www.blina.org

You are here:   Home Blog Blin/ብሊን በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ሎም ዘመን ንዕለት 30/05/2015 ኣብ ከተማ በርን ክበዓል‘ዩ
በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ሎም ዘመን ንዕለት 30/05/2015 ኣብ ከተማ በርን ክበዓል‘ዩ
Monday, 11 May 2015 21:13

በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ሎም ዘመን ንዕለት 30/05/2015 ኣብ ከተማ በርን ክበዓል‘ዩ

ናብ፣

ኣዚኹም ዝኸበርኩም ምእመናን ኣፍቀርቲ ማርያም፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝበዓል ዝነበረ ብዘበን ኣብ ከተማ በርን ንዕለት 30/05/2015 ክነብዕሎ ኢና። ኩልኹም ምእመናን ነታ ኣዝያ እተፍቅረና ወላዲት ኣምላኽ ኣደና፣ ውሉዳዊ ፍቅርናን ገልጸላ ዕለት ስለ ዝኾነ፣ ሓቢርና ንኽብረታ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ ኩልኹም ምእመናን ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መደብ በዓል ዝጅምረሉ ንኣድራሻን እዚ ዝስዕብ እዩ


800 - 1000 ዋዜማን ኑዛዜን


1000 - 1300 ስርዓተ ቅዳሴ


1300 - 1500 ምሳሕ


ካብዚ ቀጺሉ ዝተረፈ መደባት ባህላዊ ምዝንጋዕ ንሓድሓደ ስነ-ጽሑፋትን ግጥምን ንማርያም ዝምልከት ብፈተውቲ ማርያም ይቀርብ።


2100 መደብ በዓል ይዕጾ።


ኣድራሻ ናይ ቤተክርስትያን፡


Gossetstrasse 8/9,3083 Wabern. ብሕዝባዊ መጉዓዝያ እትመጹ ካብ Banhof ትራም፡ ቁ.9 ንWabern ገጻ ትኸይድ ትሕዙ ኣብ GurtenBahn ትወርዱ።


ኣድራሻ ናይ ኣደራሽ፡ Schwandenhubelstrasse 25/27

3098 Schliernbei Köniz

 

ንዝኾነ ሓበረታ፣ 076 456 10 20 ተወልደ ባህታ

076 521 10 16 ምካኤል ስብሃትልኣብ


ብደሓን ምጹ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 143 guests online