www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news መግለጺ ሓዘን ንወለድን ንሃገርን ብሓደጋ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቁ መንእሰያትና ዝምልከት ካብ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን
መግለጺ ሓዘን ንወለድን ንሃገርን ብሓደጋ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቁ መንእሰያትና ዝምልከት ካብ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን
Saturday, 05 October 2013 23:18

መግለጺ ሓዘን ንወለድን ንሃገርን

ብሓደጋ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቁ መንእሰያትና ዝምልከት

ካብ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን

 

ዕለት 03/10/13 ልዕሊ 500 ሰባት ዝሓዘት ጃልባ ናብ ላምፕርዱዛ (ኢጣልያ) ንምስጋር ኣብ ፍርቂ ባሕሪ ምስ በጽሐት ናይ ሰብ ሂወት ዝበልዐ ትራጀዲ ኣጋጢሙ። ኣብኣ ዝነበሩ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ዝሞቱን ገለ ቁሩብ ዝተረፉን ንምምዝጋብን ነቲ ንሞዓሙቕ ባሕሪ ዝጠሓለ ሬሳ ንምዋጻን ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

መንግስትን ህዝብን ኢጣልያ፣ ካቶሊካዊ ጳጳስ ካቶሊክን፣ ደቢሶምና ሕሰም ኣይርከቡ። ባንዴራ ኣዝሊቆም ደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብኩሮም ሙሉእ መዓልቲ ጸሎትን ምህልላይ ክገብሩ ምርኣይና ሞራል ሂቦምና። ነዚ ሕሰም ዝዓደመ ፋሺስታዊ ምሕደራ ኢሳይስ ዓው ኢሎም ኮኒኖም።

ኣብ ኩሉ ጸገም ኣሎ እንተኾነ ኣይከምናትናን።

ሃገርንን ህብናን እዚ ክፍደ ሃየንታ ኣለዎ። መንኣሰይ ካልኣይ ግዜኡ ብጃምላ ክመውት እዚ ሕሉፍ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ'ዩ። ሰብዓ ሺሕ ቅያሕትን ከደሮትን መርዓውን መርዓትን ሂወት ከፊልና ዘምጻእናዮ መንግስቲ እዚ ክፈድየና ግደፉ ጽንጽያ ዓይንና እኳ ከንፈረልና ብፍቃድናን ብድልየትና ክኸውን ኔርዎ።

ሞትን ሕወትን ተጸጋጊዔን ይነብራ። ሓደ መዓልቲ ንኹሉ ኣላ። ደለይቲ ፍትሒ ስምረትኩም ካብ ኩሉ ግዜ ሎሚ ይድለ ኣሎ። ንህዝብና ብምክብባርናን ብምጽዉዋርናን ብምትሕልላይናን ንደብሶ።

ንወለድን ንሃገርን ጽንዓት ይሃቦም ይሃበና ንብል።

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን

Last Updated on Tuesday, 08 October 2013 13:07
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 29 guests online