www.blina.org

ብሊና ኦርግ> ምስ ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ ኣባል ፓርላማ ስዊድን ቓል መሕተት ገይራ> 26.08.2011 እስቶኮሆልም PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Sunday, 02 October 2011 20:09
ብሊና ኦርግ> ምስ
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ ኣባል ፓርላማ ስዊድን ቓል መሕተት ገይራ>
26.08.2011 እስቶኮሆልም

ብቐዳምነት ምስ ኩሉ ጽዑቕ ሳራሕካ፣  እሞ ኣብ ማእከል ህንጻ ፓርላማ ስዊድን ከተማ ስቶኮሆልም፣ ንቤት ጽሕፈትካ ከፊትካ ነዚ ቓል መሕተት ክትገብር ፍቓደኛ ኮንካ ምርካበይ የመስግነካ፣ ከምኡ’ውን ብስም ኣንበብቲ ብሊና ኦርግ ምስጋናይ ይቕርበልካ።

ክቡር ኣቶ ኣርሀ ምሳኻ ቓል መሕተት ክንግበር ዝተበገስናሉ ማእኸል ሕቶና ንወጻእተኛ ዝምልከት’ዩ። ምኽንያት ከም ወጻእተኛን ከም ኣፍሪቓውን፣ ኣብ’ዚ ፓርለማ ስዊድን እንኮ ዝተዓወትካ ንስኻ ስለ ዝኾንካ፣ ሓበን ይስማዓና። ጉዕዞ ሂወትካ ብዙሕ ምስጢር ኣለዎ። ድሕሪ ባይታ ኣብ ቐጻሊ ክንሓቶን ክንቕርቦን ኢና። ሎሚ ነትኩረሉ ኣብ እዚ’ዚ ሓዲስ ስራሕካ’ዩ። ወጻእተኛ ኣብ ዝቕመጡሉ ሃገር ከመይ ገይሩ ውህደት ወይ ኢንተግረሽን ይገብር? ዝብል ትሕዝቶ ንስኻ ብተሞኩሮ ዝሓለፍካዮ ስለ ዝኾነ ንመንእሰያትና ትምህርትን ካልእ ብድሆን ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ኣሎና። ኣብ መጠረሽታ ንስኻ ኣብ ከተማ እስቶኮሆልም ዝጀመርካዮ “ሓዲስ ራኢ ናይ ኢንተግረሽን” ብኹሎም ሃገራት ኣድናቖት ረኪቡ ስለ ዘሎ ብሕቶ መልክዕ ክነቕርበልካ ኢና።

1. ብሊና ኦርግ> ኣብ ሕቶታተይ ክምለስ፣ እታ መዓልቲ ብብዝሒ ምርጫ ተመሪጽካ ኣሎኻ ዝብል ብፓርትኻን ብጋዜጣን ብተለቪጅንን ክቓላሕ ከሎን፣ ኩሎም መሳርሕትኻ ከኣ እንቛዕ ኣሓጎሰካ ክብሉኻ ከለዉን እንታይ ስሚዒት ኣትሪፍልካ? ብኸመይከ ተቐቢልካዮ ወይ ሰጊርካዮ?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> እወ እታ መዓልቲ እቲኣ ሕውስውስ ዝበለ ስሚዒታትን ጠብላሕታትን ፈጢራትለይ’ያ። ኣነ ኣበይ ኔይረ፣ ኣበይከ በጺሔ፣ ኢለ ንርእሰይ ክርእያን ክሓታን ከሎኹ ቐሊሊል ኣይነብረን። እንተኾነ ሂወተይ ብጎባጥን ብጥውይዋይን ዝመልኦ ተሞኩሮ ሓሊፋ ስለ ዝነበረት ካብ ኩል ዝኸበደኒ እቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ሓላፍነት ዘይተሞኮርኩዎን እቶም ምስኦም ክሰርሕ ነቒለ ዘሎኹ ከኣ ብባህልን ብቋንቋን ንኣይ ዘይማሰሉ ስለ ዝኾኑን እዚ ካብ ኩሉ ብቐዳምነት ጠብላሕ ኢልኒ። ነቲ ስራሕን ሜልታታቱን ክኣትዎ ስለ ዝኾንኩ ዝያዳ ከቢድ ጽዕነት ይስማዓኒ ኔይሩ። ምስ እዚ ኹሉ ከኣ ሓጎሰይ ወሰን ኣይነብሮን። ምስ ሓልፈ ቐሊል ኔይሩ ክትብሎ ይከኣል ይኸውን እንተኾነ ሓጎስን ፍርሒ ስራሕን ክልቲኡ ዝተዘባረቐ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ።

2. ብሊና ኦርግ> ክቡር ኣቶ ኣርሀ ናትካ ኣብ ፓርላማ ምምጻእ ናይ ህዝቢ እስቶኮሆልም ድልየት’ዩ። እቲ ምርጫ ብኸመይ ተኻይዱ? ንኣኻ ንወጻእተኛ ክመርጹ ከለዉኸ እንታይ መልእኽቲ’ዩ እዮም ዘሕልፉ ዘለዉ?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣብ ሽዊድን ኣገባብ ምርጫ ብዞባታት’ዩ ዝምቕል። ቅድሚ 19 መስከረም ምርጫ ካብ ኣማእት ዝተረቑሑ ኣባልት ስልፍና ኣብ ዞባ እስቶኮሆልም ምጽራይ ተጌሩ። ካብ ዞባ እስቶኮሆልም ካብዚኦም 42 ተጻሪና ወጺእና። ነዚ ክግበር ከሎ ከኣ ኣብ ብዙሕ ናይ ህዝቢ ዋዕላታትን ሰሚናራትን ምኽርን ብቕዓት ሕጹይ ይግምገም። እስማትና’ውን ብኮሚቴ ናይ ምርጫ ከም ተቐባልነትን ቐደም ተኸትል ይጻሓፍ። ምርጫ ምስ ከደ 22% ተዓዊትና። ካብ’ዚ ፐርሰንተጅ ሽድሽተ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ፓርላማ ኣቲና። ኣነ ኣብ መበል ራብዓይ ቦታ ኔይረ። ቅድሜይ ዝነበሩ ስለስተ ነባራት መራሕቲ ፓርቲ ክኾኑ ከለዉ ካብኦም እታ ቁጽሪ ሓደ ዝነበረት ኣደ መንበር ፓርትና’ያ። ስለ’ዚ እቲ ውጺኢቱ ቐዲሙ’ዩ ተራእዩ ዝነበረ። ካብ 22% ንታሕቲ 16% እንተዝመጽእ እቲ ድምጺ ህዝቢ ኣብ መበል ራብዓይ ቦታ ናይ ሰልፍና ስለ ዝነበርኩ እቱው ኔይረ። ሰልፍና ካብ ብልጫታቱ ንብዙሕነት ብብቕዓት ተቐቢሉን ኣሚኑን፣ ጾታን፣ ቆርበትን፣ ከይፈላለየ ኣብ ዝለዓለ ቤት ጽሕፈታቱ ከቐምጥ መትከል ኣለዎ። ህዝቢ ስቶኮሆልም ከኣ ካብ’ዚ ሰናይ ፖሎቲካዊ መደብ ተበጊሱ’ዩ ንምርጫ ኣትዩ። እቲ መልእኽቲ ከኣ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዘእንግድ ለጋስ ባህሊ ከም ዘለዎ ዝሕብር’ዩ። ብዓቢኡ ከኣ ኣነ ወጻእተኛ ጥራይ ዝየኮንኩ ሕብረይ ብማዕዶ ዝልለ ኣፍሪቓዊ ቆርበት ስለ ዝኾነ ንኹሉ ኣፍሪቓዊ ዝሓቑፍ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ከም ዝኾነ እቲ ብቆርበት ተገሊሉ ዝመስሎ ውገን ስዊዲን  ግቡእ ጥራይ ዝሕተት ዘይኮነ ኣብ ዝላዓለ ቤት ጽሕፈታት ክሰርሕ’ውን መሰል ከም ዘለዎ ዝሕብር፣ እቲ መልእኽቲ’ውን እዚ’ዩ ዝነበረ።

3. ብሊና ኦርግ>  ክቡር ኣቶ ኣርሀ ንስኻ ከም ወጻእተኛ ንኢተግረሽን ወይ ውህደት ሓደ ስደተኛ ምስ ዝነብሮ ሃገር ብኸመይ ትገልጾ? ብኣኻ ውገንከ ቐሊል መስርሕ ድዩ ኔይሩ?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ምምሳል ወይ ውህደት እንታይ ማለት’ዩ? ንዝብል ብውገነይ ዝርእዮ ሓደ ወጻእተኛ ሰሪሑ ምእታው፣ ከምኡ’ውን ብልብል ቋንቋ ምዝራብ፣ ግብርን ሕጊ መንግስትን ምፍጻም፣ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ቑጠባ እዛ ሃገር ብዙሓት ግሪኻውያን ጣልያን ቱርካውያን ብሓምሳታት ሱሳታት ተኻፊሎም’ዮም። እንተኾነ እቶም ቐዳሞት ጀኔረሽን ኣብ ዉሽጣዊ ስሚዒቶም ወይ ሳይጆሊካሊ ኣካል ናይ’ዛ ሃገር ከም ዘይኮኑ ኮይኑ ስለ ስምዖም፣ ኣብ ሓፈሻዊ ሂወት እቲ ሃገር ንኣምነት ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት ይኹን ፖሎቲካ ክሳተፉ ኣይተራእዩን። እዚ ከኣ ጽልዋ ንድሕሪኦም ዝመጹ ጽልዋ ኣትሪፉ’ዩ። ኣነ ሰሪሔ ገንዘበይዶ ይእክብ ካልእ ጣጣ ይፈጥር ብዝብል ንባህሎም ክሕልዉ ኣብ ሓደ ከባቢ ብጻዕቒ’ዮም ዝነብሩ። እዚ ኣብ ዝተናዊሔ ጸገም ናይ ጸጥታን ድስፕሊንን ከም ዝኾኑ ንኹሉ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ኢነትግረሽን ወይ ውህደት ክንብል ከሎና ብዘይ ዶብ ኣብ ሂወት እታ ትነብረላ ሃገር ኣብ ጽቡቛን ሕማቓን ምክፋል’ዩ ይብል።

4. ብሊና ኦርግ>  እታ ቐሊል ድዩ ትብል ሰጊርካያ ኣሎኻ፣ ምስ ዝመጽእ ሕቶ ኣማሊእካ ክትምልሰልይ ደስ ይብለኒ፣ ኣብ ቐጻሊ ሕቶይ ክኣቱ፣ ከም ስደተኛ ኣብ መጀመርታ ግዜ ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ሆተልዲዩ ካፕ ኣብኡ ኢኻ ኣቲኻ፣ ካብ’ዚ ጀሚርካ ሓደ ነዊሕ ራኢ ዝነበረካ ትመስል፣ እስከ ሂወትካ ካብ ዕለት ሓደ ጀሚርካ ኣዕለለና?

ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ነታ ፈዅስ ድዩ ትብል ሕቶ፣ ብሕጽር ዝበለ ናተይ እንተበልካዮን ድልየት እንተሎን ቐሊል ኢዩ። ኣብ ሕቶኻ ክምለስ፣ ኣነ ከም ኩሉ ስደተኛ’የ ምስ በዓልቲ ቤተይን ምስ ሓደ ቆልዓ ንስዊድን ኣቲና። ኣብ ግዜን መዓከር ስለ ዘይነበረ ኣብ ሆቲል’ዮም ተቐቢሎምና። ንዓሰርተ ወርሒ መልሲ ከይረኸብኩ ጸኒሔ። ወረቐት ናይ ዑቕባ ምስ ረኸብና ከኣ ነዚ ሓዲሽ ዓድን ሓዲሽ ባህልን ብኸመይ ንገጥሞ ምስ በዓልቲ ቤተይ ተማይጥና። ካብ ኩሉ ኣነ ብንኡሰይ ንሜዳ ስለ ዝወጻእኩ ትምህርቲ ኣይደፋእኩን ኔይረ፣ ስለ’ዚ እተሓመቕኩ ነቲ ናይ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ክውድእ ኣብ ናይ መደብ ዓበይቲ ዝበሃል (ጅምናዝዩም) ትምህርቲ ተዋፊረ። እዚ ቤት ትምህርቲ ንመንእሰይን ንዓበይትን ብግለ ምኽያት ትምህርቲ ዘቓረጹን ማእከላይ ዓቕሚ ዘለዎም ሀ ኢሎም ዝጅምሩን ንምሕጋዝ ተባህሉ ዝቖመ፣ዩ። ኣና ኣብ ክልተ ዓመተይ ከኣ ናይ ዓሰርተ ክልተ ባጀላ ጨቢጠ። ንዩንቨርስቲ ዝኸውን’ውን ነጥቢ’ውን ረኺበ፣ ካብኡ ኣብ ዩንቨርስቲ ናይ እስቶኮሆልም ብቁጠባ ክቅጽል ምዝገባ ሓቲተ፣ ተቐቢሎምኒ ከኣ። ንክመሃር ግን ብሓገዝ ዘይኮነ ብለቓሕ ክቕጽል ከም ዝኽእል ምስ ገለጹለይ፣ ንዕድመይን ሓላፍነት ስድራን ገምጊመ፣ ኣብ ስራሕ ኣትየ። ኣብ ስራሕን ገዛን ምምልላስ ናተይ ዕላማ ኣይነበረን፣ ቐጻሊ ኣብ ንሃገር ኤርትራ ዝርኢ ናይ ተቓውሞ ደንበ ይኹን ኣብ ማእከል እስቶኮሆልም ዝነበረ ማሕበራዊ ቓልሲ በብደረጅኡ ክነጥፍ ጀሚረ። ብብዙሕ ማሕበርዊ ስራሓት ምስ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (Social Democratic Party) ክላለ ጀሚረ። ካብ ኩሉ ካብ’ቶም መራሕቱ ነፍሱ ይምሓሮ ከም ኣቶ ኡልፍ ፓልመ  (Olof  Palme)  ኣብ ማእከል ክልተ ዓበይቲ ደንቤታት ኮይኑ ነቲ ቅኑዕ ዝመስሎ ዝነበረ ብዘይጸግዒ ዝሰርሔ፣ እሞ ኣብ ጎደና ስቶኮሆልም ብዕለት 28.02.1986  ዝተቐትለ ታሪኽ ሂወቱ ዝያዳ መሲጥኒ። ናይ’ዚ ፓርቲ ውዕለት ንህዝቢ ስወደን ዓቢ እኳ እንተኾነ ብፍላይ እዚ ፓርቲ ንህዝቢ ዘለዎም ፍቕርን፣ ንብዝሓውነት ዘለዎም መትከልን ስለ ዝሰሓበኒ ብ1988 ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይነ።  

5. ብሊና ኦርግ> ማእከል ዘረባና ውህደት ወይ ኢንተግረሽን ናይ ሓደ ወጻእተኛ’ዩ። ሓደ ወጻእተኛ ኢንተግረሽን ምስ ሃገራዊ ፖሎቲካ ዝነብረላ ሃገር ክግበር፣ ን ወጻእተኛ ዝግደፍ ድዩ ወይስ እቲኣ ሃገር’ውን ግደ ኣለዋ?
   
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ሓላፍነት ናይ ክልቲኡ ኢዩ እኳ ዝበሃል እንተኾነ ብወገነይ ግን ብቕዳምነት እቲኣ ተእንግድ ሃገር ዓቢ ሓላፍነት ኣለዋ። እቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም፣ ንስደት ናብ ሓንቲ ሃገር ዝመጽኡ፣ ናይ መጀምርታን ናይ መጠርሽታን ኣይኮኑን። ህዝብታት ካብ ድኽነትን ኵናትን ካልእ ባህርያዊ ጸገማትን ክፈናቐሉ ባህርያዊ ታሪኾም’ዩ። ስደት ነባሪ’ዩ። ሎሚ እተእንድ ጽባ ክትስደድ ትኽእል። እሞ እታ እተእንግድ ሃገር ነዚ ክትኣምን ኣለዋ። ብዝከኣላ ከኣ ንስደተኛታት እግሮም ክተኽሉ ክትሕግዞም ይግባእ። ወጻእተኛ ምስ ሓዲስ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሂወት ክላለ ከሎ ንባህሉን ንመንነቱን ክዓቑብ’ዩ ዝጽዕር። እዚ ፍርሒ እዚ ከኣ ባህርያዊ’ዩ። ነዚ’ውን ከም ምኽንያት ክጥቐመሉ ኣይግባእን። እዚ ፍርሒ ኣብ ክልቲኡ ወገን’ዩ ዘሎ። እዚ ፍርሒ ከኣ ብምፍላጥን ብስራሕን ብምይይጥን ብትምህርትን ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ። ክንመጽእ ከሎና ጥራሑ ሳንጣ ጥራይ ሕዝና ኣይንመንጽእን ኢና። ባህልን ካልእ እምነትን’ውን ሕዚና ንመጽእ ኢና። ካብ ኩሉ ካብ ስሉስ ዓለም ዝመጽኡ ስደተኛታት ነቲ ሰፍሕ መሰል ኣህዛብ ወላ ዝርድእዎ እንተኾኑ ኣብ ግብሪ ግን ኣየወዓልዎን። ንኣብነት መሰል ቆልዓን ሰበይትን ብዝሓውነትን ፕረስን ንስደተኛ ሓዲስ ሂወት’ዩ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሂወት ዘሎ ዕድላት ኣይፈልጦን’ዩ። ስለ’ዚ ኣኣንጋዲት ሃገር ኢንፎርመሽን ጥራይ ዘይኮነ፣ ጽዑቕ ናይ ርእይቶ ምልውዋጥ ባይታ ክትከፍት ኣለዋ። ካብ’ዚ ክትዕን ትምህርትን ከኣ እቲ ወጻእተኛ ክመህርን ርእሰተኣማማነትን ከሕድርን ምስ ሓዳስ ሃገሩ ብድልየትን ብፍልጠትን ክወሃሃድ ይኽእል። ድሕሪ እዚ ኩሉ ጻዕርታት እቲ ወጻእተኛ ከኣ ኣብ ባህሉ ከይተሓጽረ ርእይትኡ ክቕይር ኣለዎ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ክልቲኦም ንሓድሕዶም ንምፍላጥ ሓባራዊ ስራሓት ክሰርሑ እንከለዉ እቲ ስደተኛ ንርእሱን ናታ ሃገርን ክሰርሕ ይብቕዕ፣ እታ ሃገር፣ውን ሓደ ዘየፍሪ ወይ ዕጹው ዜጋ ካብ ዝህልዋ፣ ሓደ ዘፍርን ንሃገር ዝቓለስን ዜጋ ይህልዋ። ክልቲኦም ከኣ ይጥቐሙ።

6. ብሊና ኦር>  ሂወት ስደተኛ ወይ ወጻእተኛ ብታሪኽ ኢንተግረሽን ራሲስም (Integration and Racism) ይልለ። ሓደ ወጻእተኛ ኢንተግረይትድ ክኸውን ክደሊ እንከሎ ራሲዝም ይጸፍዖ፣ ካብ’ዚ ነቒሉ ከኣ ግደፍ ፖሎቲካ ክሰርሕ ነታ ድራር ዕለቱ እኳ ጋዶ ስለ zኾኖ ናቱ መሕብኢ ቦታ ይደሊ፣ ንስኻ ነዚ ጸገም’ዚ ፍታሕ ዝኸውን ርእይቶ እህልወካ’ዩ ምገለጽካልናዶ?
 
ኣቶ ኣርሀ ሃመድናካ> ኣሃሃ…ማጂክ በትሪ የብለይ፣ እንተኾነ ኣነ ራዚዝም ክለዓል ከሎ፣ ዝረኣዩኒ ባህልታት ኣለዉ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ ራሲዝም ክንዛረብ ከሎና ኣብ ሕብሪ ቆርበት ንሓጽሮ። ራሲዝም ብዝረኤን ብዘይረኤን ኣገባብ ይሰርሕ። ነቲ ዝረኤ ክትቓለሶ ቐሊል’ዩ። እቲ ዘይረኤ’ዩ ጸገም። እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባ ኣሎ። ኣብ ኣገላልጻ ርእሰ ተኣማምነት ዝጎደሎ ሕብረተሰብ ወላ ነቲ ኣድልዎታት’ውን ከም ራሲዝም ይገልጾ። እዚ ከኣ ኣብ ኩለን ሃገራትን ህዝብን ዘሎ ጸገም’ዩ። ንኣብነት ብጾታ ብዕድሜ ንኹሎም ድኹማት ዝጸቕጥ ፖሊስታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ከም ዝርከብ ኣይንፈልጥን ጥራይ ዘይኮነ ክንፈልጦም’ውን ኣይንግደስን። እንበኣር ራስዚም ኣብ ሕብሪ ቆርበት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ስደተኛ ክመጽእ እንከሎ ካብ ሃገሩ ዝስደዶ ገለ ካብ ምኽንያታት ብሓዉ ስለ ዝተነጸለ ወይ ኣድልዎታት ስለ ዝበጽሖ’ዩ። ንኣብነት ሓንቲ ብሄር ወይ ሃይማኖት ወይ ሓንቲ ቐቢላ ንኻልኦት ካብ ሃብቲ ሃገር ይኹን መሰል ስለ ዝነጸለቶም፣ ነዚ ናይ ምንጻል ተግባራ ከኣ ብሓይሊ ብረትን ማእሰርትን ብኻልእ ክፍኣትን ስለ ትፍጽሞ ሰብ ካብ ሃገሩ ይሃድም። መብዛሕትኡ ስደተኛ ከኣ በዚ ጭቖና ተሰዲዱ ክመጽእ እንከሎ ንርእሱ’ውን ተመቐቓቒሉን መሰሉ ዘይፈልጥን’ዩ። ነቲ ኣብ ኣንጋዲት ሃገር ዝርከብ ኣድልዎ ይኹን ራሲዝም ክቓለሶ ኣፍልጦን ትርናፌን የብሉን፣ ንርእሱን ካብ ሕብረተሰብ ኣንጋዲትን ዓጽዩ’ዩ ይነብር። ንኣድልዎን ንዘይብቕዓትን ምስ ንኹሉ ብራሲዝም ይገልጾ። ኣፍልጦና ኣብ ራሲዝም ትሑት’ዩ። ካብ’ዚ ገምጋም ምስ ንብገስ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝጸንሓና ናይ ኣንጋዲት ሃገር ራስዝምድዩ ወይ ኣድልዎ ማዕጾ ከም ዝዓጸወና ጌርና ንግምት። ዘይፈልጥ ከኣ ክብድህ’ውን ዓቕሚ የብሉን። ነዚ ሽግር ኣድልዎን ራሲዝምን ንውህደትን ንመሰል ካልኦትን ዝቓለሱ ማሕበራትን ፖሎቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ኣለዋ። መብዛሕትና ወጻእተኛታት ግን ንኹለን ስለፍታት ኣብ ሓደ ዘንቢል ነንብረን። ንሕና ሰብ ኢና። ክንምዕብለል ክንጠምን ስራሕ ክንስእንን ብሕማም ክንቑንቑን ደቕና ክድንቑሩን ኣይንደልን። ነዚ ባህርያዊ ፍርሒ’ዚ ድምጺ ምርጫ ክረኽባ ገለ ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ይጥቐማሉ’ያን። ወጻእተኛ ነተን ንሓልዮቱ ዝቓለሳ ሰልፍታት ስለ ዝግድዔን ከኣ እቶም ዓቓብያውያን ምርጫ ይስዕሩ። ሓይሎም ኣብ ፓርላማ ይብርትዕ። ጸረ ወጻእተኛታት ከኣ ውሳኔታት ከሕልፋ ዕድል ይረኽቡ። ነዚኤን በቲ ሕጊ ሃገር ዘፍቕዶ ክንቓለሰን ኢድና ኣብ ፖሎቲካ ክነእቱ እንተሓመቕና ኣብ ምርጫ ነተን ቅኑዕ መስመር ኣለወን ንብለን ክነድምጽ ግቡእና’ዩ። ብዝተርፈ ራሲዝም፣ ብዝተፈላልየ ኣገባብ ኣብ ዓለምና ኣሎ። ንኣና ንዘይመስል ምንጻል ኣብ ሂወትና ብዝተሓተ ወይ ብዝልዓለ ንተግብሮ ንውዕል። ሰብ ብስራሑን ብትምህርቱን ብጠባዩን ተወዳዳሪ ከይኮነ ኩሉ ይደሊ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ንበል ክፉት ቦታ ከም ዘለዎም ምልክታ የውጽኡ፣ ሓደ ክፍሪ ዝኽእል ሰብ ክሽምቱ ድልየት ኣለዎም። እቲ ረሃጹ ዝሽመት ሰራሕተኛ ብቑዕ ክሳብ ዝኸውን እቲ ወሃብ ስራሕ ንጠለቡ ዘየምልእ ሰብ ክሳብ ዝረኽብ ቡዙእት ሰባት ይዕድም። ኣብ’ዚ ውድድር ክንዕወት ወይ ክንወድቕ ንኽእል’ና። ንኣብነት ዕድሜና ካብ ዝድለ እንተ ነኣሰ ወይ እንተዓበየ፣ ተሞኩሮ ስራሕና እንተ ዓብየ ወይ እንተ ንኣሰ፣ በዚኤን ጥራይ ክንግለፍ ንኽእል። ኣብ’ቲ ምግላፍ ከማና ጻዓዱ’ውን ክግለፉ ንርኢ ኢና። እንበኣር ንኹሉ ብዓይኒ ራሲዝም ክረኤ የብሉን። ንሕና ተወዳደርቲ ክንከውን ቐሊል ኣይኮነን። ኣነ’ውን ቐሊል ሂወት ይመርሕ የሎኹን። ኩሉ ግዜ ኣድልዎታት ይኹኑ ብቆርበት ራሲዝም ይፈታትኑኒ’ዮም። እንተኾነ ነዚ ዓምጽ’ዚ ዝፈልጡን ክፍትሕዎ ዝጋደሉን ድማ ብጾት ኣለዉ። እዚ ኹሉ ከኣ ብቓልሲ ስለ ዝፍታሕ ካብ ቓልሲ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ክነዕርፍ የብልናን። ወላ ነታ  ዝተወለድናላን ዝዓበናላን ሃገርና’ውን ብቕላስን ብራህጽን ኢና ፍትሓዊትን ሰላማዊትን ሃገር ንልውጣ።
ይቕጽል……………………
 
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 95 guests online