www.blina.org

ብምኽንያት 24 ግንቦት ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ውድባዊ መግለጺ፣ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 23 May 2012 23:01

24 ግንቦት፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ድማ ኣገዳሲ ምዕርፍ ዝሐዘት ዓባይ ነጥበ‐መቐይሮ ታሪኽና’ያ፡፡ ህዝብታት ኤርትራ ኣንጻር ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ንዘካየድዎ መሪር ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ብዘሐብን ድሙቅ ዓወት ዝዛዘመላ፡ ዕለተ ልደት ኤርትራውነትና’ያ። 24 ግንቦት፡ ሕልሚን፣ራእይን፣ጽኑዕ ዘይክማህ እምነትን፤ መስዋእትን ናይ ልዕሊ ሰለስተ ወለዶታት ጋህዲ ዝገበረት ዕለት ስለ ዝኾነት ንዘልአለም ኣብ ታረኽና ኣገዳሲ ቦታ ሒዛ ትነብር። 
በዚ ኩሉ ከቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገጸት ክብርቲ ዕለት፣ ብሰንኪ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጡ ሕልምታት ህዝብና በርዒኖም፡ ነጻነትና ድማ ሽማዊት ኮይና ተሪፋ ኣላ። ሎሚ ደንበ ተቓውሞን ህዝብናን መበል 21 ዓመት በዓል ናጽነት ክነብዕል ከሎና እቲ ዝነበረ ሕልምን ተስፍታትን በኒኑ፣ ከይተርፍ ኣብ ትሕቲ ሕድሪ ሱዉኣትና ኮና ንቓልሲ እና ሰሓንና ማሕልና ኣሓዲስና ነብዕላ ኣሎና። እንተ ህግደፍን ናቱ ሃሱሳትን ግን  በትሪ መንግስቲ ጥራይ ዘገድሶም ስለ ዝኾነ ኣብ ሃገርና፣ ንሰብአዊ መስል ረጊጾም፡ ንመንእሰያትና ኣሳጉጎም ብትራእዩ ዘይፍለጥ ጭካነ ምስ ህወቶም እንከለዉ ኮላሊቶም ዝምንዙዕሉ፡ ግዜ “ንሕና ነሱ ንሱ ንሕና” ክብሉ ምርኣይና ክሳብ ክንደይ ህዝብና ኒዒቖሞ ከም ዘልዉ ካልእ መረዳእታ የሎን። ኣደታትናን ኣሓትናን  ጸሊም ኪዳን ናብ ባህልዊ ኪዳን ዳርጋ ተለዊጡ፣ ኣይናብራ ኣይሓዳር ኮይነን መሰል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሃገርና ብኸም’ዚ ተረጊጹ ኣይፈልጥን።
ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!!
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ባዕዳውያን ገዛኢቲ ዝፍለየሉ ድአ እንታይ ኣለዎ? እታ ሓንቲ ተቀይራ ዘላ ባዕዳዊ መግዛኢቲ ሰጉግና አብ ጎኒና ኮይኑ ንአና መሲሉ ብዝጸንሔ ጠላሚ ዓማጺ ፍሽስታዊ ስርዓት ሃገራዊ ሓይሊ ምጭባጥ ዶ ኣይኮነን ፍልልዩ። እዞም ጠለምቲ ሕድሪ ሱዉኣትና ቢኢደ ወነኖም ስልጣን መንግስቲ ንዕስራን ሓደን ዓመት ጨቢጦም፣ ንህዝቢ ዕይኑ ከይርኢ “ብሽም ልኡላውነትን ምክልኻል ሃገርን” ጎልቢቦምና ብዛዕባ ሃገራዊ ገዳያት አልዕልና ከይንዛረብ መሰልና ክሒዶም ስለ ዘለዉ ኣብ ሃገርና ካልኣይ ዜጋ ኮንካ ምንባር ክውዳእ ኣለዎ።
እዚ ብሽም “ምክልኻል ሃገርን ምኽባር ልኡላውነትን” ተገልቢቡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ አዕናዊ ናይ ተጻብኦን ኵናትን ፖሊሲ፡ ብቀንዱ ካብቲ ጸረ-ህዝቢን ጸረ-ዲሞክራስን ባህርያት ስርዓት ዝምንጨወ ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ከይሐድርን ብሰላም ናብርኡ ከይገብርን ናይ ክፍኣት ፖሊሲ’ዩ።
ምስ ምሉእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ጥምጥም ገጢሙ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንዲ ብስምምዕን  ዓለምለኽዊ ሕጊ ኣኽቢሩ ዝኸይድን ምስ ግብረ-ሽበራ ሐይልታት ሽርክነት ፈጢሩ ኣባ-ጓይላ ናይ ሁከት ኣብ ከባቢና ኮይኑ ዘሎ’ውን ብቀንዱ ካብቲ ጸረ-ህዝቢን ጸረ-ዲሞክራስን ባህርያት ስርዓት ዝምንጨወ’ዩ። ብውጺኢቱ ድማ ብዝተዋህለለ ናይ ግበረ-ሽበራዊ ንጥፈታትን ብሰነዳት ጭብጢ ዝተሰነየ ብባይቶ ጸጥታ ዓለም ብተደጋጋሚ እገዳን መቅጻዕትን ወሪድዎ ኣሎ።
ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!!
ዓማጽን ገበነኛን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብቀጻሊ ንዝሐለፉ 21 ዓመታት አብ ስልጣን ክቅጽልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ኣሎ ዝተባህለ ግፍዕን ምጥሐስ ሰብአዊ መሰላትን ከተግብር ዕድል ፈጢሩሉ ዘሎ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሃላልዋ ተቓለስቲ ሐይልታትና’ይ። ኩሉ ህዝብና ዘልዕሎን ዝነቅፎን ዘሎ ኣንጻር ህ.ግ.ድ.ፍ ዘቀንዔ ሐያል ግንባር ክፍጠር ዘይምኽአሉ’ዩ። ግፍዒ ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ህዝብታትና ካብዚ ዝኸፍእ የለን ብምባል ቅጥዔኦም ብግሉጽ ዝዛረቡሉ መድረኽ ኣቲና ከሎና ደንበ ተቓውሞ ነዚ ሕቶ ህዝብታትና ክምልስ ኣይከኣለን ዘሎ።
እዚ ሕጂ ዝዓኹኹ ዘሎ አብ ደንበ ተቓውሞ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ከኣ ነዚ ሓላፍነት’ዚ ክስከም ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ካልኣዊ ጎንጽታትና ኣብ ካልኣዊ ቦታ ኣቕሚጥና ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ክነቐድም መድረኽን ህዝብን ይሓተና ኣሎ። ነዚ ዘይምምላስና ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ከይንኸውን ከኣ ብፍላይ እቲ ነዚ ቻርተር  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ዝፈረመ ሓይልታት ግዲኡ ክግብር ኣለዎ። እቲ ዘማዕድውን ኣብ ነቐታ ዘሎ ሓልታት’ውን ነዚ ባይቶ ናይ ኩልና ክኸውን ክቐርብን ክንቀርቦን ናይ ቓልሲ ሜላ ምዃኑ በዚ ዕለት ካብ ዝተማሃርናዮ ተምኩሮ ኣሎና።
መንእሰያት አብ መላእ ዓለም ድምጾም ክብ ብምባል ናቶም ውደባታት ይፈጥሩን ተሞክሮታት ይለዋወጡን አለው። እዚ ሓይሊ እዚ ፈጻምን ሰውራውን ክኸውን ኩልና ክንሕግዞ ታሪኻዊ ሓልፍነት ኣሎና። ሃገርና፣ ነዚ ሓዲስን ተካእን ወለዶ እንተ ኣጥፈኤት  ንሕና’ውን ምስ ህግደፍ ኣብ ታሪኽ ብሕማቕ ክንዝከር ክነብር ምዃና ክዝንጋዕ የብሉን።
ጭቁናት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ!!
ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን መንግስቲ ህግደፍ፡ ንመንነትኩም ባህልኩም ታሪኽኩም ብምኽሓድ፡ ሰነ 20 1991 ኣብ ማዓልቲ ስውአት ኣሞክልዩ ዘሕለፎ ሰራም አዋጅ አቢሉ ከም “ማሕበራዊ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት” ብምርኣይ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልኩም ብምግሃስን ብምርጋጽን፡ ካብ ሱርኩም መሕዩ ከጥፍአኩምን፡ ኣብ ተንቀሳቀስቲ ንብረት ክቅይረኩምን ማሕበራውን ቦታውን ኣሰፋፍራኹም ንምቕያር ብዘይድሌትኩምን ዕግበትኩምን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምግዓዝን፡ ኣብ መንጎኹም ጽልእን ቅርሕንትን ብምፍጣር፡ አዳህሊሉ ዕድመ መግዛእታዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዕስራን ሓደን ዓመት ይሰርሓሉ ኣሎ። ካብ’ዚ ንላዕሊ እንተቐጸለ ብዝኸፍኤ ዝጉድእን ባህልናን ቋንቋናን ክምህምን ስለ ዝኾነ  ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ዕምሩ ንምሕጻር ብስምረት ንለዓል።
ብሄር ብሌን እዚ ዓመት’ዚ ንጭቑን ህዝብና ድርብ በዓል’ዩ። ድሕሪ ክንደይ ቓልስን ጻዕርን ብትብዓትን ቆራጽነትን ህዝቢ ብሌን’ቲ ብ2009ዓም ዝጀመረ ናይ ሓርበኛታት ተወለድት ብሄር ብሌን ህዝባዊ ብሄራዊ ምንቕስቓስ ሆደ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት 30  መስራቲ ጉባኤኡ ገይሩ ካብ ሓደ ብርኪ  ቓልሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ቓልሲ በጺሑ’ዩ። ፖሎቲካዊ ፕሮግራምን ውድባዊ ሕንጻ ሕግን ኣጽዲቑ፣ ካብ ማእከሉ ከኣ ማእከላይ ሽማግሌ መሪጹ፣ ብዓወትን ብዓቢ ናይ ቃልሲ ፍናን ዝወጽኣሉ ዓመት’ዩ። እዚ ጾር እዚ ግ ናይ ኩሉ መሰል ዝደሊ ጾር ኮይኑ ብፍላይ ግን ጭቁን ብሄርና መሰሉ ክርጋገጽ ኣብ እዚ ቃልሲ ኩሉ ዜጋ ብሌናይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ምስ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ሰጢሙ ክለዓል ብንቅሓትን ብሓድነትን  ተቓሊሱ መሰሉ ከርጋግጽ ሜላ ቃልሲ ስለ ዝኾነ  ሕድሪ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን።
በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብሄራውያን ውድባት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝሐሸ ዓቕሚ ንምጥራይን፣ ንመስል ብሄራትና ንምውሓስን፣ ሕቶ ህዝብና ክንምልስን፣ ፍቶታዊ ሓድነት ናይ ብሄራት ደሞክራስያዊ ግንባር ሎሚ ዝያዳ ይጥለብ ኣሎ። ንመፈንጠራ ህግደፍ ዝብንጥስ ሓይሊ ካብ ጭቁናት ብሄራትና ክውለድ ናይ ግድን’ዩ። ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን መንግስቲ ህግደፍ ብስሙር ቅልጽም ብሄራትና ክንስዕሮ ቁርብነትና ንገለጽ።  
ንናይ ፖሎትካን ሕልናን እሱራት እናዘከርናን ኣጆኹም ቀሪብና’ና ብርሃን ክትርእዩ እናበልናን፣ ከም ህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእክለኣይ ምስራቕን .. ወዘተ የማስለና እናበልና፣ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ዮሃና 24 ግንቦት እናበልና ናይ ነጻነት ሰናይ ትምኒትና ንኹሉ ህዝብታት ኤርትራ ንገልጽ።
ዮሃና 24 ግንቦት !!
ብስሙር ቃልስና ፣ መሰልን ማዕርነትን ብሄራትና ክነረጋግጽ ኢና!!
ውድቐት ንፋሺሽታዊ ስርዓት ህግደፍ!!
ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና!!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
24 ግንቦት 2012
Last Updated on Saturday, 08 June 2013 11:35
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 60 guests online