www.blina.org

ወግዓዊ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015 PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Saturday, 01 August 2015 13:55

ብኣወሃሃዲት ሽማግለ ዝተዳለወ
30 ሓምለ 2015

 

1. መእተዊ
እዚ ሰነድ እዚ፡ ወግዓዊ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ
ጀነቫ 2015 (ሽማግለ ወይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ) እዩ። ነቲ ብዕለት 26 ሰነ 2015፡
ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡
ኣወዳድብኡን ኣተገባብርኡን ዝግለጽ ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ መዛዘሚ ጸብጻብእዩ።
ሽማግለ ኣብቲ ብወግዒ ዝቖመትሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ማለት ካብ ዕለት 5 ግንቦት
2015፡ ክሳብእቲ ስራሓ ዛዚማ፡ ጸብጻባ ብወግዒ ተቕርበሉ ዘላ ግዜ (ክሳብ
መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡) ንዝተሰላሰለ ቀንዲ ዕማማት፣ከምኡ ውን ዝነበራ
ሓያል ጎድንታትን (ዓወታትን) ድኽመታትን፡ ብዝተኻእለ መጠን ውድዓዊ ብዝኾነ
ኣቀራርባ፡ ዝጽብጽብን ዝግምግምን ሰነድíዩ።
ብኣቃውማ ደረጃ፡ ሽማግለ ብዕለት 5 ግንቦት 2015እያ ብወግዒ ቆይማ። ከምቲ
ኣብ ናይ ዕለት 10 ግንቦት 2015 ጽሟቕ ጸብጻብ ኣኸባ (minutes of meeting)
ናይ ሽማግለ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እታ ሽማግለ፡ ውጽኢት ናይቲ ካብ ዕለት 30
ሚያዝያ 2015 ክሳብ 5 ግንቦት 2015፡ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዝርርብን ልዝብን እያ።

 

ቀጺልካ ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፡ click read more.!

Last Updated on Saturday, 01 August 2015 14:37
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 90 guests online