www.blina.org

ኣምነስቲ፡ ኤርትራ ን 18 ዓመታት ዝሓየረቶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክትፈትሕ ጻውዒት ኣቕሪቡ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 20 September 2019 19:32

መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ 18 ዓመታት፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ብምንቃፎም ዝተኣሰሩ 11 ፖለቲከኛታትን 17 ጋዜጠኛታትን ክፈትሕ፡ ንሰባዊ መሰላት ዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል፡ ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል ጸዊዑ።

እቲ ትካል፡ መበል 18 ዓመት ማእሰርቲ ናይዞም 'ናይ ሕልና እሱራት' ንምዝካር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ን 18 መዓልታት ዝጸንሕ ጎስጓስ ከምዝግበር'ውን ገሊጹ።

እቶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምንቃፎም ኣብ 2001 ከምዝተኣሰሩ ዝገለጸ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ገሊጹ።

ካብኣቶም፡ ዋላ ሓደ'ውን እንተኾነ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሉ'ውን እቲ ትካል ኣብሪሁ።

to read more click on this URL link

Last Updated on Friday, 20 September 2019 20:55
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 66 guests online