www.blina.org

መግለጺ ሓዘን ብሞት ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ዑመር /ቱርኪ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ PDF Print E-mail
Friday, 10 October 2014 12:48

 

ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ዑመር /ቱርኪ ኣባል መሪሕነት እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ደኺምኒ ከይበለ ክንደይ ጸገማት እናሰገረ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ 08 ጥቕምቲ 2014 ኣብ ቐጻሊ ቓልሲ ዝነበረ'ዩ።

 

እዞም ገዳይም ተጋደልቲ ንሃገሮም ተሰዊኦም ነጻ ክግበሩ ዝተጋደሉ፣ ንቡር ሓመድ ሃገሮም ከይረኸቡ ምፍላዮም ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ዝያዳ ዘሕዝን'ዩ። ሕጂ'ውን ብዙሓት ኣቦሓጎታት ኣቦታት እሞ ንፈትዎም ገዳይ ተጋደልቲ ሓንቲ ሕልሞም ነዛ ዝተቓለሱላ መሬት ክትርኣሱ ዝደልዩ ኣለዉ።

 

እንተኾነ ንሰብዓ ዓመታት ዝተላዕለ ሕቶታት ህዝብታትና ማለት ሕቶ ምሕደራን ሕቶ መሰልን ንፈደረሽን ዝጸዊዔ፣ ንሃገራዊ ግንባራትና ዘድመየ፣ ንናጽነትና ዝጸልመተ፣ ንደንበ ተቓዉሞ ከኣ ኣብ ዕንክሊል ኤትዩዎ ዘሎ ብቅኑዕ ህዝባዊ መትከላት ስለ ዘይተመለሰ'ዩ።

 

ነዚ ሕመቕና ገምጊምና ፈውሱ ኣብ ታሪኻዊ ባህልታትና ንዘሎ ጸጽቡቑ ወሲድና ስለ ዘይንሰርሕ መንእሰያትናን ኣረጋውያንን ናይ ፍሽለትና ግዳያት ይኾኑ ብዓቢኡ ምዕናው ሃገር የንጸላልወና ኣሎ። ስንኩላትን ኣረጋውያንን ገዳይም ተጋደልትና ኣብ መሬት ሱዳን ተደርብዮም ከም ዘለዉ ዘይፈልጥ የሎን። ፖሎቲካውያን ናይ ሕልናን እሱራት ብመደብ ይቅተሉ ከም ዘለዉ ዘሰምዔ የሎን። መንእሰይና ካብ ሃገሩ ክባረር ናይ ተንኮል ስራሕ ዝስሕቶ የሎን።

 

ነዚ ስቓይና ብፍትሒ መደምደምታ ክንገብረሉ ምጽዉዋርን ምትሕልላይን ምክብባርን ደንበ ታቓዉሞ ንህዝብና ደበስ ምኾኖ። ንሕና ግን ንፍትሓውነት ብወርቓዊ ቓላት ኣብ ምድርዳር ንነብር ኣሎና። ካብ ጉዪይ ምውዓል ክሳድ ምሕዝ ምሓሸ ንሱ ድማ "ደረት መሰልካ ደረት ናይ ካልእ መሰል ክሓልፍ ከሎ ገበን'ዩ" ዝብል እንተዝረጋገጽ ፍትሕን ሰላምን ምጨበጥና። ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ዑመር /ቱርኪ ከምኡ ቅድሚኡ ዝሓለፉ ገዳይም ተጋደልቲ ዘበገስኩሞን ዝተቓለስኩምሉ ዕላማ ተዓዊቱ ኣብ መሬትኩም ብሃውልትን ብሓቐኛ ስራሕ ህዝብን ክትዝከሩ'ኹም። ንብል

 

በዚ መሪር ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ንሙውት ኣምላኽ ይቐበሎ፣ ንኩሎም ስድራ ቤቱ፡ መተዓብይቱን ውድቡን ሓይልታት ደሞራስያዊ ለውጥን ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ንምነየሎም።

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 41 guests online