www.blina.org

መርበብሲቪላዊማሕበራትኤርትራውያንኣብኤውሮጳ Network of Eritrean Civil Societies in Europe (NECS-Europe) PDF Print E-mail
Sunday, 21 December 2014 18:08

መርበብሲቪላዊማሕበራትኤርትራውያንኣብኤውሮጳ

Network of Eritrean Civil Societies in Europe (NECS-Europe)

1214 Vernier – Geneva – Switzerland – This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ኣገዳሲ መጸዋዕታ፡

ርድኢትን ተራን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት (UN Commissionof Inquiry on Eritrea)

ክቡራት ነበብቲ፡መርበብኤርትራውያንሲቪካዊያንማሕበራትአብኤውሮጳ (መ.ኤ.ሲ.ማ.- ኤውሮጳ)፡ኣብኤርትራዲሞክራስንፍትሕንነጊሱ፡ ሰብኣዊመሰላትዜጋታትንክኽበር፡እጃሙንምዉፋይ፡ ኣብ 2002ዝቖመ፡ ምስኩለንፖለቲካዊዉድባትማዕረ-ርሕቐት(equidistance) ሒዙ ንኽጓዕዝ ዝጽዕት፡ ናጻ ጽላል8 በርጌሳዊማሕበራት ኢዩ።መርበብና፡ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንምቕራብ ዝደረኾ ረቛሒታት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው/ሕ/ሃ/)፡ ንሕሰም ናይቲ ዓጋቲ ዝሰኣነ፡ ማዕበላዊ ስደት ህዝብና፡ ሂብዎ ዘሎ ጠመተን፡ ኣቝምዎ ዘሎ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን (UN Commissionof Inquiry on Eritrea) ብዘርኢ፡ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ዕማም’ታ ኮሚሽን ንኽዕወት፡ ከም ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ከም ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ብፍላይ፡ ክንደፍኣሉ ዘሎና ነጥብታት ብምድማቕን፡ ክንዓሞ ዝግባእ ዕዮ ብምንጻርን፡ ዘየላቡ መጸዋዕታ ንምምሕልላፍ ኢዩ።

እምበኣር፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም መለለዪኣ ፡ ከም ምንጪ ሰደድ ብሉጽ ኣቑሑት ዘይኮነትሲ፡ ምንጪ ቐጻሊ ስደት ህዝባ፡ ብቐንዱ ከኣ ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያታ ብምዃና፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ብዝሒ ስደተይኛታት ዝልእካ ሃገራት (top exporters of refugees) ፡ ኣስሚይዋ ኣሎ። ጠንቒ ናይዚ ስደት፡ ኣብ 1991 ብመደያይቦ መሬታዊ ሉኡላዊነት(Territorial Sovereignty)፡ ኣብ ስልጣን ዝሓኾረ’ሞ፡ ክንዮ ምስ ህዝቡ ምብኣስ ፡ ሰላም ጎረባብቱ ዝዘርግ፡ ጠላም ስርዓት ህግደፍ’ዩ።

ብዓንተቦኡ፡ ብስርዓተ-ሕጊ ዘይምእዘዝ መንግስቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ክሕሉ ምጽባይ፡ ግርህነት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ተጋሂሱ ዘሎ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምዝርዛር፡ ብግልባጡ ምናልባሽ ብወዝቢ ዝተኸብረ ሰብኣዊ መሰል እንተልዩ ሃሰስ ምባል ክሓይሽ’ዩ። እሱ’ውን ኣብ ቕሚጦ ሓሰር፡ መርፍእ ከም ምንዳይ እዩ ክኸውን። ክንዲ ዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ደይ መደይ ኢሉ ካብ ዝፈጸሞ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ (systematic and widespread) ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቶም ፍሩያት ጸኒሕና፡ ክንጠቕስ ኢና።

ቐንዲጠንቂናይቲስደት፡ምግሃስሰብኣዊመሰላትዜጋታትኣብኤርትራሙኻኑ፡ንሕብረተሰብዓለምንምግላጽ፡ሳላእቶምብሃገሮምዝስገጉኤርትራውያን፡ደለይቲሰናይኤርትራዝኾኑወጻእተኛታት፡ትካላትተጣበቕቲሰብኣዊመሰላት፡በርጌሳዊማሕበራት፡ምሁራን፡ኪኢላታትሕጊ፡ኣካየድቲመራኸቢብዙሃን፡ምንቕስቓሳትመንእሰያት፡ማሕበራትደቂ-ኣንስትዮ፡ፖለቲካዊዉድባት፡መራሕቲሃይማኖት፡ዘይመንግስታዊያንትካላትንካልኦትኣብዚክጥቐሱዘይተኻእለደለይቲፍትሒዘካየድዎእኩብድምርጻዕሪ፡ቤትምኽሪሰብኣዊመሰላትዉድብሕቡራትሃገራት (ዉ/ሕ/ሃ/) UN Human Rights Councilኣቓልቦሂብዎ። ብመሰረት’ዚ፡እቲቤትምኽሪሰብኣዊመሰላትዉ/ሕ/ሃ/ኣብናይሓምለ 2012 ውሳኒኡ፡ነቲ ብህሎኣብኤርትራ ብደይ መደይ ዝፍጸም፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡(allegations of systematic and widespreadviolations of human rights)ዝምርምርንዘመጻርይን፡መዝነት (mandate) ፍሉይጸብጻቢ/ት መስሪቱ።

ምስ’ዚ ብዝሳነ፡ እቲ ቤትምኽሪሰብኣዊመሰላትዉ/ሕ/ሃ/፡ኣብጥቕምቲ 2012፡ሓንቲሕጊ ሰብኣዊመሰላትዝድሕረ-ባይታኣ፡Ms Sheila B. Keetharuthንዝተባህለት ምኵርቲኪኢላ ጓልሞሪሸስ፡ከምፍልይቲጸብጻቢትዉ/ሕ/ሃ/ኩነታትሰብኣዊመሰላትኣብኤርትራ (Special Rapporteur onthe situation ofhuman rights in Eritrea) መዚዙዋ።እታፍልይቲጸብጻቢት፡ነቲኩነታትሰብኣዊመሰላትንምምርማር፡ናብኤርትራመእተዊፍቓድ፡ብተደጋጋሚን’መንግስቲ’ ሓቲታ፡ከምልማዱኣጽቒጡድሕሪ ምጽናሕ፡ነቲ ምቛም መዝነታ፡ ‘ፖለቲካዊጸግዒዘንቐሎ (politically-motivated) ዉሳነ’ዩ’ ኢሉነጺጉዎ።

እታፍልይቲጸብጻቢት፡ኣብ ኤርትራ ናይ ምእታው ኣኽእሎ’ኳ (access) እንተዘይረኸበት፡ምስኣብኤውሮጳዝርከቡኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብን፡ናብተንምስኤርትራዝዳወባ፡ ሓደ ሓደ ሃገራትከይዳ፡ኣብኡ ምስ ዘለዉኤርትራዉያንስደተኛታትቓለ-መሕትትብምግባር፡ሓበሬታክትእክብ ጸኒሓ።ድሮ ናብጂቡቲንኢትዮጵያንከይዳንስደተኛታትኣዘራሪባ ኣላ።ኣብኤውሮጳ እውንኣብስዊዝ፡ጀርመን፡ጣልያን፡ማልታ፡ንዝርከቡስደተኛታትተመሳሳሊርክባትኣካይዳ።ክሳብቱኒዝያከይዳ’ውን፡ነቲኩነታትስደተኛታትተኸታቲላ።ንሳ፡ ኣብ 13 ግንቦት 2014፡ኣብ ዘቕረበቶ 2ይ ክፋል ጸብጻባ፡ ብዘካየደቶምምጽራይ፡ኩነታትሰብኣዊመሰላትኣብኤርትራ፡ዛጊትከምዘይተመሓየሸ፡እኳደኣበብእዋኑእንዳበኣሰይኸይድምህላዉ፡፡ንቤትምኽሪሰብኣዊመሰላትዉ/ሕ/ሃ/ ሓቢራ። (ነቲ 1ይ ጸብጻባ፡ ኣብ 28 ጉንበት 2013 እያ ኣቕሪባቶ።)

እቲ ቤትምኽሪሰብኣዊመሰላት፡ኣብናይ27 ሰነ 2014 ኣኼባኡ፡ኣብቲዝቐረበሉጸብጻብተሞርኵሱ፡ነቲብመሪሕነትሶማሊያተሰናዲዩ፡ብፈረንሳዝተደገፈ(co-sponsored)፡መርማሪትኮሚሽንንኽትቐውምዝቐረበንድፊኣጽዲቑ።ነቲብሰብ-መዚኤርትራብቐጻሊ፡ኮነ ኢልካ ዝፍጸምን፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ኣትሪሩ ኮኒኑ።1ነቲ ብህሎ (allegation) ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምጽራይ፡ ንሓደ ዓመት እተገልግል፡ እታ ፍልይቲጸብጻቢትእትርከባ፡ሰለስተ ዝኣባላታ መርማሪት ኮሚሽን UN Commission of Inquiry (COI) on Human Rights in Eritrea ኣቝሙ። እቲ ቤትምኽሪሰብኣዊመሰላት፡ካብቲ ዝጸንሐ ጽፍሒ ፍልይቲ ጸሓፊት፡ ናብዚ ሓድሽ ኣቓዉማ ኮሚሽንንኽብርኽ ምውሳኑ፡ ነቲ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ፡ ዝሃቦ ግቡእ ኣድህቦ ዘንጸባረቐ፡ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ፡ክበሃል ይከኣል።

እታ ኮሚሽን፡ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘርኢ፡ ዘይተነጸሩ ነጥብታት እንተልዮም፡ ከምዝንጸሩ ብምግባር፡ ዉድዓዊ ሓቕታት ከተቕምጥ ትጽቢት ይግበረላ። እታ ኮሚሽን፡ ምርመራታት እተካይደሎም ቐንዲ ስርርዓት፡ ንሰባት ብሃውሪ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታውን ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ ዝግበር ምርሻንን (arbi­trary deten­tion and extra­ju­di­cial exe­cu­tions)፡ ስቕያት ደቒ-ሰባትን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዝኦምን (tor­ture and inhu­mane treat­ment)፡ ምግሃስ መሰላት ናጽነት ሃይማኖት፡ ሓሳብካ ምግላጽን ካብን ናብን ምንቕስቓስን (vio­la­tions of free­doms of reli­gion, expres­sion, move­ment)፡ግዱድ ዕዮ(forced labour)፡ምዉፋር ቖልዑ ኣብ ዕዮ (child labour) ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን (forced military conscription)፡ ምስ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣሳሰር፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ቖልዑትን የጠቓልል።

‘መንግስቲ’ ኤርትራ ብመገዲ ኣምባሳደሩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲ-ገራህቱ) ኣቢሉ፡ ነቲ ምምስራት ናይታ ኮሚሽን፡ ‘ብጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝተጐልበበ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዝደፋፈኦ ብህሎ ኢዩ’ ክብል ነጺግዎ። እቲ ኣምባሳደር፡ ኤርትራ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋጥማን፡ መንግስቲ ነዚ ኣለሊዩ፡ብቐጻሊ ዝቓለሰሉን እዩ ክብል ከኣ ተመጻዲቑ። ክንዲ ዝኾነ፡ እታ ኮሚሽን፡ ናብ ኤርትራ ከይዳ፡ ነቲ ከተካይዶ እትደሊ ዘላ ምጽራይ፡ ንከተሰላስል ዘይፍቐደላ ሙኻኑ፡ ብኣግኡ በሪሁ’ሎ ማለት እዩ።

እዛኮሚሽንምስ ቖመት፡ዑደታብስዊዝ ብምፍላም፡ኣብዝሓለፈሕዳር ኣብ ከተማታት ጀነቭ፡በርንንዙሪክንዝርከቡስደተኛታት፡በጺሑናዝብልዎበደላትን፡ኣብካልኦትተፈጺሙዝብልዎንግፍዕታትን፡ከምመሰኻኽርዓይኒ፡ሓበሬታትሰንቐሉቓለ-መሕትትኣካይዳ።ብድሕር’ዚ፡ኣብዓዲጣልያን፡ምስቶምኣብሮማ፡ቦሎኛንሚላኖንዝርከቡስደተኛታትብተመሳሳሊ ተራኺባ።ኣብ ዝመጽእ እዋን፡ ናብካልኦትሃገራትኤውሮጳን፡ገለካብተንጎረባብቲኤርትራዝኾናሃገራትንእውንከምትበጽሕ ተፈሊጡኣሎ።እዛኮሚሽን፡ ኣብዘንተሪፈናኣዘለዋኣዋርሕ፡ምስዲፕሎማሰኛታት፡እንተላይምስናይመንግስቲኤርትራ፡ኣብያተጽ/ዉ/ሕ/ሃ/፡ምሁራንንበርገሳዊማሕበራትንድሕሪ ምክያድ፡ ጸብጻባ ንቤትምኽሪሰብኣዊመሰላትዉ/ሕ/ሃ/፡ከተቕርብእያ።

ርግጽ’ዩ፡ እዛ መርማሪት ኮሚሽን ፍርዳዊ ትካል ኣይኮነትን። ቐንዲ ዕማማ፡ ብዝምልከቶ ኣህጉራዊ ወይ ሃገራዊ ፍርዳዊ ኣካል ምርመራ ገበን ንኽካየድ ዘኽእሎ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት (crimes against humanity) ምፍጻሙ ፡ ዘእምን መርትዖ ምቕራብ እዩ። ምቛም መርማሪት ኮሚሽን፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ገበነኛታት ዝእዝዞ መቕጻዕቲ ዘንብረሉ፡ ንቡር መስርሕ እዩ። ጸብጻብ እታ መርማሪ ኮሚሽን፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ዝባን መንግስቲ ኤርትራ መቕጻዕቲ ናብ ምሽናን ዘመርሕ’ኳ ተዘይኮነ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዉ/ሕ/ ሃ/ ጸብጻባ ምቕራብ ፡ ናብኡ ገጹ ዘቕንዕ ኣድላዩ ስጉሚ እዩ። ንኣብነት፡ ኣቐዲሙ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ (International Criminal Court) ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሱዳን፡ ሊብያን ኮት ዲ-ቩዋርን ዝቐንዐ መቐየዲ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ (arrest warrant)፡ ምስቲ ውጽኢት ጸብጻብ ናይተን ዘዝምልከተን መርመርቲ ኮሚሽናት፡ ዝተሓሓዝ እዩ።2

ክቡራትነበብቲ፡እቲምዕባለታትኣተሓሕዛጉዳያትሰብኣዊመሰላት፡ብሕጽርዝበለከምቲኣብላዕሊዝተጠቕሰ ኮይኑ፡እቲስዒቡዝመጽእዘየላቡሕቶ፡ ‘ሕብረተሰብ ዓለም’ሲ፡ ብኸምኡ ይነጥፍ ኣሎ፡ተራንሓላፍነትንኩላትና ደለይቲ ፍትሒኸ፡እንታይእዩ?’ዝብልእዩ።እምበኣር፡ እቶም ኣብ ኤርትራ እንከለና፡ ሰብኣዊ መሰልና ተጋሂሱ ዝተበደልና ሰባት፡ ነታ ሰክረታርያት መርማሪት ኮሚሽን፡ እቲ ቕኑዕ ሓበሬታ ምምጋብ ከድልየና እዩ። ዝተበደሉ ኣባላት ቤተሰብና፡ መቕርብና፡ ዓርኪ-መሓዛ ወይ ካልኦት እንፈልጦም ሰባት ምስ ዝህልዉ’ውን፡ ከም መሰኻኽር ኰንና ክንቐርብ ይግባእ። እቶም ዝተረፍና ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ እንከለው ዝተገፍዑ፡ ግን ከኣ ነቲ እከይ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ንምቕላዕ፡ ዘይደፈሩ ግዳያትምስ ዝርከቡ፡ ንዓዓቶም ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ምናልባሽ ሓደ ሓደ ሰባት፡ ብገርሆም ’መንግስቲ ከምዚ በዲሉኒ፡ ኣሲሩኒ፡ ቐጥቒጡኒ፡ ኢልካ ንሓይልታት ደገ ሓበሬታ ኣሕሊፍካ ምሃብሲ፡ ምስ ምድፋር ልኡላዊነት ናይታ ሃገር ዝዳረግ ዶ ኣይከውንን? ብተወሳኺ፡ ‘እዝስ ነቲ ተኣፋፊ ዝኾነ፡ ጸጥታዊ መዳይ ናይታ ሃገር ተንኪፉ፡ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዶ ኣይኮነን?’ ዝብል ሕቶታት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ልኡኻት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ነቲ የዋህ ኣተሓሳስባ ዜጋታትና፡ ዓይኖም ከይሓሰዩ ክምዝምዝዎ፡ ግድን’ዩ። እቲ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ነጥቢ ግን፡ እቲ ልኡላውነት ቕድም ቐዳድም ዝምልከቶ ነቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ጎላጉል፡ እምባታት፡ ሽንጭሮታት፡ ሩባታት፡ ባሕሪ… ወዘተ ብድሕሪኡ ኢዩ ዝስዕብ። እቲ ህዝቢ ኢዩ ነቲ መሬት ዝሕልዎን ዝከላኸለሉን እምበር፡ ብግልባጡ፡ ኣይኮነን፡። ንልኡላዊነት ህዝቡ ዘይኽበረ ዘይህዝባዊ ስርዓት፡ ‘ልኡላውነት’ ኢሉ ብምጭርሑ፡ ተሓሊቑሉ ማለት ኣይኮነን። መሰላት ህዝቢ ዓፊኑ፡ ወትሩ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ዝኣልም፡ ‘ቕድሚ ኹሉ ሃገር‘ ኢሉ ከጋውሕ፡ ምስሉይነት(hypocracy) ኢዩ። እቲ መሬት ኤርትራ እንተኾነ፡ ኣብ ዝኸዶ የብሉን። ዝደፍኦ ስለ ዘይብሉ ከኣ፡ ኣብኡ እዩ ክጸንሕ።

ምስ ህዝቡ፡ ብስኒት ዝነብርን፡ ኣብ ጉዳይ እንዳማቱ ከይኣተወ፡ ኣመት ቕሳነትን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቡን ዘቐድም መንግስቲ፡ ንሉኣላዊነት ናይታ ዝመርሓ ሃገሩ ዝደፍሮ፡ ሓይሊ ወጻኢ ኣይህልዎን። ምናልባሽ ንኽደፍር ዝፍትንደጋዊ ሓይሊ ኸኣ፡ እቲ ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ሰሚሩ ብምምካት፡ ልኡላውነት ሃገሩ ንኸዉሕስ ኣይእግሞን። እንተ’ቲ ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ዘይጽንቐቕ ፍቕሪ መዝሚዙ፡ ወግሐ-ጸብሐ ኣቓልቦ ህዝቢ ንኸዝብል፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብኢደ-ወነኑ ኣብ ዘዝወልዖ መጋርያ ሓዊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጠበሰ፡ ‘ተወረርና ፡ ኣብ ናይ ኣይ ሰላም፡ ኣይ ኵናት ኩነተ-ህላወ ስለ እንርከብ፡ ቕዋም ክንትግብር ኣይንኽእልን‘ እንተበለ፡ ብሉይ ስልቲ ፡ ሜላ ገረብ ብሓኽላ፡ ካብ ምዃን ኣይሓልፍን። ቕድሚ ዝኣገረ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ዝደፈረ እንተልዩ፡ ባዕሉ እቲ ስርዓት እዩ። ንኤርትራ ናብ ሲኦላዊ ምድሪ ቐይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ነውኒዉ ነዋኒዉ፡ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍእ ዝገብር ዘሎ ክነሱ፡ ‘ሓይልታት ደገ ይጻብኡና ኣለዉ’ ኢሉ እንተ ኣእወየ፡ ከም መራጐዲ’ቲ ዕባራ መኽኒቱ ተኾኖ ድማ፡ ‘ብዉዲት ኣሜሪካ ተዘሪና’ ኢሉ ታሪኽ እንተ ኣኾምስዐ፡ ንብዓት ሓርገጽ ምንብዑ እዩ።

ኣብዚ ኣስተብህሎ ዝጠልብ ጉዳይ እንተሊዩ፡ ህግደፍ፡ ምሕላው ፖለቲካዊ ልኡላዊነት ህዝብስ ይትረፎ (ባዕሉ’ውን ይደፍሮ ስለ ዘሎ)፡ መሬታዊ ልኡላዊነት ምናልባሽ ብሓይልታት ደገ ክጭርመም እንተተፈተነ እውን፡ እቲ ኩነተ-ህላወ ንመንበረ-ስልጣኑ ክሳብ ዘየስግኦ፡ ንመመሻኸንን ንመሀመልን ህዝቢ ኽምዝምዞ‘ምበር፡ ዝዓጅቦን ዝስቖሮን’ሲ ኣይኮነን። እሞ፡ እቶም ነቲ ርክብ ምስታ ኮሚሽን፡ ከም ምድፋር ልኡላዊነትን ምስጢራውነትን ክንወስዶ ዝጸናሕና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ስርዓት፡ ‘ እቲ ጉዳይ ምኽባር ልኡላውነትን ምዕቓብ ምስጢር ሃገርንሲ፡ ንዓና ነቶም ሰብ ዉራይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግደፈልና’ ንበሎ።

ክንዲ ዝኾነ፡ ግዳያት ወይ መሰኻኽር ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝዛመድ፡ ሓበሬታትና ከነቕርብ ምስ እንደሊ፡ ነዚ ዕማም እዚ ንኸተሰላስል፡ ቖይማ ምስ ዘላ ሰክረታርያት ናይታ ኮሚሽን፡ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ምርካብ ይከኣል።

By email to: This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

By post to:

Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea

UNOG-OHCHR

8-14 Rue de la Paix

CH-1211 Geneva 10,Switzerland

ዳይረክተርሓልዮትሰብኣዊመሰላትኤርትራ፡Human Rights Concern - Eritrea (HRCE) ሓብትናኤልሳጭሩም፡ምስተሓጋገዝቲብጾትኮይናዘሰናዳኣቶ፡ኣገዳሲወብሳይትእዉንእነሀልኩም።http://coi-eritrea.org/ኣብኡብዛዕባኣገባብን ቕጥዕን ኣወሃህባሓበሬታግዳያትን መሰኻኽርን፡ ብንጹር ዝቐረበመብርሂስለዘሎ፡ንዕኡብደቒቕ ምንባቡን፡ ኣብግብሪምውዓሉንሰናይእዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ምንጪ ስደት ንምድራቕ፡ ረጋጺ መሰላት ህዝቢ ንዝኾነ ስርዓት ኣሊኻ፡ ብስርዓተ-ሕጊ ብዝምእዘዝ መንግስቲ ናይ ምትካእ ሓላፍነት፡ ከም ዜጋታት ኣብ እንግደዓና ዘሎ ኮይኑ፡ ሓይልታት ደገ ለዉጢ ከምጽኡልና ኣይንጽበን። ኤርትራውያን ብዘየማትእ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ምዃንና ክዝንጋዕ ግን የብሉን። ዋሕዚ ስደትና፡ ንኤርትራ ባሕጕጉ፡ ንጎረባብቲ ኣዕለቕሊቑ፡ ናብ ሰሜን ኣፍሪቓ ፊሲሱስ፡ ክሳብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜንን ላቲንን ኣሜሪካን ኤስያ-ፓሲፊክን ዞሪቝ፡ ነቲ ሽግርና ዓለም-ለኻዊ ቕርጺ ካብ ኣትሓዞ፡ ኣብ ዓለምና ዝኸይድ ምዕባለታት ክጸልወና ባህርያዊ ኢዩ። ንሕና’ውን ይዕበ ይንኣስ፡ ወዮ ደኣ ሕጂ ሕማቕ ጽሕፍቶና ኮይኑ፡ ጽልዋና ብኣሉታ ዝርአ ጉዳይ ስደት ኮይኑ’ምበር፡ ነቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብ ዛዕባ ምምጻእናስ ኣይተረፈናን። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ፡ እጃሙ ንኸልዕል ዝተበገሰ ይመስል። እምበኣር፡ ‘ነታ ሓጺን ብርስንታ’ ኢዩ’ሞ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ 2ይ ግዜ ክርከብ ዘጸግም ዕድል፡ ብኣገባብ ተጠቒምና፡ ከም ኣባል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብጽሒትና ከነወፊ መሰልና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግዴታና ኢዩ ዝብል ርድኢት ኣሎና። ስለዚ፡ ነዛ መርማሪት ኮሚሽን፡ ቕኑዕ ሓበሬታን ሰነዳትን ክንህብ፡ ግዳያት እህህትኦም ንኸተንፍሱ ከነተባብዕን ኣቀላጣፊ (facilitating) ተራ ክንጻወትን፡ ለበዋናን መጸዋዕታናን እንዳመሓላለፍና፡ እዛ ዝሓለፈት ሮቡዕ 10 ታሕሳስ 2014፡ ዓመት-ዓመት እትኽበር፡ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምንባራ ብምዝኽኻር፡ ብርዕና ነልዕል።

መርበብኤርትራውያንሲቪካዊያንማሕበራትአብኤውሮጳ (መ.ኤ.ሲ.ማ.-ኤውሮጳ)

Network of Eritrean Civic Societies – Europe (NECS – Europe)

17/12/2014

መወከሲ ጽሑፍ (Reference):

http://www.ohchr.org/EN/NewsEvents/Pages/DisplayNews.aspx?NewsID=14794&LangID=E#sthash.PCwxa2k5.dpuf -[Accessed 9 December 2014]

http://www.fithinews.com/index.php/special-features/146-significance-of-un-commission-of-inquiry-for-eritreans - [Accessed 9 December 2014]

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 88 guests online