www.blina.org

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) 30 ታሕሳስ 2014 PDF Print E-mail
Wednesday, 31 December 2014 19:05

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2015

ምስቲ ኩሉ ኣውንታውን ኣሉታውን ዝኾነ ገጽታኣ 2014 ዛዚምና ሓድሽ ዓመት 2015 ክንቕበል ኣብ ንቐራረበሉ ዘለና ህሞት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደለይቲ ደሞክራስዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን 2015 ዓመተ ሰላምን ርግኣትን ራህዋን ክትኸውን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ኣብ 2014 ተቓውሞ ህዝብና ብውሽጥ ይኹን ብደገ ኣንጻር’ቲ ገባቲ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክብ እናበለ ዝመጸሉ ዓመት’ዩ። 2014 መንእሰያት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕንወት (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ብትሪ ዝነጸግሉ ዓመት ኮይና ሓሊፋ። ዓበይቲ ዓዲ ደቕና ጠፊኦም ቀበርቲ ስኢና፡ ብረት ዝዓጠቑ መሊሻታት ድማ ቅሳነትን ርግኣትን ተነፊግና ኩሉ ሂወትና ይኹን መነባብሮና ተዘናቢሉ ብምባል ጭቡጥ ተቓውሞ ዝስምዕሉ ዓመት’ዩ። መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕሱም ፖሎቲካዊ ጎዕዝይናን ማሕበራዊ ምብትታንን ንምግላጽ ዝኣኽል ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ? ዝብል ንህልና መላእ ኤርትራዊ ዜጋ ዝተንኸፈ መግለጺ ዘውጽእሉ ዓመት’ዩ። መራሕቲ ኣድባራት ኦቶዶክስ’ውን ነቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ሃይማኖታትን ትካላቱን ዘካይዶ ኢድ ምትእትታው ዝኾነንሉ እዋን’ዩ። ካልኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንከይጋባእ ዕንቕፋታት ኮይኖም ንዝነበሩ ጸገማት ንምእላይ፡ ኣብ ዝተሰላሰለ ህጹጽ ኣኼባ ዕውት ኮይኑ ንክወጽእ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ነጻነት ንምርግጋጽን ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምውሓስን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ መራሕቲ ንመጀመርያ ግዜ ብእኩብ ካብ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብገዛእ ፍቓዶም ዝወርድሉ ዓመት ኮይኑ ተዛዘመ።

 

ብኣንጻሩ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ጭቡጥ ዝኾነ ተቓውሞታት ጸማም እዝኒ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምብርዓኑን ምጭፍላቑን ኩሉ መዳያዊ ፖሊስታት ግፍዕታቱ ይኹን ግህሰታቱ እናዛየደ ዝመጸሉ ዓመት ምዃኑ ብተግባር ተረጋገጹ’ዩ። እቲ ን24 ዓመት ብዘይዝኾነ ተወዳዳርን ደሞክራስያዊ ምርጫን ንነብሱ ብገዛእ ፍቓዱ ከም መራሒ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝሾመ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንመላእ ህዝቢ እናበተነ ሃገር ብምልእታ እናኣዕነወ፡ ኣብ መዛዘሚ 2014 ትማሊ ብ30 ታሕሳስ 2014 ንሓድሽ ዓመት 2015 ኣመልኪቱ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ። መላእ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ዕንክሊል ቃለ-መሕትት ይኹን ኣብ ባይታ ክጭበጥ ዘይኽእል መብጽዓታት ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝጽበይዎ ቁም-ነገር ኣይነበረን። ብተግባር’ውን ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ትሕዝቶ ኣይመጸን።

 

ስለዝኾነ ንጨቋንን ገባትን መንግስቲ ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ሕብረ-ሰልፋዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ መላእ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ዘይሕለል ቃልስታቶም ኣጠናኪሮም ካብ ምቕጻል ወጻኢ ካልእ ቅኑዕ ምርጫ የብሎምን።

 

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

30 ታሕሳስ 2014

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 90 guests online