www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news መበል 44 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ህዝቢ ዖናን በስግዲራን።
መበል 44 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ህዝቢ ዖናን በስግዲራን።
Friday, 28 November 2014 14:25

መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ሰላማዊ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ዖናን በስግዲራን ኣመልኪቱ ዝወጸ ፍሉይ ጽሑፍ።

ሰላም ቅሳነት ራህዋ ምዕባለ ክህሉ ወትሩ ግዜ ናይ ዝኾነ ሰብ ድለት`ዩ።ካብ  ሰላምን ቅሳነትን ዝረብሑከኣ እቶምብባህሪኦም ደላይቲ ሰላም ዝኾኑዉጹዓት ህዝቢታት እዮም።ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ናይ ረብሓ ፍልልይ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ግዜ ረጽሚ ኣሎ። እቶም ዓመጽቲ ሓይልታት ረብሓታቶም ንምሕላው ብቐጻሊኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዅናት ምእዋጅንወራራት ምክያድ ነቲ ህዝቢ ኣንበርኪኾም ክገዝኡ ሓደ ካብቲ ብቀጻሊ ዘክኣይድው ገበናዊ ትርእዮ እዩ። እዚ ሎሚ ሒዝናልኩም ቐሪብና ዘለና ጽሑፍ ቅድሚ 45 ዓመትብመግዛእቲዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ብሌን ኣብ ዖናን በስግዲራን ዝተኻየደ ኢ-ሰብኣዊ ጃምላዊ ህልቂት ሓቢርናንምዝካርዝዓለመ`ዩ።

ዝተበደለን መሰሉ ዝተሐድገን ህዝቢ መግዛእቲን ምዝመዝን ምስ መረሮ ድሕሪ ዝተውሰነ ናይ ሙጉሩምራም ግዜ፡ መሰለይ ክብረይ ረብሓታተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል ኣንጻር ገዛእትን ዓመጽትን ክለዓል መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ካብ ምብጋስ ኣይተርፍን። ዓወቱ ድማ ኣየጠራጥርን።

ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ንምስፍሕ ብሽም ኢትዮጵያ "ናይ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ፣" "ብታሪኽ ኤርትራ ሓንቲ ዘይትፍለ ኣካል ዓባይ ኢትዮጵያአያ" ኢሉ፣ብሓያላን መንግስታት ብዝተገሩሉ ዘይሕጋዊ ዲፕሎማስያዊ ጉልባብ መሬት ኤርትራ ወሪሩ ቶቆጻጺሩዎ። ንህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽ ዝሕግዞ ዘመናዊ ሰራዊት ሃኒጹ  አጽዋራት ሸሚቱን፡ ዓለምለኻዊ ናይ ምስፍሕፍሕ ሓይልታት ብዝሃብዎ ወተሃደራውንቑጠባውን ተነዪቱ ንኤርትራ ክርግጽ ዝተሃንደደ።

ስራዓት ሃይለስላሴ ቅኑዕ ሕቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ናጽነት ክቅበልን ክምልስ ይትረፍ፡" ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን" ዝብል ቁሊዕ ናይ ምጽናት ፖሊሲ እዩ ተኸቲሉ። ነዚ ንምትግባር ድማ ሓጋይን ክራማትን ቀትርን ለይትን ከይፈለየ ህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽ ዘይኣሎሞ ተንኮልን ዘይገበሮም ግፍዒታትን ኣይነበሩን።ብሰንኪ እቲ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ገበን ድማ ዝሰፍሔ ክፍሊ ህዝቢ ኤርትራ ናብራ ሓሲምዎም ኣደዳ ጥሜትን ስደትን ምዝባልን ስራሕ ምስኣንን ኮይኑ። ጭቆና ኣብ ዘለወሉ ቓልሲ'ውን ኣሎ። ከም ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ'ውን ቓልሲ መሪጹ።

እቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ንሃገራዊ መሰል ንምጥባቅ ዝጀመረ ብሓረካ(ማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ) ህዝባዊ ተቃውሞ፣ብዑሱባት ዘውዳዊ ስርዓት ተሪር ተጻብኦ  ስለ ዝተጓነፎም፡ ንበረኻታት ብምኻድ ተቃሊሶም። ድሒሩ ድማ እቲ ቃልሲ ብተጋድሎ ሓርነትኤርትራን እዩ ቀጺሉ፡፡ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ደገፍ ስለዝነበሮ ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ብኣግኡ ብዕሸሉ ክድምስሶ ብጻዕቂ ተንቀሳቂሱ፡ ነዚ ቅነዕ ህዝባዊ ቃልሲ ክገትኦ ብዘይምኽኣሉ "ዓጾ ዓጾ ንማዕጾ"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓበይቲ ግህሰታት ኣብ ምፍጻምዩ ኣድሂቡ። ነዚ ንምትግባር በብግዝይኡ ተሞክሮ ዘለዎም ኡሙናት ዓበይቲ ጀነራላት ከም  ጀነራል ተሾመ እርገቱ ህዝቢ ክነበርክኽ ይልእኽ ነይሩ፡፡ንኤርትራዊ ተቃውሞ ብሓፈሻ ንተ.ሐ.ኤ ድማ ብፍላይ ንምድምሳስ "ዓሳ ንመሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ" ብዝብል ባርባርዊ ትምክሕቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንከባቢሰንሒት እቲ ሰውራ ከረን ከይኣቱ ብኣጀንዳ ንህዝቢ ከጽንት ተበጊሱ።

ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብሰራዊት ጽነዕ ሓለዋ ተገሩሉካብ ኣስመራ ንከረን ገጹ ክንቀሳቀስ ምኻኑ ካብ ውሽጣዊ ስሩዓት ተ.ሓ.ኤሓበረታ ተመሓለሊፉ፣ኣብ'ቲ ግዜቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ባልዋ ካብ ዒላበርዕድ 5ተ ኪ.ሜ ኣድብዮም ብምጽናሕ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ቀቲሎሞ።ብሞት`ቲ ጀነራል ዝተቖጥዑ ሰራዊት፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ዋጋ ክኽፍልዎ ሙዃኖም ይፍክሩ ነበሩ። እቲ ምቅታልን ምዝራፍን'ኳ ሓንቲ መዓልቲ ኣየዕረፉን። ኣብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ባርካ፣ሰምሃር፣ ደንከል፣ ሳሕል፣ ሰንሒት ከምኡ ሓምሴን፣ ሰራየ፣ ኣኮሎጉዛይ፣ ኣብ ራዕድን ፍርሕን ይነብር ነይሩ። ኣብ ከባብ ከረን ንዝነበራ ዓድታት ብጃምላ ምርሻን ብሳንጃ ምሕራድን ብሓዊ ገዛውቶምን ግራውቶምን ምሕራር ንብረትምዝራፍ ልሙድ ኮይኑ ኔይሩ።

ጦር-ሰራዊትብ 30 ሕዳር 1970 ዓ.ም ልክዕ ቅድሚ 45 ዓመት ካብ ከተማ ከረን ዝተበገሱ  ንሩባ ዓንሰባ ጸልማትተሸፊኖም ናብ መሬት ሰኹነይቲ20 ኪ.ሜ. ካብ ከረን ሪሒቑ ዝርከብ ቦታ ብመደብ ህዝቢ ንምቓታል ወፈሩ። ሩባ ዓንሰባ ሰጊሮምድሕሪ ምሕዳር ጋሕጋሕ ንግሆ ደሓን ኣሎና ዝብል ህዝቢ ሓደጋ ወረድዎ። ንኹሉ ናብ ማሕረሱን መጓሰን ክኸይድ ንዝሸባሸብ ዝነብረ ቆልዓን ሰበይትን ኣረጋውያንን ከይተረፉ ኣብ ሓደ ቦታ ብምእካብ ማይ ይኹን መግቢ ከይሃቡ ከርዲኖሞም ወዓሉ።  ሃዲሞም ንካልኦት ከይሕብሩ ድማ ብጥብቂ ሓለዋ ተገሩሎም ወዓለ።እቶም ጦር-ሰራዊት ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ዝነበሩ፣ "ንስኻትኩም ንወንበድየ (ጀብሃ) ትሕግዙ ትዕንግሉ ትሓብኡ፡ ንስኹም ባዕልኹም ወንበድየ`ኹም፡ ካብቶም ንስኹም ትቅልብዎም ሽፍታ ፈሊና ኣይንርእየኩምን ኢና'' ክብሉ ክህድድዎም ወዓሉ። ህዝቢ ክምህለልን ክልምንን ምፍትሒ ክረክብ ኩሉ ሰላማዊ ዝገብሮ ይገብር ኔይሩ። ነዚ ናይ ህዝቢ ብኽያትን ጸገምን ዘይግድሶ ክቀትል ዝወፈረ ወተሃደር "ኣብ`ዚ ከባቢ ነፈርቲ ክድብድባ ስለዝኮና ኣብ መስጊድ" እተዉ ዝብል ምኽርን ሓይል ተሓዊስዎ ኣብ ምስጊድ እታ ዓዲ ኤእተዎም።ኩሎም ምስ ኣተው ኣብ ኣፍ ምስጊድ ብሚትሬስ ብምሳኹቲ ብዝተፈላልየ ዓይነት ብረትን ቦምባ ኢድን ተሳሃልዎም። እቲ ክፍዒ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ንምብራህ ኣብ ማእከል ሬሳታት ሓደ ቆልዓ ብዕድል ዝደሓነ ጡብ ኣዲኡ ክጠቡ ዝተረክበ ኣሎ። ብዘይ ምሕረትብግፍዒ ዝሞልኦ ኣገባብ  ልዕሊ 120 ሰባት ተቀማጦ በስግዲራቆልዓን ኣዴታትን ኣረጋውያን ከይፈለዩ ኣጽኒቶሞም። ኣብ ምስጊድ ኤእቲኻ ምቅታል'ውን ናቱ  ፖሎቲካመግለጺኔይርዎ። ክሳብ ሰብዓታት ንሰውራ ኤርትራ "እስላማዊ" ክብልዎ ካብ ህዝቢ ክርስትያን ክንጽልዎ ፈቲኖም'ዮም። ንህዝቢ ኤርትራ ግን መስጊድን ቤተ ክርስትያንን ክልቲኡ ቤት ኣምላኽ'ዩ። ገዛእቲ እምነት ከም ዘይብሎም ህዝቢ ኤርትራ ቀዲሙ ስለ ዝፈለጠ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ተዋጊእዎም ብኣልማማ ምጽናት ከኣ ኣየቛረጸን፣በዚ ኣጋጣሚ`ዚኣብወክድባ ሰንበት መዓልቲ ካብ ቤተክርስትያን ንዝወጹ ሰላማዊ ህዝቢ 80 ሰብ ከም ዝቀተለ ይዝክር።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በስክዲራ ዝፈጸምዎ ኣረመናዊ ተግባርቀጻሉ ናብ ኩሉ ሊሒሙ`ዩ። ዖና ካብ ከተማ ከረን ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቃ ትርከብ ዓዲ'ያ።ነበርቲ ዖና ፈተውቲ ስራሕ ጻዕራማት ህርኩታት ሓረስቶት እዮም ነሮም። ዖና ዓባይ ዓድን ታሪኻዊት ቦታ ህዝቢ ብሌንን'ያ።ካብኩሉ ዖና ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ቁልፊ ናይ ከረን ከኣ'ያ።ካብ ከረን ንገድሊ ዝኸይድን ዝኣቱን ሓበረታን ሰብን ስንቅን መድሃኒትን ሰለ ዝነበረት ንተጋደልቲ ኣገዳሲት ዓዲ'ያ ነራ።ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ንዖና ካብ ገጽ ምድሪ ክድምስስዋ መድብ ከም ዝነበሮም ኩሉ ዝፈርሆሓቂ እዩ ነሩ። ህዝቢ ዖናን ከባብን ነዚ ኹሉ እናፈለጠ ንዕላማኡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዘርኢ ዝነበረ ልዕሊ ተጋዳላይ ዝተጋደለ ህዝቢ'ዩ።

ዖና ካብ ፎርቶ ከረን ሓምሽተ ኪ.ሜ. ሪሒቓ ዝተደኮነት ታሪኻዊት ዓዲ'ያ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ በቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ "ኩለን ዓድታት ኣብ ሓደ ንጸጥታ ዝቀረበ ቦታ ይተኣከባ" ዝብል ኣዋጅ መሰረት ኣብ ከባቢ ዓዲ ዖና ዝርከባ ዓድታት ኣብ ዖና  ክእከባ ገሮም። ቅድሚኡ ዝነደዳ ዓድታት ብስክዲራን፣ ፋቱዳ፣ ግብሲን፣ባንቢን ዳርጋ ጠቕሊለን ኣብ ዖና  ኣትየን ነረን።ኣብ ምድሪ ብሌን ታሕሳስ ዳርጋ እኽሊ ኣትዩ ንመርዓን ካልእ ህዝባዊ ባዓላትን ተስካር ዝግበረሉ ወርሒ እዩ። ብፍላይ ሽዑ ሰሉስ መዓልቲ ክልተ ተስካር ነሩ ይበሃል። ብሓቂ'ውን ዖና ሽዑ መዓልቲ ግደፍዶ ደቂ ዓዲ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ነሮም እዮም። እቲ ህልቂት ሰሉስ ብዕለት 1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም ሰለ ስኾነ ብብሄር ብሌን "ሰሉስ ጸላም መዓልቲ" ተባሂላ ትዝከር። ካብ ሰዓት ሽድሽተ ብከቢድ ብረት ካብ ፎርቶ ከረን ንዖና ዕላማ ዝገበረ ብዘይምሙቑራጽ ክሳብ እታ ዓዲ ካብ ሱራ ትድምሰስ ደብደብ ተኻይዱ። ጸኒሑ ከም ሓደ ናይ ጸላኢ ታባ ዝድምስስ እግረኛ ሰራዊት ነቲ እግርን ኢድን ዘይነበሮ ብሳንጃን ጥይትን ደጊሙዎም።ነዚ ተኸላኻሊ ህዝቢ ስለ ዝቀተሉ ዝነበረ ፈኸራን ዕላልን ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልቢ ኩሉ ብሄር ብሌንን ህዝቢ ከተማ ከረንን ዘድረቐ'ዩ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ'ዚ ዝሃለቐ ህዝቢ ክቁጸርን ዖና ደጊማ ክትህነጽን ዝነበራ ዝዘከራ የሎን። ካብዝን ካብትን ዝተረኽበ ጸብጻብ ግን ካብ 800 ክሳብ 1000 ዝግመት ሂወት ክኸውን ከሎ ንብረትን ዝስዓቦ ድኽነትን ስደትን ውርደትን ከየልዓልካ'ዩ። እቲ መደብ ንኹሉ ከባብ ከረን ክሳብ መሬት መንሳዕ ሓባብ በጁክ ካልእን ኣኪብካ ብጥይት ምቅታል እዩ ነሩ፣ሳላ ዓበይቲ ዓድን ናይ ሃይማኖት ሓለፍትን ግብረ ሰናይ-ማሕበራትን ዘካየድዎ ዘይሕለል ናይ ምትህድዳእ ጻዕሪ ክድሕኑ ኪኢሎም። እዚ ህልቒት እዚ ኢትዮጵያ ክትዓብጦ ወላ እንተፈተነት ደም ንጹሃት ደፊኡ ንደገ ተቓሉሑ'ዩ። ንመጀመርያ ግዜ አተን ፍሉጣት ናይ ዜናማዕከናት ከም ቢ.ቢ.ሲ, ሶት-ኣልዓረብን ብሰፍሑ ኣቃሊሔንኦ'የን።እቲ ኣቦ-ኣፍሪቃውያን ሕያዋይ ንጉስ አንዳተባህለ ዝዝመረሉ ዝነበረ ንጉስብግፍዕታቱ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተቃሊዑ።

እዚ ናይ ዖናን በስክዲራን ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ሐደ ግዜብስፍሑ ዝተፈጸመ ብምኻኑ ንዝክሮ ኣለናድኣ'ንበርእዚ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዓዊ ተግባራት`ዚ ድሕሪኡ  ኣብ መላእ ኤርትራ ኣብ ከተማታት ከይተረፈ ዝደጋገም ተርእዮ ኮይኑ`ዩክሳብ ካብ መሬትና ተሳዒሩ ዝወጽእ ቀጺሉ'ዩ።

እዚ ቅድሚ 45 ዓመት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ሎሚ መዓልቲ ክንዝክር ቀንዲ ምኽንያት ብቀንዱ እቲ ህያው ታሪኽ ህዝቢታት ዖናን በስግዲራን ከምኡ ናይ ኩሉ ሰላማዊ ህዝብታት ህልቂት ተቀቢሩ ከይተርፍን፣ኩሉ እጃሙ ክገብር ንምዝኽካር'ዩ። ተጋዳላይ ኣብ ዕላማ ብድልየቱ ዝወፈረ ስለ ዝኾነ ናቱ ዝኽሪ ክህልዎ ከሎ ናይ ሰላማዊ ህዝቢ ቃልስን መስዋእትን ከኣ ናቱ ዝኽርን ዝክርን ክህልዎ ይግባእ። ፋሺስታዊ ስርዓት ግህደፍ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ክዝክርን ንወለዶታ ዝኸውን ዝኽሪ ክገድፍን ዘይሕሰብ'ዩ። ኣብ ግዜኡ ዝሃልቕን ዝስደድን ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ይበዝሕ።ናይዚ ጽዑቅ መግለጺ ግርማ ኣስመሮም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ነቶም ብሰንኪ  ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊስታት መሪርዎም፣ኤርትራ ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለው ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብናህሪ ምውሳኹ ካብ እንታይ ይነቅል ተባሂሉ ተሓቲቱ ንጋዜጠኛ ቮይስ ኣመሪካ ኦዝሃቦ መልሲ እኹል መርትዖ`ዩ።

ህልቂት ሰላማዊ ህዝብታት ኤርትራ ተረሲዑ ክተርፍ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ዝፈጠሮ በሰላን ዘስዓቦ ናይ ኣታሓሳስባ ጸቅጥንብግቡእ እንተዘይ ተፈቲሹን ተፈዊሱንብዕርቕን ብፍትሕን እንተዘይተደቢሱ ኣብ ዝቅጽል ወሎዶታት ቁስሊ ኮይኑ  ንህላዌኣን ንምዕባሌኣን ክዕንቅፍ ክነብር'ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ እዩ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ኣብ ወርሒ ዓሰርተ ኣብ ዘካየዶ ማእከላይ ሽማግሌ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነብር ህዝቢ ኤርትራኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድን ኣውራጃን ብሄርን ሰላምዊ ህዝቢ ዝወደቁ ፈቲሹ፣ከምመበገሲንዖናን በስክዲራን ኣብነት መዓልቲ ሰማእትታ ሰላማዊ ህዝብታት ወሲዱ ነዛ1 ታሕሳስ ኩሉ ዓመት ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ዝክር፣ ብሸምዓን ብካልእ ኣገባብ ንደቅና ክነማሓላልፍን ዝተላበወ።

 

ዘልኣልማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

ውድቐት ንፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ!

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

ሳይበር ኣድራሻና፣ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ሳይበር ወብና፣ www.blina.org

Last Updated on Friday, 04 December 2015 12:07
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 569 guests online