www.blina.org

ንዝኽሪ ንጹሓት ኣብ ሊብያ ዝጠፍኡ፣ ኣብ ከተማ ጀኔቭ፣ ሰላማዊ ሰልፍን፣ ሸምዓ ምዉላዕን፣ ዕለት 25 ሚያዝያ ቀዳም፣ 2015ዓም PDF Print E-mail
Tuesday, 21 April 2015 23:57

ኣብ ሊብያ፣ ብየዘይ ሓደ በደል "ክርስትያን ጥራይ ብሙዃኖም" ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን

ብሓይሊ "ኢስላም በሃልቲ" ንዝተሓርዱን ዝተቐንጸሉን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፋፈት ኤውሮጳ መርከብ ተሰራ ንሞት ዝተጸጥሑን፣ ንምዝካርን ምስ ስድራ ቤታቶም ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ከም ዝኾናን ዘርኢ፣ ነዚ ኢሰብኣብውነት ተቓዉሞና መታን ክንገልጽ፣ ብጸታ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ከምኡ’ውን ሸምዓ ክንዉልዕን'ና። ነዚ ሞት ኣሓትናን ኣሕዋትና ብዘይ ኣፈላላይ ክልተ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ ካልኦት ፈተውቲ ፍትሒ ጎኒ ንጎኒ ኮና ክነካይዶ'ና።

ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት 13:30 ካብ 14 ሮንድ ፑዋ ደ ሪቭ (14h au rond-point de Rive ) ተበጊስና ኣብ ፓርክ ባስቲዮን (parc des bastions,devant le mur des Réformateurs) ኣብ ቅድሚ ሃውልትታት ናይ ዓበይቲ ስዊስ ንለውጢ ዝተቓለሱ ክውዳእ'ዩ።


ሰብኣውነት፣ ሃይማኖት የብሉን ከምኡ'ውን ዜግነትን ርኣይቶ ፖሎቲካን የብሉን።


ኣብ'ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ብብዝሒ ተኻፊልና መግለጺ ሰብኣውነትና ይኹን።


ዝሰምዔ ንዘይሰምዔ ከመሓላልፍ ሓደራ ንብል።


እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝኽሪ ንጹሓት’ዩ፣ ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ የብሉን።


ጸዋዕቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ግዱሳት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን

Last Updated on Wednesday, 22 April 2015 00:15
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 17 guests online