www.blina.org

ህጹጽ ጻዊዒት ንዕለት 22.11.2014 ንስደተኛታት ከምኡ'ውን ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ካንቶን ጀኔቭ PDF Print E-mail
Saturday, 15 November 2014 13:56

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኣብ ዝሓለፍ ሶሙን ኣብ ስዊስ 22ሽሕ ስደተኛ ኤርትራዊ ከም ዝኣተወ ብመንግስቲ ስዊስ ከም ዝተረጋገጸ ኣብ ጋዜጣ ሰፊሩ ነቢብና።

መጠኑ ከኣ ሕቶ ዑቑባ ስደተኛ ኣብ ስዊስ ጥርዚ ወጺኡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ናይ የማን ሓይልታት ንሃልኪ ፖሎቲካኦም ደረት ዝሓለፈ ከነዉሩና "ሃደምቲ" "ናይ ቑጠባ ጽገም ዘለዎ" "ስራሕ ዘየፍቅሩ" "መጣፍእቲ" ክብሉና ንሰሚዕ ኣሎና። እቶም ወረቐት ስዊስ ዝሓዝና ኤርትራውያን፣ ኤርትራውነትና ይኹን ሓውና ክሓስርን ክነዓቕን ክብደልን ከሎ ክንጣበቕን ክንቑጣዕን ንቡርን ሃገራዊ ሓላፍነትናን'ዩ። እንተኾነ ሕማም ንኣይ ይጥዓመኒ፣ ጀጃውነት፣ ደቢስና ከም ዘሎ ዘይንስሕቶ ሓቂ'ዩ። ካብ ኩሉ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ንዕላማ ተቓሊስና ባሃልቲ ብግዝያዊ ዜግነት መንግስቲ ኤርትራ ዝንየቱ፣ ኣብ ኣምልኾ ሓደ ሰብ ዝነብሩ፣ ደቂ ካልኦት ክስደዱን ክሞትን ከለዉ ደቆም ሓቑፎም ገዛውቶም ጥራይ ዘገድሶም፣ ሃገርን ህዝብን እናጠፍኤ "ሃገር በጺሕና ጽቡቕ ኣላ" በሃልቲ፣ ንሓቂ ዝሽፍኑ ኣዳኸርትን ኣጣቓዕትን ህግደፍን፣ ከምኡ'ውን እቲ ትማሊ ትማሊ ብምድረበዳን ብባሕርን ሰጊሮም ስዊስ ዝበጽሑ፣ እሞ "ኣብ ሃገርና ፖሎቲካዊ ጸገም ተጓኒፍና" ኢሎም ዑቕባ ዝሓተቱ፣ ያኢ ካብ ጸጥታ ስዊስ ዝተሓብኡ ዝመስሎም እሞ ኣብ ቆንስላዊ ቤ-ጽሕፈት ሃገርን ዝመላለሱ ነቲ ሕቶ ሕጂ ዝመጽኡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋቶም ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ይደፍእዎ ኣለዉ። ብፍላይ ፋሺስታዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊስ ከም ዶክቶር ቶኒ ሎኾርን ዝመሰሉ ተጸጊዑ ኣብ ስደት'ውን ሰላምን ቅሳነትን ከይንረክብ ተጠርኒፉን ብቑጠባ ጎልቢቱን ይቓለሰና ኣሎ። ደንበ ተቓዉሞ ብዓቕሙ ብሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ብካልእ ኣገባባት ንህዝቢ ሚዕዱን ኣነቓቂሑን'ዩ። ንባህልናን ንክብርናን'ውን ኣብ ስዊስ ተጣቢቑ'ዩ። ሕጂ'ውን ብዝለዓለ ኣገባብ ንምስራሕ ሓደ ጽላል ናይ ኩሉ ውድባትን ማሕበራትን ምንቕስቓሳትን ዝውክል ባይቶ ኣቑሙ ኣሎ። ንሂወትናን ንክብርናን ተጠርኒፍና ምስ ዘይንቓለስ ኣብ ስዊስ ከም ኤርትራውያን ክነብርን ክንከብርን ዘይሕሰብ'ዩ። ቁዋም መንግስቲ ስዊስ'ውን ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ወይ ኮማዊ ሽምግሌ ብደረጃ ስዊስ ክህሉ ዘትባብዕ ሕግን መሰልን ክሳብ ቁጠባዊ ደገፍን ኣሎዎ። ናይ ካልኦት ሃገራት ኮማት ነዚ ጥርናፌ ይጥቀሙሉ'ዮም። ንሕናኸ ይኣክል በለጽ ይኣክል ፍርሒ ኢልና ንረብሓና ብስምረት ክንትንስእ ዘገድደና ግዜ ከም ዘሎና ንዝንግዕ ኣይመስለናን። ንማሕበራዊ ጸገማትና ይኹን ከምኡ'ውን ንሂወትና ብጽቡቕ ክንመርሕ፣ ባህልናን ታሪኽናን ንህዝቢ ስዊስ ክነፍልጥ መጠኑ ከኣ ምስ ሕጊ ስዊስ ተረጋጊእና ክነብር ካብ ፖሎቲካን ካልእ ፋላልዪ ባህልን ነጻ ዝኾነ ብሕጊ ስዊስን ብመንግስቲ ስዊስን ብወግዓውነት ዝፍለጥ ኮማዊ ማሕበረ ሙቛም ጽባሕ ዘይብሃል እጃም ስድተኛን ደላይ ፍትሕን (ወረቐት መንበሪ ዘለዎ ማለትና') ኤርትራዊ ኮይኑ ኣሎ። ብደረጃ ስዊስ'ውን ክሕሰበሉ ዘለዎ ዓቢ ቤት ዕዮ'ዩ። ኣብ ካንቶን ጀንቬ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛን ደላይ ፍትሕን ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ኣብ ዘሎ ሰዓትን ዕለትን ቦታን ክመጽእ ብትሕትና ንጽዉዕ ኣሎና። ካብ'ዚ ዝሓሸ ርእይቶ ኣሎኒ ዝብል'ውን ኣብ ኣኼባ ተረኺቡ ክገልጸልና ብትሕትና ንዕድም። እዚ ወደሓንኩም!!! ብደሓን ሙጹ/ጻ።

ኣድራሻ፣ Maison des Associations 15. Rue Des Savoises-Planinpalais

ዕለት፣ 22.11.2014

ሰዓት 13፣00

ብህዝብና ንግደስ ጽላል ደለይቲ ለውጢ ካንቶን ጀኔቭ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 21 guests online