www.blina.org

ጋዜጣዊ መግለጺ ግ.መ. ሆደ ብሌን፣ ንሰላማዊ-ሰልፍ ዝምልከት PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 25 March 2011 01:40

ጋዜጣዊ መግለጺ ግ.መ. ሆደ ብሌን፣ ንሰላማዊ-ሰልፍ ዝምልከት

ኢስያስ ሕጂ ውረድ!
ስደትን ውርደትን ይብቓዕ
!

ክቡር ህዝብና፣


ወቕቲ ዲክታቶር ዝእለየሉ ኣሎና፣ ነዚ ዝጽበየና ዕማም ንምትግባር ከኣ ንሙሉእ መሰላት ህዝብና ዝጣበቕ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምክያድ ኣሎና።

ገባቲ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክነብር፣ ድሕሪ መጋረጃ ናይ ዶብን፣ ሃይማኖትን፣ ኣውራጃን፣ ብሄርን፣ ተኸዊሉ  ከም ዝነበረ፣ ሎሚ ደገፍቱ ከይተረፉ ተረዲእዎም ኢዩ።

ነበር መሓዙቱ እኒ ሑሰን ሙባረክን፣ መዓመር ቓዛፍን፣ ከም ኣመሎም “ሃገርን ሃገራውነትን” ዘሚሮም ህዝቢ ግን ነቒሑ ኣይሰምዖምን። ኢስያስ’ውን ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ክጎብጣኹም ይመጽኣ ኣለዋ እናበለ ዝግዕር ዘሎ ምልክት ውድቐቱ ኢዩ።

ብባህሪዮም፣ ፋሺሽታውያን ዲክታቶራት፣ “ሃገርን ሃገራውነትን”፣ “ሓድነትን ሉኡላውነትን” ንኣፎም ይልፍልፉሉ እንበር ዝያዳ ንሃገር ዘድምዩ ንሶም ኢዮም። ኣብ ግዜን ስልጣንን ኢሳያስ፣ ዝሞተን ዝተሰደን ምስ ዝሓለፈ ክነወዳድሮ ከሎና ሰማይን መሬትን ኢዩ።

ኩሎም ዲክታቶራት ቀንዲ ጸላእቲ መንእሰይ ኢዮም። መንእሰይ ክምሃርን ክምዕብልን ክጻወትን ዓይኖም ኣይገብረሎምን ኢዩ። ዲክታቶር ኢስያስ ከኣ ንመንእሰይ ሃገርና ስሙ ከም ዝኾነ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን። ግዳይ ኵናትን ስደትን ኮንካ ንርኢ ኣሎና።

እንበኣር ክቡር መንእሰይ ሃገርና፣ ንክፍኣትን ጭካኔን ፋሺሽታዊ ስርዓት ንቕሓሉ። ኣቦታትካ ተሰዊኦም ዘስረከቡኻ፣ ዓዲ መዓርን ጸባን፣ ዓዲ ክልተ ክረምቲ፣ ዓዲ ስለስተ ኪሊማ፣ ዓዲ ዘይነጽፍ ባሕርን ባህልን፣ ሃገርካ ገዲፍካ ኣብ ስደት ራህዋን ክብርን ክትረክብ ዘይሕሰብ ኢዩ። ናይ ቑጠባ ስደተኛ ኣይኮንካን። ፍትሕን መሰልን ኣብ መሬትካ ስለ ዝሰኣንካ ተሰዲድካ። ንመሰልካ ተላዓል።

ደንበ ተቓውሞ፣ መንእሰይ ተግባርን ተሰካሚ ሕድሪ ሱዉኣትና ከይነጽፍ ስደት መንእስያት ከብቕዕ፣ ነዚ ስርዓት ክንኽንብሎ፣ ቐዳማይ ግርጭትን ካልእይ ግርጭትን ኣሳኒና  ክንሰርሕ ህዝብና ይሓተና ኣሎ። ነዚ ምድብላቕ ግን ሰፍ ዘይብል ወንጄል ኢዩ።


ክቡር ህዝብና፣ ሎሚ’ውን ከም ቐደምካ፣ ብስምረት፣ ከበሳ መታሕት፣ እስላማይ ክስታናይ፣ ዓሰርተ ብሄራት፣ ክተት። ፍትሕን መሰልን ሕጂ በል። ንቀጻሊ ሰላምን ልምዓትን ዋሕስ ክኾነካ ብሄራዊ ውደባ ክዕንብብ ግዴኻ ግበር፣ ንመሰልካ ቁራስ ሕድገት ኣይትግበር።  

ምስ ዲክታቶር ሰላምን ሕድገትን የሎን፣
ንዲክታቶር ኢድ ህዝብና ይምከሮ።

ምንቕስቓስ ብሄር ብሌን ሆደ ኤርትራ
ጨንፈር ባህልን ትምህርትን:  25 March 2011

Last Updated on Saturday, 26 March 2011 10:29
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 88 guests online