www.blina.org

ደገፍና ንኹቡራት መራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እብ ትሕቲ ቐይዲ መንግስቲ ሱዳን ዘለዉ። PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 10 February 2016 23:22

ኣብ ልዕሊ ዓበይትን ሙኲራትን መራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ሰነድ ኣቦ-
ወንበር ተጋድሎ ሐርነት ኤረትራ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ተጋዳላይ ዓብዱላሂ
ሐምዶይን « ብሐይልታት ጸጥታ ሱዳን ተኣሲሮም ኣለዉ » ዝብል ዘይተጸበናዮ ሕማቅ ወረ ክነፍስ ምስ
ጀመረ ብዙሕ ተሻቒልና ነቲ ኲነታት ንኽርዳእ’ውን ንዝምልከቶም ተወኪስና፡ ሓቂ ምኻኑን ገና ምስ
ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣናት መእሰሪኦም ምኽናያት ንኽፈልጡ ይጽዕሩ ከምዘለዉን ተሓቢሩና።
ንሕና ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌንኤርትራ/ሆደ እዚ ብሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ክልተ
ገዳይም ተቃለስቲ ብጾትና ተወሲዱ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ምእሳሮም ስጉምቲ ብምረት ንቓወሞ፡ ኣብ
ካልእ ዘይተደላይ ምዕብልና ከይተሰጋገረ እንከሎ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን ሱዳን ዳግመ
ርእይቶ ክገብሩን ብቀጥታ ክፈትሕውምን ንሓትት።እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ሕውነትን
ሰናይ ጉርብትናን ዝምድናን ብምርድእ ሓይልታት ተቓውም ኤርትራ ን ክብሪን ልኡላውነትን ሰዳን
ኩሉ ግዜ ይሕልውዎ ጸኒሖምን ኣለውን፡ ብከምኡ ደረጃ ድማ ኣብ ኣብ ስልጣን ዘለው ሓለፍቲ ሱዳን
መንጎ ህዝብታትና ዘሎ ዝምድናን ሕውነትን ክሕሎን ክኸብርን ንጽበ።
ተባዓት መራሕቲ ካብ እሱሮም ተፈቶሖም ኣብ ንቡር ናይ ቃልሲ ህወቶም ክምለሱ እንዳተመነና በዚ
ኣጋጣሚ`ዚ ኣብ ጎናም ከም ዘለና ክንገልጸሎም ንፈቱ።
ካብ መርሕነት ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ
Our Email…. This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

Last Updated on Wednesday, 10 February 2016 23:40
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 98 guests online