www.blina.org

ለካቲት 26, 2018; ጋዜዊ መግለጺ ደሞክራሲያዊ ውድብ ብሄረ ብለን ፡ ምምስራትኤርትራዊ ሃገራዊ ግምባር ብዝምልከት PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 02 March 2018 22:04

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብለን ንዕዉት ዋዕላ ኣርባዕተ ውድባት፡ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት

ሃገር(ስምረት)፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማኤርትራ (ዲምሓኩኤ)፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ

(ሰደግኤ)ን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ- ሕድሪ)፡ ልባዊ ደገፍና ንገልጽ።

አቲ መስራቲ ዋዕላ ኣርባዕቲኤን ሃገራውያን ውድባት ሓቢረን ክቃለሳ ዋዕላኛታት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ንህዝብናን

ሃገርናን ካብ ባርባራዊ ስርዓት ኣስመራ ንምግልጋል ዓቢ ስጉሚ ንቅድሚት ዝውስድ ምኻኑ ስለንኣምን ንመሰረታትን

መራሕትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ግምባር ምስጋናና ነቕርብ።

ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕን መደብ ስራሕምውህሃድን (co-peration and co-ordination of tasks) ን ኣሳልጦ

መድብ ዕዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኻኑ ውድብ ብሄረ ብለን ይኣምን። ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ሞንጎ ተቃልስቲ ውድባትን፣

ምንስቃሳትን፡ ውልቀሰባትን ምትአምማን (trust) ክምዕብልን ክዓሙቕን ይሕግዝ። ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ክትመሃር፣

ሓድሕዳዊ ርክብ (communication) ክሕይል፣ ኣብ ቃልሲ ንዝደኸሙ ትግሃት ኣብ ምፍጣር፣ ኣብ ቃልሲ ገና

ንዘይተሳተፉ ተበግሶታት ከማዕብሉን፣ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕ መወዳድርቲ ከምዘይብሉ ውድብ ብሄረ ብለን

ንኣምን።

በዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንሕና ውድብ ብሄረ ብለን ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግምባር ሓቢርና ክንሰርሕ ዘለና ድሉውነት

ብወግዒ ነፍልጥ። ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግምባር ኣብ ጽምዶ ክንኣቱ ዘተባብዓና ምኽንያት ካብዘን ዝስዕባ መትከላት

ጽምዶ ውድብና (Principles of Engagent) ዝነቐለ ዩ።

* ውድብና ምትሕብባርን ምውህሃድ ስራሕ ከም መደብ ዕዮን ናይ ስራሕን ልምድን ከነተኣታቱን ከነማዕብልን ከም

መትከል ንሰርሓሉ (we endover engagement to become our astandard practice)

* ውድብና ኣብ ዝውሰድ ውሳነታት ክሳተፍ ዕድል ምፍጣርን ምትብባዕን ምሕያልን ከም ባህሊ ክተኣታቶን ከም

መትከል ይሰርሓሉ።

* ውድብና ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተወስደ ውሳኔ ንህዝቢ ከምዘይምልከትን ዘይሕጋዊን ዓመጽን ምዃኑ ይኣምን

(Nothing without public participation is about the people)

* ውድብና ምስ ውድባት፣ ምንቅስቃሳት፡ ውልቆም ወኪሎም ንዝቃለሱ ደቂ ሃገር፣ ብሃገራዊ ቅርጺ ዝተወድቡ፣

ብኣውራጃ፣ ብሃይማኖት (ሰኩላር ይኹን ኣይኹንብዘይፍልልይ) ንጽምዶን ዘተን ምትብባዕ መትከል ይሰርሓሉ።

ኣብ ቐጻሊ ናይ ኤሃግ ምዕባሌታትን ተምክሮታትኩም ክተከታተሉና ብተስፋ ንጽበየኩም።

 

ደሞክራሲያዊ ውድብ ብሄረ ብለን-ኤርትራ

ለካቲት 25, 2018

Last Updated on Friday, 02 March 2018 22:21
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 428 guests online