www.blina.org

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መርሕነት ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ ብዓወት ተዛዚሙ። PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Thursday, 19 April 2012 23:10
ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መርሕነት
ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/
ብዓወት ተዛዚሙ።


ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መርሕነት ምግባእ ብሓደ ወገን ፋሺሽታዊ ስርዓት ህግደፍ መዳርግቲ ብዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታት እናውረደ ኣብ ሃገርና ሓደጋ ምብትታን ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ፣ መንእስያትና ካብ ዝፈትዉዎም ወለዶም ሃገሮም ብስንኪ እዚ ግፍዕታት ሃጽ ኢሎም ብባሕርን ብምድረበዳን ንስደት ተቓሊዖም መዓልታዊ ሬሳታቶም ንኣርየሉን ብኻልእ ሸንኽ ከኣ መንእሰያት ብትብዓት ተወዲቦም ንመሰል ኩሉ ህዝቢ “ ስመር” ኢሎም ኣብ ዝኸቱሉ መደርኽን ስለ ዝተኻየደ ደርብ ሓላፍነት ዘሰክም ግዜ’ዩ ተኻይዱ።

ማእከላይ መርሕነት ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ (ደ.ው.ብ.ብ.ኤ) ብ ዕለት 14 ሚያዝያ 2012 ኢዩ ተጋቢኡ።

ኣብ መስራቲ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ (ደ.ው.ብ.ብ.ኤ)፡ ብዲምክራስያዊ ኣገባብ ካብ ዉሽጡን ካብ ራሕቁ ናይ መገሻ  ዕድል ዘይረኸቡን ኣባላቱ ዓሰርተ ሰለስተ ቀወምቲ ሽማግሌን ክልተ ተጠባበቕትን ክልተ ተቆጻጸርቲ ኮሚሸናራትን መሪጹ።

እዚ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግሌ ከኣ ብመስራቲ ውድባዊ ጉባኤ ዝሃቦ ሓላፍነት መሰረት ብምግባርን ኣብ ዉሽጣዊ ሕጊ ማሕበር ተመርኵሱን፣  ካብ ኣባላቱ ሾብዓተ ኣባላት ፈጻሚ ቤት-ጽሕፍት ክመርጽ ከሎ ፣ ሓምሽተ ሰክሬተርያ ናይ ስራሕ ሽማግሌ ኣቑሙ፣ ናይ ስራሕ ምምቅቃል ኣካይዱ፡፡

መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ወጽዓ ኣደራዕ ቀንዲ ተሰከምቲ ስለ ዝኾኑ ብቱክረት ርእዩ መደባት ሰሪዑ።
    
ኣባላት ማእከላይ መርሕነትን ንህልው ብቁልጡፍ ዘንቆልቁል ዘሎ ናይ ጸጥታዊ ትካላት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምፍራስን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዝርኤ ዘሎ ናይ ተስፍ ምቅራጽ ተርእዮን ካብቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ርእዩ። ኣብ ኩሉ ከባቢ ዘሎ መንግስታዊ ስርሓትን ወሃብቲ ኣገልግሌትን ትካላት ተመሳሳሊ ውጥረት ሰፊኑ ከም ዘሎ ተገንዚቡ። ናይዚ ሓደገኛ ኣተሃላልዋ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ብዕምቆት ብሐባር ገምጊሙ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ባይቶ ኤርትራ ንምሕያሉ ተራኡ ከም ዝጻወት ተገንዚቡ።
 
ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ተመርኵሰን ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ብሄራውያንን ሕብረብሄራውያንን ውድባት ሓባራዊ ተርድኦኤን ንህዝቢ ከቅርባን ነዚ ቅኑዕ ዕላማ ንኸዕዋታን ድልዱል ሓባራዊ ግንባር ክፈጥራ ከም ዘለወን ተገንዚቡ።

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ (ደ.ው.ብ.ብ.ኤ)፡ ምስዚ ተታሓሒዙ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቃወምቲ ሐይልታት ንጥፈታትን፡ እዋናዊ ሽግራት ህዝብናን ኣብ ምፍታሕ አበርቲዑ ክስርሕ ምኻኑ ርእዩ።

ኣባላት ማእከላይ መርሕነትን ንመስራቲ ውድባዊ ጉባኤና ንምዕዋት አገዳሲ ሓገዛት ዝገበሩልና ደቂ -ብሌንን ፈተውትናን መገሱ ገሊጹ፡፡

አብ ቀጻሊ ሐገዞምን ተሳትፍኦምን ከበርክቱ ደጉሙ ብምጽዋዕ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምስዓር ኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ብዘይ ውዓል ሕደር ብስምረት ኣብ ቃልሲ ንቁሕ ተሳትፎ ክህልዎ ጸዊዑ።

ማእከላይ ሽማግሌ ነዚ ኹሉ ብዕምቆት ኣጽኒዑን ተመያዪጡን ንብሄረ ብሌን ንመሰሉ ክለዓል ጸዊዑን፣ ንፈጻሚት ሽምግሌ መደብ ዕዮ ኣሰኪሙን ብዓወት ኣኼባኡ ዛዚሙ።

ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምስዓር ቅልጽምና ነወሃህድ!!
ብስሙር ቃልስና፣ መሰልን ማዕርነትን ብሄራትና ክነረጋግጾ ኢና!!
ናይ ዜናን ትምህርትን ሽማግለ
ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ (ደ.ው.ብ.ብ.ኤ)
15.04.2012 
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 67 guests online