www.blina.org

ዜናዊ ሓበሬታ ድ,ሰ,ደ,ኤ 05-01-2014 PDF Print E-mail
Tuesday, 06 January 2015 18:33

ውጽኢት ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መንፈስ ይፈጥር ከም ዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ድሕሪ ኣስታት ናይ ሰለስተ ዓመት ዓንቀፍቀፍ ዝበዝሖ ጉዕዞ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ መድረኽ እቲ ኣኼባ ዝተራእየ ርጉእ ናይ ምቅብባል መንፈስ፡ ጉድለታትካ ኣብ ምልዓል ዝተራእየ ግሉጽነት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብናይ ሓባር ስምምዕ ሓድሽ መሪሕነትን ሓድሽ ኣሰራርሓን ሒዙ ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝብን ተቓለስቲ ሓይልታትን ሓድሽ ናይ ቃልሲ ወነ ይፈጥር ከም ዘሎ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

መስርሕ ህጹጽ ኣኼባን ውጽኢቱን ኣብ መድረኻት ደምበ ተቓውሞ ይረአ ካብ ዝነበረ ሓላፍነት ዝጎደሎ ምንጽጻግ፡ በብዝመስለካ ኣብ መራኸቢታት ቀሪብካ ምክሳስ፡ ብዝደሓነ ብልኡም ኣገባብ ምክያዱ፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ሕሉፍ ጉድለታቶም ተማሂሮም ንነገራት ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ክጥምቱ ምጅማሮም ኣብነት’ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ በብደረጅኡ ተመዚዞም ዘለው መሪሕነትን ኣሰናዳኢት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ነዚ ዝፍጠር ዘሎ ኣወንታዊ ኣገንዝቦታት ብግቡእ ተጠቒሞም፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ምዕራፍ ክብጽዎ ብዘይተጎላባነትን ሻራነትን ክነጥፉ ኣለዎም ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ነቶም ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ብወተሃደራት ጸላኢ ዝተቐትሉ

13 መንእሰያት ኣብ ሃገረ ካናዳ ጸሎት ተጌርሎም።

ነቶም ንክትዛረበሉ’ውን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብወተሃደራት ጸላኢ ዝተረሸኑ 13 ህጻናትን መንእሰያት ልዕሊ 800 ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኽርን ጸሎትን ከም ዝተገብረሎም ገዳብ ኒውስ ብ2 ጥሪ 2015 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ብ28 ታሕሳስ 2014 ከም ዝተኻየደ ዝተገለጸ ስርዓተ ጸሎትን ዝኽርን፡ ኣደ ናይ’ተን ጓል 10፣ 14 ን 19 ዓመት ዝኾና ሰለስተ ኣሕዋት ብኣካል ኣብኡ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ስርዓተ ጸሎት ናብ መሪር ብኽያት ተቐይሩ ከም ዝነበረ፡ ምስክነይቲ ወላድ ድማ ብሓዘን ተረሚሳ ከም ዘላን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሰብ በቲ ጨካን ፍጻሜ እምብዛ ስለዝሰንበደን ዝተደናገጸን፡ ዘስቆርቁር ዘሕነቕንቕ ደኣምበር ዝዛረብ ኣይነበረን ዝበለ እቲ ዜና፡ ነቲ ጸሎት ዝመርሑ ዝነበሩ ኤርትራዊ ኣባ ቪቶርዮ፡ ከም’ዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሞት ከጋጥም እንከሎ ትዛረቦ’ዩ ዝጠፍኣካ፡ ንዛረቦ’ኳ ጠፊኡና ክብሉ ከም ዝገለጽዎን ኣረዲኡ።

ሓዘንተኛታት ስእሊ ናይ’ተን ኣርያም፣ ሪታ፣ ሆሳዕና ዝተባህለ ሰለስተ ኣዋልድ ደቂ-ሓንቲ ስድራ እንዳጠመቱ ብቑጠዐ ዝርንዝሕ እንዳነብዑ ኣብ ዓሚቕ ሓዘን ጥሒሎም ከም ዝነበሩን ኣብ ገዳብ ኒውስ ዝወጸ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ድ,ሰ,ደ,ኤ 05-01-2014

 

መብርሂ፡- ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ንምስማዕ፡ ኣብ ዌብሳይት ደሞክራስያ ዶት ኦርግ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ዝብል ብምጥዋቕ ክትከታተሉ ከም እትኽእሉ ንሕብር

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 108 guests online