www.blina.org

መግለጺ ሓዘን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) PDF Print E-mail
Friday, 10 October 2014 12:43

 

ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ኣባል መሪሕነት እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ብ08 ጥቕምቲ 2014 ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ኣሎ።

መላእ መሪሕነትን ኣባላትን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብመስዋእቲ ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ዘተስምዖም መሪር ጓሂ እናገለጹ፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ከቢድ ሓዘን ምዃኖም ነረጋግጽ። መስዋእቲ ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ንቤተ-ሰቡን መተዓብይቱን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓቢ ክሳራ’ዩ። በዚ መሪር ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) መንግስተ ሰማይ ክወርስ፡ ኩሎም ስድራ ቤቱ፡ መተዓብይቱን ሓይልታት ደሞራስያዊ ለውጥን ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ንምነየሎም።

 

ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ሃገራዊ ነጻነት ንምርግጋጽ ብዕሸል ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ 60ታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብድሕሪ ምስላፉ፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኩሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ዘጋጥም ዝነበረ ብርቱዕ ማሕለኻታትን ብድሆታትን እናሰገረ፡ ገድላዊ እጃሙ ዘበርከተ ልሉይ ባእታ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት’ውን ምስቶም ኩሎም ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብወጋሕትኡ ብምልላይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ንምጉንጻፍ፡ ብጽንዓት ቃልሲ ዝቐጸሉ ባእታ’ዩ። ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ፍጹም ደኺመ ከይበለ፡ ኣንጻር ገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ ብጽንዓት ክቃለስ ዝጸንሐ’ዩ። ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ኣብ ፖሎቲካዊ እምነቱን ዕግበቱን ብተሪር መርገጻቱ ዝልለ’ዩ ነይሩ።

 

ብርግጽ መስዋእቲ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ብምዃኑ ዘይተርፍ’ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነቱ ንምርግጋጽ፡ ኪኖኡ’ውን ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ክጓናጸፍ ዕሸል ዕድሚኦም ዘወፈዩ ተቓለስቲ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከይኣትዉ፡ ቤተ-ሰቦም፡ መተዓብይቶምን ናይ ቃልሲ ብጾቶምን ኣብ ዝተረኸብሉ ንቡር ስነ ስርዓት ቀብሪ ከይረኽቡ ምንፋግ ነቲ መስዋእቲ መሪር ክኸውን’ዩ ዝገብሮ። ብርክት ዝበሉ ምሉእ ሂወቶም ኣብ ቃልሲ ዘሕለፉ ተቓለስቲ፡ ብሰንኪ’ቲ ገባትን ነጻግን ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ኣድማሳዊ መሰል’ዚ ዝተነፍጉ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ንኤርትራን ህዝባን ምልኡ ዕድሚኡ ዝበጀወ፡ ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ንዓዱ ከይኣቱ ካብቶም ዝተኣገዱ ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን ንቡር ስነ ስርዓት ቀብሩ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኩሎም ቤተ-ሰቡን ኣዕርኹቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍጽም ዘይምኽኣሉ ብጣዕሚ የጉሂ።

 

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

09 ጥቅምቲ 2014

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 39 guests online