www.blina.org

ንጭዋ ውዕሎን ዉሳኔታትን ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ ምምጓስ ደገፍና ንሙዑት ሓርነታዊ ሰራዊት/ድግሓኤ-ደውዓቀባ ን2015 ዓመት ዝምልከት ሰናይ ሚንዮትና ንገልጽ። ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ። PDF Print E-mail
Wednesday, 31 December 2014 13:26

ፋሽስታዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ህዝብታትናን ሃገርናን ጨዊዩ ዘይውዳእ መዓትን ጥፍኣትን ይወርድ ከም ዘሎ ኩሉ ወዲ ሃገርን ዓለምን ዝፈልጦ ሓቂ'ዩ። ነዚ ብዝቐልጠፈ ግዜ ደው ኣቢልና ሃገርን ህዝብን ክነድሕን ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ሙዃኑ ዝዝንጋዕ ጾር ኣይኮነን።

ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነትዊ ስራሓት ንሰርሕ ከም ዘየሎና ኩሉ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝግደስ ዝዛረበሉ ሓቂ'ዩ። ቀዳማይን ካልኣይን ግርጭት ተዘባሪቑ ንጸላኢና ክውዕል ዝግብኦ ሓይሊ ናብ ነንሕድሕድና ኣቅኒዕና ነባዅኖ ጸኒሕና። እዚ መድረኽ ክስገር ናይ ህዝቢ ርእይቶን ድልየትን ነቐፈታን ቀሪቡ።

 

ነዚ ኣዓዋቲ ዕላማ ከትግብሩ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣብ ዝሓለፈ ሶሙናት ዝተጋብኡ ኣባላት ባይቶ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ህዝቢ ኤርትራ ከም ትርግታ ልቡ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ካኣ ንኩሉ ብሩህ'ዩ። ሕሉፍ ተሞክሮታትና ሪኢና ኣኼባ ባይቶ ብዘይ ፍረ ከይወጽእ ከኣ ዓቢ ስግእት ኔርና።

ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ “ንኩሉ ዕንቅፋታት ብምውጋድ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓወት ኢና!!”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ብወግዒ ስርሑ ካብ ምጅማሩ ኣትሒዙ በብግዝዩኡ ዝወጹ ዝነበሩ መግለጽታት እዛ ሃገር እባ ሰብ ኣለዋ ክንብል ክኢልና። ከም ሓንቲ ገረብ ብንፋስ ተዲፊኣ ክሳብ መሬት ትስዕም፣ ንፋስ ህድእ ምስ በለ ድማ ደው (ትኽል) ትብል ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ'ውን ብግብሪ "ክንብል በለ እንበር ኣይተኻዕወን" ምስ በሉና ዳርጋ ሓርነት ዝረኤና ክይኑ ተሰሚዕና። እዞም ተጋባእቲ ኣብ'ዚ ጽንኩር ግዜ ታሪኽ ፈጺሞም። ነዚ ሰናይ ጅማሮ ንመንገዲ ዓወት፣ ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ የመጉስ። ሕጂ'ውን ጉድለታት ኣይክረኤን'ዩ ዝብል እምነት የብልናን እንተኾነ እዚ ናይ ወለድና ኣገባብ ምክብባር ምጽዉዋር ምትሕልላይ መሰል ኩሉ ኣብ ግምት ወሲድካ ምስራሕ ምስ ዝዕንብብ ዝስዕረና ሓይሊ ሰብ የሎን። እዚ ክቅጽልን ክዕንብብ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ግቡእና ክንገብር በዚ ሰናይ ኣጋጣሚ`ዚ ነዘኻኽር።

እዚ ዓመት 2014 ማእሰርትን ቁስልን ስደትን ሞትን ኣኳ እንተለዎ ማዕሪኡ'ውን ዓበይቲ ዓወታት ዝተራእየሉ ዓመት'ዩ።

  1. ካብ ካቶሊካዊ ቤተክርስታይን፣ ብሓሙሽተ ጳጳሳት "ኣበይ ኣሎ ሓውኻ" ብዝብል ጎዲልና ዘሎ ክማልእ ሓላፍነት ህዝብን መንግስትን ከም ዝኾነ ዝገልጽ ተሪር ወግዓዊ ጽሑፍ ወጺአ፣
  2. ካብ ቤትክርስታያን ተዋህዶ፣ ካብ መንበረ ጵጵስና ወጻኢ ዝተኸታተለ ጽሑፋትን ስብከትን ንሰሚዕ ጸኒሕና፣ ኣብ'ዚ ዓመት ግን ሓምሽተ ገዳማት ኤርትራ ብቐጥታ ነቶም ገብርቲ እከይ ዝብልዎም ዝኹንን ጽሑፍ ምውጹኡ ዓቢ ዓወት ኔይሩ።
  3. ሃይማኖት ኣስላም''ውን ብድረጃ መፍቲ ዝወጽአ ጽሑፍ እኳ የሎን እንበር ካብ 1991 ዓ.ም ብዓበይቲ ሽማግሌታትን ሸኻትን ነዚ ስርዓት ዝኹንን ነቢብናንና፣
  4. ናይ ቦሎኛ ሰላማዊ ሰልፊ ህግደፍ ንኤውሮጳ ክቀብጻን ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክቃላዕ ብዓቢ ቃጭል ዝተንብሄ ፍጻሜ`ዩ ኔይሩ።
  5. ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ በብመድረኹ ዝወስዶ ዘሎ መርገጽ ፖሎቲካ፣ብቀንዱ ድማ መርማሪት ኮምሽን (commission of inquari) ክትቆውም ምውሳኑ ነቶም ኣብ'ዚ እተክሮም ዝሰርሑ ጎረባብትን፣ ንኩሉ ደላይ ለውጥን ዝሕጉስ ብስራት`ዩ፣
  6. ዝረኤን ዘይርኤን ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝኽየድ ተቓዉሞ፣ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝኸይድ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን፣ብሚድያ ጽሑፋትን መጽሄታትን ዌባትን ሬድዮታትን ፓል ቶካትን፣ ተደደማሚሩ ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ንቅሓት ህዝብና ክብ ኣቢልዎ ኣሎ። ንቀዳማይን ካልኣይ ግርጭታት እናፈለናን ብምክብባር ብምጽዉዋር ብምትሕልላይ መሰል ኩሉ ብምሓልውን ክሳብ ዓወት ክንምርሽ በዚ ሓዲስ ዓመት ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ለበዋና ነመሓልልፍ።

ካብ ኩሉ እቲ ኩሉ ህዝብና ዝጽበዮ ዝነበረ ስመረት ወተሃደራዊ ክንፊ'ዩ። ነዚ ስመረት ኣሃዱታት ብዓወት ዘበሰሩና ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባራት ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዘይተቆጠበ ደግፍና ንገልጽ። ኻልኦት'ውን ቅልጽሞም ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዲሞክራስትያን ግንባር ከስምሩ በዚ ኣጋጣሚ ንጽዉዕ።

ዓወት ካብ ስሙር ሓይልታት ከም ዝምንጩ እምነትና'ዩ። እቲ ብመተከል ዝመሳሰል ኣብ ሓደ ግንባር ክመጽእ መድረኽ ዝሓቶ ሓቂ'ዩ። ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ'ውን እቶም ብብሄራዊ መንገዲ ዘተወደቡን መሰል ብሄራት ዝኣምኑንን ሕበረ ብሄርዊ ዲሞክራስያዊ ውድባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ግንባር ክጥርነፉ ደጋጊምና ንጽውዕ። ንሕና ብዘይቅድመ ኵነት ኩሉ ዓቅምና ዘፍቅዶ ክነወፊ ድልዋት ምዃና ንገልጽ።

ንመድረኻዊ ሕቶ ዝመለሰ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እናመጎስና ነዚ ናብ 2ይ ጉባኤ ዝወስድ መንገዲ ከም ኣብነት፣ ንውሳኔታቱ ከም መደብ ስራሕ ክንወስድ ንላቦ። ንክብርታትና ክንመልስ ክተት ንብል።

ኣብ መጨረሻ ድማ ንመንግስትን ንህዝብታት ኢትዮጵያን እዚ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክትግበር ንዝሓገዙና ነመጉሶም። ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ ዝግበርዎ ጻዕርታት ክሳብ ዓወት ክኸዱ ዝምድናና ንረብሓ ክልተ ህዝብታት ብማዕረ ኮይኑ ሰላምን ርግኣትን ምዕባሌን ከባቢና ክነጽንዕ ንምኔ።

ውድቀት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዓወት ንሓርነታዊ ቓልሲ ህዝብታት ኤርትራ!!

ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ። 30/12/2014

Last Updated on Thursday, 01 January 2015 19:32
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 99 guests online