www.blina.org

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ደሚቑ ክኸብር ስርዓት ህግደፍ ንወግድ! 8 መጋቢት 2022 PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Monday, 07 March 2022 18:01

መዓልቲ ደቀንስትዮ ብዓለምለኸ ደረጃ ምብዓል ካብ ዝጅመር እነሆ ሎሚ መበል 111 ዓመት ምዃኑ እዩ። መበገሲ ዕላማኡ ድማ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ጾታዊ ኣድልዎ ዘይብሉ ዝሓሸ ሕብረተሰብ ምምስራትን እዩ ኔሩ። እንተኾነ እቲ ልዕሊ 110 ዓመታት ዘቊጸረ ቅዱስ ጭረሖ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ብዙሕ ወርቃዊ ውሳኔታት ንምግባር ዝሓገዘ ኣኳ ኣንተኾነ፥ ኣብ ባይታ ግን ነቲ መሰረታዊ ዕላምኡ ዘንጸባርቕ ስራሕ ንምስራሕ ብዙሕ ዝተርፈና ምዃኑ ንምርኣይ ዘጸግም ኣይኮነን።

ጾታዊ ማዕርነት ክበሃል ከሎ ዝተፈላለየ ሕበረተሰብ ከከም ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ምዕባሌኡ ቀዳምነት ዝህቦ ኣጀንዳ ክህልዎ ይኽእል`ዩ። ኣብ ምዕቡል ሃገራት ኣብ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክፍሊት ክዋሃባ ቀዳማይ ጠለበን ክኸውን ይኽእል ይኸውን። ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰለ ድሑራት ሃገራት ግን ማዕረ ክፍሊት ዝበሃል ነገር ቅድሚ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ዝስራዕ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ደቀንን ሰብኡተንን ክድፈራን ክቕተላን  ምርኣይ ወይ ምስማዕ ማዓልታዊ ዜና ሃገርናን ከባቢናን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ማዕረ ክፍሊት ዝብል ኣጀንዳ ብቐዳምነት ዝስራዕ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮና ክብረንን ማዕርነተንን ተሓልዩ ክነብር ኣንተኾይኑ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ዝምጥን ንቕሓት ከጥርዩ ኣለዎም። ወዲ ተባዕታይ ንጓል ኣንስተይቲ ዘለኣለም ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ እትነብር፡ ከም ባምቡላ  እንተደልዩ ዘልዕላ እንተዘይደልዩ ዘንብራ ዘይኮነስ ቅድሚ ኣብ ሕጊ ምብጽሑ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላታ ኣኽቢሩ ክኸይድ እንተኽኢሉ ጥራሕዩ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ክጥረ ዝኽእል።

 

 

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ PDF link ጽዓን።

Last Updated on Monday, 07 March 2022 18:29
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 211 guests online