www.blina.org

ዜና መስራቲ ጉባኤ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ብዓወት ተዛዚሙ፣ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Sunday, 01 April 2012 23:13

ዜና

መስራቲ ጉባኤ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ብዓወት ተዛዚሙ፣

ኣብ ከተማ ጀኔቭ ሃገረ ስዊዘርላንድ፣ ብ31.03.2012 ኣብ ትሕቲ ኩሉ ዓቕምታት ሰውራና፣ ብቐዳምነት ጸረ ህ.ግ.ደ.ፍ ይቕናዕ!! ሙሩቕ ኤሪትሪው ና ናይ መታን ለመለም ይድኖ ኒ ወክት ናን ግን!! ዪና ዲባ ንክኻ ከደንሊ እመሪኻ  ክረንሊ እስቲሮ ግን!!  ዓወት ንመደባት ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ  ባይቶ ንለውጢ!! ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ብሄራውን ሃገራውን ጭርሖታት ብቋንቋታት ብሌን፣ ዓረብ፣ ትግሪኛን ዝተጻሕፉ  ጉባኤና ማዕሪጉ   ጀሚሩ።

ኣብ እዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገርና ህዝባታትና ብመሪር ብሄራዊ ጭቆናን፡ ኣድልዎን፡ ብዘስካሕኪሕ ፖሎቲካዊ ወጽዓን፡ ሕሱም ቁጠባዊ ምዝመዛን፡ ከምኡ ከኣ ብስንኪ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ጻሕታሪ ኵናትን ምትህልላኽን ፖሊስን ሃገርና ናይ ብርሰት ሓደጋ ኣንጸላሊዩሉ ዘሎ እዋን’ዩ መስራቲ ጉባኤና ተሰላሲሉ።

ጉባኤኛ ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮን ሕጊ ሕንጻ ውድብን ብዕቱብ ድሕሪ ምዪይጥ ኣጽዲቑ። ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መርሕነት ብብምራጽ፣ ኣገደስቲ ለበዋታት ብሕላፍ ብድሙቕ ባህላዊ ምሸትን ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ዝርዝር ኣብ ቐጻሊ ክንህብ ኢና

ብስሙር ቃልስና፡ መሰልን ማዕርነትን

ብሄራትና ክነረጋግጾ ኢና!!

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ብሄረ ብሌን!!

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

 

ውድቐት ንፋሺሽታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ!!

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

ጀኔቭ 01.04.2012

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 44 guests online