www.blina.org

ዘይፍትሓዊ፣ አብ ልዕሊ መንእሰያት ዝተጻዕነ ዘየቋርጽ፣ ግፋን፣ ሳዕቤኑን PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 22 July 2011 21:20
ዘይፍትሓዊ፣ አብ ልዕሊ መንእሰያት ዝተጻዕነ
ዘየቋርጽ፣ ግፋን፣ ሳዕቤኑን
       
ስርዓት ህግድፍ ካብ ዝሐለፈ ወርሒ ጀሚሩ እቲ ሐሐሊፉ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክካይዶ ዝጸንሔ ግፋ ብሃገር ደረጃ አብ ከተማታትን ገጠራትን ብጻዕቂ ተታሕዝዎ ኣሎ። ህዝቢና ካብ ማዓልታዊ ናብርኡ ተዘናቢሉ ብዛዕባ ግፋን ወሬ ግፋን ክሐስብን ክሽቅረርን ኮይኑ አሎ። ደቁ ብጨካን ጸረ-ህዝብን ፍትሕን ዝኾነ ስርዓት ከይውሰዱን ብኡ ኣቢሎም አብ መዋጽኦ ዘይብሉ ናይ ጊላነት ሂወት ከይ አትው ክሐብእን አብ ቅድሚ ዓይኑ ሕማቕ ከይርኢ ኣርሒቆም ክስደዱን ክኽወሉን ይገብር ከም ዘሎ ልሙድ ተርእዮ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ግፋ ፍሉይ ዝገብሮ መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ህዝቢ ደው ክብል ስለ ዝገበረን ካብ መርዓ ወጻኢ ንዝወለዳ ሓጋዚ ዘይብለን ኣዴታት ደቀን ሐዲገን አብቲ ዝተመደበለን ቦታ ክርከባ መምርሒ ተዋህብወን ኣሎ፡፡ ኣብቲ ዝተባህለ ቦታን ግዜን ብገዛእ ፍቃዳ ዘይተረኽበት  ከቢድ መቅጻዕቲ ከጓነፋ ምኻኑ ዝሐበረ ነተን ሐጋዚ ዘይብለን ኣዴታት ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ብጠቅላላ ዘደንጸወ ትእዛዝ እዩ።

እዚ አብ ዝሐለፍ ዕስራ ዓመታት ምስ ኩሉ ፍሹል ፖለቲካውን ኢኮኖሚያምን ማሕበራውን ፖሊስታት ስርዓት ህግድፍ ተታሐሒዙ ዝኸደ ናይ ኣስገዳድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ንመንእሰያት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዘግለለ፣ መጻኢ ዕድሎም ክጽልምት ዝገበረ፣ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ብኡ ኣቢ.ሉ ናብ መላእ ሕብረተ-ሰብ ዘማሐላልፎ መልእኽቲ ኔርዎ እዩ። ህግድፍ ንጸቢብ ውድባዊ ረብሐ ደው ዝበለ፡ ንስልጣኑን ፖለቲካውን ኢኮኖሚያዊ መኽሰባቱ ክሕሉ ንሃገርና ብወታሃደራዊ ትእዛዝን ብግዝያዊ መምርሕታትን አዋጃት ክትመሐደር ገሩ’ዩ። ነዚ ተማእዚዙ ዘይቅበልን ዘይትግብርን ውልቀሰብ ይኹን ሐይሊ ገበነኛ ተቆጺሩ ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይብየነሉ።  

ሎሚ ክነተክረሉ ዝደለና አብ መጨረሻ ወርሒ ዝበዝሑ ካብ ሃገራዊ ኣገልገሎት ሃዲምኩም፡ ንዝተዋህበኩም ስራሐት ኣየማላእኩምን ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ዝተአሰሩ ዕስራን ሐምሽተን መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብሰንሰለት ተቀፊደም ብማኪና ካብ ዝነበርዎ ቤት-ማእሰርቲ ከተማ ከረን ናብ ካልእ ቤት-ማእሰርቲ ክወስድዎም ከለዉ አብ ውሽጢ ዘይ ብሩህ ኩነታት እንዳ ተጋዕዙ ዘጓነፎም ናይ ሞት ሓደጋ’ዩ።



ናይ’ዞም መንእሰያት ኣሕዋትና ህልቀት ንህዝቢ ከተማ ከረንን ከባቢአን መሪር ሐዜንን ቁጥዔን ዝተራእየሉ ፍጻሜ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ኣሕዋትና ሸፋፊኑ  ከም ተራ ናይ ማኪና ምግምጣል ሐደጋ ገሩ ክሐልፎ ፈቲኑ አሎ። ላዕለዎት ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ቀንዲ ጻዕሮም ነቶም በዚ ሓደጋ ዝተጎድኡ ቀልጢፍካ ምሕጋዝን ድሕሪ ሞቶም ምርግጋጹ፡ ቤተ-ሰቦም ግብእ ሐበረታ ረኺቦም ሬሳ ውላዶም ወሲደም ንቡር ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ክገብሩሉ ዘይኮነስ፡ እዚ ጃምላዊ ሞት ምስጢር ኮይኑ ምስአቶም ክቅበር አብ ናይ ሐባር መቃብር ክቅበሩን መንነቶም ከይጻሬን ዝተማልኤ ሐበረታ ከይመሐላለፍን እዩ ነሩ፡፡ በኣንጻሩ ግን መወቲ መብዛሕቶም ደቂ`ቲ ከባቢ ስለ ዝኾኑ ባዕሉ ህዝቢ ብዝዋህለሎ ሐበረታ ብማስጢር ንስድራ-ቤት መወቲ ይሕበር አሎ።

ብዙሕ ግዜ አማውትኦም ዘይተፈልጠ ብሐደጋ መይቶም እንዳተባህለ ዝስወሩ ዜጋታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ልሙድ ተርእዮ እናዳኾነ መጻኡ ኣሎ። በዚ አጋጣሚ ንኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣተሓሕዛን ሃለዋትን እሱራት ምምዝጋብን አብ ብቀሊሉ ክርከብ አብ ዘይክኣል ክሐብኡዎን ብመገዲ ኡሙናት ጌርካ ናብ ተጣበቕቲ መሰል-ደቂ ሰብ ዝኾና ማሕበራት ከበጽሕ ክገብሩ ንላቦ፡፤ ምኽንያቱ እቶም ነዚ ገበን ክሕባእን ተረሲዑ ክተርፍን ዝደልዩ፣ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ቀሪቦም ተሓተቲ ክገብሮም ዝኽእል ጭብጥታት ምሓዝ ኣገዳስነት አለዎ። እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣኖም ተጠቂምሞ ዘይተደረተ ገበናት ዝፍጽሙን ንዝተዋህቦም ናይ ዕንወት መምርሒ ዝትግብሩን ማዕረቶም ናይ ፖለቲካዊ መራሕቶም ተሓተቲ ምኻኖም ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ናብ ግብሪ ንምውዓል ንቁሕ ተሳትፎን ምክትታልን ናይ ኩሉ ዜጋ ይሐትት።

በዚ አጋጣሚ`ዚ ምቕስቓስ ብሄረ ብሌን ሆደ፣ (ፍንሕንሕ ሆደ ሙርቛ ብሊናዅ) ንስድራ-ቤቶም ጽንዓት ይሃብኩም ይብል፡ ቀጺሉ’ውን ናይ’ዚ መሪር ሐዘን ተሳተፍቲ ምዃና ንሕብር፡፡

ምቕስቓስ ብሄረ ብሌን ሆደ
ፍንሕንሕ ሆደ ሙርቛ ብሊናዅ   
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 94 guests online