www.blina.org

ናይ ሓዘን መግለጺ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Monday, 13 February 2017 17:11

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ /ሆደ/ ሎሚ ዕለት 10-02-2017 ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን    (ኣቡ ዳልያ) ብዝሓድሮ ሕማም ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም መስዋእቱ ምስ ሰምዔ መሪር ሓዘን ተሰሚዕዎ።

ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ህዝባውያን ማሕበራት ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሓደ ካብቶም ዓቢ ተራ ዝነበሮም ውፍይ ተቃላስይ እዩ ነሩ፡ ቀጺልውን ኣባል ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን ኮይኑ ኣብቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዝቖመ  ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር  ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንዶሞክራስያዊ ለውጢ ብንጡፍ ዝሰርሔ ተጋዳላይ እዩ ነሩ።

ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን ኣብ ኩሉ ዘካይዶም ሃገራዊ ስርሓት ኣስፊሑ ዝርኢ ኣብ  ብዙሕነታዊ ኣከዋምና ህዝብታት ኤርትራ ዝኣምን፡ ምስ ኩሎም መቃልስቱ ተቀራሪቡ ዝሰርሕ ፍሉይ ብቅዓት ዝውንን ውፍይ ተቃላሳይ እዩ ነሩ።

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ /ሆደ/ ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን መሪር ሓዘን እናተሰሞዖ ንመላእ ኣባላት ውደቡ  ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን ንመላእ ደንበ ተቃውሞን ስድራቤቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ /ሆደ/

10-02 2017

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 1007 guests online