www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ብምኽንያት 24 ግንቦት 2013 ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ፡ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
ብምኽንያት 24 ግንቦት 2013 ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ፡ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
Friday, 24 May 2013 19:45

24 ግንቦት፡ንመበል 22 ዓመት ብተኸታታሊ እነብዕላ ዘለና ክብርቲ ማዓልቲ ናጽነ እያ፡፡ህዝብታት ኤርትራ፣ ንሰላሳ ዓሜታት ዝቀጸለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ንባዕዳዊ መግዛእቲዊ ሓይልታት ንሓዋሩ ካብ ሉዑላዊ መሬቶም ጸሪጎም ዘውጹኡላ፡ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስውኣት ዘበጀዉላ፡ ጸብጺብካ ዘይጭረስ ጅግንነታዊ ቃልስታት ዘካየዱላ ሃገርና፡ መንነቶም ብዘይ ናይ ሓደ ደገፍ ዘረጋገጹላ፡ ሜጻኢ ዕድሎም ባዕላቶም ዝወሰኑላ ዕለት ኮይና፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ዝባን ተቓለስቲ ተውጢሑ ዝኣተወ ጠላም ጉጅሌ፣ ፋሽስታዊ መንግስቲ ተኺሉ ጨና ሰላምን ዲሞክራስን ዝተሓረመት ሃገር ገይሩ ገጻ ኣብ ዓለም ደዊንዋ ይርከብ።

ተቃለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

 

ሎሚ ኤርትራ ካብ ግዳማዊ መግዛእታዊ ኣርዑት ካብ ትላቀቅ 22 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። እዘን ዝሓለፈ 22 ዓመት ኣብ ታሪኽ ሓንቲ ሃገር ዓቢይን ኣገዳስን ኮይኑ እትኸደሉ ዘላ ኣቅጣጫ ዘሜላኽት ግዜ እውን`ዩ። ከም ውልቀ ሰባት ንኹን ውዱባት ናይ` ዝሓለፉ 22 ዓመት ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ገምጋም ክንገብር ኣገዳስን ግቡኡን`ዩ። ኣብ' ታሪኻዊት ዕለት፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ዝውሃብ ገምጋም ኣብ ክልተ ተጻረርቲ ርእይቶታት ፈሊና ከንቅርቦ ዝከኣል'ዩ፡።

1. እቲ ሓደ ብፋሽስታዊ ጉጅሌን ኣንጨብጨብትን ዝቀርብ፡ "ሃገርና፣ ምስቲ ኩሉ ዘጓንፋ ግዳማዊ ተጻብኦታት ከይተሰናኸለት ተኣምራትዊ ምዕባሌን ንካልኦት ሃገርት ኣብነት ክኽውን ዝኽእል ዕቤየትን ምዕባሌን ብዘተኣማምን ጎደና ትምርሽ ኣላ" ይብሉ። ብፋሺስቲ መንግስትን ደገፍቱን ዝወሃብ ገምጋም ክሳብ ክንደይ ነዛ ሃገርን ህዝብን ዝጨከነ ንሂላዌኣ ዝፍትን ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ'ዩ። ኣንጨብጨብቲ ትማሊ ትማሊ መራሕቶም ዝነበሩ ብዘይ ሕግን ኣገባብን ክእሰሩን ክሓቕቑን ከለዉ ክሓቱሎም ዘይብቅዑ ተበለጽቲ እዚ ፋሺስት ጉጅሌ ዝጎሓፍ ዘዝበሎም ክደግሙ ክነብሩ'ዮም።

2. ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጠቅሊሉ ሰላም ዝተሳእነላ፡ ዝኮነ ዜጋ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ክሳብ ዝምለስ እንታይኮን የጓነፈኒ እንዳበለ ተሸቑሪሩ ዝነብረላ፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰልን ዘይክበረላ፡ ሕጊን ቅዋምን ዘይብላ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ይኩን ከም ሰብ ናይ ምንባር ሕቶ ዝተሓረመላ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕድራን ኵናትን ድማ ስእነትን ድኽነትን ጎቢእዋ ዘሎ ሃገር ምዃና፡ መንእሰያት መጻኢ ዕድሎም ጸልሚትዎም ንስደት ከም ዝሓሸ መማረጺ ዝራኣዩሉ፡ ውላዳ ከም ኣቕሓ ዳጋ ዝሽየጥን ዝልውጥን ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ደንበ ኣራዊት ተቀይራ ትርከብ ሃገር'ውን'ያ፡፡ እዚ ሓቅነት' ብዓለም ደረጃ'ውን ዝተደገፈ ሙኳኑ ናይ ፖሎቲካን ቁጠባን ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቁን ደጋጊሞም ዝገለጽዎ'ዩ። ሃገርና ኣብ' መድረኽ' ኣብ ፖሎቲካን ቑጠባውን ባህላውን ሂወት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምንቁልቃል ዘላ፡ ኣብ ዞባ ቕርኒ ኣፍሪቓ ናይ ዘይምርግጋእን ዂናትን ምንጪ ዝኾነት፡ ንሂወት መንእሰያታ ተስፋ ዘይትህብ፣ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ዝብል ስም ጠሚቆማ ይርከቡ፡፡

ኣብ' ክልተ ጫፍት ኮና፣ ዕለት ነጻነት ነኽብር ኣለና። ገሌና ከይትወድቕን ኣብ ፍጹም ሾክ ከትይትኣቱን ከብድና ሓቑፍና ንምድሕና ብቓልስን ምህልላን ክንሕርራ ክንጋደል ኮሎና፣ ጉጅሌ ህግደፍ ከኣ ምስ ኣንጨብጨብቲ ኮይኑ ብኣፋ ክደፍኣ "ንኺድ ጥራይ" ይብሉ ኣለዉ። ደቂ ሃገር ክወጽኡን ክብህደሉን ኣብ በኢት ማእሰርትታት ክሓቑን ከለዉ፣ ሞታን ጥፍኣታን ዝደልዩ ሓይልታት ከኣ ኣብ ኤርትራ ክስርቱ ንርኢ ኣሎና።

ተቃለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ብሰንኪ ዓማጺ ተግባራት ስርዓት ... ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ዝላዓለ ናይ ምረት መግለጺ፡ ምስቲ ዝጸንሔ ተቃውሞታት ተደማሚሩ፡ እቲ 21 ጥሪ 2013 ብሰራዊት ምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ዘማሓላልፎ ፖሎቲካዊ መልእኽቲ ናይ ህዝብና "እንቢ ንምልኪ" ምባሉ ጸኒዑ ኣሎ። እቲ ካብ ብርኪ ውጹዕ ህዝቢ ዝወጸ ሰራዊት ዘቅረቦም ሕቶታት፡ ከምቲ ኣብ ዓለም ተራ ናይ ሰራዊት ጠለባት ዝረኣዩ መነባብሮና ይማሓየሸልና፣ ደሞዝ ይወስኽና ዝብል ሕቶ፡ ወዘተ...ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ማእከል ዝገበረ ቅዋም ይተግበር፡ እሱራት ብዘይ ዋዓል ሕደር ይፈትሑ፡ ዝገበርዎ ገበን እንተልዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዝግብኦም ፍርዲ ይውሰዱ፡ ነጻ ፕረስ ይሃሉ ወዘተ... ዝብሉ ስለ ዝነበረ ህዝባዊ'ዩ። እዚ ንስርዓት ፋሽስቲ ... ብቀጥታ ንህልውንኡ ዝተፈታቶኖን ፈጻሜ ሰለ ዝነበረ፡ ንክዓብጦን ክሓብኦን ልዕሊ ሰለስተ ሶምን ወሲዱሉ`ዩ። ክሳብ ሕጂ'ውን ከም' ኣብ ሞስኮት ቲቪ ዝበልዎ ፍጹም ከም ዘተቆጻጸርዎ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓቅታት ይምስክር ኣሎ። እዚ ስርሒት ፎርቶ ብዋዛ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ሐደ ካብቶም ኣብ ታሪኽና እናተዘከሩ ዝነብሩ ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ ምዕራፍት ህዝብና ሓደ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ' ሓድሽ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘሰጋገር ሓጋዚ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ጅግንነታዊ ስርሒት ኮይኑ ኣብነት ኮይኑ ክሳብ ዓወት ብጎደናኡ ክንምርሽ'ና።

ሎሚ 24 ግንቦት ክነብዕል እንከሎና፡ ኩነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ምብጻሕ ጥራሕ ዘይኾነ ብምስክርነት ግዳማውያን ተዓዘብቲ ከይተረፈ፡ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩብ(International Crisis Groep)ኣብዚ ዓመት ዝቀረበ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ሃገርና "ኣብ ፖሎቲካውን ኢኮኖማውያውን ማሕበራውን መዳያት ኣብ ጫፍ ናይ ምብትታን ሓደጋ በጺሓ ምህላዋ፣ እዚ ኣታሃላልዋ` ኤርትራ ንባዕላ ጥራሕ ዘይኮነ ንጎረባብታን ንማሕበረሰብ ዓለም ዝኽፍኤ ሳዕቤን ከየስዕብ፡ ኩሉም ዝምልከቶም ዞባውያንን ኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን ዝካኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ" ዝብል 8 ነጥብታት ዝሓዘ ጽሑፍ ቀሩቡ ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ ብሁማን ራይትስ ዎች "ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ እሱራት፡ ክሳብ ሕጂ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ክሲ ኣብ ልዕሊኦም ከይተመስረተ ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ኩነታት ተዳጕኖም ይርከቡ" ብምባሎም እዚ ንባዕሉ ነዚ ኩውንነት ደሚቁ ዘርኢ ሓደ ምስክር`ዩ።

ፋሺስታዊ ስርዓት ... ዓመት ዓመት ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝሕደስ እገዳ ተቀርቂሩ ካብ ዓለም ተነጺሉ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከሎ ብኾንቱ ጃህርን ፈኸራን ንህዝብና ከደናግር ይፍትን ኣሎ። ንህዝብን ንሃገርን ዝሓሊ እንተዝኸውን ነዚ ብሰንኩ ኣብ ፖሎቲካውን ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማስያውን ጸገማት ወሪዱ ዘሎ ህድእ ኢሉ ቅኑዕ መፍትሒ ከናዲ ኔርዎ እንተኾነ ባህሪ ናቱ ስለ ዘይኮነ ክሳብ ንዕርበቱ ክጎዓዝ'ዩ። እንተኾነ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ማዋጥሮ ክሰጋገሮ ስለ ዘይከኣለ፣ "ዓጾ ዓጾ ንማዕጾ" ከም ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝብና ካብ ዝሓለፈ ግዜ ብትዓጻጻፊ ጭቆናንን ሕሰምን የኽርር ኣሎ። ኩሉ ብረት ክስከም ኣዊጁ እተን ቆልዑ ከዕብያ ገዛ ዝውዕላ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ኣባላት "ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ" ክኾና እሞ ንሙቑጽጻረን ክጥዕሞ ብሓይሊ የመዝግበን ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ሙሉእ ወተሃደራዊ ፋሺስታዊ ምሕደራ እትያ ህዝባ ገለብለብ እናበለ 22 ዓመት በዓል ናጽነት የብዕል ኣሎ።

ተቃለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ህዝብታት ኤርትራ ነዚ ኣብ ልዕለና ዝወርድ ዘሎ ፍሽስታዊ ግፍዒን ንኡ ዝምክት፡ ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ ንኩሉ ክፍሊታት ሕብረተ ሰብና ዘሳትፍ፡ ሰፍሕ ሃገራዊ ግንባር ኣቁምና መንእሰያትና ከኣ ናይ ሰደት ናብርኦም ተጻዊሮም "ይኣክል ጭቆና ይኣክል ምልኪ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖታት ንህግደፍ ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ ዝገጠሙሉ ውደባታት ፈሊሞምሉ ዘሎው ግዜ 22 ግንቦት ክነብዕል ከሎና ንጭቁናት ትስፉው መድረኽ'ውን ኢዩ። እዚ ግን ንንየተሉ ኣይኮነን። ብዙሕ ስራሓት ከም ዝተረፈና ፈሊጥና ብኹሉ ሸነኻቱ ነቲ ዘሎና ዕማም ኣብ ዓወት ክነብጽሖ ተኸባቢርና ንፍትሒ ቀዳምነት እናህባን ዝያዳ ክንሰርሓሉ ክንረባብረብ ኣሎና ብፍላይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሃገርዊ ባይቶ ንለውጢ ክሕይልን መሊኡ ፍትሓዊ ክኸውን ንዝተበገሶ ሽቶ ክውቕዕን ኩሉ ደላይ ለውጢ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ። ሎሚ ተወሊዱ ጽባሕ ዝጎዪ ሕጻን የሎን፣ እዚ ትካል'ውን ክድልድልን ንኣድማዒ ስራሕ ክግብርን ንናይ ባይቶ ኣባላት ዝሕደግ ጾር ኣይኮነን። እናሰራሕካሉ ምንቓፉ ከኣ ተመራጺ'ዩ።

ኣብ' ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት ናይ ለውጢ ጻዕርታት ውድባን ዕጥቅን ዝገብርዎን ዝገብርዎ ዘለውን ዝሙጎስ'ዩ። ብፍላይ ከኣ ደንበ ተቓውሞ ሰሚሩ ጸረ ቀዳመይ ጸላኢኡ ደው ክብል ዝገብሮ ቃልሲ ኣናኣኢስካ ዝርኤ ኣይኮነን። ምስ' ግን ምስ ግዜ ክንጎዓዝን መደባቱ ብዕቱብ ክሰርሕን ኣብ ዘሎናሉ ቦታ ናይ ኩልና ሰኸም ምዃኑ ክንዝግዖ ኣይግባእን። እቲ ብውዱብን ብውልቕን ብሰብ ሞያን ንስርዓት ... ንምቅላዕ ዝግበር ቃልሲ ተጠናኺሩ ይቕጽል ኣሎ። ናይ መጽናዕትን ምርምርን ሕቶ ስደትን ትካላት መስሪትካ ንውሳኔ ክወስዱ ዝኽእሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ጭብጢ ዝተሰንዮ ሓበርታ ብምቅራብ ክንቐላጠፈሉ ኣሎና። እቲ ከም እንፊጅን ኮይኑ ነዚ ስርዓት ክቅጽል ዝገብሮ ዘሎ ሓገዛት ክቋርጽን ካብ ዓለም ክንጸልን ግቡእና ንግበር።

ተቃለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፡ ሕቶኡ ህዝቢ ብሄር ብሌን ኣብ መሬቱ ዋና ክኸውን ቋንቋኡን ባህሉን ክሕሉ ብድልየቱ ዝመረጾም ክመሓደር ኣውቶኖሚ ዝኾነ ምሕደራ ክውንን፣ ዕላማ ሒዙ ምስ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ብስምረትን ብተወፋይነትን ጸረ ፋሺሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ይቓለስ ኣሎ። እዚብዙሓት ብሄራት ዝሓቱኦ መሰል እምኒ ኵርናዕ ዲሞክራሲ'ዩ። ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ የስመሮን ንምዕባሌ ይውንጭፎን እንበር ክጎዛዝዮ ከም ዘይክእል ብሩህ'ዩ። እንተኾነ ተጻብኦ ጥራይ ዝፈልጡ፣ ንቕዳማይ ጸላእን ካልእዊ ሕብረተሰባዊ ሕቶታትን ዝደበኣልቑ፣ ናትና ጥራይ ይሰማዕ ዝብሉ፣ ናይ ..ኤን ...ኤን ናይ ቀደም መንገዲ ክቅየር ዘይደልዩ ዓቓባውያን፣ ንውደባ ብሄርን ሕብረ ብሄርን ከናእሱን ጸረ ሓድነትና' ክብሉን ንሰሚዕ'ና። ላም ፍርቂ ጎና ስቡሕ ፍርቂ ጎና ዕባራ የላን። ንኣጉራዊ መስረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ንብዝሕነት ብሄራት ትውንን ሃገር እምኒ ኵርናዕን ጎሲና ንሃገርና ሰላምን ምዕባሌን ክነምጻእላ ከም ዘይንኽእል እዚ ሕጂ ንንበረሉ ዘሎና ናይ ሕማቕ ሕማቕ ናብራ እዚ ትጣበቑሉ ናይ ቀደም ድሑር ራኢ ዝወለዶ ምዃኑ ክንስሕት የብልናን። ሕቶ ብሄራትን ሕብረበሄራውያን ውድባት፣ ህዝቢ ብዓዱን ብወረዳኡን ብኣውራጃኡን ብባህሉን ብቋንቋኡን ብመሬቱን ብእምነቱን ተሓቢኑን ቀሲኡን ተኸባቢሩን ክነብር'ዩ። ነዚ ዝጻወርን ዝእንግድን ሰፊሕ መሰላት ህዝብታት ዘውሕስ ከኣ መሰላት ህዝብታት ወይ ብሄራት ምእምን'ዩ። እዚ ቅኑዕ ራኢ ከይኩለፍ ነዚ መስመር ንድግፍ ብሓባር ንጎዓዘሉ ኣገባብ ቃልሲ ክነታኣታቱ ግዜ ዝጠሎቦ ሓቂ ክንርኢ ንብቓዕ።

ዲሞራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ብህልዊ ኩነታት ብሄረ ብሌንን ካባቢ ህዝቢ ብሌንን ክንዛረብ እንተኾነ እዚ ህዝብታት ካብ እቲ ሕማቕ ዝበሃል ዝሓመቐ ሂወት ከሕልፍ ከሎ ብሓይሊ 22ዓመት ናጽነት ከብዕል ይግደድ ኣሎ። ብሄር ብሌንን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ህዝብታትን እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበሮ ቆስሊ ከይሓወየ ኣብ ዳባዊ ኵናት ምስ ተሰጣሔ፣ ድሕሪ ኵናት ከኣ ኣብ ማእከል ሰላምን ኵናትን ትስዕሲዕ ህግደፋዊት ኤርትራ ኣልሚስዎ ይርከብ። ብፍላይ ከኣ ሕጂ ደገፍ ናይ ወጻኢ ዝተነጉፎ ድቁ ኣብ ግዱድ ዕስክርናን ስደትን ፋሕ ዝበሉ ጠበንጃ ክስከም ክግድድዎ ከለዉ ካብ ቤቱን ደቁ ካብ ደንቢኡን እንስሳ ካብ ዓውዱን እኽሊ ሓርቢትዎ ግዳይ ሕማምን ሞትን ግዳይ ጥሜትን መከራን ግዳይ ሕስረትን ስደትን ኮይኑ ይርከብ። ብባሕሪ ይኹን ብዶብ ምስ ካልኦት ዘይዳወብ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ሞቁሎ ፋሺስታዊ ጉጅሌ ህግደፍ ዝልሎ ዘሎ ስለ ዝኾነ መኣስ ትውግሕ እዛ ለይቲ ኢሉ ልዕሊ ኹሉ ጸረ ህግደፍ ደው ዝበለ ህዝቢ'ዩ። ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፡ ካብ' እዚ ትንፋስ ዝኸልእ ጾር ንህዝቢ ኤርትራ ነጻ ክውጽእ ከም ኩሉ ግዜ ምስ ኩሎም ንስርዓት ... ኣብ ምፍራስ ኣብ ዝካየድ ቅኑዕ ቃልሲ ሓቢሩ ክሰርሕ ድልውነቱ የረጋግጽ።

ንቓልስን ንተውፋይነትን እና ጸዋዕና፣ ዮሃን መዓልቲ ነጻነት እናበልና፣ ንዓመታ ጉጅሌ ህግደፍ ተጸሪጉ፣ ስላምን መሰል ኩሉ ሃገራውያን ዝኸበርላ ኤርትራ መስሪትና መበል 23 ዓመት ኣብ ሃገርና ክነብዕል ሰናይ ሃረርታና ንኹሉ ህዝብታት ኤርትራ ንገልጽ።

ስዕረት ንፍሽስታዊ ስርዓት ...

24 ግንቦት ቃልስና እነሕድሰላ ዕለት`!

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ 24.05.2013

Last Updated on Monday, 15 July 2013 23:22
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 21 guests online