትሪ ምኽሪ ይህብ፣ ሓዲስ ሕግታት ንፓርላም የቕርብ። ሰፍሕ ስራሕ’ዩ። ሰዓታትን፣ መዓልቲ ስራሕን
ኣይንፈልጥን ኢና። ለይትን መዓልትን ንስራሕና ቐዳምነት ሂብና’ና ንነብር። ባይቶ ቀጻሊ’ዩ ዝእከብ። ውሳኔታት ክኸውን ከሎ ግን ሰለስተ ግዜ ኣብ ሶሙን ይእከብ እንተኾነ ፓርላማ ኣገዳሲ ዘዕባታት እሞ
መዕረፊ ክትገብረሎም ኣጻጋሚ ምስ ዝኸውን ሰዓትን መዓልትን ዋጋ የብሎምን።


25. ብሊና ኦርግ> ምስ ጻዕቒ ስራሕካ ንስድራ ቤታዊ ስራሓትካ ተርክበሉዶ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ብጸልማት ወፊረ ብጸልማት ይኣቱ። በዓልቲ ቤተይ ነዚ ጸገም ስራሕ ስለ ትርድኦ ብዙሕ ደገፍ ብገዛ ኣሎኒ። እዚ ስራሕ ፍቕሪ ገዛን ደገፍ ኣሕዋትካን ደቕኻን ዘይብልካ ክስራሕ ኣይክኣልን’ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ንበዓልቲ ቤተይ ብዙሕ የመስግና።


26. ብሊና ኦርግ> ኣቶ ኣርሀ ኣነ ከም ዝሰማዕኩዎ፣ ኣብ ፖሎቲካ ሺውደን ንኢንተግረሽን ዝምልከት ሓደ በተኽ ራኢ ከም ዘምጻእካ፣ እዚ ፍልፍስና ከኣ ብኹለን ናይ ኤሮጳ ሃገራት ኣብነት ኮይኑ ክስራሓሉ ጀሚሩ
ከም ዘሎ ሰሚዔ፣ ነዚ ፍሉይ ፍታሕ ብኣኻ ዝነቐለ ክትሕብረናዶ ትኽእል?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ካብ ተስዓን ሰለስተን ጀሚረ ወላ እቲ ቋንቋ ኣይረዳኣኒ ኣብ ኣኼባታት ናይ’ዚ ሃገር ክሳተፍ ደስ ይብለኒ ኔይሩ። ኣብ 2001ዓም ሓደ ዝሰንብድ ሞት ኣጋጢሙ። ሓንቲ መንእሰይ ኣባል ናይ
መንእሰያት ሰልፍና መበቖላ ኵርዲ ኣብኣ ቐቲልዋ። እቲ ቐንዲ ዘቕተላ ምኽንያት ሓደ ሺወደናዊ ስለ ዘፍቐረት’ዩ። እዚ ዓቓባዊ ባህሊ ንኣቦ ንውላዱ ክሳብ ዝጭክን ኣብጺሕዎ። እዚ ሕማቕ ኣብ ኩሉ ወጻእተኛ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኣተሓሳስባ ኮሚኒታትና ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሂወታ ይኹን ብኣተሓሳባኣ ክብሪ ናይ ባህሊ’ያ ኢልካ ዝውሰድ ያታታ ኣሎ። ስለ’ዚ ካብ’ቲ ኮሙኒትኣ ወይ እምነታ ወጺኣ ካልእ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ነውሪ ጥራይ ዘይኮነ ሕስረት ኮሚኒቲ’ውን ኢዩ። ክተፍቕርን ካብ እምነታ ወጻኢ ካልእ ክትኣምንን ንጓል ኣንስተይቲ ማዕጾ ዕጹው’ዩ። እዚ ስለ ዝሓስብ ከኣ ኣቦኣ ናታ ክንደይ ዓመታት ብፍቕርን ብድኻምን ዘዕበያ ጓሉ ክቐትል እቲ ኣባታዊ ባህሊ ደፊእዎ። እዚ ኣብ ሺወደን ሓዘንን ሕርቓንን ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ሕጂ ከም’ዚ ከይርከብ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ክትዕ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ገኒኑ። ማዕከናት ዜና ከኣ ከቓልሖ ጀሚረን። እቲ ሕቶ ከኣ ኣብ ሰልፍታትን ጸሓፍትን መሰል ውዲ ሰብ ተጣብቕትን መንግስትን ተራ ሰባትን ስድራቤታትን ወሪዱ። ኣነ ብቐጻሊ ኣብ’ዚ ክተዓት ይካፈል ኔረ። ሓደ መዓልቲ ከም ፍታሕ ዝቀረበ፣
“ዝያዳ ሕቡእ ገዛውቲ ክህልወና ኣለዎ፣ መታን ነተን ዉጹዓት ክንሓብኤን ዝብል ርእይቶ ወሪዱ”። እዚ ነታ ግዳይ ካብ መዓልታዊ ሂወታን፣ መሓዙታን፣ ካልእ እተፍቅሮ ቦታታትን ኣልዒልካ ንግዜኡ ምሕባኣ’ዩ። እዚ
ፍትሒ ከም ዘብሉ ተረድእኒ። ነቶም ብኣባታዊ ባህሊ ወይ ሃይማኖታዊ እምነት ንኣሓቶምን ንደቖምን ዝውጽዑ ኣብ ንቡር ሂወቶም ነጻ ሓዲግካ ንግዳያት ምሕባእ፣ ዳርጋ ምእሳር ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።
ዓው ኢለ ከኣ ነዚ ኣገባብ እዚ ብኣንጻሩ ክስራሕ ሓሳብ ቐሪበ። ነዚ ናተይ ሓሳብ ዝሰሚዕ ዝነበረ ናይ መሰል ወዲ ሰብ ተጣባቒ ዓብን ምኩርን ሰብኣይ ድሕሪ ኣኼባ ቐሪቡ ነቲ ሓሳበይ ከም ዝድግፎን ቀጻሊ ከኣ
ክምዕብል ከም ዘለዎ፣ ኣረዲኡኒ። ነዚ ርእቶ ንምምዕባል ግን ናተይ ብኣካል ኣብ’ዚ ማሕበሮም ኣትየ ምስ ካልኦት ክሰርሕ ሓቲትኒ። ንዝለመድኩዎን ዝፈትዎን ዝነበረ ስራሕ ገዲፋ ከኣ ኣብ’ዚ ማሕበር ክሰራሕ ጀሚረ። ነቲ ርእይቶ ናተይ ከኣ ኣማዕቢልናዮ። ብመጠኑ ከኣ ኣብ ኩሉ ኮንፈረንፈረንስ ሰሚናራትን ቤት ትምህርትን ኣብ ማዕከናት ዜና ከኣ ዲቤት እናገበርኩ ተጣቢቐሉ። ሎሚ እቲ ሓሳበይ ሰፊሑ’ዩ። ኣብ
http://www.humanrights.gov.se/extra/pod/?module_instance=2  National action plan to combat men’s violence against women ክረኤ ይከኣል። ከም መርሓ
መንገዲ፣ ጸረ ኣባታውን እምነታውን ጸቕጢ ወይ ገበናት ይስራሓሉ ኣሎ። ኣብ ሺውደን ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከኣ ይሰፍሕ ኣሎ። ረብሓን ቅሳነትን ከኣ ንኹሉ ዝህብ ኮይኑ ይርከብ።


27. ብሊና ኦርግ> እንታይ እዩ እቲ ቐንዲ ሽግር ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ሂወታ ምሕላፍ ቅዱስ ኮይኑዝረኤ?
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እዚ ኣባታዊ ትምክሕቲ ወይ ጌጋ ኣተረጓጉማ ሃይማኖታዊውን ዓቓብነት ባህልን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ናውቲ ማእቶት ስለ ንውንን ንጓል ኣንስተይቲ መታን ክንመልክ ኣብ ባህልታትናን ኣብ
እምነታትናን ንደቂ ኣንስትዮ ዝውጽዕ ያታታት ኣሎና። ንደቂ ኣንስትዮ ብኣካለን ይኹን ብሂላውኤን ኣገልገልቲ ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን ክነብራ ዝግድድ ብሂላትን ኣብ ገል ከኣ ከም ሕጊ’ውን ኣሎ። ኣብ ሂወትና ደቂ ተባዕትይን ደቂ ኣንስትዮን ሽርክነት ከም ዘሎና ኣይንኣምንን። ከም ኣቕሓ ገዛ ንምልከተን። ነዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከኣ ደቂ ተባዕትይ ቀንዲ ተዋሳእቲ’ዮም። ሓንቲ ጓል ካብ’ዚ መስመር ውጽእ ምስ እትብል ወላ እቲ ራብዓይ መትሎ ዘሎ ሓዋ ይሰሃላ። ኮሚኑቲ ከኣ ነዚ ግጉይ ቆልዓ ከይተረፈ የተባብዖ። ደቂኣንስትዮ ከኣ ንቕሓት ስለ ዝጎድለን ነዚ ከም ቅዱስ ኣገባብ ይቐበልኦ፣ ኣብ ገበን እኳ እንተዘይወዓላ ብድኻምነተን የተባብዖኦ። ነዚ መስመር’ዚ ዘይክተላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስድራ ቤተን ይኹን ኣብ ኮሚኒቴን ንዕቐት ዘለወን ይቑጸራ። ይንጽልወን ይሃርመወን ይጸርፍወን ኣብ ገዛ ይዓጽዉወን ብሓይሊ ምስ ዘይደልኦ የመርዕዉወን።
ከም’ዚ ገይሮም ንጓሎም እንተዘይሓዙ እቶም ስድራ ይኹኑ እታ ኮሚኑቲ ግዳይ ሕሜታን፣ ሕማቓትን፣ ይቑጸሩ። ሕፍረትን ምንጻልን ከኣ ይስዕቦም። ካብ’ዚ ነቂሎም፣ ናታ ጓል ወይ ሰበይቲ ንኣ ዝሰማምዓ ኣገባብ
መነባብሮ ከትወስድ ይግድድዋ። ነዚ ዘይቕኑን ኣገባብ ብሂላት ኣብ’ዚ ዝዓበያ ደቒ ኣንስትዮ ኣይቕበልኦን። ክልተ ባህሊ ከኣ ኣብ ኵናት ይኣቱ። እቲ ሓያል ከኣ ንሕግን ንመሰል ጓል ኣንስተይትን ኣብ ግምት ከየእተወ
ስልጣኑ ተጥቂሙ ክሳብ ሂወት ምሕላፍ ይበጽሕ። እዚ ገበን ብባህልን ብእምነትን ስለ ዝድገፍ ከኣ ቅዱስን ፍትሓውን’ዩ። እዚ ኣብ ባህልና’ውን ኣሎ። ኣብ ሓቂ ግን ዝኾነ እምነት ይኹን ባህሊ፣ ንሓደ ሰብ ንባህሉ
ይኹን ንእምነቱ በቲ ንሱ ዝምእምኦ ክዋሳእሉ’ዩ ዘፍቕድ። ብሕጽር ዝበለ ምህራም ምቕታል ኣብ ባህሊ ይኹን ኣብ እምነት የሎን። እዚ ጸገም ኣተሓስስባ’ዩ። እዚ ኣተሓስስባ’ዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣብ እዚ ሃገር ኣብ
ማእከል ወጻእተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ወላ ኣብ ደቂ ኣባት’ውን ኣሎ። ኣገባብ ኣፈታትሑ ስለ ዘይተዓወተ ከኣ ወይ ስለ ዝፈሸለ እዛ መንእሰይ ጓል ብኣቡኣ ተቐቲላ። ሺወደን ብፍላይ ከኣ ሰልፈይ ነዚ ብመትከል ተቓዊምናዮ። እነ ፍታሕ ዝበልኩዎ ከኣ፣ “ነዚ ንምውጋድ ነቲ ሕሙም ክንዲ ምፍዋስ ነቲ ዘይሓመመ ምፍዋስ ስለ ዘድሃብና ኣብ ጌጋ መስርሕ ከም ዘሎና ተጣቢቐ። ነታ ጓል ኣንስተይቲ ምሕባእን ካብ ሕብረተሰብ ምርሓቕን ፋይዳ የብሉን ኢለ”። ነቶም ኣብ ሓምሳን ሰብዓን ዕድሜ ንዘለዉ ክትልውጥ ምድላይ ፋይዳ የብሉን። ንኦም ብሕጊ ምሓዝ’ዩ። ነቲ መንእሰይ ትውልዲ ግን ጹዑቕ ትምህርትን ዘተን ውደባን ዕድል ክኸፈት ጸዊዔ። ምኽንያቱ ናይ ጽባሕ ኣቦን ኣደን ሓላፊ ኮሚኒቲ ንሱ’ዩ። ብቐዳምነት መንእሰያት ካብ’ዚ ኣባታዊ ባህሊ ሓራ ክኾኑ ምምዓዶምን ምምሃሮምን፣ ብማሕበራት ጠርኒፍካ ኣብ ኮሚኒቲኦም ከም ዝዋስኡ ምስ ንገብር እዚ ሽግር ፍታሕ ከም ዝረክብ ተረጋጊጹ። ብሕጽር ዝበለ እዚ’ዩ እቲ ሓዲስ ኣገባብ ኣነ ዘልዕልኩዎን ብኹሉ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ዝረኸበን ኣብ ባይታ ከኣ ፍሪኡ ዘርኢ ዘሎን። ኣብ’ዚ መድረኽ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት 270 መእሰይት ብተወፋይነት ዝተጠርነፉ ኣለዉ። ይቕጽልን መንእሰይ ባዕሎም ክቓለስዎን ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ምብጋሱ ግን ብዙሕ ጸገም ተጓኒፍኒ’ዩ። ኣነ ባህሊ ዘይብለይ ንእምነት ዘናእስን ተቆጺረ፣ ብትምክሕተኛታት ዘለፋን ምፍርራሕን በጺሕኒ’ዩ። ማዕሪኡ’ውን ነቲ ቓልሰይ ዝፈለጡለይ ብዙሓት’ዮም። ክሳብ ብንጉስ ሺወደን ተሸሊመ’የ። ካብ ዝለዓለ ቤትጽሕፈታት ምስጋናን ሞጎስን’ውን ተቐቢለ’የ። ነቲ ብገንዘብ ዝተዋህበኒ ሽልማት ግን ነቲ ትካል መንእሰይ ሂበዮ። በዚ ኣጋጣሚ የቐንየለይ ይብሎም። ነቶም ዝቓወሙኒ ከኣ ኣነ ነቲ ቕኑዕ ባህሊ ዝድግፍ፣ ንኣምላኽ ዝኣምን’የ ይብሎም። ማዕርነት ምእማን ካብ ባህልኻን ካብ እምነትካን ኣየርሕቐካን’ዩ። ዝበልኩዎን ዝሰርሖ ዘሎኹን ንዉጹዓት ንምክልኻል’ዩ። ወጽዓ ኣብ ኩልና ማለት ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደኢ ኣንስትዮን ሓባራውን ብውልቅን ኣሎ። ኩልና ከኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ንሃሉ ብጾታን ብዕድሜን ብቆርበትን ንድኹማትን ባህልን እምነትን ከም መንቐሊ ወሲዶም ንዝውጽዑ ደው ክነብል፣ እንተሓምቕና ከኣ ካብ ሞትን ስቕያትን ክነድሕን ናይ ነፍሲ ወከፍና ብሃልን እምነትን ቅዱስ ተልእኾ’ዩ። ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ነዚ ኣገባብ ክመሃራን ክሰርሓሉን ይጅምራ ኣለዋ። ኣብ መሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቕ ሰሚናራትን ኮንፈረንስን ወሪዱ ክምዕብልን ክስርሓሉን ከም መርሓ መንገዲ ክውሰድን ተጀሚሩ ኣሎ።


28. ብሊና ኦርግ> እዚ ሓዲስ ዕላማ ኣገዳስነቱ ይረኣየኒ ኣሎ፣ ኣብ መጽሕፍ ክተስፍሮ ይላቦ። ኣብ መጠረሽታ ብሊና ኦርግ ነቲ ናትካ ምቑሉል ኣቐባብላኻን ነዚ ዕድል ምሃብካንን ብስም እንበብቲ ብሊና ኦርግ
የመስግነካ፣ ብሊና ኦርግ ድሕሪ ባይታኻ ንኣንበብትና ክተሕልፍ ኣብ መጻኢ ኣብ ታሪኽካ ዘተኮረ ሕቶታት ክተቅርባ’ያ። ሕጂ ናይ መጠረሽታ ቓል ንኣኻ’ዩ። የቐንየለይ፣ የቐንየልና።
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣነ’ውን ነዚ ዕድል’ዚ ዝሃብኩሙኒ ዓጸፋ የመስግን። እዚ ናትኩም ተበግሶ ይንእዶ’የ። ብቐዳምነት ንቲቪ ዘተን ቲቪ ኣዳልን ንኹልና ኤርትራውያን ዘተባብዕ መደቦም የመስግኖም፣ ከምኡ’ውን
ሓው ሳልሕ ቓዲ ዓዋተ ኮም ኣብ’ቲ መጀመርታ ሓጎሱ ዝገለጸለይ ከምኡ ከኣ ኣብ ዌብ ዘቓልሔን ዜና ዘመሓለፈን በዚ ኣጋጣሚ ከምስግኖ ይፈቱ። ናትኩም ግን ከም ኣፍሪቓዊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ከም ኤርትራዊ ሰፍሕ ሕቶታት ሒዝኩም ምቕራብኩም የድነቐልኩም። እዚ ብኹሉ ክልመድ ይላቦ። ትምህርትን ተመኦኩሮን ካብዝን ካብትን ኣዋህሊልካ’ዩ ዝርከብ። ኣብ መጠረሽታ ቓለይ፣ ሰብ ቅዱስ ቅንእን ተስፋን ድልየትን ነዚ ኹሉ ከኣ ብጻዕሪ ስራሕ፣ እንተሓዞ፣ ኣብ ሂወቱ ዕዉት ክኸውን ዝኽልኽሎ ጎቦ የሎን። ኩላትን ንስራሕና ከይነዓቕና ብጥበብን ብድልየትን እንተተቓሊስና ብሩህ መጻኢ ኣሎና። ከም ህዝቢ ጸረ ሓያላን ተቓሊስና ተዓዊትና’ና። ነዚ ናይ ሕጂ ቓልስና’ውን ብዓወት ከም ንድምድሞ ኣይጠራጠርን። እንተኾነ ዓመጽ ካብ ሃገርና ሓግሒግና ክነውጽኦ፣ ነቲ ጸረ ማዕርነትን ጸረ ፍትሕን ዝኾነ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ክንቓለሶ ይላቦ።
ከምኡ’ውን ምስ ኩሉ ዘሎና ዕዮ-ገዛ ፣ ከይተሃከናን ንነፍስና ከይነጸልናን ከይነዓቕናን ኣብ’ታ ንነብረላ ሃገር ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ሂወታ ክንካፈል ይምዕድ። ምኽንያቱ ንሕና ኣብ ስደት ብዙሕ ዕድል ኣሎና፣ ነዚ ዕድል
ብግቡእ ተረዲእና ምስ ንሰርሓሉ፣ ሃገርና፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ፈተውትን ደገፍትን ክትረክብ ኣፋፈት ሩሑው ኣለዋ። የቐንየለይ ኣቶ ጎይትኦም ኩፍሎም እዚ ቓል መሕተት ብስም ብሊና ኦርግ ዘበርካኒ፣
ንኣንበብቲ ከኣ ሰላምታይ ይቐድም።


ብኣቶ ጎይትኦም ክፍሎም ዝተግብረ ቓል መሕተት፣
26.08.2011 እስቶኮሆልም

Last Updated on Wednesday, 10 September 2014 20:43
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 54 guests online